ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 27 3 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ስርዓተ-ትምህርቲ እዩ። ሓደስቲ መጻእቲ ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቅኑዕ ደረጃ ምእንቲ ክጅምሩ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ግዴታዊ ትምህርቲን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ዘሎ ምትሕብባር ከተንብብ ኢኻ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓደ ተመሃራይ ተወሳኺ ደገፍ እንተ ኣድልይዎ፡ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ክህቦ ዝኽእል ሓገዝ እውን ዝገልጽ እዩ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ዝለዓለ ትምህርትን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሎም ቈልዑ ናይ ምምሃር መሰል ኣለዎም። መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታውን ብናጻን ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ሽወደን እቲ ቈልዓ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ዝመልኣላ ዓመት ኣትሒዙ፡ ንቈልዑ ግዴታውን ዘይክፈሎን መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣለና። ቈልዑ ካብ ደቂ ሓደ ዓመት ኣትሒዞም ናይ መውዓሊ ህጻናት መሰል እውን ኣለዎም።

ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ – መሰልን ግዴታን ክልቲኡ

ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ መሰልን ግዴታን ክልቲኡ እዩ ኣብ ሽወደን እቲ ቈልዓ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ዓመት ክሳብ እቲ ቈልዓ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝውድእ ወይ 18 ዓመት ዝመልእ፡ ግዴታዊ ምኻድ ትምህርቲ ኣለና።

ግዴታዊ ምኻድ ትምህርቲ፡ ቈልዑ ከምኡ ዘይገብርሉ ብቑዕ ምኽንያት እንተ ዘየልዩ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ግድን ክኸዱ ኣለዎም ማለት እዩ። ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኸዱ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ክትምሃር ብድልየትካ እዩ።

ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ምምሃር ኣይክፈሎን እዩ።

ኵሎም ቈልዑን መንእሰያትን ብዝበለጸ መገዲ ምእንቲ ክምዕብሉ፡ ቤት ትምህርቲ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝቈጻጸሩ ሕግታት ኣለዉ። ቤት ትምህርቲ ንናይ ተማሃሮ ዝተፈላለየ ድልየታት ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ። ብዓል መዚ ትምህርቲ ኵሎም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ዝምሃሩ ቈልዑን ተመሃሮን ኣብ ውሑስ ሃዋህው ብሉጽ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ከረጋግጽ ዘለዎ ብዓል መዚ እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኸይትኸይድ ዝገብሩ እንታይ ብቑዓት ምኽንያታት ኣለዉ ይመስለካ?

ናይቲ ተመሃራይ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልጠት ግምገማ

ካብ 6 ክሳዕ 18 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ናብ ሽወደን ዝመጹን ኣብ ካልእ ሃገር ዝተማህሩን ቈልዑ ብናይ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተኛታት ግምገማ ይግበረሎም እዩ። ኣብቲ ግምገማ እቶም ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ እቲ ቈልዓ ቅድሚ ሕጂ እንታይ ከም ዝፈልጥ የረጋግጹ።

እቲ ግምገማ ንዕድመ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልጠትን ንብሕታዊ ዅነታትን ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ውሉድካ ትምህርቲ ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ውሉድካ ኣበየናይ ዓመት ትምህርትን ክፍሊን ክመሃር ከም ዘለዎ ክውስን ኣለዎ። እቲ ግምገማ ንትምህርቲ ውሉድካ ቀጻሊ መደብ ንምግባር እውን የገልግል እዩ። ግምገማ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ናይቲ ቈልዓ ቋንቋ ኣደ ዝዛረብ ሓደ ኣስተርጓሚ ወይ መምህር ቋንቋ ኣደ ይሕግዝ እዩ።

ትምህርቲ ክጅምሩ ከለዉ ድሮ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ ግምገማ ኣይግበረሎምን እዩ። ከምቲ ልሙድ ትምህርቲ ይጅምሩ።

ውሉድካ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ክመሃር ዘድልዮ እንተ ዀይኑ

ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መባእታዊ ቤት ትምህርትን ፍሉይ ቤት ትምህርትን፡ ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑ ብፍሉይ ዝተዳለዉ ክልተ ኣማራጺታት ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እዮም።

እቲ ቈልዓ ቅድሚ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ምጅማሩ፡ ኣየናይ ዓይነት ቤት ትምህርቲ ብዝበለጸ ከም ዝሰማምዖ ንምፍላጥ መርመራ ይግበር።

እቲ ቈልዓ ቅድሚ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ምኽኣሉ፡ ወለዱ ወይ ናቱ ሞጕዚ ፍቓዶም ክህቡ ኣለዎም።

መቀራረቢ ክፍሊ

ነቶም ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ናብ ሽወደን ዝመጹ ቈልዑ ናይ መቀራረቢ ክፍሊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነገር ኣሎ። ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ እቶም ተመሃሮ ሽወደንኛን እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲን ልምምድ ይገብሩ። እቶም ተመሃሮ ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ኣብቲ ተራ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ትምህርቲ ይወሃቦም። እቲ ትምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ብመሰረት ዕድምኡ፡ ቋንቋ ቤትን ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልጠት እተፈላለየ ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ኣብ ብዙሓት ኮሙናት መቀራረቢ ክፍሊ ኣሎ።

ሓደ ተመሃራይ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ ክምሃር እንተ ኾይኑ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣዩ ዝውስን።

ግምገማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናይ መላለዪ መደብ ዘሎ መላለዪ ቋንቋ (språkintroduktion) ዝጅምሩ ሓደስቲ መጽእቲ ተማሃሮ እውን ፍልጠቶም ይግምገም እዩ። ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመክሮታት ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ቋንቋ ዓይነት ትምህርቲ ፍልጠትን ናይ ስራሕ ተመክሮን ይግምገም።

ምስ ኮሙንካ ተራኸብ

እቲ ትነብረሉ ኮሙን ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕርበሎም ግዴታ ኣለዎ። ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ኣብ መባእታዊ ወይ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቦታ ዘድልዮም ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቈልዑ እንተ ሃልዮምኻ ኮይኖም ምስ ኮሙንካ ክትራኸብ ኣለካ። ከመይ ከም ትገብር እቲ ትነብረሉ ኮሙን ተወሳኺ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ካብታ ውሉድካ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ከም ዘድልዮ ምስ ኮሙንካ ርክብ ገርካ ዘመልከትካላ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ናይ መውዕሊ ህጻናት ቦታ ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ። ንውሉድካ ናይ ግሊ መውዓሊ ህጻናት እንተ መሪጽካሉ፡ ቦታ ንምርካብ ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ንላዕሊ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ።

ውሉድካ ወዲ 6-18 ዓመት እንተ ኾይኑ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ኣለዎ።

ሓልዮት ቈልዑ

ቈልዑ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሮም ናይ ሓልዮት ቈልዑ መሰል ኣለዎም። ሓልዮት ቈልዑ፡ ሓባራዊ መጸውዒ ናይቲ ናብ ናእሽቱ ቈልዑ ዘተኮረ ስነ- ትምህርታዊ ንጥፈታት እዩ። ኣብ ሓልዮት ቈልዑ ንኣብነት መውዓሊ ህጻናት፡ ስድራ ቤታዊ መውዓሊ ህጻናትን መጽንሒ ድሕሪ ትምህርትን (fritidshem) ኣሎ። ወለዲ ኣብ ዝሰርሑሉ ወይ ዝመሃርሉ እዋን እቶም ቈልዑ ኣብኡ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ብኮሙን ዝመሓደር ህዝባዊ ሓልዮት ቈልዑን ብናይ ግሊ ትካላት ወይ ውዱባት ዝመሓደር ብሕታዊ ሓልዮት ቈልዑን ኣሎ።

መውዓሊ ህጻናትን ስድራ ቤታዊ መውዓሊ ህጻናትን

መውዓሊ ህጻናት ሓደ ካብቲ ዝውቱር ዓይነት ሓልዮት ቈልዑ። ኣብ መውዓሊ ህጻናት ብስነ-ትምህርቲ ዝሰልጠና ሰራሕተኛታት ይሰርሓ። ልክዕ ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ መውዓሊ ህጻናት ስርዓተ ትምህርቲ ኣለዎም። ስርዓተ ትምህርቲ እቶም ቈልዑ እንታይ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ይገልጽ።

ሓደ ክፋል ናይቲ ሓልዮት ቈልዑ ስነ ትምህርታዊ ሓልዮት ወይ ስድራ ቤታዊ መውዓሊ ህጻናት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ስነ-ትምህርታዊ ትምህርቲ ዘለዎ ሰብ ንቈልዑ ኣብ ገዝኡ ይቕበሎም፡ ይከናኸኖምን ትምህርታዊ ንጥፈታት ሓዘል ናይ መውዓሊ ህጻናት ንጥፈታት ይህቦምን። ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ተምሃሮ ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ስድራቤታዊ መውዓሊ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም። ሽዑ ከም ሓደ መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ (fritidshem) ኾይኑ የገልግል።

ካብ ሓደ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ቈልዑ ቅድሚ ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኖም ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ዝጅምሩ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ስድራ ቤታዊ መውዓሊ ህጻናት ክኸዱ መሰል ኣለዎም። ደላይ ስራሕ እንተ ዄንካ ውሉድካ ወይ ደቅኻ ኣብ ሰሙን ናይ 15 ሰዓት ሓልዮት ቈልዑ መሰል ኣለዎም። ምስ ዝነኣሰ ካብቶም ኣሕዋት ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ኣለኻ ዄንካ እቶም ዓበይቲ ኣሕዋት ኣብ ሰሙን ን15 ሰዓት ናይ ሓልዮት ቈልዑ መሰል ኣለዎም።

ኣብቲ ሓልዮት ቈልዑ ወለዲ ኣገዳሲ እዮም። ንሶም እዮም ንደቆም ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎም። እቲ ቈልዓ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ስድራ ቤታዊ መውዓሊ ህጻናት ክጅምር ከሎ እቲ ቈልዓ ክሳብ ውሕስነት ዝስምዖ ሓደ ወላዲ ምስኡ ክህሉ እዩ። እዚ መለማመዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽልተ ሰሙን እዩ ዝቕጽል። ኣብ መውዕሊ ህጻናትን ድህሪ ትምህርቲ መጻንሕን እቶም ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ንወለዲ ንናይ ምዕባለ ዝርርብ ይዕድምዎም እዮም። ሽዑ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ቈልዓ ኣብቲ መውዓሊ ህጻናት ከመይ ተሰማሚዕዎ ከም ዘሎን ብኸመይ ይምዕብል ከም ዘሎን ይሕብሩኻ። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን እውን እቲ መውዓሊ ህጻናት ከመይ ከም ዝረኸብካዮ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።

ብዓል መዚ ትምህርቲ መውዓሊ ህጻናት ብኸመይ ከም ዝሰርሓ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ እዩ። እቲ ፊልም ብሽወደኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ፈረንሳይኛ፡ ፋርሰኛ፡ ቋንቋ ርሱያ፡ ሶማልኛን ቋንቋ ዩክሬይንን ትሕተ-ኣርእስቲ ኣሎዎ።

ቤት ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን እቲ ቈልዓ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ዓመት ክሳብ እቲ ቈልዓ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝውድእ ወይ 18 ዓመት ዝመልእ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ። ሓደ ዓመተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ነሓሰ ይጅምር ኣብ ሰነ ድማ ይውዳእ።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ቈልዑ ንኽንደይ ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ?

እቲ ቈልዓ ኣብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ዓመት ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ይጅምር። እታ ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ዝመሃረላ ዓመት ንምዕባለን ምህሮን እቲ ቈልዓ ከተነቃቅሕን ንቤት ትምህርቲ ከተዳልዎን ኣለዋ። እቲ ትምህርቲ ብዙሕ ትሕዝቶ ናይ መሃዝነት፡ ድህሰሳን ጸወታን ዘለዎ እዩ። ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ምኻድ ኣይክፈሎን እዩ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ናይ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ምጽናሕ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ይጅምር። ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮ ንኣብነት ከም ታሪኽ፡ ሃይማኖት፡ ፍልጠት ዘቤታዊ ቍጠባ፡ ኢደ ስርሓት፡ ስፖርት፡ ሕሳብን ቋንቋን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ይምሃሩ እዮም።

እቶም ተመሃሮ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ እንታይ ክመሃሩ ከም ዘለዎምን ትምህርቲ ምስ ወድኡ እንታይ ክፈልጡ ከም ዘለዎምን ዝገልጽ መግለጺታት ኣሎ። እዞም መግለጺታት መደብ ትምህርቲ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ (kursplaner) ይብሃሉ። ንኣብነት ሓደ ተመሃራይ ኣብ 6ይ ክፍሊ ብስፖርትን ጥዕናን ምእንቲ ዘሕልፍ ነጥቢ ከምጽእ ንኣብነት 200 ሜተር ክሕምብስ፡ ካብዚ 200 ሜተር ድማ እንተ ወሓደ 50 ሜተር ብሕቝኡ ክሕምብስ ክኽእል ኣለዎ።

ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ኵሉ ግዜ ኣይኮኑን ኣብቲ ተራ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ዓቕሚ ዘለዎም። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ቈልዓ ኣብ ክንድኡ ናብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርት ወይ ናብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእል እዩ። ኣብኡ እቲ ትምህርቲ ምስ ናይ ነፍስ ወከፍ ተመሃራይ ኵነትን ድሌትን ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ እዩ።

ቤት ትምህርቲ ሳሚ፡ ንቘልዑ ሳሚ ኣብ ሳሚኛ ዘተኵሩ ትምህርቲ ክህቦም ኣለዎ። ቤት ትምህርቲ ሳሚ ነቶም ተመሃሮ ደንብታት፡ መሰረታዊ ክብርታት፡ ልምድታትን ባህላዊ ውርሻን ሕብረተ ሰብ ሳሚ ከመሓላልፈሎምን ሳሚኛ ከንብቡ፡ ክዛረቡን ክጽሕፉን ክምህሮምን ኣለዎ። ቤት ትምህርቲ ሳሚ ምስ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ሓደ ዓይነት እዩ። ቤት ትምህርቲ ሳሚ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ኣሎ።

መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ወለዲ ክሰርሑ ወይ ክምሃሩ ከለዉ ቅድምን ድሕርን ናይ ቤት ትምህርቲ ሰዓታት ተምሃሮ ዝጸንሕሉ ቦታ እዩ። መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ነቶም ካብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣዳራሻት እዩ ዝርከብ። መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ፡ ኣብ እዋን ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ (ቀዳመ-ሰምበት ዘይኮነ) እውን ክፉት እዩ። መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ ፍሪቲስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝውቱር እዩ።

ኵለን ኮሙናት ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ ዘይብሎም ክፍልታት ቅድመ-ትምህርቲ፡መባእታውያን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርትን ከምኡውን ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ተማሃሮ መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ ከቕርባሎም ኣለወን።

ነቶም ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳሚን ዝመሃሩ ቈልዑ መጻንሒ ድሕሪ ትምህርቲ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ እዩ።

ኵሎም ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ካብ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ ናይ 6ይ ክፍሊ ጀሚሮም ነጥቢ ትወሃቦም። ይኹን'ምበር ርእሰ መምህራን ናይ ሓደ ቤት ትምህርቲ እቶም ተመሃሮ ካብ 4ይ ክፍሊ ጀሚሮም ነጥቢ ክወሃቡ ክውስን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ እቶም ተመሃሮ ክሳብ ኣብ ጽድያ ናይ 9ይ ክፍሊ መዛዘሚ ነጥቢ ዝወቦም ኣብ ነፍስ ወከፍ ወቕተ-ትምህርቲ ሓድሽ ነጥቢ ይወሃቦም እዩ።

እቲ ነጥቢ ብደረጃ A, B, C, D, E ከምኡ ውን F ዝወሃብ ኮይኑ፡ ዝለዓለ ነጥቢ A እዩ። ነጥቢ F እቲ ተምሃራይ በቲ ዓይነትትምህርቲ ዘሕልፍ ነጥቢ ኣየምጸኣን ማለት እዩ።

ሽወደንና ዘይኮነ ከም ቋንቋ ኣደ ካልእ ቋንቋ ዘለዎም ቈልዑ፡ ቈልዑ ቋንቋ ኣዲኦም ናይ ምምሃር መሰል ክህልዎም ይኽእል እዩ። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ይብሃል። እቲ ቈልዓ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽወሃቦ ናይ ግድን መሰረታዊ ፍልጠት እቲ ቋንቋ ክህልዎን መዓልታዊ ኣብ ቤቱ ክጥቀመሉን ኣለዎ።

ሽወደንና ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘለዎም ቈልዑ፡ ትምህርቲ ናይ ሽወደናዊ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃቦም መሰል ክህልዎም ይኽእል እዩ። ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ናይ ሽወደንኛ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ።

ተወሳኺ ምስምማዕን ፍሉይ ደገፍን

ሓደ ተመሃራይ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ትምህርቲ ንዕኡ ከም ዝሰማማዕ ክገብሮ ኣለዎ። ኣብነት ናይ ተወሳኺ ምስምማዕ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦

  • ንመዓልቲ ትምህርቲ መደብ ምውጻእ ሓገዝ
  • ተወሳኺ ንጹር መምርሒታት
  • ነቲ ተመሃራይ ዝሰማማዕ ናይ ምምሃር ናውቲ
  • ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ተመሃራይ ዝሕግዝ ፍሉይ መምህር

ተወሳኺ ምስምማዕ እኹል እንተ ዘይኮይኑ እቲ ተምሃራይ ፍሉይ ደገፍ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። እዚ ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፦

  • ንነዊሕ እዋን ምስ ሓደ ፍሉይ መምህር ስሩዕ ርክብ
  • ኣብ ሓደ ፍሉይ ጕጅለ ትምህርቲ ምምዳብ
  • ኣብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ነቲ ተምሃራይ ዝሕግዞ ሓደ ተሓጋጋዚ ተምሃራይ (elevassistent)

ብዘይካዚ ቈልዑ ብቋንቋ ኣዲኦም ወይ በቲ እቲ ቈልዓ ኣቐዲሙ ዝማሃረሉ ዝነበረ ቋንቋ ሓገዝ ትምህርቲ (studiehandledning) እውን ክወሃቦም ይኽእል እዩ። ሓገዝ ትምህርቲ (studiehandledning) ነቲ እቲ ቈልዓ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ድሮ ዝፈልጦ ነገራት ንኽ ረብሓሉ ንጥቀመሉ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዝለዓለ ትምህርትን

እቶም ተመሃሮ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ናይ መወዳእታ ዓመት ምስ በጽሑ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሽወደን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምምሃር ብድልየትካ እዩ ዝግበር። ብናጻ እውን እዩ። ካብ 16 ክሳብ 20 ዕድሚኦም መንእሰያት መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብዘሕልፍ ነጥቢ ወዲኦም እንተ ኮይኖም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ዳርጋ ኵሎም መንእሰያት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምቕጻል ክምሃሩ ይመርጹ እዮም።

ከተመልክተሉ እትኽእል ብዙሕ ዝተፈላለየ መደብ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ክሕግዝን ምኽሪ ክህብን ዝኽእል ሓደ ናይ ትምህርቲ ኣማኻሪ (studievägledare) ኣሎ።

ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናይ ሞያ ፕሮግራም ወይ ናይ ኮለጅ መቀራረቢ ፕሮግራም ንኽትኣቱ ናይ ዝተወሰኑ ዓይነት ትምህርቲ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸብካ ክትከውን ይሓትት እዩ። ነቲ ዘድሊ ጠለባት እንተ ኣማሊእካዮ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከተመልክት ብቑዕ ኢኻ (är behörig) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እቶም ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከመልክቱ ብቑዓት ዘይኮኑ ካልእ መላለዪፕሮግራም (introduktionsprogram) ኣለዎም። እዚ ነቶም ተመሃሮ ኣብ ሃገራዊ ፕሮግራም ንኽኣትዉ ወይ ስራሕ ንኽረኽቡ ዕድል ዝፈጥረሎም ዝተፈላለየ ፕሮግራማት እዩ።

እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ንኣብነት ናብ ኢንዱስትሪ ህንጻ፡ ናይ ቈልዑን ናጻ ግዜን ንጥፈታት፡ ሞያ ኢደ-ጥበብ፡ ክንክንን ሓልዮትን ከምኡ'ውን ናብ ካልእ ብዙሕ ዝተፈላለየ ሞያ ከምርሕ ዝኽእል እዩ። እቲ ትምህርቲ ነቲ ተመሃራይ ትምህርቱ ንኽቕጽል ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ናይ ሞያ ኮለጅ ዘድልዮ ፍልጠት ክህቦ ይኽእል እዩ። ስርዓት ኣወሃህባ ነጥቢ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ልክዕ ከምቲ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ እዩ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ እውን ቋንቋ ኣደ ናይ ምምሃር፡ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክመሃርዎን ከምኡ'ውን ናይ ተወሳኺ ምስምማዓትን ፍሉይ ደገፍን ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ነቶም ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ወይ መጕዳእቲ ሓንጎል ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘድሊ ፍልጠት ከማልኡ ዘይክእሉ መንእሰያት እዩ።

ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንተመሃሮ ንሓደ ውሱን ሞያ ዘዳልዎም ፕሮግራማት ኣሎ። ከምኡ’ውን ንኣብነት ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ንምቕጻል ዘቀራርብ ፕሮግራማት ኣሎ።

ከምኡ’ውን ተመሃሮ ብተግባር ልምምድ ዝገብርሉ ናይ ተልመዴን ትምህርትታት ኣሎ። እዚ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እዩ ዝግበር ማለት እዩ። እቶም ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተማሃሮ እንተ ወሓደ ንፍርቂ እቲ ትምህርቲ ኣብ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ስራሕ ቦታታት እዮም ዘሕልፍዎ። ኵሎም እቶም ፕሮግራማት ናይ ኣርባዕተ ዓመት ንውሓት ዘለዎም እዮም።

ነቶም ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምሃሩ ዝመርጹ ሰባት ንኣብነት ከም ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ ኮለጅ፡ ኮለጅ፡ ዩኒቨርሲቲን ኮሙናላዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕን ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለዎም። እቶም ንነጥቦም ክምልኡሉ ወይ ናይ መባእታዊ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ክውድኡ ዝደልዩ ሰባት ኣብቲ ኮምቩክስ ዝበሃል ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ንኣባጽሕ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ናይ ትምህርትን ሞያን ኣማኻሪ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ኣበየናይ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣብ ምግምጋም ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

መንእሰያት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣበየናይ ፕሮግራም ክምሃሩ ከም ዝደልዩ ባዕሎም ክመርጹ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝኾነ?