ንጥፈታት ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 7 2024
ኣብ ሽወደን ሰባት ብፍታው ኣብ እተፈላለያ ማሕበራት ክሳተፉ ልሙድ እዩ። እተን ማሕበራት ብዙሕ ግዜ ንጥፈታት የዳልዋ እየን። ኣብ ሓደ ንጥፈት ምስታፍ ምስ ሓደስቲ ሰባት እትፋለጠሉ ሓደ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ማሕበራት ናብ ናይ ሽወደን ሕብረተ ሰብ ንምእታው ሓደ ጽቡቕ መገዲ ክኾና ይኽእላ እየን።
ናይ ዕቝባኻ ጕዳይ ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ እዋን ክትሳተፈሉ እትኽእል ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሎ። ገሊኤን ማሕበራት፡ ውድባትን ኮሙናትን ንሓተትቲ ዕቑባ ጥራይ ዝኸውን ፍሉይ ንጥፈታት ኣለወን። ኣቐዲሙ ዝግበር ጻዕርታት ንሓተትቲ ዕቝባ ተባሂሎም ይጽውዑ ኣብ ጕዳይ ዕቝባካ ውሳነ ትጽበ ዘለኻን፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህበካ ግን ከኣ ኣብ መንበሪ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እትንብር ዘለኻን ክልቴኹም ኣብቲ ንጥፈታት ክትካፈሉ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ንጥፈታት ቋንቋ ሽወደንኛ ምምሃር፡ ሕብረተ ሰብ ሽወደንን ናይ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕን ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣፍልጦ ምርካብን ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ስድራ ቤትካን ጥዕና ብኸመይ ከም እትከናኸንን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ ምስታፍ ኣይክፈሎን እዩ።
ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ ኮሙንካ ተራኸብ ወይ ኣብቲ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ድለ።
መተካእታ ወጻኢታት መገሻ
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ገሊኡ ኵነታት ናብቲ ንጥፈታት ንምጕዓዝ ክኸፍለልካ ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ጕዕዞ ክፍሊት (reseersättning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ናይ ጕዕዞ ክፍሊት ክወሃበካ ዝኽእል ኣብ ብምምሕዳር ዞባታት ዝጸደቐ ናይ ማሕበር መጽናዕቲ ትምህርትታት ወይ ንጥፈታት ትካፈል እንተ ኣለኻ ጥራይ እዩ። ንስኻ ናይ ዕቑባ ሕቶኻ እተነጽገ፡ ናይ ጕዕዞ ክፍሊት ክወሃበካ ኣይክእልን እዩ።
ናይ ጕዕዞ ክፍሊት ንኽወሃበካ፡ ነቲ ንጥፈታት ዘዳሉ ወረቐት ምስክር ናይ ጕዕዞ ክፍሊት ክህበካ ምሕታት ከድልየካ እዩ። ነቲ ወረቐት ምስክር ምሳኻ ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሒዝካዮ ክትከይድ ኣለካ።
ኣብ ሽወደን ንስራሕ ተቐራረብ
ኣብ ሽወደን ንስራሕ ትቀራረበሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኣገባባት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ብሞያኻ ንኽትሰርሕ እንታይ ከም ዝሓትት ክትፈልጥ ትክእል። ከምኡ'ውን ንወረቐት ምስክርካ ከተተርጕሞ ወይ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርትኻ ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ።