ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 5 2023
ኣብዚ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዳግመ ምትእኽኻብ ስድራ እንታይ እዩ?
ምጥርናፍ ስድራ ቤት ማለት፡ ሓንቲ ተፋላልያ ዝነበረት ስድራ ቤት ምስቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦ ኣባል ስድራ ቤታ ኣብ ሽወደን ብሓባር ንኽትነብር ከተመልክት ትኽእል እያ ማለት እዩ።
ንናይ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መን እዩ መሰል ዘለዎ?
እቲ ኣዚዩ መቕርብካ (ብዓል ቤት፡ ብዓልቲ ቤት፡ ብሓደ መናብርቲ፡ ብጻይ/ብጸይቲን ቈልዑ ትሕቲ 18 ዓመትን)። ቅድሚ ምስዳድካ ናይ ግድን ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመትን ዝተመርዓኻን ወይ ብሓደ ትነብር ዝነበርካን ክትከውን ኣሎካ።
ስድራኻ ናባኻ ናብ ሽወደን ንኽግዕዙ ናይ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ተኽእሎ ዘለዎም፡ ንስኻ፡
- ሓደ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ክትከውን፡
- ሓደ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ይመስል ኣሎ።
ኣየኖት ሕግታት እዮም ዘገልግሉ?
ስድራኻ ናብዚ ከተምጽኦም ንኽፍቀደካ፡ ክትናብዮም ከም ትኽእል (ናይ ምንባይ ጠለብ) ከተርኢ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ንምሉእ ስድራ ዝሰማማዕ ሓደ መንበርን ክህልወካ የድሊ።
ስድራኻ ካብታ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካላ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ንመንበሪ ፍቓድ እንተ ኣመልኪቶም፡ እቲ ናይ ምንባይ ጠለብ ንዓኻ ኣይምልከተካን እዩ።
ስድራ ቤትካ ናብ ሽወደን ካብ እትመጽእ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ እንተ ኣመልኪቶም እሞ ንስኻ ናይ ብጽሒት ስደተኛ (kvotflykting) እንተ ዄንካ፡ እቲ ናይ ምንባይ ጠለብ ኣይምልከተካን እዩ።
ብዝበለጸ ኣገባብ ንኽትቀራረብ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ኣብቲ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ኵሉ ብዛዕባ ስድራኻ ምንጋር ዘክሮ። ኣብ ዳሕራይ ግዜ ምስ ስድራኻ ክትተኣኻኸብ ክትክእል እንተ ዄንካ ኣገዳሲ እዩ።