መንበሪ ዕቑባ ሓቲትካ ኣብ ዘለኻሉ እዋን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 1 9 2025

ኣብ ሽወደን ዕቑባ እንተ ሓቲትካ፡ ኣብ ሓደ ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ንሓተትቲ ዕቑባ ቦታ ክወሃበካ እዩ። ኣብ መንበሪ ንሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ትነብረሉ ግዜ፡ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ። መንበሪ ገዛ ባዕልኻ እንተ ኣዳሊኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ ክትረክብ መሰል የብልካን። ኣብዚ ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቱ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መንበሪ ስደተኛታት ሓደ ቦታ ይወሃበካ

ንስኻ ዕቑባ ትሓትት ዘለኻ፡ ኣብ ሓደ ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ንሓተትቲ ዕቑባ ቦታ ክወሃበካ እዩ። ኣብ መንበሪ ንሓተትቲ ዕቑባ ኣብ ትነብረሉ ግዜ፡ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ (መዓልታዊ ክፍሊት) ክትረክብ መሰል ኣለካ።

እቲ መንበሪ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ብሓደ እትነብረሉ ሓደ ክፍሊ እዩ። ምስ ስድራኻ እንተ ዄንካ መጺእካ ናይ ገዛእ ርእስኹም ክፍሊ ክወሃበኩም እዩ።

መንበሪ ገዛ ባዕልኻ እንተ ኣዳሊኻ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ መሰል የብልካን

ንስኻ ኣብ ክንዲ ናብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ንሓተትቲ ዕቑባ ትኣቱ ባዕልኻ መንበሪኻ ዘዳለኻ፡ ብሓፈሻ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ ክተርክብ መሰል የብልካን። እዚ ካብ 1 መጋቢት 2025 ጀሚሩ ተግባራዊ ይኸውን።

ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣድራሻኻ ሓብሮም

ንስካ ባዕልኻ ኣብ ዘዳለኻዮ መንበሪ ትነብር፡ ናይ ግድን መንበሪ ኣድራሻኻ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትሕብር ኣለካ። ከምኡ ምስ ዘይትገብርን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምስ ዘይረኽበካን፡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ክሰሓብ ይኽእል እዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥም ካብኡ ንደሓር ሓታት ዕቝባ ስለ ዘይኮንካ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ ንኽትረክብ መሰል የብልካን፡ ካብ ሽወደን እውን ናይ ግድን ክትወጽእ ኣለካ።

ሕቶታትን መልስታቱን

ኣይፋልን። ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መሰል ቊጠባዊ ሓገዝ ንኽህልወካ፡ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ሓተትቲ ዕቝባ ክትቅመጥ ኣለካ።