ቍጠባ፡ ገንዘብን ፋክቱራታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 11 4 2023

ቅድሚ 18 ዓመት ምምላእካ እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ወይ ናትካ ብፍሉይ ዝተመዘዘ መጕዚ ናይ ቍጠባኻ ሓላፍነት ኣለዎም

ኣብቲ ትነብረሉ ቤት ስድራ፡ ሆቨበ-ሄም ወይ ናይ ደገፍ መንበሪ እዮም እቶም ዘድልዩኻ ነገራትን ገንዘብን ከም ዘለዉኻ ከረጋግጹ ዘለዎም። ብመሰረት ሓታት ዕቝባ ዲኻ መንበሪ ፍቕድ ዘለካ፡ ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣብ ግብሪ ይውዕሉ።

ንዓኻ ሓታቲ ዕቝባ ዝኾንካ

ንስኻ ሓታት ዕቝባ ዝኾንካ ናይ ምዓልታዊ ክፍሊት መሰል ኣለካ። ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት፡ መሰል ናይ ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝ ኣለካ።

ንዓኻ ትሕቲ 16 ዓመት ዝኾንካ፡ ኵሉ ግዜ እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ እዪ ንምዓልታዊ ክፍሊትን ምናልባት ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝን ኣብ ክንዳኻ ዘመልክት። ወዲ 16 ዓመት ወይ ካብኡ ትዓቢ እንተ ዄንካ፡ ባዕልኻ ንቍጠባ ክፍሊት ከተመልክት መሰል ኣለካ። ኣብ ከምዚ እዋን እቲ ምዓልታዊ ክፍሊትን ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝን ዝኣትዎ ናይ ባዕልኻ ናይ ባንክ ካርድ ትወሃብ።

ምዓልታዊ ክፍሊት ንኣብነት ናይዞም ዝስዕቡ ወጻኢታት ክሽፍን ኣለዎ፡

  • ክዳውንቲ
  • ጫማ
  • ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ዝሃልኩ ወይ ዝጥቀሙ መነጻጽህን ካልኦት ኣቕሑትን፡ ንኣብነት ከም ምግቢ፡ ኣብ ገዛ ንመጽረጊ ዘገልግል ወረቐት ወዘተ
  • ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት
  • ከጋጥሙ ዝኽእሉ ወጻኢታት ናይ ሕክምናን መድሃኒትን።

ድሮ ካብ ኮሙን ንተመሳሳሊ ወጻኢታት ክፍሊት ትረክብ እንተ ዄንካ ካብ ብዓል መዚ ኢኢግረሽን ምዓልታዊ ክፍሊት ኣይፍቀደካን እዩ።

ሰሪሕካ ገንዘብ ተእቱ እንተ ዄንኻ ብዛዕብኡ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትሕብር ኣለካ። እዚ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መሰል ናይ ምዓልታዊ ክፍሊት እንተ ኣለካ ኾይኑ ይጸልዎ እዩ።

በቲ ምዓልታዊ ክፍሊት ክሽፈን ዘይኽእል ድልየት እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ሓደ ተመልክተሉ ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝ ኣሎ። እዚ ንኣብነት ወጻኢታት ንናይ ሓጋይ ክዳውንቲ፡ መነጽር ዓይኒ ወይ ናይ ስንኽልና ወይ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ናውቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ዄንካ ነቲ ምልክታ እቲ ናትካ ግዝያዊ መግጕዚ እዩ ዝመልኦ። ልዕሊ 16 ዓመት እንተ ዄንካ ባዕልኻ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ምልክታ ንምንታይ ሓደ ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝ ከም ዘድልየካ ክትገልጽ ኣለካ። እት ምልክታኻ እንተ ተነጺጉን ነቲ ውሳኔ እንተ ተዘይተቐቢልካዮን፡ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ልዕሊ 16 ዓመት እንተ ዄንክን ቈልዓ ኣለኪ ኾይኑን፡ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንናይ ምዓልታዊ ክፍሊትን ምናልባት ንፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝ ንውላድክን ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ።

ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 8ን 19ን ዓመት እንተ ኾይኑ ንወጻኢታት ናይ መነጽር ዓይንን መነጽርን ውሽጢ ዓይንን( ለንስ) ካብ ዞባ መሰል ኣለካ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ከመይ ከም ዝሰርሕ ዝተፈላለየ ኾይኑ ኣበየናይ ዞባ ከም ትቕመጥ እዩ ዝውስኖ። ድሕሪኡ ነቲ ብዞባ ቍጠባዊ ሓገዝ ዘይሽፈን ወጻኢታት ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ዕድል ኣሎ።

ነቲ ናትካ ናይ ባንክ ካርድ እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ እዩ ዝሕዞ ብዓል መዚኢሚግረሽን ንዓኻ 16 ዓመት ዝመላእካ ናይ ባንክ ካርድ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ክፍሊታት ናብ ናይ ባንክ ካርድ ሓንሳብ ኣብ ወርሒ እዩ ዝግበር።

ንዓኻ መንበሪ ፍቓድ ዝተውህበካ

ድሕሪ ሓደ ወርሒ መንበሪ ፍቓድ ምርካብካ ካብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ስርዓት ትወጽእ። ድሕሪኡ ምዓልታዊ ክፍሊት ኣይወሃበካን እዩ። ናትካ ናይ ባንክ ካርድ ምስራሕ ተቋርጽ። ስለዚ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቅድሚ ምውጻእካ እቲ ኣብ ናይ ባንክ ካርድኻ ዘሎ ገንዘብ ከተውጽኦ ኣገዳሲ እዩ።

ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተወሃብካ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ መነባብሮኻ ሓፍነት ይወስዱ።

ምስ ናትካ ብፍሉይ ዝተመዘዘ መጕዚ ትቕመጥ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ናይ መናበዪ ሓገዝ፡ መልዕሎ ንቈልዑን ናይ ዝዓረፈ ሰብ ቀረባ ኣዝማድ ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ዄንካን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኾይኑን፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ይኸፍሉ እዮም። ብቐዳምነት እቲ ብፍሉይ ዝተመዘዘ መጕዚ እዩ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ዝቕበሎ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ እቶም ሽማግለ ማሕበራዊ ጕዳያት ናብ ቤት ስድራ ወይ ናብ ሆቨበ-ሄም ክኽፈል ኣለዎ ኢሎም እንተ ወሲኖም፡ ናብኡ ክኽፈል እውን ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ድሕሪ 16 ዓመት ምምላእካ ኣብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ደረጃ ምምሃር ትቕጽሎ ኣለኻ ኾንካ፡ ዝተናውሐ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ንኽኽፈለካ ብፍሉይ ዝተመዘዘ መጕዚ ናይ ግድን ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ ድሒሩ ክኽፈል ኣይክእልን እዩ።

ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ፡ ሲኤስኤን ካልእ ገዲፍካ ምስ ቍጠባዊ ሓገዛትን ልቓሓትን ንዝመሃሩ መንእሰያትን ዓበይትን ዝሰርሕ ሓደ ብዓል መዚ እዩ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትምሃር እንተ ዄንካ፡ እቲ ናትካ ግዝያዊ ዝተመደበልካ መጕዚ ናይ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርትን ዝያዳ መወሰኽታን ንቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርት ካብ ሲኤስኤን ከመልክተልካ ኣለዎ። ክሳብ ትሕቲ 18 ዓመት ዘለኻሉ እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ እዩ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ዝቕበሎ። 18 ዓመትምስ መላእካ ነቲ ገንዘብ ባዕልኻ ትቕበሎ።

16 ዓመት መሊእካን ኣብ ቀዳመ ሰንበትን በዓላትን ወይ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ግዜን ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ተእትዎ ገንዘብ ባዕልኻ ክትውስን መሰል ኣለካ።