ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ኣጕባዝ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 5 2023

ነቲ ንኣኻ ዚምልከት ነገራት ሓላፍነት ዚስከሙ ብዙሓት እተፈላለዩ ዓበይቲ ሰባት ክትረክብ ኢኻ። መን ውሳነ ከም ዚወስድ ወይ መን ንሕቶኻ ከም ዚምልስ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ።

ዝመሰለካ ንኽትዛረብን ንኽትስማዕን መሰል ኣሎካ። ተርጓማይ ምስ እትገብር እሞ ምስ ዘይሰማምዓካ ክትልውጦ መሰል ኣሎካ። እቲ ተርጓማይ ምስጢርካ ንምሕላው ግዴታ ኣለዎ። ​

ንገለ ሰባት ኣብቲ ዑቕባ እትሓተሉ ግዜ ክትራኸቦም ኢኻ። ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ፡ ንገለ ካባታቶም ኣይትረኽቦምን ኢኻ፡ ግን ኣብ ክንዳኦም ካልኦት ክትረክብ ኢኻ።​

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዑቕባ ክትሓትት ከለኻ እትረኽቦም ኣለይቲ ጉዳይ ይሰርሑ።

እቶን ምላሽ እትህበሎም ሕቶታት ነዞም ዚስዕቡ ዚርእዩ ሕቶታት'ዮም።

  • መን ከም ትበሃል፡
  • መዓስ ከም ዝተወለድካ፡
  • ስድራኻ፡
  • ኣድራሻን ቍጽሪ ስልኪ ስድራኻን፡
  • ካበይ ከም ዝመጻእካ፡
  • ኣየናይ ቋንቋ ከም ትዛረብ፡
  • ንሽወደን ከመይ ኢልካ ከም ዝመጻእካ፡
  • ካብ ሃገርካ ዘውጻካ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ፡
  • ኵነታት ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎ፡

እቶም ሰራሕተኛታት ነዚ ዚሓቱኻ ኣብ ስርዓተ-ዳታ (ዳታ-ሲስተም) ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንኽምዝግቡኻ እዩ። ብድሕር'ዚ ነቲ ዘቕረብካዮ ሕቶ ዕቝባ ከሳልጡ ስርሖም ይቕጽሉ። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ንምንታይ ኣብ ሃገርካ ክትነብር ከም ዘይትኽእልን ኵነታት ጥዕናኻን ኪፈልጥ ኣገዳሲ'ዩ። ምስ ሰራሕተኛታት ክትዛረብ ድላይ እንተ ዘይብልካ ኣይደልን ክትብል ትኽእል ኢኻ። ነቶም ሠራሕተኛታት ሽዑ ክትዛረቦም ዘይትደሊ ወይ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ኣብ ካልእ እዋን ምስ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ዘሻቕለካ ወይ ካልኦት ጉዳያት እንተለዉኻ'ውን ከምኡ።

እቶም ሠራሕተኛታት ስለምንታይ ብዛዕባ ስድራይ ይሓቱኒ፧

ቦርድ ሚግረሽን ኣደኻን ኣቦኻን ኣንትዎት ምኻኖምን ኣበይ ከም ዘለዉን ኪፈልጥ ኣገዳሲ’ዩ፡ ቦርድ ሚግረሽን ንስድራኻ ብኸመይ ኪረኽቦም ከም ዝኽእል ኪፈልጥ’ውን ይደሊ፡ ኣብ ኣሃዱ ምሕታት ዕቝባ ንወለድኻ ወይ ንኻልኦት ኣዝማድካ ኣበይ ከም ዘለኻን ኵነታት ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎ ክትነግር ስልኪ ክትድውል ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡

ኣብ ሃገር ሽወደን ዝኾነ ቆልዓ ናብ ቤትትምህርቲ ኪኸይድ መሰል ኣለዎ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ እተፈላለዩ በጽሕታት ኣለዉ። መምህራን፡ ዳይረክተር፡ ፍሉያት መምህራንን ተቐበልቲ ኣጋይሽን ኣለዉ።

ኣብቲ ቤትትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ነርስታትን ኣማኸርትን ዝርከቡዎም ናይ ሕክምና ሰባት ኣለዉ።

ናይ ክፍሊ-መምህርካ ምስቲ ናይ ሳብጀክት መምህርካን ናይ ኣደ-ቋንቋ መምህርካ ወይ ምስቲ ናይ ኣደ-ቋንቋ ንምፍላጥ ዚሕግዘካ መምህር ኮይኑ ኣብቲ ትምህርትኻ ንኽትዕወት ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብ ትምህርትኻ እንታይ ከም ዘርብሓካ ምሳኻ ኮይኖም ዚውስኑ እቶም ናይ ቤትትምህርቲ ሰራሕተኛታት ኢዮም።

እቲ ንበይኑ ዚመጽእ ቆልዓ ልክዕ ከምቶም ካልኦት እተመደቡ ቆልዑ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ረድኤትን ደገፍን ንኺረክብ መሰል ኣለዎ። እተመደበ ቆልዓ ማለት ንኣብነት ምስ ስድራቤት ወይ ናይ ክንክን ቦታ ወይ መንበሪ (HVB) ዚቕመጥ ቆልዓ ማለት እዩ

ደገፍን ምዕባለን ዘለዎ ውሑስን ድሕንነቱ እተሓለወን መንበሪ ንኽትረክብ ሓላፍነት ዚስከም እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ። እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እንታይ ከም እትደሊ ንምልላይ ሓላፍነት ኣለዎ። ንኣብነት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ክንክንን ናይ ስኒ ሕክምናን ኪኸውን ይኽእል።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምሳኻን ምስ ኣላዪኻን ወይ ናባዪኻን ናይቲ እትነብረሉ ገዛ ሰራተኛን ኮይኑ ናይ ምትግባር መደብ የውጽእ። ከምዚ ዝበለ መደብ ወይ ፕላን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ወይ ደገፍ ከም ዘድልየካን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦን ይገልጽ።

ብዛዕባቲ ናይ ትግባረ መደብ እንታይ ከም ዝሓዘ ንምፍላጥን ብዛዕባኡ ሓሳባት ንምሃብን መሰል ኣሎካ። እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ክትብሎ እትደሊ ይሰምዖ ነቲ ድልየትካ ድማ ኣብቲ ውሳነ ከእትዎ እዩ። እዚ ግን ኩሉ ግዜ ቃሕ ዝበለካ ትገብር ማለት ኣይኮነን። እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ንኣኻ ዘርብሕ እዩ ዚሓስብ፡ ካብኡ ተበጊሱ ድማ ውሳነ ይወስድ።

ንመጀርመርታ ግዜ ኣብ ሃገር ሽወደን ምስ ኣቶኻሞ እቲ ሚግራኹንቨርከት ነቲ ናይ ዑቕባ ዝሓተትካሉ ጉዳይ ውሳነ ኪህበሉ ከሎ፡ ምስ ሓደ ከም ኣላዪ ዚፍለጥ ሰብ ክትራኸብ ኢኻ። እቲ ሰብ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኪኸውን ይኽእል። 18 ዓመት ምስ ኣእከልካሞ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ግን እቲ ኣላዪ፡ ኣላዪኻ ምዃን የቋርጾ።

እቲ ሞግዚት/ተሓጋጋዚ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት እዩ ዚረድኣካ። ንኣብነት ምስ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክትዘራረብ ከሎኻ ወይ ከኣ ትሕቲ16 ዓመት ኮንካ መዓልታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትሓትት ከሎኻ ምሳኻ ይኸውን። እቲ ሞግዚት ንኣብነት ገንዘብካ ከመይ ጌርካ ከም እትጥቀመሉ፣ ኣበይ ከም እትቕመጥ፣ ካልእ ኩሉ ንኣኻ ዚምልከት ግን ክትውስነሉ ዘይትኽእል ነገራት ይውስን፡ ማለት ልክዕ ከምቲ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ዝኾነ ወላዲ። ብዛዕባ ንኣኻ ዚምልከት እተፈላለየ ነገራት ዚመስለካ ክትዛረብ ኩሉ ግዜ መሰልካ ሕሉው እዩ። ክትስማዕውን መሰል ኣሎካ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን ባዕልኻ ክትውስን ማለት ኣይኮነን ይኹንምበር እቲ ሞግዚት ነቲ እትብሎ ነገራት ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

እቲ ኣላይኻ ኣብ ቤትትምህርቲ ንኸእትወካን ልክዕ ከም ወላዲ ኮይኑ ምስቲ ቤትትምህርቲ ርክብ ኪገብርን ሓላፍነት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ግምገማ ዚውሰደልካ ግዜ ምሳኻ ኪሁሉ ኣለዎ። ወይ ድማ ኣብቲ ግዜ ትምህርቲ ምጅማርካ ዚግበር ኣብ ቤትትምህርቲ ዚካየድ ምይይጥ።

ህዝባዊት ተሓባባሪ ማለት ናይ ሽወደን ሕግታት ዚፈልጥ፡ በዓልሕጊ ወይ ጠበቓ እዩ። ንሱ ወይ ንሳ ኣብቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳይ ይሕግዘካ ወይ ትሕግዘካ። ምስ ሚግራኹንስቨርከት ብዛዕባ ስለምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከም ዘሎኻ ክትገልጽ ከሎኻውን ምሳኻ እዩ ወይ እያ።

ሕጋዊ ምኽሪ ምስ ዘድልየካ ምስ ዝተመዘዘልካ ጠበቓ ርክብ ብምግባር ክትጅምር ኣለካ።

ብብዓል መዚ ወይ ቤት ፍርዲ ዝተመዘዘልካ ጠበቓ ምስ ዘይህልወካ ወይ መልሲ ዘይረኸብካሎም ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ፡ ምስ ሓደ ጕዳያት ኢሚግረሽን ዝከታተል ክኢላ ሕጊ ርክብ ክትግብር ትኽእል ኢኻ። ንሶም ብዛዕባ መስርሕ ዕቑባን ንዕኡ ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ኣፍልጦ ኣለዎም።

ምስ ማእከል ሕጊ ስደተኛታት (Asylrättscentrum)፡ ማእከል ሕጊ ስደተኛታት ቈልዑን (Barnens Asylrättscentrum) ቀይሕ መስቀልን ምርኻብ ኣይክፈሎን እዩ።

ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ፡ ኣብ ክንዲ ኣላዪ፡ ብፍላይ እተመደበ ናባዪ ኪህልወካ እዩ። ብፍላይ እተመደበ ናባዪ ንኺህልወካ እቲ ኣብ ኮምዩንካ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ቦርድ እዩ ሓላፍነት ዚወስድ። ኣብ ውሽጢ መንፈቕ፡ 18 ዓመት ምስ እትመልእ፡ እቲ ናባዪኻ ይቕጽል ማለት እዩ።

ብፍላይ እተመደበ ናባዪ ዚምደበልካ ስድራኻ ዝሞቱ ምስ ዝኾኑ ወይ ኪናብዩኻ ምስ ዘይክእሉ (ንኣብነት ምሳኻ ናብ ሃገር ሽወደን ዘይመጹ ምስ ዚኾኑ) እዩ።

ብፍላይ እተመደበ ናባዪ ድልየታትካ ንኺፍጸመልካ ሓላፍነት ይወስድ። እቲ ሰብ ንኣኻ ዚምችእ ንኣብነት ዚከናኸን ውሕስነት ዚህብን ጽቡቕ ዘዕብን ኪኸውን ይግባእ። እቲ ናባዪ ኣብቲ ንኣኻ ዚምልከት ጉዳያት ንምውሳን መሰልን ግዴታን ኣለዎ። ንስኻ ድማ ዝመስለካ ክትዛረብን ክትስማዕን መሰል ኣሎካ።

እቶም ሰራሕተኛታት መንበሪኻ ኣብቲ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ኪሕግዙኻን ውሕስነት ከም ዚስመዓካን ኪገብሩ ኢዮም። ከም ናይ ገዛ ዕዮ፡ ምኽሻን መግቢ፡ ሕጽቦ ወይ ኣብ ናይ ግዜ ዕረፍትኻ ንጥፈታት ኪኸውን ይኽእል። ግን እቶም ሰራሕተኛታት ኩሉ ይገብሩልካ ማለት ኣይኮነን፡ ግን ዕድመኻ ኣብ ግምት ብምእታው ሓድሓደ ሓገዛት ወይ ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። ንሳቶም ምስ ዓበኻ ናይ በይንኻ መንበሪ ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ እዮም።

ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ክሕግዙኻን ከዘራርቡኻን ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት መዓልትን ለይትን ኣለዉ።

ኣብ ትርፊ ግዜኻ ብዙሓት ሰባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ማእከላት ትርፊ ግዜ መማህራንን መራሕትን ይሰርሑ። ኣብተን ማእከላት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት የዳልዉ። ደገፍን ምኽርን ምስ እትደሊ ንሰራሕተኛታት ተወከስ።

ኣብ ግገለ ምምሕዳራት ናይ ሜዳ ጸሓፍቲ/ናይ ሜዳ ተሓጋገዝቲ ይሰርሑ። ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ኮይኖም ኣብ መንእሰያት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸጋማት ብእዋኑ ናይ ምዕዛብን መፍትሒ ምንዳይን ከኣ ይነጥፉ። ንኣሽቱን መንእሰያትን ኣብ ዝርከብዎ፣ ኣብ እትነብረሉ ከባቢ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ማእከላት ናይ ትርፊ ግዜን ኢንተርኔትን ናይ ሜዳ ጸሓፍቲ ኣለዉ።

ኣብ ትርፊ ግዜኻ ለይቲ ከባቢኦም ዝሕልዉ ዓበይቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጎደናታት ኣብ እዋን ምሸትን ለይትን ንንኣሽቱን መንእሰያትን ማሕበራዊ ደገፍ ክልግሱ ዝንቀሳቐሱ ዓበይቲ እዮም። ብዝለብስዎ ሕብራዊ ጃኬት ከተለልዮም ከኣ ትኽእል።