ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት (välfärdsstat)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 5 1 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሽወደን ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት እዩ። ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት እንታይ ምዃኑን ናይ ሽወደን ፖለቲከኛታት ቍጠባዊ ፍልልይ ንምንካይን ድሕንነትን ማዕርነትን ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ንምፍጣርን ብኸመይ ምምሕያሻት ከም ዘተኣታተዉን ከተንብብ ኢኻ።

ኣብ ሽወደን መንግስቲ ማሕበራዊ ድሕነት ንዕቃብ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ከተንብብን ሽወደን ንዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ማሕበረ ሰባዊ ኣገልግሎታት ብኸመይ ክትውድቦም ከም ዝመረጸት ዘርኢ ኣብነታት ክትረክብን ኢኻ።

ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተ ሰብን ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት እንታይ እዩ?

ኣብያተ - ትምህርቲ፡ መውዓሊ ህጻናት፡ ሆስፒታላት፡ መናበዪ ኣረጋውያን፡ ጽቡቕ መራኸቢታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ዘለወን ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ተባሂለን እየን ዝጽውዓ። ብዙሓት ሃገራት ልዑል ማሕበራዊ ድሕነት እኳ እንተለወን እተፈላለያ ሃገራት ግን ማሕበራዊ ድሕነት ዝፈጥራሉን ሕብረተሰብ ዝውድባሉን እተፈላለየ መገድታት እየን ዚመርጻ።

ኣብ ህይወትና ካብ ሕብረተሰብ ሓገዝ እንደልየሉ እዋናት ኣሎ። ኵላትና ክንሓምም ወይ ሓደጋ ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ምናልባት መጥባሕቲ የድልየካ ይኸውን ወይ ክትሓርሲ ትኾኒ። ብኸቢድ ሕማም እንተ ሓሚምካ ንኣገልግሎት ጥዕና ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ኢኻ። ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ገንዘብካ ምግቢ ንምግዛእን ክራይ ገዛን ንምኽፋልን እኹል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ እቲ ሓገዝ ከም እትረክብ ዝገብር ሕብረተሰብ ሃኒጽና ኢና።

ንዓኻ ኣብ ሽወደን ትነብር መንግስቲ ናትካ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ። ዋላ ስራሕ ኣልቦ፡ ሕሙም ወይ ብዙሕ ደሞዝ ዘይብላ ኹን፡ መሰረታዊ ኣታዊ ክህልወካን ጽቡቕ ህይወት ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። እተን ነቲ ማሕበራዊ ድሕነት ካብ ግብሪ ብዝተረኽበ ገንዘብ ክምውልኦ ዝመረጻ ሃገራት፡ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት ተባሂለን እየን ዝጽውዓ።

ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተ ሰብ እንታይ ማለት እዩ?

ካብ ሕብረተ ሰብ ክትረኽቦ ናይ እትኽእል ሒደት ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ኵሎም ሰባት ክሕግዙ ኣለዎም። ነዚ ብእተፈላለየ መገዲ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ፡ ኵሉ ሰብ ንዘድልዮም ነገራት ብሓባር ክንከፍሎም ክንክእል እዩ። ነዚ ግብሪ ብምኽፋል ንገብሮ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ንመንግስቲ ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም። ትካላት እውን ንመንግስቲ ግብርን ክፍሊትን ይኸፍላ እየን። ምስ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ከነጻጸር ከሎ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ግብሪ ኢና ንኸፍል፣ ምኽንያቱ መንግስቲ ንቤት ትምህርቲ፡ ንኽንክን ጥዕናን ካልእ ብዙሕን ንኽሽፍን ስለ ዝመረጽና እዩ።

ኣብ ሽወደን ክንደይ ግብሪ ከም እትኸፍል ትፈልጥ'ዶ?

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ገንዘብ ከይከፈልካ ካብ መምህራን ትምህርቲ ትረክብ ኢኻ። ደሞዝ መምህራን ብግብሪ እዩ ዝኽፈል።
  • ክትሓምም ከለኻ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረልካ። እቲ ሕክምና በቲ ብግብሪ ዝርከብ ኣታዊ እዩ ዝሽፈን።
  • ሓደ መገዲ እንተ ተበላሽዩን ንጽገና ዘድልዮ ኾይኑን እቲ ጽገና ብግብሪ ዝርከብ ኣታዊ እዩ ዝሽፈን።

ብግብሪ ዝሽፈን ካልእ ብዙሕ ነገራት እውን ኣሎ፣ ንኣብነት እዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • ሓልዮት ኣረጋውያን
  • ሓልዮት ቈልዑ
  • ማሕበራዊ ኣገልግሎት
  • ትካላት ፍትሒ
  • ቅበላ ስደተኛታት
  • ባህሊ

ካልኦት ሃገራት ንማሕበራዊ ድሕነት ብኻልእ መገዲ ክውድባ መሪጻ እየን። ኣብ መብዛሕትአን እዘን ሃገራት እዚኣተን ንመንግስቲ ክንድኡ ዝኣክል ብዝሒ ግብሪ ኣይትኸፍልን ኢኻ። ኣብኡ ካብቲ ዘእተኻዮ ገንዘብ ዝበዝሐ ክፋሉ ተትርፎ ኢኻ። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ግን ንኣብነት ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ኵሉ ግዜ ብናጻ ኣይኰነን። ደቅኻ ምእንቲ ክምሃሩ ንብዙሕ ዓመታት ገንዘብ ከተዋህልል የድልየካ ይኸውን፡ ከምኡ'ውን እንተ ሓሚምካ ሕክምና ንኽትረክብ ብዙሕ ገንዘብ ክኽፈሎ ይኽእል ይኸውን። እዚ፡ ኵሎም ሕሙማት ኣይኰኑን እቲ ዘድልዮም ክንክን ዝረኽቡ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ጥዑያትን ጽቡቕ ዘለዉን እንተ ኾይኖም ንሽወደንን ንሽወደን ማሕበራዊ ድሕነትን ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ብዙሓት ሰባት ክሰርሑን ግብሪ ክኸፍሉን ንማሕበራዊ ድሕነት ኣበርክቶ ክገብሩን ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሽወደን ብሓኪም ንኽትርኣ ክንደይ ይኽፈሎ?

ሓደ መጥባሕቲ ክንደይ ይኽፈሎ?

ኣብታ ቕድሚ ሕጂ እትነብረለን ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ክንደይ ይኽፈሎ?

ንሽወደን ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ሸቶ፡ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኵሉ ሰብ ከንብብ፡ ክጽሕፍን ክቘጽርን ክኽእል እዩ። ስለዚ እዩ ኣብ ሽወደን ንዅሎም ቈልዑ ቤት ትምህርቲ ብናጻ ዝኾነ፣ ኵሎም ቈልዑ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸዱ ማዕረ ዝምዕባዩ መሰል ኣለዎም። እኳ ደኣ ኣብ ሽወደን ኵሎም ቈልዑ ንዓሰርተ ዓመት ናይ ግድን ክመሃሩ ኣለዎም። ካብ 6 ክሳዕ 16 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑ ትምህርቲ ግዴታ እዩ። ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲቲን ምምሃር እውን ብናጻ እዩ።

ትምህርቲ ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ጽቡቕ እዩ። ስለምንታይ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ገለ ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ኣብ ሓንቲ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት፡ ምስ ኣረግካ እቲ መንግስቲ ሓላፍነት ናትካ ይወስድ። ስራሕ ከተቋርጽ ከለኻ ገንዘብ ምእንቲ ክህሉ፡ መንግስቲ ንገለ ካብቲ ዝኽፈል ግብሪ የዋህልሎ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኣብ ወወርሒ ገንዘብ ይኸፍለካ። እዚ ገንዘብ እዚ ጡረታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እዚ ገለ ኣብነታት ናይ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን ብኸመይ ከም ትዓዪ ዘርኢ እዩ። እዚ ምእንቲ ክግበር ክከኣል፡ ኵሉ ክገብሮ ዝኽእል ዘበለ ክሰርሕን ግብሪ ክኸፍልን ይሓትት እዩ። ግብሪ ምኽፋልና፡ መንግስቲ እውን ንሰብኣዊ መሰላት ክሕልዎምን ንዅሉ ሰብ ኣብ ግብሪ ከውዕሎምን ይሕግዞ እዩ። እቲ ግብሪ ንኣብነት ትካላት ፍትሒ፡ ክንክን ጥዕናን ብናጻ ትምህርቲን ምእንቲ ኽህልወና ንኸረጋግጽ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።

ግብሪ ምኽፋል መንግስቲ ንኣብነት ንኽንክን ጥዕናን ትምህርትን ንኽኸፍል የኽእሎ። ኣብነት ናይ መንግስቲ ዝኸፍሎ ካልእ ነገር ክትህብ ትኽእል'ዶ?