ኣብ Informationsverige.se ንዘሎ ትሕዝቶ ምጥቃም

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 7 2023

Informationsverige.se ሕብረተ ሰብ ሽወደን ብዝምልከት ከም ምንጪ ሓበሬታ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጽሑፍ ግን ካብ'ቲ ስነሓሳቡ ቆንጪልካ ክውሰድ የብሉን፡፡ ስለ’ዚ ኢና ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ንዘሎ ትሕዝቶ፡፡ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ መምርሒታት ዘለና።

ነዞም ኣብ Informationsverige.se ዘለዉ ጽሑፋት ኣብ ካልእ መርበብ ሓበሬታ ወይ ካልእ ዓይነት ጽሑፍ ምጥቃም

እዞም ኣብ Informationsverige.se ዘለዉ ጽሑፋት መሰል ደራሲኦም ዝተሓለወ እዩ። ገለ ክፋል ካብ ትሕዝቶ ክትጠቅስ ይፍቀደካ እዩ። ክትጠቅስ ከለኻ፡ እቲ ትጠቕሶ ዘለኻ ጽሑፍ ካበይ ከም እተወስደ ክትገልጽ ኣለካ። ነቲ ጥቕሲ፡ ናብ’ቲ ምስኡ ዝተሓሓዝ ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ክፋል ጽሑፍ መልግቦ ብምግባር ምሉእ ግበሮ። ምሉእ ጽሑፋት ተጠቂምካ ነዚኦም ከም ኣካል ናይ ገዛእ ርእስኻ ጌርካ ዳግማይ ክትሓትምም ኣይፍቀደካን እዩ።

ንዓኻ ምስ ሓተትቲ ዑቕባን ሓደስቲ መጻእትን እትሰርሕ ነቲ ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ጽሑፋት ምጥቃም

ኣብ ሓደ ንሓተትቲ ዑቕባን ሓደሽቲ መጻእትን ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ወይ ኣብ ትምህርታዊ ጻዕርታት ዘካይድ ንጥፈት ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ትሕዝቶ ንኣብነት ኣብቲ ተቕርቦ ጽሑፋት (ፖወርፖይንት ወይ ተመሳሳሊ) ከም ናይ ትምህርቲ ጽሑፋትካ ክትጥቀመሉ ይፍቀደካ እዩ። ምንጪ Informationsverige.se ምዃኑ ሓብር። ነቶም ገጻት ሓቲምካ ከተውጽኦ እውን ትኽእል ኢኻ።

ካብ Informationsverige.se ዝርከብ ትሕዝቶ ንዅሎም ተጠቀምቲ ካብ ክፍሊት ነጻ ክኸውን ኣለዎ።

እዞም ኣብ Informationsverige.se ዘለዉ ስእልታት ብመሰል ደራሲ ዝተሓለዉ እዮም።

እዞም ኣብ Informationsverige.se ዘለዉ ስእልታት ብመሰል ደራሲ ዝተሓለዉ ስለ ዝኾኑ ቀዲሕካ ምስ ካልእ ጽሑፋት ክትጥቀመሎም ኣይፍቀድን እዩ።