ሰብኣዊ መሰላት እንታይ እዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 20 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ርግጽ ብዛዕባ ኣምር ሰብኣዊ መሰላት ሰሚዕካ ኣለካ እዚ ግን እንታይ ማለት እዩ፣ እቶም ሰብኣዊ መሰላት’ከ ንመን እዮም ዝምልከቱ? ብመሰረቱ እቶም ሰብኣዊ መሰላት፡ ንስኻ ሰብ ስለ ዝኾንካ ብዛዕባ ንዓኻ መሰል ዝህቡኻ ነገራት እዮም። ስለዚ እቶም መሰላት ንኵሉ ሰብ ዝምልከቱ እዮም። ንኣብነት ኣገልግሎት ሕክምናን ትምህርትን ንምርካብ መሰል ኣለካ። ክሳብ ትጸግብ ክትበልዕ መሰል ኣለካ። ትነብረላን ዜጋ ትኾነላን ሃገር ክትህልወካ መሰል ኣለካ።

ንኣብነት ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ናይቶም ሰብኣዊ መሰላት፡ እቶም መሰላት እንታይ ማለት ምዃኑን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝገብሮ ዕዮን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ሕክምና፡ ምግቢ ዘለዎ ብያቲን ክፍሊ ቤት ትምህርትን ዝተሳእሎ ኮላዥ።

ሰብኣዊ መሰላት ኣንጻር እቲ ከቢድን ኣስፋሕፊሑን ዝነበረ ዓመጽን መጥቃዕትን፡ ከም ናዕብን ግብረ-መልስን ናቱ ኮይኑ ዝመጸ እዩ።

ሰብኣዊ መሰላት፣ ጾታ፡ ጾታዊ ዝንባሌ፡ ባህሊ፡ ዓሌት ወይ ካልእ ካብ ካልኦት ሰባት ክፈልየካ ዝኽእል ነገራት ብዘየገድስ፡ ኵሎም ሰባት ማዕረ ዝኾነ ኣድማሳዊ መሰላት ኣለዎም ኣብ ዝብል ሓሳብ እተመርኰሰ እዩ።

ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ሰብኣዊ መሰላት

ዕምሪ ናይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰላት ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ማዕረ እተን እተፈላለያ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለወን ሃይማኖታት እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ እተፈላለየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ እዚ መሰላት እዚ ንዘመናት ክመያየጡ ጸኒሖም እዮም።

እንተዀነ ግን ምውሓስ ናይቶም ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዓለምለኻዊ ጕዳይ ኣይኮነን ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ሃገራት ዓብዪ ውግእ ይካየድ ነይሩ። እቲ ውግእ ካብ 1939 ክሳብ 1945 ቀጺሉ፡ ብካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ይፍለጥ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ካብ እተኻየደ ውግኣት እቲ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። 50-60 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም። እቲ ውግእ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ጀርመን ናዚስታውያን ስልጣን ነይርዎም። ኣባላት ናዚ ኵሎም ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣለዎም ኢሎም ኣይሓስቡን እዮም ነይሮም።

ኣባላት ናዚ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበር እዋን፡ ንሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ኣሳዲዶም፡ ባሮት ገይሮምን ቀቲሎምን እዮም። ጃምላዊ ቕትለት ኣይሁድ፡ ህልቀት (ፎርኢንተልሰ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናዚ ግን ንኣይሁድ ጥራይ ኣይኰነን ዘጥቅዕ ነይሮም። ንኣብነት ሮማኒ፡ ግብረ ሶዶማውያን፡ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባትን እውን ግዳይ ናዚ ኾይኖም እዮም። እቲ ውግእ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣውሮጳን እስያን ዝነበራ ብዙሓት ከተማታት ዓንየን ነይረን። እቶም ካብቲ ውግእ ዝደሓኑ ሰባት መንበሪ ገዛን ምግብን ስለ ዘይነበሮም ይስደዱ ነይሮም። ብዙሓት ሃገራት እቲ ዘጋጠመ እንደገና ከም ዘየጋጥም ከረጋግጻ ደለያ። ብሓባር ኾይኖም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ው.ሑ.ሃ. ከቝሙ ወሰኑ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1945 ተመስሪቱ። ሽዑ 51 ሃገራት ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነይረን። እተን ሃገራት ው. ሕ. ሃ. ኣብ መጻኢ ውግእ ንምግታእ መስሪተንኦ። ከምኡ'ውን መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምውሓስ። ው. ሕ. ሃ. ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ካልእ ገዲፍካ ሰላም ንምምጻእን ኣብ ህጹጽ ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት ንምሕጋዝን ሰሪሑ እዩ። ው. ሕ. ሃ. ንኣብነት ኣብተን ውግእ ዘለወን ሃገራት ኣብ ምዕቃብ ሰላም፡ መግቢ፡ ማይ፡ ከምኡ'ውን ሕክምና ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፍ። ሎሚ 193 ሃገራት ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እየን።

ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድያ?

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት።

ሓደ ካብቲ ናይ መጀመርታ ዕማማት ናይ ው. ሕ. ሃ. ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ክነጽጎ ወይ ከሕድጎ ዘይኽእል ኵሉ ሰብ ዘለዎ መሰላት ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ እዩ ነይሩ። ብ1948 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣቕረበ። እዚ ሰነድ እዚ ንናጽነትን መሰላትን ኵሎም ሰባት ብንጹር ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ሰነድ እዩ ነይሩ።

መብዛሕትኡ ኣብ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሩ ዘሎ ነገራት፡ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተፈጸመ ዘስካሕክሕ ነገራት እንደገና ክፍጸም የብሉን ዝብል ኢዩ። ገለ ካብኡ ከምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ኣሎ፡

  • ኵሎም ደቂ ሰባት ሓራ ኮይኖም ዝተውልዱ፡ ከምኡ’ውን ማዕረ ክብርን መሰላትን ዘለዎም እዮም።
  • ካብ ዓመጻ ናጻ ዝኾነ ህይወት ንኽህልወካ መሰል ኣለካ ።
  • ርእይቶኻ ናይ ምዝራብን ንኻልኦት ናይ ምክፋልን መሰል ኣሎካ።
  • ብህይወት ናይ ምንባርን ድሕንነት ናይ ምርካብን መሰል ኣሎካ።
  • ንኽትሰርሕ መሰል ኣሎካ ካብ ስራሕ ከተዕርፍን ዓመታዊ ዕረፍቲ ክትወስድን መሰል ኣሎካ።
  • ክትምሃር መሰል ኣለካ
  • ፍሉይ ጾታ ወይ ሕብሪ ቈርበት ስለ ዘለካ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ክግበረልካ የብሉን።
  • ጽቡቕ ጥዕናን ሕክምናን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ።
  • ክትምርዖን ስድራ ክትምስርትን መሰል ኣለካ።
  • ምግቢ፡ ክዳውንትን መንበርን ንኽህልወካ መሰል ኣለካ።
  • ህይወትካ ኣብ ሓደጋ እንተ ኣሊያ፡ ናብ ካልእ ሃገር ክትሃድምን ዕቝባ ክትሓትትን መሰል ኣሎካ።
  • ኣብ ዝደለኻዮ ሃይማኖት ክትኣምን መሰል ኣለካ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ንኸይትኣምን እውን መሰል ኣሎካ።

እቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓንቀጻት ተባሂሎም ብዝፍለጡ ብድምር 30 ውዕላት ሒዙ ኣሎ።

እቶም ውዕላት ነቶም ብዝያዳ ግዳያት ዝኾኑ ጕጅለታት ይከላኸልሎም

ሃገራት ነቲ ውዕል ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ምእንቲ ክስዕብኦ ው. ሕ. ሃ. ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ሕግታት ኣድላዩ ኣሎ። እቶም ሕግታት ኣብ ሓደ ብውዕል ዝፍለጥ ሰነድ ኣለዉ። እቲ ውዕላት ኣብ መንጎ ሃገራት እተገብረ ሓደ ዓይነት ስምምዕ እዩ። እተን ነቲ ውዕል ዝፈረማሉ ሃገራት ነቲ ውዕል ከም ዝስዕባኦ ተመባጺዐን እየን። እተፈላለየ ውዕላት እዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ውዕል ኣብ ሓደ ፍሉይ መዳይ ትሕዝቶ ናይ ብዙሕ መሰላት ኣለዎ።

እቶም ናይ መጀመርታ ናይ ው. ሕ. ሃ. ውዕላት ዳርጋ ኣብ ሓደ እዋን ምስ'ቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ተዳልዩ፡ ምስ መሰላት ስደተኛታት፡ ጃምላዊ ቕትለት ናይ ምቅላስ ግዴታን ከምኡ'ውን ክልከላ ዓሌታዊ ኣድልዎን እተተሓሓዘ ድማ እዩ ነይሩ።

ብ1960ታት ው. ሕ. ሃ. ንሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላትን ዝምልከት ውዕላት ኣዳልዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ብዛዕባ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውዕል ኣዳልዩ። ይኹን እምበር ው. ሕ. ሃ. ኵሎም ሰባት ሓደ ዓይነት መሰላት ክህልዎም እኳ እንተ ወሰነ ኵለን ሃገራት ግን ኣይስዕቦኦን እየን። ንኣብነት ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ሓያሎ ሃገራት ገና መርዓ ትሕቲ ዕድመ የፍቅዳ ከም ዝነበራን ኣዋልድ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸዳ ይኽልክላ ከም ዝነበራን ተጋሂዱ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ው. ሕ. ሃ. ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ኣድልዎ ብንጹር ዝኽልክልን ንመሰላት ናይ ቈልዑ ኣፍልጦ ዝህብን ፍሉይ ውዕላት ዝጸሓፈ።

ካልኦት ኣገደስቲ ጕዳያት ው. ሕ. ሃ. ዘዳለዎም ከኣ፡ ምስቓይ ዝኽልክሉን ንመሰላት ስንኩላን ዝሕልዉን ሕግታት ዝምልከት እዩ።

ብዘይካዚ ንመሰላት ሆበተክዩ- ሰባት (hbtqi-personer)፡ ማለት ግብረ ሶዶማውያን፡ ድርብ ጾታውያን፡ ስግረ ጾታውያን፡ ብሓፈሻ ሶዶመኛ መግለጽን መንነትን ዘለዎም ሰባትን ሓዲግ ጾታዊ ሰባትን ዝምልከት መርገጺ ወሲዶም።

ሽወደን ኣብ ብዙሕ ውዕላት ፈሪማ እያ። እቶም ውዕላት ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • መሰላት ቈልዑ
  • ክልከላ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎ
  • ዅሉ ዓይነት ዓሌታዊ ኣድልዎ ምጥፋእ
  • መሰላት ንስንኩላን
  • ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት
  • ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት
  • ምውጋድ ምስቓይን ካልእ ዓይነት ጭካነ ዝመልኦ ኢሰብኣዊ ወይ ሕሱር ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ

ኣብ መንጎ ውዕልን ሕግን ዘሎ ፍልልይ ሕሰብ።

ሓንቲ ሃገር ነቲ ውዕል ምስ እትጥሕሶ እንታይ ዘጋጥም ይመስለካ?

ሕግታት ንሰብኣዊ መሰላትና የውሕስ

ሓደ ብዓል ስልጣን ወይ ውልቀ ሰብ ንሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝጥሕስ፡ እቲ ግዳይ ሓገዝ ከም ዝረክብ ምርግጋጽ ብቐዳምነት ናይ መንግስቲ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ሽወደን እቶም ሰብኣውያን መሰላት ብእተፈላለዩ ሕግታት ይሕለዉ። መንግስቲ ሽወደን ኵሎም ሰባት መሰረታዊ ሓርነቶም ከም ዝረኽቡን ካብ መጥቃዕቲቲ ከም ዝውሓሱን ከረጋግጽ ኣለዎ። ብዘይካዚ መንግስቲ ንኣብነት ሰባት እንታይ ዓይነት ጾታ ወይ ሕብሪ ቈርበት ከም ዘለዎም ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሰብ ብማዕረ ንኽትሓዝን መሰረታዊ ድልየታቱ ንኽማልኣሉን ክሰርሕን ኣለዎ።

ንሰብኣዊ መሰላትና ዘውሕሱልና ሓደ ሓደ ኣብነታት ሕግታት እንሆ፡

  • ቅዋም ናይ ሽወደን ብዙሓት መሰላት የውሕስ እዩ። ንኣብነት ቅዋም ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ስቓይን ኣካላዊ መቕጻዕትን ይኽልክል እዩ። ከምኡ'ውን ገበን ከም ዝፈጸመ እተጠርጠረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፍትሓዊ ፍርዲ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ቅዋም ይገልጽ።
  • ሕጊ ቤት ትምህርቲ ኵሎም ቈልዑ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም ይገልጽ።
  • ሕጊ ወለድን ውዕል መሰላት ቈልዑን ነቲ ወለድን ማሕበረ ሰብን ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዘለዎም ሓላፍነት ይገልጹን ከምኡ'ውን ንመሰላት ቈልዑ የውሕሱን እዮም።
  • ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ፡ ሰባት ብምኽንያት ሃይማኖቶም፡ ጾታኦም፡ ጾታዊ መንነቶም፡ ጾታዊ ዝምባሌኦም፡ ዓሌቶም ፡ስንክልናኦም ወይ ዕድመኦም ኣድልዎ ንኸየጋጥሞም ይኽልክል።
  • ሕጊ ክንክን ጥዕናን ኣገልግሎት ሕክምናን፡ ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ ክንክን ጥዕና ሕክምናን ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ይገልጽ። ናይ መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣልዩካ ኾይኑ፡ ልክዕ ከም ዜጋታት ሽወደን ናይ ክንክን ጥዕናን ሕክምናን መሰል ኣለካ።

እቶም ሰብኣዊ መሰላት ብውዕል ኤውሮጳን ውዕል ስደተኛታትን እውን ይውሓሱ እዮም።

ውዕል ኤውሮጳ

ውዕል ኤውሮጳ ንሰብኣዊ መሰላትን መሰረታውያን ሓርነታትን ዘውሕሱ ውዕላት ዝሓዘ እዩ። እቲ ውዕል ዝዀነ ይኹን ሰብ ስቓይ ወይ ኣድልዎ ክወርዶ ከም ዘይብሉን ከምኡ'ውን ኵሉ ሰብ ሃይማኖቱ ክስዕብ መሰል ከም ዘለዎን ይገልጽ።

ውዕል ኤውሮጳ ኣብ ሽወደን ሕጊ እዩ። እዚ ማለት ኵሉ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሕግታትን ውሳነታትን ምስቲ ኣብ ውዕል ኤውሮጳ ሰፊሩ ዘሎ ክሰማማዕ ኣለዎ ማለት እዩ።

መሰላትካ እንተ ተጣሒሱ ክትጠርዓሉ እትኽእል ሓደ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣሎ። እዚ፡ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኣውሮጳ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ውዕል ስደተኛታት

ህይወትካ ኣብ ሓደጋ እንተ ኣላ ኾይና ናብ ካልእ ሃገር ክትሃድም ሰብኣዊ መሰል እዩ። ንስደተኛታት ዕቝባ ንምሃብ ሓደ ውዕል ስደተኛታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዕል ኣሎ። ውዕል ስደተኛታት ዝዀነ ይኹን ስደተኛ ናብታ ክቕተል ክእሰር ወይ ሃስያ ክወርዶ ዝኽእል ሃገር ክምለስ ክግደድ የብሉን ይብል።

ከም ስደተኛ ዝግለጽ መን ምዃኑ ዝሕብር ፍሉይ ሕግታት ኣሎ። ብምኽንያት እዚ ዝስዕብ ክትትል ከይግበረልካ ከም ትፈርህ ከተርኢ ትኽእል እንተ ዄንካ ከም ስደተኛ ኢኻ ትቝጸር፡

  • ዓሌት
  • ዜግነት
  • ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ
  • ጾታ
  • ጾታዊ ዝንባሌ ወይ
  • ኣባል ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጕጅለ ብምዃንካ።

ንሓደ ሰብ ዝከታተልዎ እቶም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ሰበ ስልጣን ነቲ ሰብ ካብ ምፍርራህን ምክትታልን ክከላኸልሉ ስለ ዘይደልዩ ወይ ዘይክእሉ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንኽትፈርህን ዕቝባ ንኽትረክብን ምኽንያት ከም ዘሎካ "ከተርኢ ክትክእል" እንታይ ማለት እዩ?

ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ይግህሰኦ እየን። ኣብተን ውግእ ዘይብለን ሃገራት እውን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም እዩ። ብዙሓት ሰባት ግዳያት ናይ ምክትታልን ጭቈናን እዮም። ብዙሓት ሃገራት ኣዝየን ድኻታት ካብ ምዃነን እተላዕለ ንዅሎም ሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ክህበኦም ዓቕሚ የብለንን ።

እተን ሃገራት በቶም ውዕላት ከም ዝምእዘዛ ዘረጋግጹ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ጕጅለታት ኣለዉ። ሓንቲ ሃገር ነቲ ሕግታት እንተ ዘይስዒባቶ እቲ ጕጅለ ክነቕፋን ከተመሓይሾ ዘለዋ ነገር ክሕብራን ይኽእል እዩ። እዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ኮሚተታት ምቍጽጻር ተባሂሎም ይጽውዑ። ንኣብነት ሽወደን ንስደተኛታት ናብቲ ስቓይ ወይ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከጋጥሞም ዝኽእልሉ ሃገራት ብምምላሳ ብው. ሕ. ሃ. ነቐፌታ ቀሪቡላ ነይሩ።

ብዙሓት ሃገራት ነቲ ናይ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕረን ኣመሓይሸንኦ እየን። ገለ ኣብነታት ናይዚ ኸኣ ዝወሓዱ ሰባት ብናይ ሞት ፍርዲ ይቕተሉ ምህላዎምን ብዙሓት ሰባት ከኣ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ይረኽቡ ምህላዎምን እዩ። እንተዀነ ግን ኵሎም ሰባት ሰብኣዊ መሰላቶም ንኽማላኣሎም ገና ብዙሕ ዝግበር ዕዮ ተሪፉ ኣሎ።

ሰብኣዊ መሰላት ንሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ?

ንመሰላትና መዓልታዊ ንጥቀመሎም ኢና። እቲ ዝግብኣና እንተ ዘይረኺብና ክንጠርዕ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኣየኖት መሰላት ከም ዘለዉኻ ክትፈልጥ ኣገዳሲ እዩ።

ንስኻ ወይ ደቅኻ ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትከዱ ከለኹም ነቲ መሰል ናይ ትምህርቲ ትጥቀሙሉ ኣለኹም። ኣብ ሽወደን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ክትምሃር ብናጻ እዩ። ሓሚምካ መጥባሕቲ ክትገብር እንተ ኣድልዩ፡ እቲ መጥባሕቲ ክንደይ ገንዘብ ክኽፈሎ እዩ ኢልካ ምጭናቕ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ሽወደን መሰል ንኽንክን ጥዕና ብማዕረ ኵነት ክንብል ከለና፡ ብሓባር በቲ ንኸፍሎ ግብሪ ጌርና ናይ ኵሉ ሰብ ክፍሊት ሕክምና ንሽፍኖ ማለት እዩ።

ንዝኾነ ገበን ከይተጠርጠርካ ፖሊስ ደው ከየብሉኻ ወይ ከይኣስሩኻ ክትፈርህ የብልካን። ገበን ጌርካ ተባሂልካ እንተ ተኸሲስካ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክኸውንን ንነብሱ ከም ካልኦት ንኽከላኸለላ ማዕረ ዕድል ክረክብን ስለ ዘለዎ፡ ብናጻ ጠበቓ ክግበረልካ እዩ።

ጕጅለ ወይ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰል ኣሎካ። ብዙሓት ማሕበራት ድማ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ደገፍ ይረኽባ እየን ። ምናልባት ናይ ስፖርት ወይ ባህሊ ማሕበር ክትምስርት ትደሊ'ዶ ትኸውን? ወይ ምናልባት ብዛዕባ ፖለቲካ ንምዝታይ ሓደ ናይ መጽናዕቲ ጕጅለ? ክትራኸብን ጕጅለታት ክትምስርትን ድላይካ ክትመያየጥን መሰል ኣሎካ ።

መሰላትካ ኣብ ናይ ስራሕካ ህይወትካ እውን የገልግሉ እዮም። ንኣብነት ሓደ ወሃብ ስራሕ እቲ ሓላፊ ስራሕ ዘይፈትዎ ሃይማኖት ስለ ዘሎካ ስራሕ ክቘጽረካ እንተ ዘይደልዩ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጸረ ኣድልዎ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ ምኽርን ደገፍን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ክሲ ከተእቱ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ንሰብኣዊ መሰላትካ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀመሎም?