ውሳነ ብዛዕባ ሕቶ ዕቝባኻ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 5 2024
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶ ምስ መርመርዎ ሓደ ገምጋም ክገብሩ እዮም። ድሕሪኡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ወይ ዝተነጽገ ውሳነ ክወሃበካ እዩ።
እቲ ውሳነ “እወ” ወይ “ኣይፋል” ዝብል ክኸውን ይኽእል እዩ
መልሲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ “እወ” ዝብል እንተ ኾይኑ፡ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ እዩ፡ ሽዑ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ መሰል ኣለካ።
መልሲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ “ኣይፋል” ዝብል እንተ ኾይኑ፡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ተነጺጉ ኣሎ ማለት እዩ።
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ዝውስንዎ፡ ብመሰረት እቲ ዝሃብካዩ ቃልን ነቲ ዝሃብካዮ ቃል ዝድግፍ ዘቕረብካዮ መርትዖታትን እዩ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዛዕባ ሃገርካ ዘለዎም ኣፍልጦ እውን ከም መሰረት ናይ’ቲ ውሳነ ገይሩ ይጥቀመሉ እዩ።
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክሕብሩኻ ይኽእሉ እዮም
ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንሕቶካ ዝምልከት ውሳነ ምስ ወሰኑ፡ ነቲ ውሳነ ንስኻን ናትካ ሕጋዊ መጕዝን (gode man) ምስ ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ወይ ነቲ ውሳነ ዝሓዘ ደብዳቤ ናባኻ ብምልኣኽ ክሕብሩካ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ውሳነ ዋላ ብደብዳቤ ተቐበሎ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ብሓገዝ ኣስተርጓሚ ሓበሬታ ንኽህቡኻ ንዓኻን ናትካ ሕጋዊ መጕዝን ንኣኼባ ክጽውዕኹም እዮም። ሽዑ እቲ ተሓዝ ጕዳይ እቲ ውሳነ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ እንታይ መሰለት ከም ዘለካን ድሕሪኡ እንታይ ከጋጥም ምዃኑን ክገልጸልካ እዩ።