ናይ ዕቝባ ሕቶ ውሳኔ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 3 2023

ድሕሪ ናይ ዕቝባ ሕቶ ምርመራን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓደ ግምገማ ምግባሩን፡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶካ ከም ዝተቐበለ ወይ ከም ዝተነጽገ ሓደ ውሳነ ክወሃበካ እዩ።

እቲ ውሳነ፡ በቲ ዝነገርካዮን ነቲ ዝነገርካዮ ዝድግፍ ዝሃብካዮ ጭብጢ መሰረት ብምግባር እዩ ዝውሰን። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዛዕባ ዓድኻ ዘለዎ ኣፍልጦ እውን መሰረት ይኸውን እዩ።

ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ክሕብረካ እዩ

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓደ ውሳኔ ምስ ወሰኑ ናባኻ ሓንቲ ደብዳቤ ይሰዱ።
ኣብታ ደብዳቤ ንስኻን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን መዓስን ኣበይን ምስ ተሓዝ ጕዳይ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትራኸቡ ምኳንኩም ሰፊሩ ኣሎ።

እቲ ተሓዝ ጕዳይ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶካ ተቐቢሉ ወይ ተነጺጉ እንተ ኾይኑ ክሕብረካ እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ተሓዝ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ከመይ ገይሮም ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሑ ክሕብረካ እዩ።