ብሓገዝ Hej svenska! ሽወደንኛ ክትምሃር ጀምር!

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 14 12 2023

Hej svenska! ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ንምልምማድ ዝሕግዝ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ዲጂታላዊ መሳርሒ እዩ።

ብሓገዝ Hej svenska! ከም ምንባብ፡ ምጽሓፍ ወይ ምስማዕ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዕዮታት ብምፍጻም ማዕከን ቃላትን ሰዋስውን ትለማመድ።

Hej svenska! ኣብ መንበብ መርበብ ሓበሬታኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ንHej svenska! ከም ኣፕ ክትጽዕኖ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣፕ ምስ ጸዓንካዮ፡ ብዘይ ሸፈነ ኢንተርኔት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

Hej svenska! 1፡ 2፡ 3 ከምኡ’ውን 4

Hej svenska! ኣርባዕተ ክፋላት ዝሓዘ እዩ። ብሓገዝ Hej svenska! 1 ነተን ናይ ፈለማ ቃላትን ሓረጋትን ብሽወደኛ ትምሃረን። ኣብ Hej svenska! 2፡ 3ን 4ን ዝበርትዓ ቈንቋን ሰዋስውን ኣሎ።

ነፍስ ወከፍ ክፋል ዓሰርተ ኣርእስቲ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነፍስ ወከፍ ኣርእስቲ ድማ ሓያሎ ልምምዳት ዝሓዘ እዩ። ኣየናይ ልምምድ ክትገብር ከም እትደልን በየናይ መስርዕ ክትገብሮ ከም ትደልን ባዕልኻ ኢኻ ትውስን። ንሓደ ልምምድ ብዙሕ ግዜ ደጋጊምካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

Hej svenska! ብኸምዚ ይሰርሕ

ኣብ Hej svenska! ብተደጋጋሚ ዝርኣዩ ሰለስተ መጠወቒታት ኣለዉ። ናይ ምስማዕ መጠወቒ፡ ናይ ሕራይ መጠወቒን ንሓገዝ መጠወቒን።

ናይ ምስማዕ መጠወቒ

በቲ ናይ ምስማዕ መጠወቒ (ምልክት ናይ መጕልሕ ድምጺ ዘለዎ) ክንዲ ዝደለኻዮን ዘድለየካን ብዝሒ ግዜ ደጋጊምካ ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ልምምዳት እቲ ናይ ምስማዕ መጠወቒ ኣማራጺ ዝህብ እዩ። እዚ ማለት ናይ ድምጺ ደገፍ ትደሊ ዲኻ ኣይትደልን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ኣብ ካልእ ልምምዳት ነቲ ልምምድ ምስ ወዳእካዮ ሓደ ኣብነት ይንበብ።

ናይ ሕራይ መጠወቒ

ሓደ ልምምድ ምስ ገበርካዮን ወዲኤ ምስ በልካን፡ ንኽእረም ነቲ ናይ ሕራይ መጠወቒ ጽቐጦ። ምእራም ማለት፡ ጌጋ ብቐይሕ ሕብሪ ምልክት ይግበረሉ፡ እቲ ልክዕ ድማ ብቀጠልያ ሕብሪ ምልክት ይግበረሉ ማለት እዩ። ጌጋታት ኔይሩ እንተ ኾይኑ ምስ ኣረምካዮ፡ ናብ ቀጻሊ ልምምድ ንምስጋር ነቲ ሕራይ ዝብል መጠወቒ ጽቐጥ።

ንሓገዝ መጠወቒ

ነቲ ናይ ሓገዝ መጠወቒ (ናይ መብራህቲ ምልክት ኣለዎ) ብምጽቃጥ ኣብ ብዙሕ ልምምዳት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ንሒደት ካሊኢታት እቲ ልክዕ መልሲ ክርኣ እዩ። ነቲ ናይ ሓገዝ መጠወቒ ክንዲ ዝደለኻዮን ዘድለየካን ብዝሒ ግዜ ክትጥውቖ ትኽእል ኢኻ።