ዜና
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 1 2023
ኣብዚ መላግቦ ናይ ዜና ብቐሊል ሽወደንኛን ዜና ናይ ሽወደን ናብ ካልኦት ቋንቋታት ዝተተርጐሙን ክትረክብ ትኽእል። ከምኡ'ውን እቶም ዳሕረዎት ዜና ካብ ራድዮ ሽወደን ክተንብብ ትኽእል።
ዜና ካብ ራድዮ Sveriges
እዋናዊ ዜና ራድዮ Sveriges ኣብዚ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቛንቋኹም እንተዘየልዩ ድማ ንቀጥታዊ ዜና ስዌድንኛ ኽትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ Sveriges ንዝርከብ ዜና ንኽተንብቡ፡ ኣብ ዝርዝር ኣርእስታት ጠውቑ። እዚ ሊንክ'ዚ፡ ኣብ ሓድሽ ዊንዶን ኪኽፈት እዩ።
-
ክሳብ 27,000 ሰባት ፓስፖርቶም ምስ ተሰርሐ ኣይወሰድዎን
ኣብ 2022 ዝተዳለው ኣስታት 27,000 ፓስፖርትን 6,000 ሃገራዊ መንነትን ክሳብ ሕጂ ብዋናታቶም ኣይተወስዱን። እቶም ሰነዳት እንተ ዘይተወሲዶም ናይ ምስራዝ ተኽእሎታት ኣለዎም።ዝሓለፈት ዓመት እገዳታት ለበዳ ኮሮና ምስ ተልዓሉ፡ ብዙሓት ሰባት ፓስፖርቶም ከሐድሱ ይደልዩ ኔሮም። ፓስፖርት ንምሓዝ ኣብ ሪጋ ንውሓት ናይ ግዜ ስለ ዝነበረ፡ ፖሊስ ነቲ ዝነበረ ጸቕጢ ንምቅላል ተወሳኽቲ ሰዓታት ክሰርሑ ኔርዎም። -
ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንመጻረዪ ሻምፕዮን ኤውሮጳ ኣንጻር በልጅም ክትገጥም እያ
ሃገራዊት ጋንታት ኩዑሶ እግሪ ደቂ-ተባዕትዮ ሽወደን፡ ሎሚ ዓርቢ ምሸት ሰዓት 20፡45 ናይ ፈለማ ግጥም መጻረዪ ሻምፕዮን ኤውሮጳ፡ ኣንጻር በልጅም ኣብ ስታድዮም ፍሬንድስ ኣሬና፡ ሶልና፡ ከተካይድ እያ፡፡ዝላታን ኢብራሂሞቪች ናብ'ታ ሃገራዊት ጋንታ ተመሊሱ ተጸንቢሩ ኣሎ፡፡ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ'ቶም መናእሰያት ተጻወትቲ ሓደ እዩ፡፡ ንራድዮ ስፖርተን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሱ ንዝላታን ከም ሓደ ተጻዋታይ ናይ'ታ ጋንታ ከምዝርእዮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ተጻወቲ ድማ ካብኡ ብዙሕ ክመሃሩ ከምዝኽእሉ ጠቒሱ፡፡ -
መናእሰያት ተጣበቕቲ ክሊማ፡ ንሃገረ-መንግስቲ ሽወደን ንቤት ፍርዲ የቕርብዎ
ኣማኢት ተጣበቕቲ ክሊማ መናእሰያት፡ ኣንጻር ሃገረ-መንግስቲ ሽወደን ክሲ መስሪቶም፡፡ እቲ ክሲ ድማ ኣብ ክማዊ ቤት ፍርዲ ናካ፡ ስቶክሆልም ክርአ እዩ፡፡ እቶም መናእሰያት፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሃገረ-መንግስቲ ሽወደን ክሊማዊ ለውጢ ንምድራት፡ ገለ ውሱናት ስጉምትታት ክወስድ ዘገድድ ውሳነ ከሕልፍ ይደልዩ፡፡ ድሕሪ እቲ ተበጊሱ ዘሎ ክሲ፡ ከባቢ 300 ዝበጽሑ መናእሰያት ኣለው፡፡ ዝቕጽል ስጉምቲ፡ ሃገረ-መንግስቲ ንኣታሕዝኡ ዝምልከት ጸብጻብ ምቕራብ እዩ ክኸውን፡፡ -
ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ሃንጋሪ ንመስርሕ ኣባላነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣይተደናጉዮን እያ
ሃንጋሪ ንምእታው ሽወደን ናብ ኔቶ ከም ዘይተደናጕዮ ቃል ምእታዋ፡ ጠቕላሊ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ሓቢሩ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ ድሕሪ እቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምስ ጠቕላሊ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ምዝርራቦም እዩ።እንተ ኾነ ግን ሃንጋሪ ስለምንታይ ቅድሚ ናይ ሽወደን መመልከቲ ናብ ኔቶ፡ ናይ ፊንላንድ ከተጽድቕ ከም እትመርጽ ኡልፍ ክሪስተርሶን ካብ ቪክቶር ኦርባን መብርሂ ኣይተውሃቦን።ሃገራዊ ባይቶ ሃንጋሪ ንኣባልነት ፊንላንድ ኣብ ኔቶ ጽባሕ ሰኑይ ናይ እወታ ድጋፉ ክህብ ምዃኑ ኮይኑ ግን ንናይ ሽወደን ምጽዳቕ ክጸንሕ ምዃኑ ሃንጋሪ ኣፍሊጣ ኣላ። -
ብስራት - ደቀይ ብስነ ስርዓት የዕቢ ኣለኹ ኢለ`የ ዝሓስብ ግን እቲ ሓደ ካብ ቁጽጽረይ ወጻኢ ኮይኑ
“ብስነ ስርዓት ደቀይ ይዕቢ ኣለኹ ኢለ ዝሕስብ ሰብ እየ። እቶም ሰለሰተ ጸገም የብሎምን። እቲ ሓደ ግን ምስኦም እንዳ ከደ ከሎ ክርድኣኒ ብዘይክእል መገዲ ጠፊኡ ጸኒሑ” ይብል፡ ስሙ ንምዕቃብ፡ ብስራት ኢልናዮ ዘለና ወላዲ።ቋንቋ፡ ላዕለዋይ ኢድ ክትሕዝ ጽልዋ ኣለዎ፤ እዚ ዝተጥቕሰ ጸገም ናይ ወለዲ ድማ ምስ ቋንቋን ዝምድና ወለዲ ምስ ደቆምን ይትሓሓዝ'ዩ፡ ይብል ኣማኻሪ ስድራ ቤትን ምስኡ ዝተሓሓዙን ጉዳያት ጣላል ያሲን።ኣብ'ዚ ግዜ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ኣብ ተግባራት ገበን ይወድቁ ብምህላዎም፡ ፖሊስ ጽኑዕ ቁጽጽር ይወስድ ከም ዘሎ ብዜናታት ክሕበር ጸኒሑ`ዩ። -
ሽወደናውያን ኣብ ደረጃ ካብ ዓለምና ዝተደሱቱ ኣህዛብ ኣብ 6ይ ይስርዑ
ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ መፍትሒ ዘላቒ ልምዓት፡ ሕቡራት ሃገራት፡ 'ዎርልድ ሃፒነስ ሪፖርት' 2023፡ ሽወደን፡ ኣብ ዝርዝር ኣዝየን ዝተሓጎሳ ሃገራት ዓለምና፡ ካብ ናይ ዓሚ ሓደ ደረጃ ብምምሕያሽ፡ 6ይቲ ተስሪዓ፡፡ ኣብ'ቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝነበሩ ኹነታት ብምርኣይ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዓመት ዓመት ዝካየድ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር ዝተዋህበ ጽብጻብ ሕጉሳት ሃገራት፡ ፊንላንድ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ፡፡ ኣብ ትሕተ ሳሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንኣፍጋኒስታንን ሊባኖስን ሓዊስካ እተን ዜጋታተን ዝወሓደ ደስታ ዘለወን ሃገራት እየን፡ ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡፡ -
ንቆልዑ ዘለዎም ስድራ ዝተገብረ ወሰኽ ንገንዘባዊ ድጋፍ መንበሪ ገዛ ኽሳብ መወዳእታ ዓመት ይናዋሕ
ገንዘባዊ ድጋፍ መንበሪ ገዛ፡ 'ቡስታድስ-ቢድራግ'፡ ብዝምልከት ንቆልዑ ዘለዎም ስድራ ዝተገብረ ግዝያዊ ወሰኽ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመት ክምዝናዋሕ፡ መንግስትን ሰልፊ ሽወደን ደሞክራስን ኣብ'ቲ ሎሚ ሓሙስ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡፡እቲ ዝለዓለ ዝኽፈል መጠን እውን፡ ካብ 1325 ናብ 2100 ክሮነር ኣብ ወርሒ ክብ ክብል ተጌሩ'ሎ፡፡ እዚ፡ ኣካል እቲ መንግስቲ ምስ ሰልፊ ሽወደን ደሞክራሲ ብምትሕብባር ዝሰርዕዎ ባጀት ጽድያ ሙዃኑ እዩ፡፡ -
ባይቶ ሽወደን ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ብድምጺ ኣጽዲቑ
ባይቶ ሽወደን፡ ሎሚ ሮቡዕ፡ ሽወደን ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ክትከውን ኣጽዲቑ፡፡ 269 ኣባላት ባይቶ እወ ከድምጹ እንከለው፡ 37 ድማ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ዘቐረበ እማመ ድምጾም ሂቦም፡፡ሰልፋታት ጸጋምን ሓምላይን እቶም ኣንጻር እቲ እማመ ዘድመጹ ሰልፍታት ክኾኑ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ሰልፍታት ነቲ እማመ ብምድጋፍ ድምጾም ሂቦም፡፡ኣባልነት ኔቶ ብዝምልከት፡ እቲ ሕቶ ብሸነኽ ሽወደን መዕለቢ ረኺቡ ኣሎ፡፡ እዚ ይኹን እምበር፡ ሽወደን ባይቶታት ቱርክን ሃንጋርን ከየጽደቑላ፡ ኣባል ኔቶ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ፡፡ -
ይርጋለም፡ ኣብ ስቶክሆልም ብኣካዳሚ ሽወደን ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ዴሞክራስን ናጽነት ምዝራብን ተመክሮኣ ኣስሚዓ
ሎሚ ረቡዕ ቀትሪ ኣካዳሚ ሽወደን ዘዳለዎ፡ እዋናዊ ተጻብኦታት ኣንጻር ዲሞክራስን ብናጽነት ምዝራብን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ።ኣብቲ ኮንፈረንስ ተመክሮኦም ከካፍሉ ዝተዓደሙ ሰባት ኣብዚ እዋን ኣብ ጀርመን ትነብር ዘላ፡ ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋለም ፍስሓ ሓንቲ ኔራ። “ኣብ ኤርትራ ጸሓፋይ ምዃን መሰል ዘይኮነስ ገበን`ዩ” ዝብል ተመክሮኣ ዘካፈለትሉ ኣርእስቲ እዩ።ይርጋላአም ኣብቲ ተመክሮኣ ዘካፈለትሉ ኮንፈረንስ ንዳዊት ይስሓቕን ኣሌክሳንደር ይስሓቕን ዘለዎም መቀራረብን ፍልልያትን ከም ኣብነት ከም ተጠቀመትሉ ትሕብር። -
ርክብ ፋይናንስ ሚኒስተርን ኩባንያታት መሸጣ ምግብን፡ ናብ ዋጋታት ዘጉድል ዝጭበጥ ስምምዕ ኣየብጽሐን
ሚንስተር ፋይናንስ፡ ኤሊዛበት ስቫንተሶን፡ ብዛዕባ እቶም ሰማይ ዓሪጎም ዘለው ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ንምምይያጥ፡ ምስ ኩባንያታት ኢካ፡ ኣክስፉድን ኩፕን ትማል ሰሉስ ተራኺባ ኔራ፡፡ ድሕሪ እቲ ርክብ፡ እታ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ላዕለዎት ኣካየድቲ እቶም ኩባንያታት፡ ኣብ'ዚ ክብሪ ሃለኽቲ ነገራት ላዕሊ በጺሑሉ ዘሎ እዋን፡ ልዑል ሞቕሽሽ፡ ወይ ተወሳኺ ክፍሊት፡ ክወስዱ ምርኣይ እምብዛ ዝቱኽቱኽ ሙዃኑ ሓቢራ፡፡ ላዕለወይቲ ኣካያድቲ ኩባንያ ኩፕ፡ ማርይ ንይግረን፡ ነቲ ምስ ሚኒስተር ፋይናንስ ዝተኻየደ ርክብ ሃናጺ ምንባሩ ሓቢራ፡፡ "ናብዚ ዘለናዮ ኹነታት ክንበጽሕ እንታይ እዩ ኣኸሲቱ፡ ፍልጠን ርድኢትን ክህሉ ኣለዎ ኣብ ዝብል እየ ዝኣምን፡' ኢላ፡፡