ዜና

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 1 2023

ኣብዚ መላግቦ ናይ ዜና ብቐሊል ሽወደንኛን ዜና ናይ ሽወደን ናብ ካልኦት ቋንቋታት ዝተተርጐሙን ክትረክብ ትኽእል። ከምኡ'ውን እቶም ዳሕረዎት ዜና ካብ ራድዮ ሽወደን ክተንብብ ትኽእል።

ዜና ካብ ራድዮ Sveriges

እዋናዊ ዜና ራድዮ Sveriges ኣብዚ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቛንቋኹም እንተዘየልዩ ድማ ንቀጥታዊ ዜና ስዌድንኛ ኽትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ Sveriges ንዝርከብ ዜና ንኽተንብቡ፡ ኣብ ዝርዝር ኣርእስታት ጠውቑ። እዚ ሊንክ'ዚ፡ ኣብ ሓድሽ ዊንዶን ኪኽፈት እዩ።

  • ራድዮ ሽወደን ትግርኛ፡ ሎሚ ሓሙስ 28 መጋቢት ናይ መጨረሽታ ኣገግልግሎታ እትህበሉ መዓልቲ ክኸውን'ዩ

    ኣካል ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ‘ፓብሊክ ሰርቪስ’ ራድዮ ሽወደን፡ ኮይና ንዳርጋ 4 ዓመታት ኣገልግሎት ፈነወ ክትህብ ዝጸንሐት፡ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ፡ ፈነውኣ ካብ ሎሚ 28 መጋቢት ደው ከተብል’ያ፡፡እዛ ምስ ምምጻእ ለበዳ ኮሮና፡ ከም ቀንዲ ዕማማ ንትግርኛ ተዘራብቲ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝምልከት ዝተፈላለየ ሓበሬታ፡ ዜናን ትንተና ክኢላታትን ንምቕራብ ከም ፕሮጀት ዝጀመረት ራድዮ ሽወደን ትግርኛ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ እውን፡ ሓበሬታን ዜናን ብዛዕባ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ካልእን ዛዕባታት ከተአንግድ ጸኒሓ’ያ፡፡ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ፡ ኣብ’ዚ ናይ ዳራጋ 4 ዓመታት ዕድሚኣ፡ ካብ ኣብ ዝተፈለላዩ ክፋላት ሽወደን፡ ከምኡ እውን ካብ ሽወደን ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ተኸታተልቲ ዑዙዝ ተሳታፍነትን ምትብባዕን ውሒዙሉ እዩ፡፡ ስለዚ፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ራድዮ ሽወድነ ትግርና፡ ንኹሎም ተኸታተልታ ካብ ልቢ ተመስግን፡፡እዚ ገጽ እዚ፡ ካብ ሕጂ ንንዮው ‘ኣፕደይት’ ኣይክግበርን ወይ ኣይክመሓየሽን’ዩ፡፡ ንተመሳሳሊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኤኮት ራድዮ ሽወደን ክትከታተሉ ንምዕደኩም፡፡ https://sverigesradio.se/nyheter
  • ሃገራዊ ባንክ፡ ንቀላሲ ወለድ ከምዘለዎ ክቕጽል ወሲኑ

    ሃገራዊ ባንክ፡ ንቐላሲ ወለድ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣብ’ቲ ዝነበሮ ክቕጽል ገይሩ፡፡እቲ ዝቕጽል ምቅናስ፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት ወይ ሰነ ክግበር ትጽቢት ከምዘሎ፡ እቲ ሃገራዊ ባንክ ሓቢሩ፡፡ብመሰረት ናይ ሃገራዊ ባንክ ገምጋም፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ሰለስተ ምቕናስ ወለድ ክህሉ ይትስፈው፡፡
  • ዘሕጋዊ መምርሒ ፍቓድ ማኪና ንምውጻእ፡ ብዙሓት ንሩማንያ ይጓዓዙ

    ናይ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾና ሃገራት መምርሒ ፍቓድ ማኪና ዘለዎም ሰባት፡ ናብ'ቲ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰርሕ ናይ ሩማንያ መምርሒ ፍቓድ ገንዘብ ከፊሎም ከምዘቐይርዎ ተፈሊጡ፡፡ እዚ ኣብ ሩምናይ እናኸድካ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ምቕያር መምርሒ ፍቓድ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝወዓዋዕን፡ እቲ መምርሒ ፍቓድ ንኽቕየር ምንም ናይ ምዝዋር ይኹን ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ምውሳድ ኣየድልን፡፡ ሪፖርተር ራድዮ ሽወደን፡ ነቲ ናብ ናይ ሽወደን መምርሒ ፍቓድ ብቐሊል ክቕየር ዝኽእል ናይ ሩማንያ መምርሒ ፍቓድ ክዕድግ ዝደሊ እንተኾይኑ ሕቶ ቀሪቡሉ፡፡
  • ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሓገዝ ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ ክቐድሑ ዝፈተኑ 82 ተማሃሮ ተኣጊዶም

    ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብተን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዕዮታትን ፈተናታትን ብኣርተፊሻል ኢንተልጀንስ (ኣ.ኢ) ተሓጊዝኩም ሰሪሕኩም ዝተባህሉ 82 ተምሃሮ ተኣጊዶም ኔሮም።እዚ ኣብ'ቲ ብበዓል መዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን፡ ዝቐረብ ጸብጻብ እዩ ተነጺሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብኣርተፊሻል ኢንተልጀንስ ተጠቂሞም ትምህርታዊ ዕዮታትን ፈተናታትን ሰሪሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ፡ ብድምር 221 ዝበጽሑ ጉዳያት፡ ኣብተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ኔሮም።
  • ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኣኽበርቲ ስርዓት ክኾኑ ይስልጥኑ

    ኣድላይነት ኣኽበርቲ ጸጥታ ወይ ስርዓት ዝያዳ እናወሰኸ እኳ እንተ መጸ፡ ኣኽበርቲ ጸጥታ ክኾኑ ክስልጥኑ ዝደልዩ  ሰባት ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።ኣብዚ ዓመት፡ ብሰንኪ ኣዝዮም ውሑዳት ኣመልከትቲ፡ ዳርጋ ፍርቂ ስልጠናታቱ እዩ ፖሊስ ከካይድ ክጅምር ክኢሉ ዘሎ፡፡ግዜ ስልጠና ብዕጽፊ ግዜ ከም ዝነውሕ ተጌሩ ኣሎ - ኣብ ክንዲ ኣብ ክልተ ሰሙን ኣብ ወርሒ ከም ዝዛዘም ኮይኑ ማለት እዩ።
  • ኣረጋውያን ሓድሽ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ክወስዱ ይመዓዱ

    ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ዞባታትን ኮሚነታትን ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19 ንኣረጋውያን ክወሃብ ክጅምር’ዩ፡፡ልዕሊ 80 ዝዕድሚኦምን ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኑ እሞ ናይ ክንክን ኣገልግሎት ኣብ ገዛ ወይ ’ሄምሸንስት’ ይኹን ካልእ ክንክን ዘድልዮም ነቲ ክታበት ክወስዱ ይመዓዱ፡፡ብዝሒ ናይ’ዚኦም ነዚ ክታበት ክወስዱ ዝመዓዱ ዘለው ካብ’ቶም ናይ ዝሓለፈ ቀውዒ ዝወሓደ እዩ፡ ይብል ሃገርዊ ክኢላ ለበዳ ማግኑስ ዪስሌን ንፐ4 ኤክስትራ፡፡
  • ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኖርሾፒን ከቢድ ፍንጀራ ኣጋጢሙ

    ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ  ሃገቢ ክፋል ከተማ  ኖርሾፒን ፍንጀራ ኣጋጢሙ።መእተዊ ማዕጾ፡ ግዳማዊ መንደቕ ከምኡ`ውን ብርክት ዝበሉ መሳኹቲ  ናይቲ በዓል ሸውዓተ ደርቢ ህንጻ ዓንዮም፡፡ኣብ ልዕሊ  ሰብ ዝወረደ ዋላ ሓደ  ኣይተጎድአን።
  • ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ፍልልይ መጠነ ዕምሪ ይንኪ

    ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ጋግ ማእከላይ ገምጋም ዕምሪ ናይ ምጽባብ ኣንፈት የርኢ።ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ካብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓበየ መጠን ብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ ብኮቪድ-19 ምስ ምሕላፎም፡ እቲ ፍልልይ እናገፍሐ ከይዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ብድሕሪኡ ግን መሊሱ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማእከላይ ገምጋም ዕምሪ ደቂ ኣንስትዮ 84.9 ዓመት፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 81.6 ዓመት ኔሩ።
  • ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ፡ ናይ ፈለማ ምሕዝነታዊ ግጥም ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ፡ ዘሕፍር ስዕረት የጋጥማ

    ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ደቂ-ተባዕትይ ሽወደን፡ ዮን ዳህል ቶማሶን፡ ሕማቕ ምጅማር የጋጥሞ፡፡እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብ’ቲ ትማል ኣንጻር ፖርቱጋል ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ 2 ብ 5 ተረቲዓ፡፡እቲ ጸወታ ብዓወት ፖርቱጋል ክዛዘም ምዃኑ ገና ቅድሚ ዕረፍቲ እዩ ርዱእ ኮይኑ፡፡ ሽወደን ንዕረፍቲ 0 ብ 3 እያ ተመሪሓ ወጺኣ፡፡