ቤት ትምህርቲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ኵሎም ቈልዑ ንኽምሃሩ መሰል ኣሎዎም። እቲ ኮሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕርበልካ ግዴታ ኣሎዎ። ኣየኖት ሕግታት ከም ዘገልግሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ንኽትምሃር ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሸውዓተ ፍሽኽ ዝብሉን ዝስሕቁን ቈልዑ ናብ ካሜራ ገጾም ይጎዩ ኣለዉ፡ ገሊኦም ቈልዑ ኣእዳዎም ናብ ኣየር ሓፍ ኣቢሎሞ ኣለዉ። ብድሕሪት ኣብ ሓደ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣከባቢ ናይ እምኒ መደያይቦ ይርኣ።

ስእሊ: Colourbox

ትሰርሒ ወይ ትምሃሪ እንተ ኾንኪ ውላድኪ ካብ ሓደ ዓመት ዝመልኣሉ ጀሚሩ ምሉእ መዓልቲ ኣብ መዋእለ ህጻናት ክጸንሕ ይፍቀዶ እዩ። እዚ ሓደ መሰል እዩ። ዘይትሰርሒ ወይ ዘትምሃሪ እንተ ኾንኪ እውን ውላድኪ ካብ 3 ዓመት ዝመልኣሉ ጀሚሩ ንገለ ሰዓታት ንመዓልቲ ናብ ሓፈሻዊ መዋእለ ህጻናት ክኸይድ ይኽእል እዩ።

ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ሓደ ግዴታዊ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ካብታ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኡላ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ ናብ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ይኸዱ። እቲ ትምህርቲ ናይቶም ቈልዑ ምዕባለ ከነቓቕሕን ንቐጻሊ ትምህርቲ ዝቐራርብን ክኸውን ኣሎዎ።

ኣብ ሽወደን መባእታ ትምህርቲ ግድነታዊ እዩ። ኣብዚ ኵሎም ቈልዑ ንትሽዓተ ዓመት ይምሃሩ። መብዛሕትኦም ኣብታ 7 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት ዘላ ቀውዒ 1ይ ክፍሊ ይጅምሩ። ነፍስ ወከፍ ዓመተ ትምህርቲ ኣብ ክልተ ክፍለ-ትምህርቲ ይምቀል፡ ሓደ ክፍለ-ትምህርቲ ቀውዒን ሓደ ክፍለ-ትምህርቲ ጽድያን።

ግዴታ ትምህርቲ፡ ካብታ እቲ ቈልዓ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ክፍሊ-ዓመት ቀውዒ ይጅምር። ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ግዴታዊ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 10ይ ዓመተ ትምህርቲ (ክፍሊ) ትምህርቲ ኣለዎ።

እዚ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ መንግስታዊ ዓይነት ትምህርቲ ኾይኑ ብፍሉይ ስነ-ትምህርታዊ ብዓል መዚ እዩ ዝመሓደር። እቲ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 10ይ ዓመተ ትምህርቲ (ክፍሊ) ብዘሎ ክፍልታት ዝቖመ ኾይኑ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሰባት ይምልከቶም፦

  • ጽሙማን ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፡ ከምኡ’ውን ናይ ምርኣይን ምስማዕን ክልቲኡ ጸገም ንዘለዎም ተመሃሮ።
  • ናይ ምርኣይ ጸገምን ተወሳኺ ስንክልናን ዘለዎም ተመሃሮ።
  • ከቢድ ናይ ቋንቋ ጸገም ዘለዎም ተማሃሮ።
  • ካብ ዝውለዱ ጀሚሮም ጽሙማንን ዕዉራትን ዝኾኑ ተመሃሮ።
  • ጽሙማን ወይ ናይ ምስማዕ ጸገም ዝተደመሮ ስንክልና ዓቕሚ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ተመሃሮ።

ፍሉይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ንምዕባለኣዊ ስንክልና ዘሎዎም ደቂ 7-15 ዓመት ቈልዑን መንእሰያትን እዩ።

ምዕባለኣዊ ስንክልና ዘሎዎም ቈልዑ ኵሉ ግዜ ነቲ ንቡር መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣይኽእልዎን እዮም። ኣብ ክንድኡ እቲ ቈልዓ ኣብ ፍሉይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክምሃር ይክእል። እዚ ንነፍስ ወከፍ ተመሃራይ ምስ ናቱ ዓቕምን ድልየትን ዝሳነ ትምህርቲ ዝህብ ነብሱ ዝኸኣለ ዓይነት ትምህርቲ እዩ።

ናይ ሽወደን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብድልት እዩ። ንመብዛሕትኦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ሰለስተ ዓመት እዩ። መብዛሕትኦም ኣብዚ ድሕሪ ናይ መባእታ ትምህርቲ ብቐጥታ ኣብ መበል 16 ዓመቶም ይጅምሩ። እቲ ትምህርቲ እንተ ደንጎየ ቅድሚ እታ 20 ዓመት ትመልኣላ ዓመት ክጅመር ኣሎዎ።

ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ወይ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክምሃር ይኽእል እዩ። ኣብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ፡ ሞያዊ መደብን ንዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንምእታው መቀራረቢ መደብን ኣለዉ።

ውላድካ ኣብ ሞያዊ መደብ ትምህርቲ ክምሃር ንኽኽእል፡ ናይ ሽወደኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ተወሰኽቲ ካልኦት ሓሙሽተ ዓይነት ትምህርትታትን ዝሓለፈሉ ወረቐት ምስክር የድልዮ እዩ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ሸሞንተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ውላድካ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መቀራረቢ መደብ ክምሃር ንኽኽእል፡ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ካልኦት ተወሰኽቲ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲን ዝሓለፈሉ ወረቐት ምስክር የድሊ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፈሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ውላድካ ናብቶም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ዘይብሉ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክምሃር ይኽእል እዩ። ኣብ መላለዪ መደባት ትምህርቲ ዝምልከት ፍጥነት ትምህርቲ፡ መጠንን ትሕዝቶን ተዓጻጸፍቲ እዮም። እዞም መደባት ውላድካ ኣቐዲሙ ምስ ዝነበሮ ፍልጠትን ሕጂ ምስ ዘድልዮ ነገራትን ከም ዝሰማምዑ ክኾኑ ዘለዎም እውን እዮም።

ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንምዕባለኣዊ ስንክልና ዘሎዎም ደቂ 16-20 ዓመት መንእሰያት እዩ። እዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ይካየድ። ክምረጹ ዝኽእሉ ሃገራዊ መደብን ውልቃዊ መደብን ኣሎዉ።

ግዴታ ትምህርቲ፡ ውላድካ ናብ ትምህርቲ ክኸደሉ ዘይኽእል ብቑዕ ምኽንያት እንተ ዘይብሉ ኾይኑ ናይ ግድን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ኣሎዎ ማለት እዩ።

ግዴታ ትምህርቲ ንውላድካ፡ እቲ ቈልዓ ሽዱሽተ ዓመት ዝመልኣላ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ ይጅምር። ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ግድነታዊ እዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ውላድካ ብቐጥታ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ፍሉይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ክኽእል ተኽእሎ ኣሎ። ግዴታ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንትሕቲ ዓሰርተ ዓመት እዩ ዚምልከት። እቲ ቈልዓ ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ እንተ ኾይኑ ወይ ክምዝገብ እንተ ኾይኑ።

ፍሉይ ምኽንያት እንተ'ሎ ኾይኑ ቅድሚ እቲ ቈልዓ ሸውዓተ ዓመት ዝመልኣላ ናይታ ዓውደ-ኣዋርሓዊ ዓመት ዘላ ወቕተ-ትምህርቲ ቀውዒ እቲ ግዴታ ትምህርቲ ኣየገልግልን እዩ። እዚ እቲ ግዴታ ትምህርቲ ንግዚኡ ንኽውንዘፍ ድሕሪ ምምልካትካ በታ ናትካ ኮሙን ይምርመር። እቲ ግዴታ ትምህርቲ ንግዚኡ ተወንዚፉ እንተ ጸኒሑ እቲ ቈልዓ ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸይድ ዕድል ይውሃቦ።

ግዴታ ትምህርቲ ብመሰል ንትምህርቲ ይፍጸም። ውላድካ መሰል ናይ ትምህርቲ ዓይነታት መውዓሊ ህጻናት፡ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ፍሉይ ቤት ትምህርቲን ናይ ናጻ ግዜ ቤትን ኣሎዎ።

ከምኡ'ውን ውላድካ ክሳብ እቲ ቈልዓ 20 ዓመት ዝመልኣላ ቀዳመይቲ መንፍቕ ዓውደ-ኣዋርሓዊ ዓመት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ እንተ ኾይኑ ወይ ክምዝገብ እንተ ኾይኑ።

ውላድካ ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ እንዳ ተማህረ ማዕረ ማዕሪኡ መባእታ ቋንቋ ሽወደንኛ ክምሃር ይኽእል እዩ።ዕላማ ናይ ውላድካ ኣብ ውሽጢ እቲ መቀራረቢ ትምህርቲ ሓደ ወይ ብዙሓት ዓይነት ትምህርቲ ዝምሃረሉ፡ እቲ ቈልዓ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብቲ ምዱብ ትምህርቲ ነቲ ትምህርቲ ምእንቲ ክከታተሎ ቅሩብ ንኽኸውን እዩ።

ውላድካ እንተ ነውሓ ንኽልተ ዓመት ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ንኽምሃር ዕድል ክወሃቦ ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ኵሉ ትምህርቱ ኣብዚ ትምህርቲ ክረኽቦ ኣይክእልን እዩ። ክንደይ ክፋል ብዝሒ ናይቲ ትምህርቲ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ፡ ክንደይ ክፍል ብዝሒ ኣብ ንቡር ክፍሊ ከም ዝወሃብ ካብ ቈልዓ ናብ ቈልዓ ይፈላለ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝውደብ እቲ ርእሰ ምምህራን ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውስን።

እቲ መምህር ናይቲ ቈልዓ ፍልጠት ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ክግምግሞ እዩ። እቲ መምህር እቲ ቈልዓ ኣብ ንቡር ክፍሊ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ክከታተል ይኽእል እዩ ኢሉ ምስ ገምገመ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ ክንዲ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ ኣብቲ ትምህርቲ ክካፈል እዩ።

ውላድካ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዓይነት ትምህርቲ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ትምህርቲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ሽወደንኛ ከም ቋንቋ ኣደ ዘይብሎም ቈልዑ እሞ እቲ ቈልዓ ናቱ ኣድላይነት እንተ ኣሎዎ ኾይኑ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክምሃር ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክምሃር እንተ ኾይኑ ዝውስን እቲ ርእሰ-መምህራን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ውላድካ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽምሃር ኣድላይነት እንተ ኣሎዎ ኾይኑ ምስቲ ርእሰ-ምምህራን ናይቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ግበር።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እቲ ውላድካ ዓይነት ትምህርቲ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክምሃር ይኽእል እዩ።

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ውላድካ ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ውላድካ ቀዳምነት ዝተዋህዎ መደብ ግዜ እንተ ኣሎዎ ኾይኑ፡ እቲ ቈልዓ ተወሳኺ ትምህርቲ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃቦ ይኽእል ማለት እዩ።

ውላድካ ምእንቲ ኣብ ሽወደንኛ ዝያዳ ግዜ ክረክብ ክኽእል ካብ ናይ ካልኦት ዓይነት ትምህርቲ ግዜ ምልጋስ ናይ ግድን እዩ። እቲ ጠቕላላ ግዜ ናይ ትምህርቲ ሓደ እዩ ዝኸውን። ግን እቲ ግዜ ኣብ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ምእንቲ ዝያዳ ክኸውን ነቲ ግዜ ተከፋፍሎ። ሓደ ቈልዓ ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልዎ እንተ ኾይኑ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውስን። ሓደ ቈልዓ እንተ ነውሓ ንሓደ ዓመት ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልዎ ይኽእል።

ውላድካ ሽወደንኛ ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ኣደ እንተ ኣሎዎ ኾይኑ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽወሃቦ መሰል ክህልዎ ይኽእል እዩ። ውላድካ ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ክፍሊ ቅድመ ትምህርትን ነቲ ናቱ ቋንቋ ኣደን ቋንቋ ሽወደንኛን ክልቲኡ ከማዕብሎ ዕድል ክህልዎ ኣሎዎ። ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ሓደ ሓደ ጠለባት እንተ ተማሊኦም ውላድካ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽወሃቦ መሰል ኣሎዎ።

ውላድካ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ክወሃቦ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕብኡ ከተመልክት ኣሎካ። ከመይ ከም ትገብርን ኣየኖት ጠለባት ከም ዝሕተቱን ነቶም ቤት ትምህርቲ ሕተቶም።

እቲ ቈልዓ ድሮ ዝኽእሎም ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ዓይነታት ምእንቲ ክጥቀመሎም ክኽእል ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ ኣገዳሲ እዩ። ውላድካ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ፡ ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ ክወሃቦ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓገዝ መጽናዕቲ ምስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ መምህር ወይ ርእሰ መምህር ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።