Gotland

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ጎትላንድ እታ ዝዓበየት ናይ ሽወደን ደሴት እያ ልዕሊ 57 000 ተቐማጦ ኸኣ ኣለውዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብቕድሚት ዓንዲ መርከብ ኣብ ናይ ቪስብይ ወደብ ብድሕሪት ኣብ ቪስብይ ዝርከብ ህንጻታት።

ጎትላንድ ብዙሕ እተወፍዮ ነገራት ኣለዋ፡ ሓደ ካብኡ ምሹው ናይ ትምህርቲ ሃዋህው ንህጻናትን ሓደ ሰፊሕ ናይ ባህልን- ናይ በብዓይነቱ መዘናግዕን። ብዘየገድሽ ኣብ ጎትላንድ ኣበይ ትርከብ ኣብ ጥቓ ከተማን፡ ገጠርን፡ ሃዋህውን ባሕርን ኢኻ ዘለኻ። ካብ'ን ናብ'ን ምሹው መጓዕዚታት ኣሎ። ጎትላንድ ሓንቲ ህብብቲ ናይ መግየሺት ቦታ ስለዝኾነት ዓመታዊ ኣማኢታት ኣሻሓት ኣጋይሽ እያ ትቕበል። መርሓባ ናብ'ዛ ደስያት ንምግዓዝ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ጎትላንድ ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ ኣሎ፡ ኣብ ገጠርን ኣብ ከተማ ቪስቢን።

ጎትላንድ ሓንቲ ማራኺት ናይ መግየሺት ቦታ ስለ ዝኾነት ብዙሓት ውልቀ ሰባት ኣብ ቀውዒ፡ ሓጋይ ንነዊሕ ግዜ ከካይሩ ከምኡ'ውን ኣብ ግዜ ሓጋይ ብሰሙናዊ ከካርዩ ይመርጹ።

ኣብ ጎትላንድ ብዙሓት ኣዮም ክቕመጡ ዝደልዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ቪስቢ ወጻኢ ናይ ምሉእ-ዓመት መንበሪ ገዛ ንኽትረክብ ዓብይ ዕድል ኣሎ።

እቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡ ሰባት ከምኡ'ውን ናብ ጎትላንድ ዝተመደቡ ናይ መንበሪ ሓገዝ ካብ ምምሕዳር ጎትላንድ ይወሃቡ እዮም።

መንበሪ ምክራይ

እቲ ኮሙናላዊ ናይ መንበሪ ትካል GotlandsHem/ጎትላንድስሀም ዝካረዩ ገዛዉቲ ኣብ ከባቢ ጎትላንድ ኣለዎ። ኣብ'ቲ ናቶም ናይ ገዛውቲ መስርዕ ምምዝጋብ ይከኣል እዩ።

ከምኡ'ውን ዘካርዩ ግላውያን ወነንቲ ገዛውቲ ኣለዉ። ጎትላንድ ሓደ ናይ ግላውያን ናይ ገዛዉቲ ኣካረይቲ ዝርዝር ርኽክባት ሓበሬታ ዘለዎ መግዓዚ ቤት-ጽሕፈት ኣለዋ።

መንበሪ ምግዛእ

እንድሕሪ ሓደ ገዛ ምግዛእ ተገዳስነት ኣለካ ኾይኑ ምስ ሓደ ደላላይ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታ ብዛዕባ ደለልቲ ኣብ Inflyttarbyråns webbplats ወይ ኣብ Hemnet. ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ታ ደሴት ብዙሓት ዝተፈላለያ ናይ ገጅለታት-ቋንቋ እየን ዘለዋ። ካብኣተን ከኣ ዓረብኛ፡ ፋርስኛ፡ ዳሪን ትግርኛን እየን።

ዳርጋ 6 ካብ ሚእቲ ናይ ጎትላንድ ተቐመጥቲ ናይ ወጻእተኛ ድሕረባይታ ኣለዎም። ካብ ናይ ሽወደን ምሉእ ህዝቢ ዳርጋ 17 ካብ ሚእቲ ናይ ወጻእተኛ ድሕረባይታ ኣለዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ጎትላንድ ሓደ ካብ'ቶም ናይ ሽወደን ኣዉራጃታት ዝበዝሑ ማሕበራት ዘለውዋ እያ። እብ ምልእቲ እታ ደሴት ዝተዘርገሓ 900 ምዝጉባት ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት ማሕበራት ናይ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ፖለቲክ፡ ሃይማኖት፡ ቆልዑት፡ መንእሰያትን ጥሮታኛታትን ኣለዋ። እተን ማሕበራት ኣብ ናይ ሓባራዊ ተገዳስነትን ናይ ምስትፋት ዕድል ዝፈጥርን ንጥፈታት ኣለወን።

ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣበ ዝተቐመጥካ ተቐሚጥካ ናይ ስፖርት ክእለታትካ ዘበርክታልካ ናይ ገዛእ ርእስን መገልገሊታት ዘለወን ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኣለዋ። እተን ናይ ስፖርት ማሕበራት ንምውህሃድ ከበርክታን ንዝተፈላለየ ዕድመታት ናይ መራኸቢ ቦታ ንምፍጣርን እየን ዝሰርሓ። ጎትላንድ ሓደ ናይ ተፈጥሮ ልምዲ ባህሪ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እታ ደሴት ኣብ'ቲ ተፈጥሮ ጽባቐ ዘለዎ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ መስመር ኣለዋ። ጎትላንድ ብምኽንያት ናይ ደሴት-ኩነታት ሓደ ፍሉይ ጥርናፈ ኣለዋ። ኣቲ ንጡፍ ናይ ማሕበራት ሂወት መንነትን ተሳታፍነትን እዩ ዝህብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሓገዝ ንሓደሽቲ መጻእቲ

እቲ ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ምምሕዳር ጎትላንድ ነቶም ናይ መቐመጢ ፍቓድ ዘለዎም ሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ'ቲ ናይ ጎትላንድ ሕበረተሰብ እግሪ ንምትካል ናይ ምምላእ ዕማም ኣለዎ። እቲ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ ንኣብነት ናይ ሕብረተስብ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ ሓደ ደገፍን-ኣገልግሎትን ዕማም ዘለዎ "Medborgarplatsen''/''ናይ ዜጋታት ቦታ'' ዝበሃል ኣለዎ። ናብ'ቲ ''ናይ ዜጋታት ቦታ'' ኩሎም እቶም ሓደሽቲ መጻእትን ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ዘለዎም ግብራዊ ሕቶታት ሒዞም ንኽመጹ ምርሑባት እዮም። "Medborgarplatsen''/''ናይ ዜጋታት ቦታ'' ኣብ ቪስቢ እዩ ዝርከብ። ኣብ ፍሉይ ግዜ እቲ ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ፎሮሱንድን ሀምሰ እውን ይርከብ እዩ።

ድኳናት

እቲ ዝዓበየ ዝርዝር ድኳናት ኣብ ቪስቢ እዩ ዝርከብ። ቪስቢ ኩሉ ካብ ናይ ክዳውንቲ ኣትሒዝካ ክሳብ፡ ናይ አለትሮኒክን ናይ ካልኣይ ኢድ ድኳናትን ኣሎ። መብዛሕትኦም ናይ ሃለኽቲ ድኳናት ናይ ካልእ ሸነኻት ዓለም መግቢ ኣለዎም። እቶም ዝዓበዩ ገጠራት ንኣብነት ሀምሰ፡ ሩማን ስሊተን እውን ዝተፈላለየ ዓይነት ድኳናት ኣለዎም፡ ሓደ ካብኡ ናይ ሃለኽቲ ድኳናት። ሓደ ሓደ ገጠራት እውን ናይ ሃለኽቲ ድኳናት ኣለዎም።

ባህሊ፡ መዘናግዕን መራኸቢ ቦታን

ኣብ ጎትላንድ ዝያዳ ክትመሃረሉ እትኽእል ብዙሓት ናይ ትምህርቲ ማሕበራት ኣለዋ። ንናይ ባህሊ ሂወት ዘሀብትም ከም ናይ ጎትላንድ ቤተ-መዘክር፡ ናይ ኣውራጃ ትያትርን ናይ ኣዉራጃ ቤተ-መዘክርን ምስረታ እዉን ኣሎ። ብሓልዮት ኩሎም ናይ ጎትላንድ ነጻ ናይ ባህሊ ኣፍረይትን ናይ ባህሊ ማሕበራትን ንደርፊ፡ ንሳዕስዒት፡ ንሙዚቃን ንትያትርን ብዙሕ ዕድላት ኣሎ።

ኣብ'ቲ ቤት-መጻሕፍቲ፣ መጻሕፍቲ ምልቃሕ፡ ጋዜጣታት ምንባብ፡ ኮምፕዩተር ምልቃሕ፡ ሓበሬታ ምድላይን ሕቶታት ምሕታትን ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ። ኣብ'ዚ ናብ ናይ ቋንቋ ዘማዕብሉ ንጥፈታት ዝከኣለሉ ዕድል ኣሎ፡ ስፕሮክካፈ፡ ንቖልዑት ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ናይ ጽውጽዋይ ግዜ፡ መጻሕፍቲ ብቐሊል ሽወደንኛ ዝንበብን ናይ ቋንቋ ኮርሳትን። በቲ ናይ'ቲ ቤት-መጻሕፍቲ ብዙሕ ንጥፈታት ምስ ብዙሓት ካልኦት ተራኺብካ ምዕላል ዝከኣለሉ ዕድል ኣሎ። እብ ዝተፈላልየ ቦታታት ኣብ'ታ ደሴት ቤት-መጻሕፍቲ ኣሎ።

ናይ መንእሰያት ክበባት ኣገደስቲ መራኸቢ ቦታታት እዩ ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ ንኣብ መንጎ 13ን 19ን ዝዕድመኦም መንእሰያት ካብ ክፍሊት ነጻ ብዙሓት ንጥፈታት ይውፈይ እዩ። ኣብ ጎትላንድ ናይ መንቀሳቐስን ናይ ምሕምባስ መዐልምን ብዙሓት መሐምበሲታትን እውን ኣሎ።

ኣብ ሓደ ካፈ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ዝመያየጡ ዘለዉ መንእሰያት።

ናይ ቆልዑት ክንክን

ቆልዑት 1 ዓመት ምስ መልኡ ቅድሚ ትምህርት ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ንጥፈት ነቶም ዝሳተፉ ኹሎም ቆልዑት ነቲ ናይ ምሉእ ሂወት ትምህርቲ መሰረት ይሃንጽ፡ ምሽዉን፡ ህዱእን ፍልጠት ኣስናቕን ክኸውን እውን ኣለዎ። ኣብ ጎትላንድ ኣብ ኩሉ ከባቢ እታ ደሴት ቅድሚ ትምህርቲ ኣሎ። እቲ ቆልዓ ኣብ'ት ቅድሚ ትምህርቲ ናይ ቀዋሚ ቦታ መሰል ንኽህልዎ፣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ። ሓተትቲ ዑቕባ ቆልዑ ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ቅድሚ ትምህርቲ 15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ካብ ዕለት 1 መስከረም ክሳብ 31 ግንቦትን መሰል ኣለዎም። እቲ መሰል ናይ ሓፈሻዊ ቅድሚ ትምህርቲ ካብ ቀውዒ እቲ ህጻን ሰለስተ ዓመት ዝመልኣሉ ከምኡ'ውን ክሳብ እቲ ህጻን 5 ዓመት ዝኣክል እዩ ብቑዕ።

ክፉት ቅድሚ ትምህርቲ

ክፉት ቅድሚ ትምህርቲ ንኣብ ገዛ ዝውዕሉ ዓበይትን ንኣብ መንጎ 0-6 ዝዕድምኦም ህጻናትን ሓደ ስነ-ትምህርታዊ ንጥፈት እዩ። እቲ ንጥፈት ኣብ ናይ ህጻናትን ዓበይትን ኣድላይነት ተመርኩሱ እዩ ዝህነጽ። እቶም በጻሕቲ ብኸመይን ክንደይ ግዜ ከምዝሳተፉን ባዕሎም እዮም ዝውስኑ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ጎትላንድ ሓደ ልዑል ዓይነት ዘለዎ ምሹዉ ናይ ትምህርቲ ሃዋህዉ ዘወፍይ ኾይኑ፡ ናይ ምሉእ ሂወት ትምህርቲ ዝህብ እቲ መሰረታዊ መርገጽ ድማ ኹሎም ንኽዕውቱ ዕድል ንኽህልዎም እዩ።

መባእታዊ ቤት ትምህርትታት

ኣብ ሽወደን ኩሎም ቆልዑት መሰል ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኣለዎም። እቲ ቆልዓ ኣብ'ቲ ንገዝኡ ዝቐረበት እትርከብ ቤት ትምህርቲ እዩ ቦታ ዝወሃብ። ልዕሊ 35 መባእታዊ ቤት ትምህርቲታት ኣብ ምሉእ ጎትላንድ ፋሕ ዝበላ ኣለዋ። 30 ካብ'ተን ቤት ትምህርታት ብኣውራጃ ጎትላንድ ይመሓደራ 5 ከኣ ናይ ግሊ እየን። ኣብ ገሊአን መባእታዊ ቤት ትምህርትታት ቋንቋ ሽወደን እንዳተመሃርካ ካልእ ኩሉ ናይ ትምህርቲ ዓውዲ እትመሃረሉ ናይ ዓለምለኻዊ ክፍልታት ኣሎ።

ናይ ትምህርቲ ዕድላት

ኣብ ቪስብይ፡ ሓንቲ ቪስብይጂምናስየት ትብሃል ኮሙናላዊት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ሓንቲ ጉተስኩላን ትብሃል ናይ ግሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ኣለዋ። ሓደሽቲ መጻእቲን ሓተትቲ ዕቝባን ተምሃሮ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ናይ ቋንቋ መላለዪ ትምህርቲ፡ ስፕሪንት (SPRINT) እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ንኽምሃሩ ዕድል ይወሃቦም እዩ ስፕሪንት፡ ኣብ ናይ ሽወደንኛ ቋንቋ ዘድሃበ ትምህርቲ እዩ። ከምኡ'ውን ስፕሪንት፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ናይ ሃገራዊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ መደባት ንኽምሃር ብቝዕ ንኽኸውን ክምሃሮ ዘድልዮ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት ዓይነት ትምህርትታት ትሕዝቶ ኣለዎ።

ናይ ትምህርቲ ዕድላት

ኣብ ጎትላንድ ንኽትመሃር ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብ ሽወደን ክትመሃር ንኽትክእል ናይ መቐምጢ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ።

ህዝባዊ ኮለጅን ናይ ዓበይቲ ትምህርትን

ህዝባዊ ኮለጅን እቲ ኮሙናላዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርትን ናይ መባእታውን- ናይ ካልኣይ ደረጃን ከምኡ'ውን ናብ ፍሉይ ሞያ ዘተኩር ኮርሳት ይህብ።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ

ኣብ ጎትላንድ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ፡ ኡፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ካምፖስ ጎትላንድ (ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ)። እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኮርሳትን ትምህርትን ኣለዎ፡ ሓደ ካብኡ ስነ ህይወት፡ ቁጠባን ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ምድላውን እዩ።

ኮርታ ቨገን/ሓጺር መንገዲ

ኮርታ ቨገን/ሓጺር መገዲ ቪስቢ ንኣብ ጎትላንድ ዝቕመጡ ኣከደሚኛታት ናይ ወጻእተኛ ድሕሪባይታ ዘለዎም ዘተኩር ናይ ዕዳጋ ስራሕ ትምህርቲ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብናይ ስቶክሆልም ዩኒቨርሲቲ ዝካየድ።

ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ

ናይ መቐመጢ ፍቓድ ዝተዋህቦም ዓበይቲን ኣብ ጎላንድ ህዝባዊ ምዝጉባት ዝኾኑን ብሓላልዮት ኣውራጃ ጎትላንድ ቋንቋ ሽወደን ነወጻእተኛ (SFI) ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምሉእ ጎትላንድ ናይ ክንክን ማእከላት ኣለው። ብዛዕባ ናይ ጥዕና ምኽሪ ናብ'ቶም ናይ ክንክን ማእከላት ኢኻ ኣቐዲምካ ትውከስ። ኣድላይ ምስዝኸውን እቲ ናይ ጥዕና ማእከል ናብ ቤት ሕክምና ከመሓላልፈካ ይኽእል።

መቐበሊ ናይ ስኒ ክንክንክ ኣብ ጎትላንድ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እዩ ዝርከብ።

ኣብ ቪስቢ ናይ መድሃኒት ብቕዓት ዝሓዘ ሓደ ዘመናዊ ቤት ሕክምና ኣሎ።

ኣብ'ዚ ዝስዕብ መርበብ ብዙሃን ብዛዕባ ክንክን ምኽሪ ክትወሃብን እቲ ዝቐረበ ናይ ክንክን ማእከል www.1177.se/gotland ክትረክብን ትኽእል ወይ ብስልኪ 1177። ኣብ ግዜ ናይ ሂወት ሓደጋ ኩነታት ማህረምቲ ወይ ሕማም ናብ ናይ ህጹጽ ቁጽሪ 112 ደውል።

ናይ ምትርጓም ሓገዝ

እንድሕር ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ወይ ዘይትርዳእ ኾይንካ ምስ ሰበ ስልጣናት ክታራኸብ እንከለኻ መሰል ናይ ተርጓሚ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ናብ'ቲ ክትቆጽሮ ዝደለኻ በዓል ስልጣን ቆጸራ ክትሕዝ እንከለኻ ተርጓሚ ከምዘድልየካ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት ናይ ሕክምና ቆጸራ።

ሓደ ተርጓሚ ኣብ መንጎ ቋንቋታት ዘተርጉመልካ ሰብ እዩ። እቲ ተርጓሚ ብምስጢር ምዕቃብ ቅዩድ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንስኻ ከየፍቀድካ ብዛዕባኻ ሓበሬታ ከውጽእ የብሉን ማለት እዩ። ኣብ ምትርጓም ዝተሓጋገዙ ስድራን የዕሩኽትን ተርጎምቲ ኣይኮኑን ስለ'ዚ ብምስጢር ምዕቃብ ቅዩዳት ኣይኮኑን።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ጎትላንድ ብመርከብን ብነፋሪትን ገይርካ ክትጓዓዝ ይከኣል እዩ። ኣብ መንጎ ቪስቢን ኒነስሃምንን ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ቪስቢን ኦስካርሽሃምን ምሉእ ዓመት ናይ መርከብ ኣገልግሎት ኣሎ። ካብ'ኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ግዜ ሓጋይ ኣብ መንጎ ቪስቢን ቨስተርቪክን ናይ መርከብ መስመር ኣሎ። ብመራክብ ጉዕዞ ናብ ጎትላንድ ዳርጋ ሰለስተ ሰዓታት እዩ ዝወስድ። እዚ ነቶም ተቐማጦ ናብ ዋና የብሲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብጺሖም ከም ዝምለሱ ይገብር።

መዕረፍ ነፈርቲ ካብ ቪስቢ ውጽእ ኢሉ ይርከብን ካብኡ ንስቶክሆልም፡ ንማልመን ዮተቦርይን ምሉእ ዓመት ቀጥታ ነፋሪት ትኸይድን። ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ንስቶክሆልም ዳርጋ 40 ደቒቕ ይወስድ።

ኣብ ጎትላንድ ብናይ ሓባራዊ መጓዕዝያ፡ ብማኪና ወይ ታክሲ ክትንቀሳቕስ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓባራዊ መጓዓዝያ ኣብ ዓብይ ክፋል ናይ'ታ ደሴት ይንቀሳቐስ እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ጎትላንድ ኣብ ክሊ ዋኒንተኛነት ብቐጻሊ ዝፍጠርን ዝምዕብልን ሓደ ጽኑዕ ናይ ንግዲ ጽንሰ-ሓሳባት ባህሊ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኢንዱስትሪታት ብዙሕነት። ነኣሽቱ ዋኒንተኘት ኣብ'ታ ደሴት ዓብይ እዩ፡ ዳርጋ ትቸዓተ ካብ ዓሰርተ ናይ ጎትላንድ ትካላት ካብ ሓሙሽተ ዝውሕዱ ሰራሕተኛታት ኣለውወን።

ሕርሻ፡ናይ እምንን ምግብን ኢንዱስትሪ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ጎትላንድ ኣገደስቲ ንግድታት እዮም። እቶም ናይ ምግቢ ኣፍረይቲ ደቂ ጎትላንድ ብናይ ውሽጢ ኣውራጃ ጥረ ነገር ስለዝሰርሑ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርያት ኣዝዩ ብሉጽ ዓይነት ይኸውን።

ኣብ'ቲ ዝዓብይ ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ጽላት እቲ ናይ በጻሕቲ ትካል ሓደ ዓቢ ግደ ኣለዎ። እቲ ዓብይ እጃም ናይ በጻሕቲ ብዙሕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ኣስዒቡ እዩ፡ ናይ ሓጋይ ስራሕ ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ ንግዲ እዚ ማዕቢሉ እዩ።

ስራሕ ምድላይ

ዕማም ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ፣ እቲ ዕላዊ ሓላፍነት ናይ ስራሕ ምርካብ እዩ። ከምኡ'ውን ፍሉይ ናይ ሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ናይ መትከል እግሪ ሓደ ኣዋሃህዲ ዝኾነ ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ኣብ ቪስቢ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣለዎ።

ኩባንያ ምጅማር

ሓሳባትካ ምምዕባልን ኩባንያ ምጅማርን ትደልይ ዲኻ? Almi Företagspartner ንሓድሽ ዊኒንተኛ ንምሕጋዝ ካብ ኣውራጃ ጎትላንድ ዕማም ዝተዋህበ እዩ።

ኩባንያ ምስራጽ

ኣብ ጎትላንድ ከተሰርጾ እትደልይ ድሮ ሓደ ኩባንያ ኣለካ'ዶ? Gotlands bolag Inspiration Gotland ኣብ ግዜ ኩባንያ ምስራጽ ክሕብረካ ዝኽእል ሓደ ናይ ኩባንያ ሓባሪ ኣለዎም።

ናይ ኩባንያ መርበብ

ኣብ ጎትላንድ ዝተፈላለያ ናይ ኣውራጃ ናይ ንግዲ ማሕበራትን ናይ ኩባንያ መርበባትን ኣለዋ። ሓደሽቲ ርኽክባት ናይ ምእሳርን ፍልጠት ናይ ምልውዋጥን ዕድላት ይህቡኻ።