ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኣብ ሓድሓደ ቦታታት ዝካረ ገዛ የልቦን። ገዛ ምርካብ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ይሓይሽ። ኣብ ነኣሽቱ ኮምዩናት ምቕማጥ ጥቕሚ ኣለዎ፡ ከመይሲ ኣብኡ እቲ ናይ ሕብረተሰብ ናብራ ንጹር እዩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ዝቕመጡዎ ኣይኮኑን ዝሰርሑ። ኣብ መንጎ ናይቲ ወረዳ ከተማታት፡ ናይ ኣውቱቡስን ባቡርን መስመራት ኣሎ፡ በጺሕካ ምምላስ ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣይወስድን። ኣብቲ ናይ ለንስትራፊክ ወብሳይት ብኣውቶቡስ ምግያሽ ተኽእሎታት ከመይ ምዃኑ ስእሊ ኪህልወካ ይኽእል።