Örebro län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦረብሩ ለን/ወረዳ ኣብ ሕምብርቲ ሽወደን እያ እትርከብ። ኣብቲ ናይቲ ወረዳ 12 ኮምዩናት ብድምር 285,000 ተቐማጦ ኣለዉ። እታ ዝዓበየት ከተማ፡ ኦረብሩ እያ። ኦረብሩ ንዘመናት ናይ ደቂሰብ ኣገዳሲት ቦታ እያ ነይራ። ኣብዚ፡ ኩሉ ቀረባ እዩ፡ ግሩም መራኸቢታት፡ ግሩም ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋን ከኣ ኣሎ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Örebro län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Örebro län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ሓድሓደ ቦታታት ዝካረ ገዛ የልቦን። ገዛ ምርካብ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ይሓይሽ። ኣብ ነኣሽቱ ኮምዩናት ምቕማጥ ጥቕሚ ኣለዎ፡ ከመይሲ ኣብኡ እቲ ናይ ሕብረተሰብ ናብራ ንጹር እዩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ዝቕመጡዎ ኣይኮኑን ዝሰርሑ። ኣብ መንጎ ናይቲ ወረዳ ከተማታት፡ ናይ ኣውቱቡስን ባቡርን መስመራት ኣሎ፡ በጺሕካ ምምላስ ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣይወስድን። ኣብቲ ናይ ለንስትራፊክ ወብሳይት ብኣውቶቡስ ምግያሽ ተኽእሎታት ከመይ ምዃኑ ስእሊ ኪህልወካ ይኽእል።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብቲ ወረዳ ብዙሕ እተፈላለየ ሞያታትን ወሃብቲ ስራሕን ይርከቡ። ኣብዚ ናይ ምስናዕ ፋብሪካን ናይ ልዑል ተክኖሎጂ ምርምርን፡ ዓቢ ናይ ኣገልግሎት ሰክተርን ኣብ ክንክንን ጥዕናን ከኣ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ። ካብተን ዓበይቲ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ ንምጥቃስ፤ Atlas Copco Rock Drills AB ። እዚኣ ንዕደናን ነታ ኖርዲና ስቨርየ ኤ.ቢ እትብሃል ኣውቶቡስ እትስንዕ ፋብሪካን ዚኸውን ማሺንን መሳርሕን ትስንዕ።

ኣብ ህዝባውያን ጽላታት ምምሕዳርን ኣውራጃን አረብሮ ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እየን። ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅም እትደሊ ኣብ Almi Mälardalen ከምኡውን IFS Rådgivning ንካል ኦት ሃገራት ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ኣውፈርቲ- ደገፍ ክትረክብ ትኽእል።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ማሕብራዊ ናብራን ናይ መጽናዕቲ ጉጀለን ኣብያተክርስትያንን ማሕበራትን እምነትን ንምውህሃድ ኣገደስቲ እየን - ንዓበይትን ንነኣሽቱን። ኣብቲ ወረዳ ናብ ሓደስቲ መጻእቲ ዝዓለመ ተሳትፎን መራኸቢ ቦታታትን ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ሽወደን ብእተፈላለየ መገዲ ክትፈልጥን ቋንቋ ሽወደንውን ክትመሃር ትኽእል። ኣብኡ ነቶም ሽወደን ናይ ኣደኦም ቋንቋ ዘይኮነ ትምህርታዊ ደገፍ ይወሃቦም።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብቲ ኣውራጃ ንዝለዓለ ትምህርቲ ተኽእሎታት ኣሎ።እታ 17,000 ተመሃሮን 200 ሰራሕተኛታትን ዘለዋ ኦረብሩ ዩኒቨርሲቲ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት ሽወደን እያ። ንሳ ኣብ ሳይኮሎጂ፡ ሁማኒዮራ፡ ሕጊ፡ ሶሲዮሎጂ፡ ተፈጥሮኣዊ ሳየንስ፡ ተክኒክ፡ ክንክን ጥዕና፡ መድሲን፡ ምምህርና፡ ሙዚቃን ስፖርትን ትምህርትን ምርምርን ተካዪድ። ናይ ግሪትሂታን ቤትመግብን ሆተልን ኮለጅ ክፋል ናይታ ዩኒቨርሲቲ ንጥፈታት እዩ። ብዛዕባ ኦረብሩ ዩኒቭርሲቲ ተወሳኺ ኣንብብ። ብዙሓት ኮለጃትን ናይ ሞያ ትምህርቲ ኮለጃትን ኣለዋ። እተን ናይ መጽናዕቲ ማእከላት ናይ መራኸቢ ቦታታት እየን።

ኣገልግሎት ጥዕና

ዞባ አረብሩ ኣብ ኩለን ኮሙናት ናይዚ ዞባ ማእከላት ክንክን ጥዕና ኣለዎ። ኣብዚ ዞባ 3 ሆስፒታላት ኣብ አረብሩ፣ ካርልስኩጋን ሊንደስባርይን ኣለዋ። ናይ ኦረብሩ ዩኒቨርሲታዊ ሆስፒታል ሓንቲ ካብተን ናይዚ ሃገር 8 ዩኒቨርሲታውያን ሆስፒታላት እያ። ዞባ ንሕማም ንምክልኻልን ጥዕና ንምስፋንን ይሰርሕ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኩለን ናይቲ ኣውራጃ ምምሕዳራት ሃብታም ባህላዊ ህይወትን ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ተኽእሎታትን ኣሎ። እተን ኣብያተንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ከም መራኸቢ ቦታ እየን ዘገልግላ። ኣብኡ ድማ መጻሕፍትን መጽሔታትን ብእተፈላለየ ቋንቋታት ከተንብብ ትኽእል። እቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ እተፈለለየ ናይ ባህልን ስፖርትን ማሕበራት ኣብ መንጎ እተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት ርክብ ይፈጥር። ብዙሓት ወለዲ ኣብተን ናይ ህጻናት መዘናግዒ ዘለወን ማሕበራት ይሳተፉ እዮም።

ኣብዚ ናይ ስፖርት ማሕበራትን ናይ ትምህርቲ ማሕበራትን ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ኣብ መንጎ ሰባት ርክብን ምውህሃድን ኪህሉ ይሰርሓ። ካልእ ንጥፈታት ድማ ብናይ ስደተኛታት ማሕበራት፣ ቀዪሕ መስቀል፣ ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ናይ አረብሩ መስጊድን ይካየድ።