Jämtlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ጀምትላንድ ሓንቲ ካብ ሽወደን ዝዓበያ ኣውራጃታት ኮይና ኣብ ማእከል ሽወደን ትርከብ። ቅርጺ መሬት ጀምትላንድ ብ ኣግራብ፣ ማያትን ወሓዝትን ከምኡ ውን ጎባታትን ዝተዓብለለ እዩ። ኣብዚ ኣውራጃ 8 ምምሕዳራት ይርከባ ካብአን ከኣ ምምሕዳር አስተርሹንድ እታ ዝዓበየት እያ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Jämtlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Jämtlands län ምረጽ

ዓውዲ ቱሪዝም ኣብዛ ኣውራጃ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነበርትን ንጥፈታትን ኣብዛ ኣውራጃ ፋሕ ኢሉ ይርከብ ኣብታ ንእሽተይ ከተማ አስተርሹንድ ሚት ኡኒቨርሲቴት፣ ድኳናት፣ መዕርፎ ነፈርትን ማእከል ከተማን ይርከብ።

ክረምቲ ቆራርን ሃብታም ብበረድን ኮይኑ ሓጋይ ከኣ ሙቐትን ብርሃንን እዩ። ናውዚ ተቐመጥቲ ናብታ ኣውራጃ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ኣብ የምትላንድ ካብ ኩሉ ክፍልታት ሽወደንን ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ክትረክብ ይከኣል። ቱሪዝም፣ ተፈታዊ ኣነባብራን ደስ ዝብሉ ነበርትን ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብቲ ቦታ ክግዕዙ ሰሓቢ ይገብሮ።

ንጥፈታት ቱሪስት፣ ዓበይቲ ምድላዋት ከም ናይ ሙዚቃ ፌስቲቫላትን ዓለምለኻዊ ውድድራትን ንብዙሓት ክበጽሑን ክነብሩን ዓቢ ተራ ይጻወቱ። ሰፊሕ ቦታን ኣዝዮም ደስ ዝብሉ ሰባትን ክረክብ ንዝደሊ የምትላንድ ሓንቲ ጽብቕቲ ምርጫ እያ።

ትርኢት ናይ ሓንቲ ከተማ ኣብ ዬምትላንድ ኣብ እዋን ለይቲ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብዛ ኣውራጃ ኣብ ማእከል እታ ንእሽተይ ከተማ አስተርሹንድ ወይ ከኣ ኣብ ደምበ ዘለዎ ገጠር ክትነብር ትኽእል። ብሓፈሻ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምርካብ ዕድል ካብ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከብዎም ደቡባዊ ከባቢታት ሽወደን ኣብ ኣውራጃ የምትላንድ ይቐልል። ኣብ ኦረን አስተርሹንድን ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ልዕል ዝበለ እዩ ኣብ ካል ኦትክፍልታት እታ ኣውራጃ ግን ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ትሕት ዝበለ እዩ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብቲ ኣውራጃ ቱሪዝም ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ኮይኑ ኣብ ሰንሰለት ኣኽራናትን አስተርሹንድን ብዙሓት ሰራሕተኛታት ይርከብዎ። ካል ኦት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ህዝባዊ ጽላታት - ከም መንግስታውያን ትካላት፣ ኣውራጃታትን ምምሕዳራትን እዮም። ኣብ ኣውራጃ ብርክት ዝበሉ ነኣሽቱ ትካላት ኣለዉ።

ናይ ኦረ ፋብሪካ ቾኮላታ

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብዚ ኣውራጃ ካብ ናይ ብሕቲ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ኣለዉ። ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብቲ ኣውራጃ ፋሕ ኢሎም ይርከቡ ብናይ ብሕቲ ትካላትን ብምምሕዳርን ከኣ ይመሓደሩ። ኣብ ሚት ኡኒቨርሲቴት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣለዉ። እታ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክረምታዊ ስፖርት፣ ኣፈታትሓ ሽግርን ስነ ኣእምራዊ መጽናዕቲ ዝቐንዐ ትምህርቲ ካbቶም ተአንግዶም ክፍልታት ትምህርቲ እዮም።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ አስተርሹንድ ዝተራቐቐ ሕክምና ዘለዎ ዓቢ ናይ ኣውራጃ ሆስፒታል ይርከብ። ካብ ኣብቲ ኣውራጃ ዝርከባ ማእከላት ጥዕና ዝመጹ ዝሓመሙ በጻሕቲ ከኣ ይመጽዋ። ማእከላት ጥዕና ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ይርከባ። ሕክምና ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ሕሙማት ኣብ ኡምዮ ዝርከብ ናይ ዞባ ሆስፒታል ይለኣኹ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብዚ ዞባ ዘሎ ናይ ናጻ ግዜ ቀረብ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈትን ናይ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ተገዳስነት ዘሎዎ። ውርጪ፡ ሓጋይ፡ መገዲ መንሸራተቲ፡ መገዲ ምውስዋስ ኣካላት፡ ሜዳ ኵዕሶ እግሪን ሓደ ምዕቡል ማሕበራዊ ሂወትን፡ ንምሉእ ዓመት ቀረብ ናይ ብዙሓት ንጥፈታት ይህቡ። ሃድንን ምግፋፍ ዓሳን ሓደ ኣካል ናይቲ ቅዲ-ናብራ እዮም። ኣብ ኦስተርሱንድ ሓደ መሳጢ ቀረብ ናይ መዘናግዒ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ኣብ ስቱርሾይራን ናይ ሙዚቃ ፈስቲቫል ይዳሎ።