ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
ኣብ ኖርቦተን ኩሉ ጽቡቕ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል፡ ህዝቢ ይበዝሕ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ድማ ከምተን ካልኦት ዓቢ እዩ። እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ዋጋ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ይፈላለ እዩ። ኣብ ዳርጋ ፍርቂ ናይተን ኮምዩናት ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ፡ ስለዚ ናይ ቪላታትን ኮምዶሚንዩምን ኪራይ ይውስኽ ኣሎ። ከምኡውን ናይ ተራ ግዜ ይነውሕ። ናይ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምህናጽ ንጥፈት ትሑት እዩ፡ ሕጂ ግን ዚውስኽ ዘሎ ይመስል። ዝበዝሑ ኣብቲ ዝሰርሑሉ ቦታ ኣይቅመጡን። ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታት ብባቡር በጺሕካ ምምላስ ይከኣል። ናይ ኣውቶቡስ መስመራትው ግሩም ኣገልግሎት ይህብ እዩ።
ህዝቢ-ተቐማጦ
ኣውራጃ ኖርቦተን 14 ምምሕዳራትን 250 000 ነበርትን ኣለዋ። ኣርየፕሉግ፣ ኣርቪድስያውር፣ ቡደን፣ የሊቫረ፣ ሃፓራንዳ፣ ዮክሞክ፣ ካሊክስ፣ ኪሩና፣ ሉልዮ፣ ፓያላ፣ ፒትዮ፣ ኤልቭስቢን፣ አቨርካሊክስን አቨርቶርነዮን። ኣርጀፕሉግ ናይ ኣውራጃ ዝነኣሰት ምምሕድራ ኮይና ትሕቲ 3 000 ነበርቲ ኣለዋ። ሉልዮ 75 000 ነበርቲ ዘለዋ ዝዓበየት ምምሕዳር እያ ኣብቲ ኣውራጃ ካብተን ካልኦት ምምሕዳራት ብዝሒ ቁጽሪ ነበርታ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምምሕዳር እያ። ብሓፈሻ እዛ ኣውራጃ ትስፉው ዝኾነ ዕብየት ቁጽሪ ነበርቲ ተርኢ።