Norrbottens län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ዞባ ኖርቦተን ናይ ሽወደን ዝዓበየትን ኣዚያ ሰሜናዊት ዞባ እያ፡ ኣብ14 ኮምዩናት ድማ ትኽፈል። እታ ዞባ እታ ናይ ሽወደን እንኮ ምስ ክልተ ሃገራት ማለት ምስ ኖርወይን ፊንላንድ እትዳወብ ዞባ እያ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Norrbottens län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Norrbottens län ምረጽ

ኖርቦተን ዓቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ኣለዋ። ኣብዚ ብዙሕ ኣግራብ፡ ወሓይዝን ብሓመድ ናይ ሓጺንን ካልኦት ሚነራላትን ሃብታም ዝኾነ ናይ ዕደና ቦታታትን ኣሎ። ኣብዚ እተፈላለየ ባህልታት ንነዊሕ ግዜ ተሰማሚዔን ብሓባር ክነብራ ኣድልዩወን እዩ። ኣብዚ ንኣብነት ካብ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ክፋል ናይ ሽወደን ደቀባት ሳሚስካ ዓሌት ኣሎዉ። ኣብ ጥቓ ዶብ ፊንላንድ ድማ እቲ ፊንላንዳዊ ሽወደናዊ ባህሊ ኣሎ። ኖርቦተን ናይ ምንጽጻር ዞባ እዩ። ኣብ መንጎ ክረምታዊ ጸልማትን ፍርቂለይታዊ ጸሓይን፡ ነዋሕቲ ኣኽራናትን እኩባት ደሴታትን፡ ገጠራትን ከተማታትን ከምኡ'ውን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ባህልታት።

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ኖርቦተን ኩሉ ጽቡቕ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል፡ ህዝቢ ይበዝሕ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ድማ ከምተን ካልኦት ዓቢ እዩ። እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ዋጋ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ይፈላለ እዩ። ኣብ ዳርጋ ፍርቂ ናይተን ኮምዩናት ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ፡ ስለዚ ናይ ቪላታትን ኮምዶሚንዩምን ኪራይ ይውስኽ ኣሎ። ከምኡውን ናይ ተራ ግዜ ይነውሕ። ናይ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምህናጽ ንጥፈት ትሑት እዩ፡ ሕጂ ግን ዚውስኽ ዘሎ ይመስል። ዝበዝሑ ኣብቲ ዝሰርሑሉ ቦታ ኣይቅመጡን። ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታት ብባቡር በጺሕካ ምምላስ ይከኣል። ናይ ኣውቶቡስ መስመራትው ግሩም ኣገልግሎት ይህብ እዩ።

ህዝቢ-ተቐማጦ

ኣውራጃ ኖርቦተን 14 ምምሕዳራትን 250 000 ነበርትን ኣለዋ። ኣርየፕሉግ፣ ኣርቪድስያውር፣ ቡደን፣ የሊቫረ፣ ሃፓራንዳ፣ ዮክሞክ፣ ካሊክስ፣ ኪሩና፣ ሉልዮ፣ ፓያላ፣ ፒትዮ፣ ኤልቭስቢን፣ አቨርካሊክስን አቨርቶርነዮን። ኣርጀፕሉግ ናይ ኣውራጃ ዝነኣሰት ምምሕድራ ኮይና ትሕቲ 3 000 ነበርቲ ኣለዋ። ሉልዮ 75 000 ነበርቲ ዘለዋ ዝዓበየት ምምሕዳር እያ ኣብቲ ኣውራጃ ካብተን ካልኦት ምምሕዳራት ብዝሒ ቁጽሪ ነበርታ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምምሕዳር እያ። ብሓፈሻ እዛ ኣውራጃ ትስፉው ዝኾነ ዕብየት ቁጽሪ ነበርቲ ተርኢ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ሚነራልን ሓጺንን ዱርን ሓይሊ ማይን ነቲ ወረዳን ንሽወደንን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ወረዳ ንሰደድ ዘፍርያ ዋኒናት፡ ዝዓቢ ዘሎ ቱሪዝምን ናይ ኣገልግሎት ሰክተርን ከምኡውን ዓቢ ረብሓ ዘለወን ነኣሽቱ ዋኒናት ኣለዋኦ።

እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ፡ እታ 7 500 ሰራሕተኛታት ዘለዋ ምምሕዳር ኣውራጃ ኖርቦተን ብድሕሪኣ ዝመጻ ሉለዮ፡ ፒተዮን ምምሕዳር ቡደን እየን። እቲ ዝዓበየ ብሕታዊ ወሃብ ስራሕ LKAB እዩ። SSAB ሓደ ካብ ዓለም ካብቶም ዝዓበዩ ኣፍራዪ ሓጺን እዩ።

እቲ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ናይ ሉለዮ ኮምፕዩተር ሰንተር ነቲ ናይ ወረዳ ቁጠባ ይጥርንፎ። ንሱ ኣብ ምሉእ ዓለም ግዳሰ ዘሕደረን ኣብቲ ወረዳ ድማ ብዙሕ ምውፋር እተገብረሉን እዩ። ኣብተን ዘለዋ ዋኒናት ምውፋር ዓቢ እዩ። ናይ ዕደና ዋኒናት ኣብቲ ወረዳ ብቢልዮናት የውፍራ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ኖርቦተን እተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣለዋ። ኣብኡ ነኣሽቱን ዓበይትን እተፈላለየ ንጥፈታት ኪረኽቡ ይኽእሉ። ኣብኡ ናይ ደርፍን ትልሂትን ቋንቋን ሳየንስን መደባት ዘለወን ናይ ፈጠራነት ማሕበራት ኣለዋ። ፈጠራነት ዚምህራ ህዝባውያን ኮለጃትውን ኣለዋ።

ኣብ ኖርቦተን ንሰባት ዝእክባን ዘሕብራን ናይ እምነት ማሕበራትውን ኣለዋ። ብዙሓት ማሕበራት ኣብ መንጎ ተቐማጦ ኖርቦተንን ሓደስቲ መጻእትን ምውህሃድ ንምስፋን ይሰርሓ።

ኣብ ዞባ ኖርቦተን ናይዚ ዞባ ምምሕዳርን፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ሚግራሹንቨርከትን ዞባታትን ሀላ ስቫርየ ስካ ለቫን ዋኒናትን ቤትጽሕፈት መድሕንን ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ስፖርት ማሓበርን ናይ ፈጠራነት ማሕበርን ቀዪሕ መስቀልን ረዳ ቦርነንን ኮምዩናትን ዝጠርነፈ Regional Arbetsgrupp för Integration እተባህለ ጉጀለ ኣሎ። ንሱ ኣገደስቲ ናይ ምዕባለ ኣርእስቲ የልዕል፡ ናይ ክገብር ዝብል መንፈስ ዘለዎም ሰባት ይእክብ፡ ናይ ትምህርቲ መርበብ ከኣ እዩ። ኩሉ ናብቲ ወረዳ ዚግዕዝ ሰብ ከም ሓደ ንናይቲ ወረዳ ምዕባለ ኣድላዪ ምንጪ እዩ ዚቝጸር።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ናይ ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲ ናይ ስካንዲናቭያ ኣዝዩ ሰሜናዊ ዩኒቨርሲቲ እዩ። ንሱ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ናይ ምርመራን ስልጠናን ንጥፈታት ኣለዎ። ንሱ ንተክኒክ፡ ኤኮኖሚ፡ ማሕበራዊ ናብራ፡ ጥዕና፡ መዲያን ሙዚቃን ከምኡውን ምምህርና ዚምልከት ትምህርቲ ኣለዎ። ናይ ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲ ሓሙሽተ ካምፓስ ኣለዎ፣ ሉለዮ፡ ፒተዮ፡ ኸለፍተዮ፡ ኪሩናን ናይ ፊሊፕስታድ በርይስኩላንን። ኣብ ኖርቦተን ሓያሎ ናይ ሞያ ኮለጃት ኣለዋ። እቲ ስልጠና ምስ ቁጠባዊ ህይወት ብምትእስሳር ግሩም ሞያዊ ብቕዓት ይህብ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብቲ ወረዳ ሓሙሽተ ሆስፒታላት ኣለዋ፣ ናይቲ ወረዳ ሱንደርቢ ሆስፒታል ኣብ ሉለዮ፡ የሊቫረ ሆስፒታል፡ ካሊክስ ሆስፒታል፡ ኪሩና፡ ፒተዮ ኣልቭዳል ሆስፒታል። ኣብዚ 34 ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፡ መብዛሕትአን በዚ ዞባ እየን ዚመሓደራ። ገለ ካባታተ ግን ብብሕቲ እየን ዚመሓደራ። ነፍስወከፍ ኮምዩን እንተወሓደ ሓደ ማእከል ጥዕና ኣለዎ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

እቲ ወረዳ ሃብታም ባህሊ ኣለዎ - ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታት፡ ናይ ተፈጥሮን ባህልን ኣከባቢ፡ ሰሓብቲ ቦታታትን። ኣብኡ ናይ ትልሂት፡ ድራማ፡ ኮንሰርትን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብኡ ዓቢ ኣደራሽ ትያትር ኣሎ፡ ግን እቲ ተዋስኦታት ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ወረዳውን ይስራሕ እዩ። ኣብኡ ኣብ ኩሉ ኮምዩናት ሰባት ዚስሕብ ዓመታዊ ፈስታን ዕዳጋን ኣሎ። ኖርቦተን ብዙሕ ኣብያተመዘክር ኣለዋ። ከም ኣብነት፤ ኣይተ ቤተመዘክር ኣብ ዮክሞክ። ኣብኡ ብዛዕባ ናይ ሳሚስክ ባህሊ ምፍላጥ ይከኣል።

ኖርቦተን ነቲ ወረዳ ዓቢ ረብሓ ዚህቦ እተፈላለየን ሃብታምን ተፈጥሮ ኣለዋ። ኣብቲ ወረዳ 354 ናይ ተፈጥሮ ሕዛእቲ ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ክትዛወርን ዓጋምን ቃንጥሻን ክትኣርን ኣኽራንን ማያት ዝመልኦ ለሰታትን ክትርእይ ትኽእል። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ዓሳ ክትገፍፍ ክትሃድን ብስኩተር ክትጎዪ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ወረዳ ኣብ ግዜ ሓጋይን ክረምትን ስፖርትን ካልእ መዘናግዕን ንጥፈታት ከተካይድ ይከኣል። ናይ ምንሽርታት ስፖርት ሓድሽ ተመክሮ ይህበካ። ኖርቦተን ብዙሓት ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣሎዋ። ንሳተን ከኣ ንኹሉ ሰብ ዕድመ ብዘየገድስ ስፖርት ኪጻወትን ኪንቀሳቐስን የኽእላ።