Sollefteå

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ሶለፍትዮ ኣብቲ ብከባብያዊ ተፍጥሮኣዊ ሃብቱ ዝልለ ዞባ ኦንገርማንላንድ ዝርከብ ከተማ እዩ። ጀኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሶለፍትዮ ኣብቲ ዝተፈላለዩ ወሓዚታት ተራኺቦም ወሽመጣቶም ፍሉይ ተወስኺ ጽባቄ ነቲ ከባቢ ኣብ ዝህቡሉ ቦታ እዩ ዝርከብ። እቲ ከተማ ፈለጋት ኦንገርማንኤልቨን፡ ፋክስኤልቨንን ፍያልሹኤልቨንን ሰንጢቆሞ ዝሓልፉ ከተማ’ዩ። እዚ ምምሕዳር’ዚ ኣስታት 20000 ነባሮ ሃልይዎ እቶም 9000 ካብኣቶም ኣብ ውሽጢ ከተማ ሶለፍትዮ ይነብሩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሶለፍትዮ ዝተፈላለዩ ወነንቲ መንበሪ ኣባይትን ትካላት ክራይ-ኣባይትን ይርከባ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ'ዚ መርበብ ሓብሬታ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ተወከሱ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኣብ ሶለፍትዮ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ድሕረባይታ ዘለዎምን ተዛረብርቲ ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን ዝኾኑ ተቐማጦ ይርከቡ። ምምሕዳር ከተማ ኣብ ሶለፍትዮ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ምምሕዳራት ከተማታት ሽወደን እዩ። ኣብዚ ቦታ ካብ ዝዝዝረቡ ቋንቋታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ዓረበኛ፡ ታይላንድ፡ ትግርኛ፡ ሶማለኛን ፋርሲ ወይ ኢራነኛንን ካልእን ይርከቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ሱለፍትዮ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። ንዝርዝር ዝምልከት ኣብዚ ጠውቑ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሶለፍትዮ ዳርጋ ኩሉ ዘድሊ ዕለታዊ ነገራት ንምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን። ድኳናትን ማእከል ሕብረተሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኣብ ከተማታት ራምሰለ፡ ዩንሰለ፡ ነሶከር፡ ሎንግሰለን ሶለፍትዮን ከይትረፈ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ኣብ ሶለፍትዮ ድኳናት ዘገልገለ ንብረት ወይ ሓራጅ ካልእን ውን ኣብ ጎደና ዝዝርጋሕ ዕዳጋን ይርከብ። ኣብዚ ዕዳጋታት'ዚ ክዳውንቲ ይኹን ኣቍሑት ብደሓን ዝኾነ ዋጋ ክትገዝኡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሶለፍትዮ 12 ቤት-ትምርህቲ ህጻናት ወይ መውዓሊ-ህጻናት ይርከባ። ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ፕረስትቦርደት፡ ሮድስታ፡ ዩንሰለ፡ ራምሰለ፡ ሎንግሰለ፡ ሸዱም፡ ካልክኔስ፡ ሊልኤንገት፡ ኔስኦከር፡ ረሰለ፡ ሀጉምን ኦህንን ይርከባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሶለፍትዮ 13 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምርህታት ይርከባ። እዘን ኣብያተ-ትምህርታት እዚኣተንም፡ ፕረስትቦርደት፡ ሮድስታ፡ ቫላ፡ ዩንሰለ፡ ራምሰለ፡ ሎንግሰለ፡ ኒፓንስኩላን፡ ካልክኔስ፡ ሊልኤንገት፡ ኔስኦከር፡ ረሰለ፡ ሀጉምን ኦህንን ይበሃላ። እታ ኣብ ሶለፍትዮ እትርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከኣ፡ ጉድላቭ ቢልደርስኩላን ትበሃል።

ዕድላት ትምህርቲ

ማእከል ትምርህቲ ምምሕዳር ከተማ ሶለፍትዮ ረቨልየን ይበሃል። ኣብዚ ማእከል'ዚ ትምህርቲ ዓበይቲ፡ ላዕለዋይ ደረጃን ሞያዊ ኣንፈት ዝሓዘ ናይ ትምርህቲ ዕድላት ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሆስፒታል ሶለፍትዮ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ከካይድ ዝኽእል ምሉእ ሕክምና እዩ። እዚ ሆስፒታል ዘመናዊ ምዕቡል ተክኒክ ዝዓጠቐ ብውፉያት ሰራሕተኛታት ዝእለን ስልጡን ሆስፒታል እዩ። ኣብ ናይ ዞባ ቬስተርኖርላንድ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ካልኦት ኣብ ቀረባኻ ዘለዉ ወሃብቲ ሕክምናን ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ብቋንቋ ክትርዳእን ከተረድእን ምኽኣል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብዚ መዳይ'ዚ ንሓደስቲ ስደተኛታትን ዜጋታትን ዝግበር ሓገዛት ኣገዳሲ ዕማም ናይ ምምሕዳር ከተማ ሶለፍትዮ እዩ። ቋንቋ ሽወደን ናይ ምዝራብን ምርዳእን ዓቕምኹም ትሑት ምስ ዝኸውን ተርጓማይ ክቍጸረልኩም መሰል ኣለኩም። እቲ ዝግበር ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ከኣ፡ ብነጻ እዩ። ምስ ተወካሊ መንግስታዊ ትካል ርክብ ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓማይ ዘድልየኩም እንተኾይኑ ተታሒዙልኩም ምእንቲ ክጸንሕ፡ ኣቐዲምኩም ሓብሩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እቲ ብሆጋ-ኩስተን ዝፍለጥ መዕርፎ-ነፈርቲ ካብ ከተማ ሶለፍትዮ ኣብ ናይ 20 ደቒቕ ርሕቀት ይርከብ። ዳርጋ ናብ ኩለን ዓዲታት እቲ ዞባ ዝኸዳ ብ ዲንቱር ዝበሃል ትካል መጎዓዝያ ዝምእከላ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ብባቡር ክሳብ ከተማ ክራምፎሽ ክትከዱ ብምኻድ ካብኡ ናብ ሶለፍትዮ ዝኸዳ ኣውቶቡስ ክትወስዱ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ሶለፍትዮ ብዙሓት ወሃብቲ-ስራሕ ኣለዉ። ንኣብነት

  • ምምሕዳር ከተማ ሶለፍትዮ
  • ዞባ ቬስተርኖርላንድ
  • ኢ.ኦን
  • ስቨንስክት ሊንየበሲክትኒን
  • ሃግሎፍ ሽወደን
  • ቲ.ቲ. ተርሞ ቴክ ስካንድናቭያ
  • ግየሽቮልድ ትረድጎርድ ኦክ ማርክ
  • ዄላንደር ኦከሪ
  • ሄድስትሮምስ ኦከሪ
  • ስታትክራፍት