Hudiksvall

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሁዲክስቫል ኣብ መገዲ E4 ኮይና ካብ ሱንድስቫል ንደቡብ ኣስታት 80 ኪ.መ ካብ የቭለ ድማ ንሰሜን 130 ኪ.መ ርሒቓ ትርከብ። ኣብኡ ክፉት መንፈስ ዘለዎም ሰባት ትረክብ፡ ኣብቲ ህያው ዝኾነ ውርሻ ባህሊ ድማ እቲ ኣረጊት ምስቲ ዘመናዊ ተራኺቡ ትርእዮ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሁዲክስቫል ናይ ሁዲክስቫል ኮሙን ከተማ እያ ግን ከኣ ብዙሓት ከተማታት ድማ ኣለዋ፡ ከም ኢገሱንድ፡ ደልስቡ ፉርሻ ካልኦትን። ኣብተን ከተማታት፡ ድኳናትን ባንክታትን ማእከላት ጥዕናን ሓኪም ስንን ወዘተ ይርከብ። ሁዲክስቫል ብ1582 እተመስረተት ገምገም-ባሕራዊ ከተማ እያ። እቲ ናይታ ከተማ ቀንዲ ኢንዱስትሪ ንዓሳ ምግፋፍን መጎዓዝያ ባሕርን ኢደጥበብን ንግድን ይጥርንፍ። ናይ ዓሳ ኢንዱስትሪ ንኣማኢት ዓመታት ኣገዳሲ ምንጪ ኣታዊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብታ ናይ ከተማ ገፈፍቲ ዓሳን ኣብቲ ኣረጊት ናይ ሞልየን ከተማን ናይቲ ዘመንቲ ተረፍ ክትርእይ ትኽእል።

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮሙን ናይ ኮሙን ኣካራዪ ኩባንያ ከምኡውን ሓያሎ ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣለዉ። ክራይ ገዛ ንምርካብ ሪጋ ወይ መስርዕ እንተ ደሊኻ ወይ ብመገዲ H-Bostäder ብዛዕባ ዘይተኻረየ ገዛ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብቲ ናታቶም መርበብ ኢንተርነት ክትደሊ ትኽእል።

ወይ ከኣ ኣብቲ ኮሙን ዘሎ ተወሳኺ ዘይተኻረየ ገዛውቲ ንምፍላጥ ነቲ ናይ ብሎከት መርበብ ኢንተርነት ብጽሓዮ

ኣብቲ ኮሙን ንዚዕደግ መሬት መስርዕ ኣሎ። ኣብቲ መስርዕ ወይ ሪጋ ኩሉ 18 ዓመት ዝዕድመኡን ቀዋሚ መንበሪ ቤት ዝደሊ እንተ ኾይኑን ኪኣቱ ይኽእል። ንሓንቲ ገዛ ሓንቲ መጠየቕታ እያ እትፍቀድ። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት - Tomtkön ብተወሳኺ ኣንብብ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሁዲክስቫል ሃብታምን እተፈላለየን ባህላውን ቋንቋውን ገጽታታት ክትርእይ ትኽእል። እተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት ከኣ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ዳሪን ፋርስን እየን። ካልኦት ድማ ስዋሂልን ታሚንልን ስፓኛን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ሁዲክሳቫል ኮሙን ኣብ ብዙሕ ሰክቶራት ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣለዎ። እተን ማሕበራት ግሩም ናይ ትርፊ ግዜን ናይ ሓቢርካ ምንባርን ተኽእሎታት የቕርባ። ኣብ ትርፊ ግዜኻ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ገለ ኣብነታት ትደሊዶ? ምልምማድ? ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ሰንትሩም ብዙሓት ድኳናት ኣሎ። እተፈላለያ ቡቲካትን ባንክን ፋርማሲን ሲነማን ቤትንባብን ናይ ግሮሰሪ ድኳናትን ይርከብ። ገለ ቡቲካት ድማ ናይ ማእከላይ ምብራቕን እስያን መግብን ቀመማትን ይሸጣ።

ኣብቲ ምዕራባዊ ክፍሊ ከተማ ቤተጸሎት ኣሎ

ኣብተን ሸሞንተ ኣብያተንባብን ናይ ኣውቶቡስ ቤትንባብን ኣሸሓት መጻሕፍቲ፡ ናይ ድምጺ መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታት፡ መጽሔታትን ካልእ መራኸቢ ብዙሃን ብናጻ ትጥቀም።

ኣብ ሁዲክስቫል ሰንትሩም፡ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ውሕስነት ካሳን፡ ቤትጽሕፈት ጥሮታን፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ነናተን ኣገልግሎት ዓመዊል ኣለወን።

ድኳናት ኣብ ሰንትሩም ይርከቡ፡ ኣብ ማእከል ዕዳጋ እንዳ ወርቂ ወይ ጋለርያ ፊረን። ኣብቲ ሰንትሩምሃንደል ብምኻ ብዛዕባ ናይ ሁዲክስቫል ድኳናት ሓበሬታ ጠይቕ። እቶም ናይ ጥንቲ ኣቕሑ ዚደልዩ ድማ ነቲ ቡቲክ6 ይብጽሑዎ።

ብዙሕ ሰከንድሃንድ ድኳናት ድማ ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ኣቕሑን ናውቲ ክሽነን ክዳውንትን መሳርሕን ወዘተን ኣሎ። ኣብ ሁዲክስቫልን ፉርሻን ኤሪክስየልፐን ሮዳ ኮርሸት ኣሎ። ረሱርሰን ካፈ 7፡ ኣብ ሆስታሆልመን ቢስቶንድሰንተር ኣሎ፡ ዳካፖ ኣብ ፉሻ ከምኡውን ሰከን ኣብ ደልስቡ፡ ብብሎከት ኢንተርነት ጌርካ ድማ ሰከንድሃንድ ኣቕሑ ክትዕድግ ይከኣል።

እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ናይ ሁዲክስቫል ቤትጽሕፈት ቱሪዝም ርኸቦ ወይ ከኣ ነቲ ናይ ሀልሲንግላንድስ ቤተመዘክር፡ ሀልሲንግላንድስ ግሊሲስቫለን ኦ.ቤ መርበብ ኢንተርነት ብጽሓዮ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሁዲክስቫል ኮሙን ኣብ ሰለስተ ከባቢታት እተኸፍለ 30 ቅድመ-ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ደቡብ፡ ሰሜንን ምዕራብን። እቶም ብምኽንያት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምኽንያት ኣብ ዕቤቶም ፍሉይ ደገፍ ዚደልዩ ህጻናት ከከምቲ ኣድላይነቶም ደገፍ ኪረኽቡ ይኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሁዲክስቫል ኮሙን 3500 ተምሃሮ ዘለወን 17 መባእታውያን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ንሳተን ኣብ ሰለስተ ናይ ኣሃዱታት ፍክሊ ይምቀላ፡ ሰሜን፡ ደቡብን ምዕራብን

እተን ኣብያተትምህርቲ ፈጣሪነት ዘለዎ ኣከባቢ ኣለወን፡ ንሱ ድማ በቲ ክፉትነትን ብዝሓውነት ዘለዎ እተፈላለየ ዝንባሌታት የስተናግድ። ንዝርዝራዊ ሓበሬታ ነቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ብጽሓዮ።

ብሩማን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ 14 ሃገራዊ ካልኣይ ደረጃዊ መደባት የቕርብ፡ ካብዚአን ድማ 9 ናይ ሞያ መደባት፡ 6 ከኣ ናይ ኮለጅ ምድላው መደባት እየን። እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዚውሃብ ሃገራዊ ትምህርቲ ሞያ ኣብኡ ይርከብ።

ኣብቲ ኮሙን ግላዳ ሁዲክ-ዪምናሴትን ብሕታዊ ዝኾነ መባእታዊ ቤትትምህርትን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ኣብ ሁዲክስቫል ኮሙን ዚርከብ ትምህርቲ ኣባጽሕ ናይ ለርቩክስ ስልጠና፡ ማእከል ምዓለን ምህሮን - Cul፡ ሞያዊ ኮለጅን ኤስ.ኤፍ.ኢን (ሸወደን ንስደተኛታት)።

ኣብ ሁዲክስቫል፡ ናይቲ ቦታ ኮለጅ ኣሎ። ኣብ Cul ነቲ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ብርሕቀት ዚምህራኦ መብዛሕትኡ ስልጠናታት ክትምሃሮ ትኽእል። ኣብ Cul ናይ ኮለጅ ደረጃ ምምሃር ማለት ንዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ተመዝጊብካ ማለት እዩ፡ ንኣብነት፡ ናይ የቭለ ኮለጅ፡ ግን ነቲ ገና ኣብቲ Cul ትምሃር ማለት እዩ።

እዚ ዞባ ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣብዚ ኮሙን የካይድ፡ ፎሻ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፎሻ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብተን ናይዚ ኮሙን እተፈላለያ ከተማታት ሁዲክስቫል፡ ኢገሱንድን ደልስቡን ሓያሎ ማእከላት ጥዕና ኣሎዋ። ንሳተን በዚ ዞባን ግላውያን ወሃብቲ ክንክን ጥዕናን ይካየዳ። ኣብዚ ከተማ ሓንቲ ካብተን ክልተ ካልእ ገዲፍካ ካብ ናይ ሽወደን ዘመናዊ ዝኾነ ክፍሊ ኤክስረይ ዘለዎ ናይ ህጹጽ ሆስፒታላት ናይዚ ዞባ ኣላ።

ህዝባዊ ክንክን ስኒ ናይዚ ዞባን ብሕታውያን ሓካይም ስኒን፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይዚ ኮሙን ኣሎዉ።

ኣብ ናይዞባ የቭለቦሪ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ማእከላት ክንክን ጥዕና፡ ሆስፒታል፡ ክንክን ስንን ፋርማሲን ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ።

BRIS ብሪስ ናይ ህጻናት መሰል ኣብ ሕብረተሰብ፡ ቍጽሪ ተለፎን 116 111 ከም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኻ ብዛዕባ እትሓስቦ ወይ ሕገዝ እትደልየሉ ነገራት ምስ ሓደ ኣማኻሪ ክትዘራረብ ትኽእል (ብንጻ)

እቶም ኣባጽሕ ኮይኖም ብዛዕባ ህጻናት ኪዛረቡ ዚደልዩ ኣብ 0771505050 ደዊሎም ብዛዕባ ዘገድሶም ነገራት ወይ ዘድልዮም ሓገዝ ምስ ሓደ ኣማኻሪ ኪዛረቡ ይኽእሉ (ብናጻ)

ናብ ደቀንስትዮ ዝዓለመ ዓመጽ - ማሕበር መዕቆብ ደቀንስትዮ Kvinnojouren Vändpunkten፣ ጸገምካን ተመክሮኻን ንእሽቶ ወይ ዘይጠቅም ኣይኮነን

ኣብ ቤትሰብ ዝፍጠር ዓመጽ። እቲ ናይቲ ኮሙን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንደቀንስትዮ ንምሕጋዝ ይነጥፍ። ናባና ምጽኣ!

ንናይ ደቀንስትዮ ናይ ሰላም መስመር ተለፎን ናይ ደገፍ መስመር እዩ፡ ነቶም ብምፍርራህን ዓመጽን ጾታዊ ጎበጣን ዝሓለፉ ድማ የገልግል

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብቲ ምስ ሰበስልጣን እትራኸበሉ ግዜ፡ ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይትርዳእን ምስ እትኸውን ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ንኺህልወካ መሰል ኣሎካ

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እቲ ናይ መጎዓዝያ መስመራት ግሩም እዩ፣ ብባቡርን በተን ናይ ነዊሕ ጕዕዞ ኣውቶቡሳትን (Xtrafik, SJ, Y-buss ከምኡውን Härjedalingen)

ቲከታት ንተምሃሮ ሕሱር እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ውልቅኻ ዋኒን ንምጅማር ፍቓድ ወይ ናይ ምህናጽ ፍቓድ ትደሊዶ? ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ኣንብብ ወይ ከኣ ኣብቲ HNA እቶ። እቲ ቤትጽሕፈት ዕቤት ንእተፈላለየ ቢዚነሳት እንታይ ፍቓድ ከም ዘድሊ ኪሕብረካ እዩ። ብዛዕባዚ ኣብ Business Sweden ወይ ኣብ Work in Sweden መርበብ ኢንተርነት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።