Sandviken

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ሳንድቪከን ጥዑም ኣየርን ባህላዊ ህይወትን ምስ ትሑት ዋጋ ገዛን ናብራን ይጽበየካ። ኣብኡ ኣህጉራዊ ሃዋህው ኣሎ፡ እቲ ሳንድቪክ እተባህለ ናይ ተክኖሎጂ ዋኒን ድማ ኣብኡ ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሳንድቪከንሁስ ናይቲ ኮምዩን ትካል ኪራይ ኣባይቲ እዩ። ብመገዲ ሳንቪከንሁስ መንበሪ ቤት ንምድላይ ሪጋ ክትሕዝ እንተ ደሊኻ ወይ ብዛዕባ ጥርሑ ኣባይቲ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነቲ ናቶም ወብሳይት ተወከስ።

ኣብዚ፡ ብሕታውያን ኣካረይትን ደላሎን ኣለዉ።

ካብ ነፋሪት ዝተሳእለ ሓደ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ብዙሕ ገዛውቲ ዘለዎ ህንጻታት ዝሓዘ ናይ መንበሪ ከባቢን መዓሸጊ መኻይንን ስእሊ።  እዚ ከባቢ ብጫካ ጽሕዲ ዝተዓብለለ እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሳንድቪከን ኮምዩን እዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዝረባ፤ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ኩርማንጂ፡ ዳሪን ፋርሲን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሳንድቪከን ልዕሊ 400 ማሕበራት ዚርከቦ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ናይ ሳንድቪከን ሰንትሩም ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣሎ፡ ኣብቲ ቦታቲ ድማ ቤትጽሕፈት መድህንን፡ ናይ ጥሮታ በዓል ስልጣንን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ናይ ዓመዊል ኣገልግሎት ኣለዎም። ኣብኡ እተፈላለየ ዓይነት ድኳናት ኣለዉ፡ ከምኡውን ባንክ፡ ፋርማሲ፡ ሲነማ፡ ቤትንባብን ህዝባዊ መሐምበሲን ወዘተ. እቶም ዝዓበዩ ግሮሰሪታት ካብ ሰንትሩም ቅሩብ ርሕቕ ኢሎም ይርከቡ።

ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዱኳናት ዘለዎ ሓጸርቲ ናይ ክራይ ገዛውቲ ዘለዎ ጐደና። ብናይ ሳዕሪ ቃጽዖን ኣግራብን ዝተኸበ ኮፍ መበሊ ቦታታት ኣብቲ ኣፍደገ ዱኳናት ኣሎ።

ኣብ ሳንድቪከን ኣቕሑ ቤትን ኣቕሑ ክሽነን ዝሓዙ ክልተ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዉ። 15 ደቒቕ ካብ ሳንድቪከን ቫልቡ ዚብሃል ዕዳጋ ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ እተፈላለያ ድኳናት ኣለዋ፡ ከም ንኣብነት ኢከያ።

ሓንቲ ሰራሕተኛ ቤት ንባብ ኣብ ጎኒ ኮምፕዩተር ዘለዎ ባንኮ ኾይና ንሓንቲ ሰበይቲ ትሕግዛ ኣላ። ኣብዚ ክፍሊ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ከብሒ መጻሕፍቲ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ሳንድቪከን ናይ ምውህሃድ ክፍሊ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ እተወልዱ፡ ሓበሬታን ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ኪረኽቡ ይኽእሉ። ናይ ምብጻሕ ኣድራሻ፡ ብዮርክሰድራ፡ ተሌፎን ከኣ 026-241715፡ 026-241760 እዩ። ኣብ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ እቶም ሰራሕተኛታት ዓረብ፡ ትግርኛን ሶማልኛን ይዛረቡ እዮም።

ደጋዊ ሸነኽ ናይ ፓርክባደት። ኣብቲ ውሽጢ ገዛ ዕጹዋት ዝተጠዋወዩ ናይ ማይ መንሻተቲ፡ ኣብ ደገ ድማ ኮፍ መበሊ ቦታታት ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቶም ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ቤትትምህርቲ ህጻናት ዘለዉ ህጻናት ኣብ 26 ክፍልትታት ተመቓቂሎም ኣለዉ። ኣብ ልዕልዚ 2 ክፉት ቤትትህምርቲ ህጻናት ዘለወን ናይ ስድራቤት ማእከላት፡ 3 ድማ ናይ ህጻናት ክንክን ዘለወን ኣለዋ። እቲ ንጥፈታት ንናይ መጻኢ ምህሮ መሰረት ዘንብር ውሕስነትን ግሩም ዲሲፕሊንን ዘንጸባርቕ እዩ።

ኣርባዕተ ከም ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዝተኸድኑ ቈልዑ፡ ኣብ ፍልይጋንደ ድራከን ናይ ባህሊ መውዓሊ ህጻናት ይጻወቱ ኣለዉ። እቶም ቈልዑ ፍሉይ ልብሲ ለቢሶም ከም ሓደ ድቢ፡ ሓንቲ ላም፡ ሓንቲ ዕንቅርኦብን ሓደ ኣንበሳን ኾይኖም ቀሪቦም ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሳንድቪከን 8 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ንሳተን ከኣ፣ ቫልሆቭስስኩላን፡ የርንቫልስኩላን፡ ሙርጎርድስኩላን፡ ሞንተሶሪ ስኩላን፡ ሰትራስኩላን፡ ሰደርስኩላን፡ ብዮርክሰትራስኩላን እየን።

ናይ ሳንድቪከን ክልተ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ፡ በሰመርስኩላንን ዮራንሶንስኩላን ይብሃላ።

ዕድላት ትምህርቲ

ነቶም ዓበይቲ ዝኾኑ እሞ ኪመሃሩ ዚደልዩ ኣብ ተገዳስነትን ዚድለ ደረጃ ትምህርትን እተመስረቱ እተፈላለዩ ዕድላት ኣለዉ። ኣብዚ ንኣብነት ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ፡ ሰርቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ኮለጅ፡ ወዘተ. ኣለዉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሳንቪከን ምስ ዘድሊ ዝኽየዶም ሰለስተ ማእከላት ጥዕና ኣለዉ።

እቲ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክሊኒክ ኣብ የቭለ ይርከብ። ንሱ ካብ ሳንቪከን 25 ኪሎመተር እዩ።

ኣብ ሳንቪከን ፋሚልየሰንትራል/ናይ ኣደታት ማእከል ጥዕና ይርከብ።

ኣብ ሳንድቪከን ኮምዩን ንሕማም ስኒ ብዝምልከት ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ከምኡውን ብሕታዊ ናይ ስኒ ክሊኒክ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሽወደን ክትዛረብን ክትርዳእን ምስ ዘይትኽእል፡ ምስ ሰበስልጣን ብምስምማዕ ተርጓማይ ክትገብር መሰል ኣሎካ። ኣብቲ ናይ ሳንድቪከን ናይ ምውህሃድ ክፍሊ፡ ዓረብን ሶማልን ትግርኛን ዚዛረቡ ሰራሕተኛታት ኣለዉ ከመይሲ መብዛሕትኦም ኣብዚ ኮምዩን ዚመጹ ስደተኛታት ነዘን ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ብባቡርን ብኣውቶቡስን ምስ ዓበይቲ ከተማታት ግሩም ናይ መራኸቢ ኣገልግሎት ኣሎ (X-trafik, SGS-bussen, Tåg i Bergslagen ከምኡውን SJ)። ንኣብነት የቭለ (20 ደቓይቕ)፡ ስቶክሆልም (ክልተ ሰዓት)። ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ካብቲ ናይ ሳንድቪከን ናይ ጕዕዞ ሰንተር እየን ዚብገሳ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሳንድቪከን እታ ብልዑል ተክኖሎጂ እትፍለጥ ኢንዱስትሪያዊት ዋኒን፡ ሳንድቪክ፡ ትርከብ። ኣብቲ ናይ ሳንድባካ ፓርክ ናይ ተክኒክ ፓርክ ንተክኒክን ኮምፕዩተርን ዚምልከት 50 እተፈላለያ ዋኒናት ኣለዋ፡ 9000 ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለወን። ነፍስወከፍ መዓልቲ ዳርጋ 9000 ሰራሕተኛታት ካብን ናብን ስራሕን ኣብያተትምህርትን ይመላለሱ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናብ ሳንድቪከን በጺሖም ይምለሱ 4996 ዝያዳ ካብቶም ዚወጹ 3963 (ኣሃዝ ካብ 2011)

ኣብ ሳንድቪከን ኮምዩን ልዕሊ 3100 ሰራሕተኛታት ኣሎና።