Eskilstuna

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኤስኪልስቱና ኣብ ማእከልቲ ሰፊሕ ስቶክሆል-መላረ ዞባ ዘላ ስተራተጅያዊት ከተማ ኮይና ካብተን ናይዚ ሃገር ብቕልጡፍ ዚምዕብላ ዘለዋ ከተማታት እያ። ሕጂ 100,000 ተቐማጦ ኣሎና፡ ነጥበመቐይሮ ኣብቲ ናይታ ከተማ 1000 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ማእከል ኤስኪልስቱና ምስ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ገዛውትን ህንጻታትን ከምኡ'ውን ኣግራብን ቈጥቋጥን ኣብ ጥቓ ማይ።

ኤስኪልስቱና ግሩም መራኸቢታት ኣለዋ፡ እቲ እተፈላለየ ዓይነታት ትምህርትን ዋኒናትን ከኣ ነታ ከተማ ንምንባራ ኣዝዩ ተፈታዊ ገይሩዎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ውሽጢ ከተማ ወይ ኣብ ገጠር ንምንባር ምድላይካ ብዘየገድስ፡ ንኣኻ ዚምሽእ መንበሪ ቤት ንምርካብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኤስኪልስቱና ልዕሊ100 እተፈላለየ ቋንቋታት ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኤስኪልስቱና ኮምዩን ንናይ ደቂተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣወዳትን ኣዋልድን ህይወት ዘደንፍዑን ንኤስኪልስቱና ምጭውቲ ከተማ ንምግባር ዚሕግዙን ማሕበራት ምህላው ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን። ምስ ሓደ ፍሉይ ማሕበር ርክብ ንምግባር ትግደስ እንተ ኾንካ ኣብቲ ናይ ኤስኪልስቱና ናይ ማሕበራት ረጂስተር ክትደሊ ትኽእል።

ክልተ ሰባት ኣብ ከባቢኡ ኣግራብን ብድሕሪኡ ሓደ ከተማን ኣብ ዘለዎ ቀላይ ካያክ ይቐዝፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኤስኪልስቱና ብዙሕ ተመክሮ ዚውሰዶን ዚግበርን ኣሎ፡ ዓይነታት ባህልን መዘናግዕን ዕረፍትን ከኣ ብዙሕ እዩ። ብዛዕባ እቲ ምርጫታት ቅሩብ ኣብነታት ንምሃብ፤

ብኤስኪልስቱና ዝሓልፍ ወሓዚ ኣሎ። ጸቢብ ዘይኮነስ ገፊሕ እዩ፡ ናይ ባዕሉ ባህርያት ዘለዎ ወሓዚ እዩ። ኣብ ኤስኪልስቱና ንእተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ሰባት መራኸቢ ቦታ ዝኾነ ብዙሕ መናፈሻን ልሙዕ ቦታን ኣሎና። ኣብኡ በይንኻ ክትከውን ትኽእል፡ ተዕርፍ፡ ክትጻወትውን ትኽእል። ካብን ናብን ስራሕ ክትከይድ ክትመጽእ ከሎኻውን ኣብኡ ኬድካ ተዕርፍ።

እቲ ዝዓበየ መስሕብና ግን እቲ ስፍራ እንስሳታት እዩ። ኣብኡ ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጹ ሳሕቲ ጥራይ ዚረኣዩ እተፈላለዩ ዓይነት ፍጥረታት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ዘርኦም ንኺዕቀብ ተባሂሉ እዩ ኣብኡ ዘለዉ። ናይ ሱማትራ ነብሪ፡ ናይ ኣሙር ነብርን ናይ እስያ ኣንበሳን ሒደት ካብቶም ኣድናቖት ዘትረፉ እንስሳታት እዮም። ኣብቲ ትሮፒካዊ ገዛ ኣማዙናስ ናብ ሓደ ዱር ኢኻ እትኣቱ፡ ኣብኡ ድማ ኣባጎብየን ኣህባይን ይጸንሑኻ። ኣብቲ እቶም እንስሳታት ናጻ ኮይኖም ዚዛውሩሉ ሊላ ዙ ዚብሃል ስፍራ እንስሳታት፡ ነቶም እንስሳታት ብቐረባ ትርእዮም። ኣብቲ መዘናግዒ መናፈሻ ደስ ዘብል ዑደት ትገብር። መብዛሕትኡ ንህጻናት ኢሉ እተሰርሐ ኢዩ። ኣብኡ ዘዘናግዑ ኣርቲስት ኣለዉ። ኣብቲ ልቡጥ ዝኾነ ናይቲ መናፈሻ መሐምበሲ ዘሊልካ ክትኣቱ ትኽእል፡ ወይ ከኣ ጸሓይ ትጽሎ። ኣብ ጥቓኡ ፓርከን ዙ ካምፒንግ አንድ ስቱግቢ ዚብሃል ኣሎ። ኣብኡ ብተወሳኺ ትዘናጋዕ።

ብዙሓት ሰባት፡ ዱኳናትን ዝተፈላለየ ሕብርን ዕብየትን ዘለዎም ህንጻታትን ዘለዎ ናይ ኣደባባይ ትርኢት።

ኣብ ኤስኪልስቱና ቤትንባብን ብዙሕ መራኸቢ ቦታታትን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ከተማ ቤትንባብ፡ መጽሓፍ፡ ድምጻዊ መጽሓፍ፡ ናይ ቋንቋ ኮርሳት፡ ሙዚቃ፡ ናይ ቲቪ መጻወቲ ከምኡውን ፊልምታት ክትልቃሕ ትኽእል። ከምኡውን ነቲ ቤትንባብ ዘፍቅዶ ነገራት ብናጻ ክትጥቀም ትኽእል፤ ከም ጋዜጣታት፡ ማጋዚናት፡ ኤንሲክሎፐድያ፡ ኢንተርነት፡ ኮምፒተር ከምኡውን ናይ ማይክሮፊልም መርኣዪ መሳርያ። ቡን ምስ እትደሊ ኣብቲ ካሪናስ ካፈ ኬድካ ክትሰቲ ትኽእል።

ዝሰፍሐ ባህላዊ ወይ ናይ ምዝንጋዕ ተመክሮ ኪህልወካ ምስ እትደሊ፡ ስቶክሆል፡ኖርሾፒንግ፡ሊንሾፒንግ፡ ቨስተሮስን ኦረብሩን ርሑቓት ኣይኮኑን።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

92% ህጻናት ኤስኪልስቱና ኣብ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ይመሃሩ። ኣብቲ ኮምዩን ልዕሊ 50 ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዉ። ክልተ ካባታቶም ምሉእ መዓልትን ለይትን ክፉታት እዮ። 5000 ወለዲ ነቲ ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ብምምራጾም ኩርዓት ይስመዓና። ወለድን ህጻናትን ዘደስት ቤትትምህርቲ ህጻናት ከነቕርብ ብምኽኣልናውን ኩርዓት ይስመዓና።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኤስኪልስቱና 26 ንደቂ 6 ዓመት ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 9 ዝዓለመ ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዎ። ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስ ዘለዎ ክሳዕ 6 ዓመት ዝኸይድ መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ን 6-9 ዓመት ዝዕድመኦም ናይ ተመሃሮ ክንክንን ንደቂ 10-12 ዝዕድመኦም ከኣ ክፉት ንጥፈታት ኣለዎ። ኤስኪልስቱና ሓያሎ ናጻ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ብሓፈሻ ኣብ ኤስኪልስቱና 10 000 ተመሃሮ ኣብ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ይመሃሩ።

ኤስኪልስቱና ኣብ ሰለስተ ኣሃዱ እተኸፍለ ኣስታት 4000 ዝሕዝ ኮሙናዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣለዋ፤ ረካረንዪምናስየት፡ ሪማንዪምናስየትን ሳንክት ኤስኪል ዪምናስዩም።

ኣብ ልዕልዚ፡ ሓሙሽተ ናጻ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ፤ NTI-ዪምናስየት፡ ግሪልስካ ዪምናስየት፡ ሚካኤል ኤልያስ ተዮርያዊ ዪምናስየት፡ ረያል ዪምናስየት፡ ኩንስካፕስኮምፓንየት። እቲ ኮሙናዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ 4000 ተመሃሮ ኣለዉዎ።

ስድራቤታት ካብ መላእ ዓለም ናብ ኤስኪልስቱና ይግዕዙ። ኣብ ትሕቲ 'ብደሓን ምጽኡ' ዚብል ንጥፈት ንኣኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ምጻእ ዝኾንካን ካብ 1-18 ዝዕድመኡ ውላድ ዘሎካን ይቕበለካ። ኣብኡ እቶም ስድራቤት ብዛዕብ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ቤትትምህርቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ማሕበረሰብን ሓበሬታ ይረኽቡ።

ናይ ባህሊ ኣሃዱ ነቶም ናይ ኣደኦም ቋንቋ ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዝኾነ፡ ኣብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ወይ ኣብ መባእታ ቤትትምርህርቲ ወይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ብናይ ኣደ ቋንቋ ሓገዝ ንምሃብ ኪሰርሓ እየን። እቲ ቀንዲ ተደላይነት፡ እቲ ህጻን ነቲ ቋንቋ ንኺመልኮን ኣብ ገዝኡ ድማ ምስ ሰብ ንምርኻብ ኪጥቀመሉን እዩ።

ነቶም ነቲ ቋንቋ ኣብ ገዝኦም መዓልታዊ ዘይጥቀሙሉውን ይምልከት እዩ። እቶም ብኣላዪነት ምስ ስድራቤት ዝቕመጡውን ብናይ ኣደ ቋንቋ ኪዛረቡ ዕድል ስለ ዘይብሎም ብናይ ኣደ ቋንቋኦም ደገፍ ኪግበረሎም እዩ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኮምቩክስ ነቲ ናይቲ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ብመገዲ መባእታን (ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት) ኤስኤፍኢን፡ ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይቲ (ሰርቩክስ) ከምኡውን ሞያዊ (YH)ትምህርቲ የመሓድር።

ናይ መላርዳለን ኮለጅ ኣብ ሽወደን ካብቶም ዓበይቲ ኮለጃት እዩ፡ 13000 ተመሃሮ ድማ ኣለዉዎ። እቲ ኮለጅ ኣብ ኤስኪልስቱናን ቨስተሮስን ካምፓስ ኣለዎ። ምስ እተፈላለያ ዋኒናትን ኣከባቢን ብምትሕብባሩ ድማ ፍሉጥ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኤስኪልስቱና ሸሞንተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። እቶም ሓደስቲ ውላዳትን መጽኣትን ኣብቲ ጥቓ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዚርከብ ማእከል ጥዕና እዮም ዚምደቡ። ካልእ ማእከል ጥዕና ምስ እትደሊ፡ ባዕልኻ ንኽትመርጽ መሰል ኣሎካ።

መላር ሆስፒታል ሓደ ካብተን ኣርባዕተ ናይ ሰርምላንድ ዓበይቲ ሆስፒታላት እዩ። ኣብዚ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100,000 ሰባት ይመጹ። ኣብቲ ሆስፒታል ድማ ኣስታት 3000 ሰባት ይሰርሑ።

መላር ሆስፒታል ናይቲ ሰሜናዊ ወረዳ ከባብያዊ ሆስፒታል እዩ፡ ግን ምስቲ ኣብ ካትሪንሆልም ዚርከብ ናይ ኩልበርይስካ ሆስፒታል ሓባራዊ ክሊኒካት ኣለዎ፡ ከምኡውን ኩላቶም ተቐማጦ ሰርምላንድን ሓድሓደ ግዜ ከኣ ተቐማጦ ቨስትማንላንድ ዚግልገሉሉ ፍሉይ ክእለት ኣለዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ምስቲ ኣብ መወዳእታ 1990ታት እተሰርሐ ናይ ስቨያላንድ መገዲባቡር እታ ከተማ ቅልጡፍ ዝኾነ ምስ ስቶክሆልም ዘራኽብ ኣገልግሎት ረኺባ። ክሳዕ ስቶክሆልም ሓደ ሰዓት እዩ ዚወስድ ስለዚ በጺሕካ ኪምለስ ይከኣል እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝሰፍሐ ናይ ኣባይቲ ዕዳጋ ኣሎ ከምኡውን ክኢላውነት ንምምልማል ዝበለጸ ዕድል ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኤስኪልስቱና ሓያል ናይ ኢንዱስትሪ ባህሊ ኣለዋ። ኣብዚ ከበድቲ ኢንዱስትሪታትን ናይ ምስናዕ ፍልጠትን ኣሎ። ካልእ ዝሰፍሕ ዘሎ ሰክተር እቲ ናይ ሎጂስቲክስ ሰክተር እዩ። ናይ ኤክስኪልስቱና ጀዮግራፍያዊ ኣቀማምጣን ትሕተ ቅርጻን (መገደ፡ ባቡር፡ ነፍርቲ) ከምኡውን እቲ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ኮምቢተርሚናል ኣብ ናይ ትራንስፖርትን ካልእ ናይ ኣገልግሎት ትካላትን ተደልይቲ ገይሩና ኣሎ።

ኤስኪልስቱና በቲ ናይ ምትሕብባር ባህርያታ ፍልጥቲ እያ፡ ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እቲ ቁጠባዊ ህይወትን ትምህርትን ሓደ ዕላማ ኣለዎ ማለት እዩ። ኤስኪልስቱና በቲ ቁጠባዊ ትካላታን ጨናፍራን ፍልጥቲ እያ። ኣብዚ ንኹሉ ዚዕድም መድረኽ ኣሎ።