Katrineholm

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ካትሪንሆልም ማእከላይ ስፍሓት ዘለዎ ኣብ ስትራተጂያዊ ቦታ እትርከብ ኮምዩን እዩ። 150 ራዲዩስ ዘለዎ ኮይኑ ሲሶ ናይ ሽወደን ህዝቢ ይሕዝ። እቲ ኮምዩን ንፈጠራን ምዕባለን ማለት ንህይወትን ትምህርትን ንግድን ዚድርኽ ሓይሊ ኣለዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዙሓት ሰባት፡ ናእሽቱ ዱኳናትን ናይ ደገ ኣገልግሎትን ዘለዎ ናይ ሓደ ክረምታዊ ትርኢት።

እዚ ብ1862 በቲ መገዲባቡር እዩ ተጀሚሩ። ኣብዛ ሓዳስ ካትሪንሆልም ናይ መንበርን ኢንዱስትሪን ንግድን ቦታታት ይምዕብል ኣሎ። ኣብኡ ምንባር ደስ ዘብል እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ህዝብን እቲ ዋኒናትን ዓብዩ። ግሩም ተፈጥሮን ቀላያትን ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ናይ ሽወደን መንግስተ ሰማይ ከም ምንባር ማለት እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ገዛ ክትካረ ወይ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ብዙሓት ናይ ኪራይ ትካላት እተፈላለየ መንበሪ ኣባይቲ የቕርባ። ኣብ ውሽጢ ከተማን ውጽእ ኢልካ ኣብ ቢ፡ ሾዲንገ፡ ቫላ፡ ስትሮንግሸ፡ ዩሊታ/ኤስሾፒን ብየርቪክን ፉርሸ ዚብሃል ቦታታትን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደን፡ ዓረብ ሶማሊ፡ ታይ፡ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ዳሪ፡ ኣልባንያ፡ ፋርስ፡ ኣምሓርኛ፡ ኩርማንጂ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳን ስዋሂሊን ይዝረብ።

ብጉግል ትራንስለይት ገርካ ነቲ ናይ ካትሪንሆልም ወብሳይት ናይ ካልእ ቋንቋ ክትልውጦ ትኽእል።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ካትሪንሆልም ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ካልእ ኣብያተክርስትያንን ኣለዋ። ኣብቲ ኮምዩን ንጡፋት ማሕበራትን ናይ ስደተኛታት ማሕበራትን ኣለዋ። ነዚ ማሕበራት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ክትረኽቦ ትኽእል። ናይ ካትሪንሆልም ናይ ጃልባ ክላብ ሓንቲ ካብተን ንጡፋት ክላባት እያ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ካትሪንሆልም ኣብቲ ግሩም ዝኾነ ሰርምላንድ ይርከብ። ኣብኡ ንዙረትን ተፈጥሮ ንምርኣይን ንፋስ ንምውሳድን ንኣካልን ነፍስን ንምሕዳስ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኣብዚ እተፈላለየ ስነጥበባዊ፡ ባህላዊን ስፖርታውን ምርጫታት ኣሎ። ስፖርትሰንትሩም ኣብ ሽወደን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ እዩ። ዳርጋ ንእሽቶ ኦሊምፒክ ቁሸት እዩ። ኣብኡ ኣስታት 40 ዓይነታት ስፖርት ኪጽወት ይከኣል።

ሓሙሽተ መንእሰያት ኣብቲ ብድሕሪኡ ስቡሕ መሬትን ዱርን ዘለዎ ማይ ካያክ ይቐዘፉ፡ ኣለዉ፡።

ኣብ ካትሪንሆልም ኣብ ብዙሕ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል። ኣብቲ kommunens evenemangskalender ተመልከት።

ኣብቲ ቱሪስት ወብ ከኣ ዚረአን ዚግበርን ነገራት ክትውከስ ትኽእል። ነቲ ኣብ ውሽጢ መደበር ባቡር ዚርከብ ቤትጽሕፈትና ብጽሓዮ።

ኣብ ካትሪንሆልም እዚ ዚስዕብ ናይ ኣገልግሎት ትካላት ትረክብ፣ ሆስፒታል፡ ማእከል ጥዕና፡ ቤትንባብ፡ ባንኪ፡ ፋርማሲ፡ ሲነማ፡ ሰከንድሃንድ ድኳን፡ ኣብያተመግቢ፡ ግሮሰሪን መሐምበሲ ቦታን። ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ዋይ ፋይ ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብ ቤትንባብ ኤንገልን፡ ስፖርትሰንትሩም፡ ስታድስፓርከን፡ ኡንግዱምሁሰት ፐሮነን፡ ናይ ዩሎ መዘናግዒ ቦታ።

ናይቲ ኮምዩን ኣቀማምጣ ንዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ቀረባ ይገብሮ። ናብ ስቶክሆልም ብባቡር ኣስታት ሓደ ሰዓት ይወስድ። ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ንየተቦርይ፡ 40 ደቓይቕ ንኤስኪልቱናን ንኖርሾፒንግን።

ኣብ ማእከል ካትሪንሆልም ዚርከብ ናይ ኤንገልን ናይ ባህሊ ገዛ፡ ናይ ኣረጋውያን መአከቢ እዩ። ኣብኡ ቤትንባብ ፡ ናይ ኮንሰርት ኣደራሽ, ከምኡውን ንቤትጽሕፈት መድህንን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ዝሓዘ ናይ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ኮምዩንዚ 22 ናይ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ክልተ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ይርከብ። ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ወብሳይት ዚብል ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት እኩብ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ነፍስወከፍ ቤትትህምርቲ ህጻናትን ካልእን ከመይ ከም እንሰርሕን ዚገልጽ ሓበሬታ ኣሎ።

ክልተ ቈልዑን ሓደ ብናዊ ንእሽተይ ከልብን ኣብ ነዊሕ ሳዕሪ ናብታ ካሜራ ገጾም ይጎዩ ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብዚ ኮምዩንዝን ኣብ ስትሮንግሸ፡ ቫላ፡ ቢ፡ ዩሊታ፡ ብየርክቪክ፡ ሾልዲንገን ፉርሾን፡ ዓሰርተታት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብ ካትሪንሆልም ሰለስተ ናጻ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ኣብዚ ኮምዩንዚ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንሳተን እተፈላለየ ሳብጀክት ዘለዎ ሃገራዊ ፕሮግራም ኣለወን። ገሊኡ ፕሮግራም ናብ ናይ ሞያ ህይወት ይወስደካ። እቲ ካልእ ድማ ንተወሳኺ ትምህርቲ የዳልወካ።

ኣብቲ ኮምዩን ንዓበይቲ ዝዓለመ ትምህርቲውን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብዚ ኮምዩንዚ ከም በጽሒ ኣብ ቪያዲካት ክትመሃር ትኽእል። እዚ ኣብ ኮምዩናት ካትሪንሆልምን ቪንጎከርስን ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ ዕዳጋን ናይ ምውህሃድን ናይ ትምህርቲ ንዓበይትን ምምሕዳር እዩ።

ኣስተምህሮ ምልላይ ምስ ሕብረተሰብ ንሓደስቲ መጻእቲ

እዚ ፕሮግርምዚ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደንን ከመይ ከም ዚነጥፍን ዘላሊ ትምህርቲ እዩ።

ትምርህቲ ንስደተኛታት ብቋንቋ ሽወደን

እቲ ብኣሕጽሮተቃል ከም ኤስኤፍኢ ዚፍለጥ ፕሮግራም ነቶም ሽወደን ዘይኮነስ ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ዚወሃብ ትምህርቲ እዩ።

እዚ ነቶም 16 ዓመት ዝመልኡ ኣብ ሽወደን ዚቕመጡ ስደተኛታት ዚወሃብ ትምህርቲ እዩ። እቲ ትምህርቲ መሰረታዊ ባህርያት ቋንቋ ሽወደን እዩ ዚህብ።

ነፍስወከፍ ነቲ ቋንቋ ተሎ ንኪኽእሎን ኣብ ስራሕ ኣትዩ ብነብሱ ኪሓድርን ንመሰላቱን ግዴታኡን ንኺፈልጥን ደገፍ ይወሃቦ። ናይቲ ትምህርቲ ንውሒ ኣብ ናይቲ ተመሃራይ ዛጊት ዘኻዕበቶ ፍልጠትን ናይ ቋንቋ ፍልጠት ተውህቦኡን እተመርኮሰ እዩ።

ናይ ቋንቋ ካፈ

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ካፈ ሓደስቲ ብጾት ብምጥራይ ነቲ ቋንቋ ክትለማመዶ ትኽእል። ቪያዲዳክት ምስ ናይ ካትሪንሆልም ቤትንባብ ኮይኑ ነዚ ናይ ቋንቋ ካፈ የዘጋጅዎ። ኣብኡ ስደተኛታትን ሽወደናውያንን ይራኸቡን ብሽወደን ይዛርቡን ቡን ይሰትዩን። ብዘይወግዓዊ መገዲ ባህልን ቋንቋን ነጽንዕ ነቲ ቋንቋ ሽወደን ድማ ንለማመዶ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

መሰረታዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ

እዚ ነቶም ልዕሊ 20 ዓመት ዝዕድመኦምን ነቲ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ዚወሃብ ፍልጠት ዘይቀሰሙ ዝዓለመ እዩ። እቲ ትምህርቲ ወለንታውን ዘየኽፍልን እዩ።

ዕላማን ናይቲ ትምህርቲ ዚወስዶ ግዜን ባዕልኻ ኢኻ እትውስኖ። እናሰራሕካ ወይ ካልእ እናተመሃርካን ነዚ ትምህርቲዚ ክትወስዶ ትኽእል። ቪያዲዳክት ነቶም ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዎምውን ይምልከቶም እዩ። ፍሉይ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ድማ ይብሃል።

ካልኣይ ደረጃ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ

ካልኣይ ደረጃ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ነቶም ዓበይቲ ኮይኖም ስራሕ ንምርካብን ትምህርቲ ንኽቕጽሉን ብማለት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኮርሳኣት ኪመሃሩ ዚደልዩን ዝዓለመ እዩ።

ዩኒቨርሲቲ፡ ኮለጅን ናይ ሞያ ኮለጅን

ኣብ ካትሪንሆልም ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። ቪያዲዳክት ምስ ዩኒቨርሲትን፡ ኮለጅን ናይ ሞያ ኮለጅን ኮይኑ ይሰርሕ። ስለዚ ኣብ ካትሪንሆልም ኴንካ ብዙሕ ዓይነት ትምህርቲ ክትመሃር ትኽእል ማለት እዩ።

ካምፑስ ቪያዲዳክት

ኣብ ናይ ኮለጅ ደረጃ ክትምሃር እትደሊ፡ ነቲ ኣብ ኩልበርይስካ ሁሰት ዘሎ ካምፑስ ቪያዲዳክት ዚርከብ ኣገልግሎትን ተክኒካዊ መሳለጥያን ክትጥቀመሉ ትኽእል። ኣብኡ እዚ ዚስዕብ ይርከብ፤ መራኸቢ መርበብ፡ ኮምፕዩተር፡ ሓታሚት፡ ፎቶኮፒ፡ ፋክስ፡ ናይ ቪደዮታት መሳርሒ፡ ስልኪ-ኣልቦ መርበብን ቡንን ሻህን ውዑይ ቸኮላታ እትዕድገሉ ቦታታትን።

እቲ ቦታ ኩሉ ግዜ ክፉት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣስትምህሮ ወይ ትምህርቲ ዚህቡ ኪካረዩዎ ከለዉ ግን ዕጹው እዩ።

ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ኣብ ጥቓ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢላ ዘላ ሰበይቲ ናብቲ ናይ ኮምፕዩተር መስኮት እንዳ ኣመልከተ ገለ የርእያ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ካትሪንሆልምስ ኩልበርይስካ ዚብሃል ናይ ዞባ ሆስፒታል ኣሎ። ነቲ ሆስፒታልን ንሰለስተ ናይ ህጻናት ክሊንክን ናይከባቢ ነርስ ክሊኒክን ዝጠርነፈ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ዘካይዶ ናይ ሰርምላንድ ዞባ እዩ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ናብዚ ዚስዕብ ዘራኽብ መሳገሪ መርበብ ኣሎ፤ ሆስፒታል፡ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ናይ ስኒ ሕክምናን ፋርማሲን።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩንን ትካላትን ማእከል ጥዕናን ከም ኣድላይነቱ ናይ ትርጉም ሓገዝ ይህብ። ነቲ ዝምልከቶ ትካል ተወከስ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ካትሪንሆልም ጀዮግራፍያዊ ኣቀማምጣ ብርቂ እዩ። ኣብኡ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ህዝቢ ይራኸብ። 15 ኪሎመትር ራድዩስ ዘለዎ ኮይኑ ሲሶ ናይ ሽወደን ህዝቢ ይሕዝ። ካብ ስቶክሆልም ናብ ካትሪንሆልም ብባቡር ካብ ሰዓት ዚውሕድ ይወስድ። ክሳዕ የተቦርይ ክልተ ሰዓት። ካልኦት ብቐሊሉ ብባቡር ኪብጽሑ ዚኽእሉ፡ ኖርሾፒን፡ ሊንሾፒን፡ ኤስኪልቱናን ቨስተሮስን እዮም። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ካትሪንሆልም ንስራሕ ኣብቲ ጥቓኦም ዘሎ ከተማታት በጺሖም እዮም ዚምለሱ።

ካብ ኖርሾፒን፡ ኒሾፒን፡ ኤስኪልቱናን ኦረብሮን ናብ ካትሪንሆልም ብማኪና ዳርጋ ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ናይ ኖርሾፒንን ናይ ስቶክሆልም ስካቭስታ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ሓደ ሰዓት ዚውሕድ ናይ ማኪና ጕዕዞ ይወስድ። ኣብኡ ብዙሕ ምጽባይን ሪጋን የልቦን።

ኣብዚ ብዙሕ ዘይረሓሓቓ ነኣሽቱ ከተማታት ኣለዋ።

ሰባት ኣብቲ ኣብ ቅድሚ መደበር ባቡር ናይ ካተሪነሆልም ዘሎ መድረኽ ኮፍ ኢሎምን ደው ኢሎምን ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብጀካ ኮሙን ካተሪነሆልምን ዞባ ሶርምላንድን፡ ኤስኮኤፍ፡ ኤሪክሶን፡ ክሩንፎገል፡ ሶርምላንድስ ግራፊስካ ኦክ ፊንያ ፕረፋብ ካልኦት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም።

በጺሕካ እትምለሶ ናይ ስራሕ ዕድላትውን ኣሎ። ስቶክሆልም፡ ኦረብሮ፡ ኤስኪልቱና፡ ኖርሾፒንን ሊንሾፒንን ካብ ካትሪንሆልም መገዲ ሓደ ሰዓት እየን።