Vingåker

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ቪንግኦከር ኣስታት 8800 ተቐማጦ ሃልይዋ፡ ኣብ ዕዳጋ ክዳውንቲ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ከተማ እያ። ኣብዛ ከተማ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ዝፈሪ ምሉእ ክዳን (ባድላ) ኣብ ዕዳጋ ክዳውንቲ ሽወደን ኣዝዩ ህቡብ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ምምሕዳር ቪንግኦከር 7 ንኡሳን ዓድታት ዝጥርንፍ ኮይኑ ንሳተን ከኣ፡ ለፐ፡ ኦስተርኦከር፡ ሆግሾ፡ ቪያላ፡ ባገቶርፕ፡ ምርሙርብሪንን ቪንግኦከርን እየን። ኣብዚ ከባቢ'ዚ ብርክት ዝበላ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ቪንግኦከር ብዜካ ሽወደን ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ስደተኛታት ኣለዉ። ኣብዚ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት ከም ኣብነት፡ ቱርኪ፡ ኩርዲ፡ ፋርሲ ወይ ኢራነኛ፡ ዳሪ፡ ትግርኛ፡ ዓረብኛ፡ ታይላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ኣምሓሪኛ፡ ሮማነኛ፡ ራሻ፡ ፕሽቱ፡ ትግረ፡ ኣልባነኛ፡ ባንግላደሽ፡ እንግልዝኛ፡ ፖርቱጋልን ስርያንን ይርከቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ቪንግኦከር ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት ክለብ ኩዕሶ-መርበብ ቪንግኦከር፣ ቦሰንበርያ ክበብ ጥወይዋይ ሸርተታ፣ ቪንግኦከር ማሕበር ጋለብቲ እየን። ኣብ ቪንግኦከር ብዙሓት ትካላት ወይ ፋብሪካታት እኳ እንተሃለዋ እታ ዝዓበየትን ህብብትን ፋብሪካ ግን፡ ፋብሪካ ክዳውንቲ ቪንግኦከር እያ። እዛ ፋብሪካ እዚኣ ብርትዓዊ ዋጋ ዝሽየጥ ኣዝዩ ብሉጽን ህቡብን ክዳውንቲ ተፍሪ። ኣብ ምምሕዳራዊ ዝርዝር መዝገብ ማሕበራት ብምእታው ኩለን ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል።

ናይ ቪንኦከር እቲ ዝበለጸ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ዘለዎ ፕራትቡብላ (ኣብ ውሽጡ እትጽሕፈሉ ናይ ዓፍራ ምልክት ዘለዎ)

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ቪንግኦከር መብዛሕትኡ ነገር ኣሎ ። ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ቤትመጻሕፍቲ፡ መሐንበሲ ማእከል ከምኡ'ውን ግምቢ ሴፍስታሆልም። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ከተማ ይርከብ።

ቤተ-ክርስትያን ሽወደንን ቀይሕ መስቀልን ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም መተስፕላትሰን፣ ኩሎም ተቐማጦ ቪንግኦከር ክራኸቡሉ ዝኽእሉ ክፉት ገዛ የካይዱ እዮም። ኣብቲ ኣብ ጎደና ኦብሮጎርደን ቁጽሪ 55 ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ከም ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ከተማ፡ ፖሊስ: ትካል ትምህርቲ ንዓበይቲን ቪያዲዳክትን ዝኣመሰሉ ይርከቡ።

ምስ ቤት-ጽሕፈት ስራሕ ንምርኻብ ኣቐዲምካ ቆጸራ ምትሓዝ የድሊ። እንተዘይኮይኑ ብቪድዮ ርኽክብ እውን ይውፈይ።

ናይ ቪንኦከር እቲ ዝበለጸ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ዘለዎ ፕራትቡብላ (ኣብ ውሽጡ እትጽሕፈሉ ናይ ዓፍራ ምልክት ዘለዎ)

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ወረዳ ቪንግኦከር ብጠቕላላ 11 ኣጸደ ህጻናት ኣለዋ። 6 ካብኣተን ኣብ ቪንግኦከር፡ ሓንቲ ኣብ ሆግሾ፡ ሓንቲ ኣብ ኦስትርኦከር፡ ሓንቲ ኣብ ማርሞርቢን፡ ሓንቲ ኣብ ባገቶርፕ ከምኡ ውን ሓንቲ ኣብ ለፐ ተዘርጊሐን ይርከባ። ማእከል ስድራ-ቤታት ብወገኑ ክፉት ናይ ኣጸደ ህጻናት የአንግድ።

ኣብ ወረዳ ቪንግኦከር 6 ናይ ህጻናት መዘናግዒ ማእከላት ይርከባ። ክልተ ካብዚአን ኣብ ቪንግኦከር ክረከባ እንከለዋ እተን ዝተረፋ ኸኣ ኣብ ሆግሾ፡ ማርሞርብሪንን ኦስተርኦከርን ይርከባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ወረዳ ቪንግኦከር 5 መባእታዊ ኣብያተ-ትምርህታት ይርከባ። ኣብ ኩለን ሕሙሽትአን ኣብያተ-ትምህርታት ካብ ኣዚለ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ትምርህቲ ይእንገድ። ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቪድኦከር ግን ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ጥራይ ይእንገድ። ስለስተ ካብዘን ኣብየት-ትምህርታት ኣብ ቪንግኦከር ዝመደበረን ክኾና እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ኸኣ ኣብ ሁግሾን ማርሙርቢንን ይርከባ።

ንክልተ ናይ መእተዊ መደባት ትምርህቲ ካልኣይ ደረጃ ገዲፍካ፡ ኣብ ወረዳ ቪንግኦከር ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምርህቲ የለን። ይኹን እምበር እቲ ወረዳ ምስ ከተማታት ካትሪነሆልምን ፍለንን ሃልስበርን ንምሓእ ቦታታት ትምህርቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝምልከት ስምምዓት ከቲሙ እዩ።

ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መእተዊ ናብ ቪድኦከርስኩላን።

ዕድላት ትምህርቲ

ትካል ቪያዲዳክት ብከተማታት ቪንግኦከርን ካትሪነሆልምን ዝውነን ሓባራዊ ትምህርታዊ ትካል ኮይኑ፡ ንሓደስቲ ስደተኛታት ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ዝወሃብ ትምርህቲ፡ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስትን ከምኡ ውን መባእታውን ማእከላይ ደረጃ ትምርህቲ ንዓበይትን ኣብ ምምሕዳር ይነጥፍ። ትካል ቪያዲዳክት ብዜካ'ዚ ዝተገልጸ ዓማም፡ ትምርህታውን ሞያውን ምኽሪ ኣብ ምሃብ ውን ይነጥፍ።

ትምህርቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ንሓደስቲ

እዚ ትምርህቲ'ዚ ንሓደስቲ ስደተኛታት ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ሽወደንን ሽወደናዊ ሕብረተ-ሰብ ከመይ ከም ዝመሓደርን ካልእን ዝድህስስ ትምርህቲ እዩ።

ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ

እቲ ብኣሕጽሮ ኤስ.ኤፍ.ኢ ተባሂሉ ዝፍለጥ ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ፡ ነቶም ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ስደተኛታት ዝዓለመ ትምርህቲ እዩ። ኩሉ ኣብ ሽወደን ናይ ምቕማጥ ፍቓድ ዝወሰደ ስደተኛ ድሕሪ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 16 ዝመልአ ኣብዚ ትምህርታዊ ቋንቋ'ዚ ክሳተፍ ይፍቐደሉ። ብዜካ'ዚ እቲ ኣብዚ ትምርህቲ'ዚ ክሳተፍ ዝደሊ ሰብ መሰረታት ቋንቋ ሽወደን ዘይተማህረ ክኸውን ኣለዎ።

ዝኾነ ይኹን ውልቀ-ሰብ፡ ምስ ዓቕምታቱን ድሕረ ባይትኡን ብዝሳነ ትምርህታዊ ድጋፋት ይግበረሉ። ዕላማ ናይ'ዚ ድጋፍ'ዚ ከኣ፡ እቲ ዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ብዝሓጸረ ግዜ ቋንቋ ተማሂሩ ኣብ ስራሕ ዓለም ክጽንበርን ነብሱ ክኽእልን ነመሰላቱን ግቡኣቱን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ከለልን ካብ ዝብል ዝነቐለ እዩ። ንውሓት ናይቲ ትምርህቲ ኣብ ውልቃዊ ዓቕምታትን ፍጥነት ኣብ ምምሃር ናይ ሓድሽ ቋንቋን ናይ ሰባት ይምርኮስ።

መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ

መባእታዊ ደረጃ ትምርህቲ፡ ነቶም ብዕድመ 20 ዝመልኡን መባእታዊ ትምርህቲ ዘይተማህሩን ሰባት ዝምልከት እዩ። መባእታዊ ትምርህቲ ነጻን ወለንታውን እዩ።

ንምንታይን ብኸመይ ክመሃር ከም ዝደሊ ነፊሲ-ወከፍ ናቱ ውጥን ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ኣለዎ። ንመባእታዊ ትምህርቲ ምስ ስራሕ ወይ ምስ ካልእ ትምርህቲ ሓዊስካ ክትመሃሮ ይከኣል እዩ። ትካል ቪያዲዳክት ብወገኑ ነቶም ትሑት ናይ ምምሃር ዓቕሚ ዘለዎም ተመሃሮ ፍሉይ ናይ መባእታዊ ትምርህት መደባት ይሰርዓሎም።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ

ካልኣይ ደረጃ ትምርህቲ ንኣባጽሕ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ስራሕ ንምርካብ ወይ ውን ንዝለዓለ ደረጃ ትምርህቲ ንምቕጻል ዘድሊ ነጥብታት ንምውህላል ዝዓለመ ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል።

ዩኒቨርሲቲ፡ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ውን ሞያዊ ላዕለዋይ ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ካትሪነሆልም ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምርህቲ ዕድላት ኣሎ። ትካል ቪያዲዳክት ምስ ብዙሓት ዩኒቨርስታት፡ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታትን ሞያዊ ትምህርታዊ ትካላትን ጥቡቕ ምትሕብባራት ኣለዎ። በዚ መሰረት ኣብ ከተማ ካትሪነሆልም ዝተፈላለየ ትምህርታት ክትቀስሙ ትኽእሉ።

ምፓስ ቪያዲዳክት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩ ሰባት፡ ኣብቲ ኣብ ኦብሩጎርደን ቁጽሪ 55 ኣብ ቪንግኦከር ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ቪያዲዳክት ዝርከብ ክፍልታት፡ ተክኒካዊ መሳለጥያታትን ክጥቀም ይኽእል እዩ። ኣብቲ ቤት-ጽሕፈይ ኣገልግሎት ዋይፋይ እንተርነት፡ ኮምፒተር፡ ሓታሚት፡ ፎቶ-ኮፒ፡ ፋክስ ከምኡ ውን መሳርሒታት ስእልን ቪድዮን፡ ሻሂ፡ ወይ ውን ምዉቕ ቸኮላታት ክትሕሽሹሉ እትኽእሉ ፓሳቸርያን ይርከብ። እቲ ቦታ ኩሉ መዓልታት ክፉ እዩ። ትምህርቲ ወይ ውን ሰሚናር ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ግን ክመልእ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ኣብ ጥቓ ሓደ ጣውላ ኮፍ ኢላ ዘላ ሰበይቲ ናብቲ ናይ ኮምፕዩተር መስኮት እንዳ ኣመልከተ ገለ የርእያ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቪንግኦከር ማእከል ሕክምና ቪንግኦከር፡ ማእከል ስድራቤታት፡ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ፡ ከምእ'ውን ማእከል ሓኻይም ስኒ ቪንግኦከርን ይርከብ። ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ኩልበርይስካ ቤትሕክምና ኣብ ከተማ ካትሪነሆልም ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ወይ ውን ሕክምና ኣብ ዝግበር ርክብ ዝኾነ ሰብ ቋንቋ ዘይክእል ምስ ዝኸውን ተርጓሚ ክቍጸረሉ መሰል ኣለዎ። ብኽብረትኩም ነቲ ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካል ኣቐዲምኩም ተርጓሚ የድልየኩም ምዃኑ ሓብርዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እተን ኣብ ውሽጢ ወረዳ ቪንግኦከር ዝንቀሳቐሳ ናይ ከባቢ ኣውቶቡሳት ኣውራጃዊ መጎዓዝያ ኦረብሩን ኣውራጃ ዊ መጎዓዝያ ሶርምላንድን እየን። እተን ካብ ኑቍጣ ባቡራት፡ ዝብገሳ ባቡራት ሃገራዊ ባቡራት ኤስጀይ እየን።

ኣብ ሓደ መደበር ባቡር ገለ ሰባት ካብቲ መድረኽ ናብ ባቡር ይድይቡ ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ከተማ ቪንግኦከር ዳርጋ ማእከላይ ኣቀማምጣ ኣለዋ። ካብታ ከተማ ንኦረብሩ፡ አስኪልስቱና፡ ኒሾፒንን ኖርሾፒንን ብመኪና ሰዓት ይወስድ። እታ ካብ ሃልስበሪ ናብ ስቶክሆልም ገጻ እትጎዓዝ ባቡር ኣብ ከተማ ቪንግኦከር፡ ካትሪነሆልም፡ ፍሌን፡ ግኔስታን ሶደርታልየን ጠጠው ትብል እያ። እዚ ኸኣ ንመጎዓዝያ ካብን ናብን እዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት ቀሊል ክገብሮ ይኽእል።