Nyköping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኒሸፒንግ ካብ ስቶክሆልም ንደቡብ ናይ ሓደ ሰዓት ጕዕዞ እዩ። ብመገዲ ናይ ስቶክሆልም ስካቭስታ መዓርፎ ነፈርቲ ናብተን ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ ቀረባ ብምዃናን በቲ ኣርኪፐላጎን ናይ ሰርምላንድ ባህላዊ ቅርጽን ኒሾፒንግ ኣዝዩ ሰሓቢ ቦታ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ብዘይካ ናይ ኒሾፒንግ ገዛውቲ ናይ ኪራይ ኣባይቲ ትካላት ከም ኤችኤስቢ፡ ፐኣብ፡ ሪክስሀምን ኩንግስሀምን ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ዓረብ፡ ፊንላንድ፡ ሶማሊ፡ ሽወደን፡ ታይላንድ፡ ትግርኛ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ፡ እዘን ዚስዕባ ማሕበራት ይርከባ፤ ማሕበር ሶማል ኒሾፒንግ፡ ማሕበር ሶማሊላንድ፡ ማሕበር ታይላንድ ኒሾፒንግን ኦክሰሎሱንድ፡ ማሕበር ፊንላንድ ኒሾፒንግ፡ ፊንላንድስቨንስካር ኒሾፒንግ/ኦክሰሎሱንድ፡ ናይ ዓፋር ረድኤት ማሕበር፡ ናይ ቦስንያ ማሕበር፡ ናይ እስላም ባህላዊ ማእከል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ብራንድሸርን ኣርኖን ናይቲ ኮምዩን ናይ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ኣሎ። ኣብኡ ዓረብን ሶማልን ዚዛረቡ ናይቲ ሕብረተሰብ መራሕቲ መገዲ ኣለዉ። ምስቲ ኣብቲ ናይቲ ከተማ ዞና ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ዘለዎ ናይ ስድራቤት ማእከል ብሓባር ይሰርሑ። ኣብኡ ናይ ኣዴታትን ህጻናትን ማእከል ጥዕና ኣሎ።

ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፖሊስ፡ ናይ ረድኤት ኣገልግሎት ወዘተ. ኣብ ሓደ ናይ መርበብ ስራሕ ይሰርሑ።

ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ናይ ሰከንድ ሃንድ ድኳናት ኣለዋ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኒሾፒንግ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ተጠቒሰን ዘለዋ ብዙሕ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እዚ ኮሙንን ዞባን ዞባን ምስ ሰማንቲክስን ስፕሮክሰርቪስን ውዕል ኣለዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብጀካ ኮሙን ኒይሾፒንን ዞባ ሶርምላንድን፡ ሽነይደር ኤለክትሪክ ስቫርየ ኣበ፡ ስቶኮልም ስካቭስታ ፍልይግፕላትስ ኣበ፡ ስቱድስቪክ ኣበ፡ ኤበሽፔከር ኤክሶውስት ተክኖሎጂ ስዊድንን ኣበበ ኣበ ሰወ-ኮንትሮልን ካልኦት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም።