Gnesta

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ግነስታ ብውሽጢ ገና ንእሽቶ ዝኾነ ናይቲ ሰርምላንድ ባህላዊ ቅርጺ ኮምዩን እዩ። ብፐንደልቶግ ጌርን ካብ ስቶክሆልም ብሓደ ሰዓት ትኣትወና። ብረጂናል ባቡር ድማ ፍርቂ ሰዓት ይወስድ፡ ድሕሪኡ ናብ ሊንሾፒን፡ የተቦርይ፡ ኦረብሩ መተሓሓዚ ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ማይ ብነጀው ሸነኽ ዘለዎ ናይ ቅድሚት ናይ ከተማ ትርኢት ናይ ግነስታ ምስ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ገዛውትን ህንጻታትን።

ግነስታ ብዋኒናት ፍልጥቲ እያ፡ 1000 ምዝጉባት ዋኒናት ከኣ ኣለዉዋ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ብሕርሻ ይመሓደር፡ እዚ ድማ ምስ 180 ቀላያትና ተሓዊሱ ነቲ ኮምዩን ተፈጥሮኣዊ ውቃበ ይህቦ። ኣብ ግነስታ እተፈላለየ ናይ ዕረፍቲ መዘናግዒ ንጥፈታት ኣሎ፡ ንኹሉ ድሌትን ዕድመን ወርሓትን ዘስተናግድ። ኣብ ግነስታ ሻርንሆቭ፡ ብየርንሉንዳ፡ ላክስነ ዚብሃላ ከባቢታት ከኣ ኣለዋ። ኣብዚ ብናይ ባህልን ተፈጥሮን ስነጥበብን ንጥፈታት ክትድሰት ትኽእል።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ግነስታሀም እተባህለ ናይ ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ ንኣኻ ኣብቲ ውሽጢ ከተማ ኪረኸበልካ ይኽእል፡ ተፈጥሮ ትፈቱ እንተ ኾንካ ድማ ጥቓ ቀላያትን ዱርን መንበሪ ኪረኽበልካ ይኽእል። እንተ ደሊኻ ካብ ብሕታውያን ኣካረይቲ እውን ክትካረ ትኽእል። ብዛዕባዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ግነስታ ኮምዩን ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደን፡ እቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋታት ኣብዚ እዋንዚ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ፋርስን ዳሪን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ግነስታ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ፡ ነዚ ድማ ኣብ ደብተር ማሕበራት ክትረኽቦ ትኽእል። ኣብቲ ኮምዩን ፍሉጥ ናይ ስደተኛታት ማሕበር የልቦን፡ ኣብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ከተማታት ግን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ግነስታ ኮምዩን፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትንባብን ናይ ዜጋታት ቤትጽሕፈትን ኣሎ። ኣብኡ እተፈላለየ ድኳናት፡ ከምኡውን ባንክ፡ ፋርማሲ፡ ሲነማን ህዝባዊ መሓምበስን ወዘተ. ኣሎ። ኣብቲ ሰንትሩም ክልተ ናይ መግቢ ድኳናት ኣሎ ከምኡውን ኣብ ከባቢ ግነስታ። ኣብተን ነኣሽቱ ከተማታትውን ድኳናትን ግሮሰሪታትን ኣሎ፡ ንኣብነት፡ ሻርንሆቭን ያርበልስ ናይ ብየርሉንዳ።

ኣብ ግነስታ ክልተ ዘገልገለ ኣቕሑ ዚሸይጥ ሰከንድሃንድ ድኳን ኣሎ።

ሓደ ናይ መዓሸጊ ቦታ ምስ ሓንቲ ሓደ ቀጠልያ ሕንጻይ ሒዛ ኣብ እምኒ ኮፍ ዝበለት ሰበይቲ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ግነስታ ኮምዩን 11 ኮሙናውን 3 ብሕታውን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ኣብ ነፍስወከፍ ቤትትህምርቲ ህጻናት 3-4 ክፍላት ኣሎ። ብዛዕባ ቤትትህምርቲ ህጻናት፡ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርትን ኣብ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብዚ ሓምሽተ ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።ፍረያስኩላን F-9 ዳንሱትስኩላን F-5 ኣብ ግነስታ, ክቫርንባካስኩላን F-5 ኣብ ሻርንሆቭ፡ ቨላንደርስቦርይስ ስኩላ F-5 ኣብ ብዮርሉንዳ ላክሳነ ስኩላ F-5 ኣብ ላክሳነ. ኣብ ግነስታ ናጻ ዝኾነ ቫልዶርፍስኩላ F-9 ኣሎ።

ግነስታ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ የብላን ግን ብሕታዊ ኣለዋ - ባግዩም ግነስታ ፕራክቲስካ ዪምናስዩም። ምስዘን ዚስዕባ ከኣ ውዕል ኣለዎ፣ ስትረንግነስ፡ ፍለን፡ ኒሾፒን፡ ሳለም፡ ቡትሺርካን ሰደርታልየን።

ዕድላት ትምህርቲ

ብመጠን ናይቲ ተገዳስነትካን እትደልዮ ደረጃ ትምህርትን ንኣኻ ከም በጽሒ ዚኸውን እተፈላለየ ዕድላት ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ማእከል ግነስታ ዚርከብ ናይ ትምህርቲ ማእከል ንኣብነት፡ ናይ ዓበይቲ ቤትትምህርቲ፡ ሰርቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ኮለጅ ወዘተ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ግነስታ ከም ኣድላነት ክንክንን ሕክምናን ሓደ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብ ሻርንሆቭ ናይ ዞባ ናይ ነርስ መቐበሊውን ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐብሊ ኣብ ዮንሾፒን ኢዩ፡ ንሱ ከኣ ካብ ግነስታ 45 ኪሎመትር እዩ። ኣብ ግነስታ ናይ ስድረቤት ሰንትራል/ናይ ኣደታት ሰንትራል። ኣብ ግነስታ ኮምዩን ኮሙናዊ ናይ ስኒ ሕክምናን ሓያሎ ብሕታዊ ናይ ስኒ ሕክምናን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ኮምዩን፡ ሰበስልጣንን ሕክምናን ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ምስ ዘድሊ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ግነስታ ኮምዩን ብ E4 ከምኡውን ብባቡር ትግልገል። ከምኡውን ኣብ ግነስታ ደው ዚብላ ባቡራት ኣለዋ፡ ናይቲ ከባቢ ኣውቶቡሳት ድማ ነተን ነኣሽቱ ከተማታት የገልግላ። ናይቲ ኮምዩን ማእከል ግዕዞ ንባቡርን ኣውቶቡሳትን የተሓባብር። እተን ነኣሽቱ ከባቢታት ብናይ ኮለክቲቭትራፊክ ኣውቶቡሳት ይግልገላ።

መብዛሕትኦም ናይቲ ኮምዩን ናይ ዕድጊ ሰራሕተኛታት ካብቲ ናይቲ ኮምዩን ዶብ ወጽኢ ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ወይ ብማኪና እዮም ዚጎዕዙ። ንሰደርታልየ ብፐንደልቶግ 30 ደቓይቕ ኢዩ ዚወስድ፡ ንስቶክሆልም ድማ ብባቡር ትሕቲ ሓደ ሰዓት።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ግነስታ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ፡ ረከል ስቨንስካ ከምኡውን እቲ ኮምዩን እዮም። ካልኦት ነኣሽቱ ወኒናትውን ኣለዉ። በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ዘለወን ስራሕ ወሃብቲ ከኣ ስካንያ፡ ኣስትራ ናይ ሶደርታልየ ከምኡውን ካሚልፋር ናይ ትሮሳ እየን።