Arboga

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣርቡጋ ኣብ ማእከል ምዕራብ መላርዳለን ትርከብ፡ ጥቓ ተፈጥሮን ዓብይቲ ከተማታትን እያ። ኣርቦጋ ኣብ 12 ክፍለዘመን እያ ናይ ከተማነት መሰል ዝረኸበት። ኣብቲ ውሽጢ ከተማ ድማ ናይ ጥንቲ ህንጻ ተዓቂቡ ኣሎ። ኣብኡ ብዙሕ ግሩም ዝኾነ ካፈታትን፡ ኣብያተመግብን ድኳናትን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ናብ ኣርቡጋ ክትግዕዝ ምስ እትደሊ ኣብኡ ብዙሓት ኣባይቲ ዘካርዩ ሰባት ኣለዉ። እቶም ዝዓበዩ ኣካራይቲ፡ ቢግናድስፊርማን ሉንድ፡ ቡቪስታን እቲ ናይ ኮምዩን ናይ ኪራይ ኣባይቲ ቤትጽሕፈትን እዮም። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ዝርዝር ኣካረይቲ ኣሎ።

ኣርቦጋ ብሓጋይ ተገርቢባ ከላ። ኣርቦጋኦን በቲ ከተማ ሰንጢቑ ይውሕዝ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኣርቡጋ ብዘይካ ሽወደን ዚዝረቡ ቋንቋታት እዚኣቶም እዮም፣ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊ፡ ሰርብያ፡ ክሮኣሽያን ቦስንያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኣርቡጋ ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ካልኦት ናጻ ኣብያተክርስትያንን ይርከባ። ዝቐረበት መስጊድ ኣብ ኦረብሩ እያ እትርከብ። ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ንጡፋትን ተሳተፍትን ማሕበራት ኣለዋ። ብዛዕባአን ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ኣንብብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኣርቡጋ ብዙሕ ቡቲካትን ናይ መግቢ ድኳናትን ካፌታትን ኣብያተመግብን ኣሎ። ዘገልገለ ኣቕሑ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ብዙሓት ናይ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ።

እቲ ቤትንባብ ኣብ ማእከል ከተማ እዩ፡ ብእተፈላለየ ቋንቋታት እተጻሕፈ ሕታማት ከኣ ኣለዎ። ኣብቲ ቤትንባብ ኮምፕዩተር ክትጥቀም ትኽእል።

ስፖርት ምስ እትደሊ ብዙሓት ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣለዋ፡ ኣብቲ ሰንትሩም ከኣ መሐምበሲ፡ መጻወቲ ኵዕሶ፡ መንሸራተቲ፡ ናይ ስፖርት ኣድራሽን ናይ በረድ ኣደራሽና ኣሎ።

ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ኣርቡጋ ቤትጽሕፈት ኣለዎ። ቤትጽሕፈት ቀረጽን ናይ መድህን ቢሮን ኣብ ሾፒን፡ካብ ኣርቡጋ 15 ኪሎመተር፡ ኦፊስ ኣለዎም።

ኣብ ኣርቦጋ ዘሎ ኣሎፍስፓርከን። ሓደ ልሙዕ መናፈሻ ምስ ዘንጸባርቕ ራህያ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኣርቡጋ ሓያሎ ናይ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ ከምኡውን ከም ናይ ወለዲ ኮኦፐራቲቭ ዚሰርሕ ቤትትምህርቲ ህጻናት። ክንክን ህጻን ምስ እትደሊ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቐዲምካ ኣመልክት። ብቐጥታውን ብኢንተርነት ከተመልክት ትኽእል። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት እቲ ቤትጽሕፈት ህጻናትን ትምህርትን ከመይ ከም ዚሰርሕ ዚገልጽ ሓበሬታን ተለፎን ቍጽሩን ክትረክብ ትኽእል።

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ንህጻናትን ንወለዶምን እተፈላለየ ንጥፈታት ኣለዋ። ንኣብነት፤ 'ኦፐት ሺርኪስ፡ በይቢካፈ። ኦርታጎርድስሺርካን እውን ናይ ህጽናት መደባት ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኣርቡጋ ሸውዓት መባእታ ኣብያተትምህርትን ሓደ ካልኣይ ደረጃን ኣሎ። ሓሙሽተ ካብተን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ማእከል ከተማ እየን። ሓንቲ መባእታ ቤትትምህርቲ ኣብታ ካብ ኣርቡጋ 12 ኪሎመትር ርሒቓ እትርከብ ዮትሉንዳ ኣሎ። ሓደ ከኣ ኣብታ ትሽዓተ ኪሎመትር ርሒቓ እትርከብ መድኦከር ይርከብ። ብዛዕባ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ኣርቡጋ፡ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ። እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ቫሳይምናስየት ይብሃል።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኣርቡጋ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓብይቲ ኣሎ። ንሱ ናይ ኮምቩክስን ኤስእፍኢን ስልጠና የቕርብ። ኣብቲ ሆግስኩለሰንትሩም፡ ኣብ ኣርቡጋ ኴንካ እትመሃረሉን ወይ ብርሑቕ እትመሃረሉን ዕድላት ኣሎ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ንሓደስቲ መጻእቲ ዝዓለመ ናይ ሕብረተሰብ ምልላይ ዚብል መደብ ኣለዎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኣርቡጋ ክልተ ማእከላት ጥዕናን ናይ ህጻናትን ኣደታትን ክሊኒካትን ኣለዋ። ከምኡውን ናይ ኮምዩንን ናይ ብሕትን ሕክምና ስኒ ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ሾፒን እዩ ዚርከብ። ኣብ ቨስተሮስ፡ ኦረብሩን ኤስኪልስቱናን እውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ናይ ኣርቡጋ ኮምዩን ናይ ትርጉም ሓገዝ ምስ ዝደሊ ካብቲ ናይ ቨስትማንስላንድ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት እዩ ዚጥቀም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ኣርቡጋ ምግያሽ ቀሊል እዩ። ናይ ኣርቡጋ ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መዓርፎ ኣብ ማእከል ከተማ እዩ ዚርከብ። እቲ ናይ መላርባናንን ስቨያላንድባናንን ንኣርቡጋ ስለ ዘገልግል፡ ካብ ኣርቦጋ ንሾፒን፡ ቨስተሮስ፡ ስቶክሆልም፡ ኤስኪልስቱና ኦረብሩን ዝኸዳ ባቡራት ብዙሓት እየን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቐት ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣሎ። ንኦረብሩ 40 ኪ/መ እዩ። ንኤስኪልስቱና 44 ኪ/መ፡ ንቨስተሮስ ድማ 52 ኪ/መ።