Surahammar

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ሱራሃማር፡ ኣብ ሕምብርቲ ኣውራጃ ሜላርዳለን፡ ካብ ከተማ ቬስተሮስ ንሰሜን ኣብ ናይ 10 ደቂቕ ርሕቀት ተደኲና ትርከብ። ብሕሱር ዝካረ ኣባይቲ ዝተፈላለየ ናይ ትርፊ ወይ ዕረፍቲ-ሰዓታት ኣዛናጋዒ መደባትን፡ ገለ ካብቲ ነቲ ቦታ ክትነብረሉ ከምርጸካ ዝኽእል ሰሓቢ ጸጋታት እዩ። ኣብዚ ከተማ’ዚ ዝነኣድ ኣብያተ-ትምህርታትን ማእከላት መውዓሊ-ህጻናትን ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ናብ ከተማ ሱራሃማር ክትግዕዙ ትሓስቡ ምስ እትህውሉ፡ ኣብዚ ከተማ ብርክት ዝበላ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ይርከባ። ብዜካታ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ (ሱራሃማሽሁስ) ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ። ዝርዝር ናይዘን ትካላት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ሱራሃማር ኣለኩም።

ሓደ ስድራ ኣብ ናይ ሓመድ መገዲ ይኸዱ ኣለዉ። ቀያሕቲ ገዛውቲ ኣብ ደንደስ ናይቲ መገዲ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ሱራሃማር፡ ብዜካ ቋንቋ ሽወደን፡ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታ እዞም ዝስዕቡ ይርከቡ፡- ፊንላንድ፡ ትግርኛ፡ ሶማለኛ፡ ዳሪ፡ ቋንቋ ኢራንን ራሻን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሱራሃማር፡ ሽወደናዊ ቤተ-ክርስትያን ከምኡ ውን ቤተ-ክርስትያን ፒንግስን፡ ኣለዉ። መስጊድ፡ ብቐረባ ኣብ ከተማ ቬስተሮስ ይርከብ። ኣብ ከተማ ቬስተሮስ ናይ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ቤተ-ክርስትያን ውን ኣሎ።

ኣብ ሱራሃማር ብርክት ዝበላ ንጡፋት ማሕበራት ይርከባ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ተወሳኺ ዝርዝር ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ሱራሃማር፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት (ቡቲካት)፡ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ እንዳ-ሻሂታትን ኣብያተ-መግብን፡ ኣለዋ። ሕሱር ንብረት ገዛ ክትገዝኡ ምስ እትደልዩ ውን፡ ዘገልገለ-ንብረት ዝሽየጠሉ ሎፒስ ዝተባህለ ድኳን ኣለኩም።

ቤት-ንባብ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሱራሃማር ትርከብ። ኣብዛ ቤት-ንባብ፡ መጻሕፍትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ መጽሄታትን ትረኽቡ። ናብ ቤት-ንባብ ኣብ እትዛወሩሉ እዋን፡ ኣብኡ ዝርከባ ኮምፒተራት ክትጥቀሙ ውን ትኽእሉ። ኣብታ ኣብቲ ቤት-ንባብ ዘለዎ ህንጻ እትርከብ ፎልከትስሁስ ሲነማ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ዝተፈላለየ ናይ ምርኢታትን ትያትሮን መደባት ይካየድ።

ናይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝምባሌ ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብዚ ከተማ ብርክት ዝበላ ኣብዚ መዳይ ዝነጥፋ ማሕበራት ይርከባ። መሐንበሲ ማእከል፡ ቤዳ ኩዕሶ፡ ሜዳ-ኣፍራስ፡ ህንጻታት ስፖርታዊ ንጥፈታትን ህንጻ ጸወታ በረድን፡ ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ይርከብ።

ኣብ ሱራሃማር፡ ቤት-ጽሕፈት ኣርበትስፎርመድሊንገን ኣሎ። ቤት-ጽሕፈታት በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተቨርከት) ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንካሳ)፡ ኣብታ 20 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ ከተማ ቬስትሮስ ይርከቡ።

ሓንቲ ጃልባ ብማእከል ሓደ መዕጸዊ መትረብ ኣብ ሓደ መትረብ ትሓልፍ ኣላ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ሱራሃማር፡ ብርክት ዝበላ መንግስታዊ ቤት-ትምርህቲ ወይ ውን መውዓሊ-ህጻናትን ሓንቲ ከኣ፡ ናይ ግልን ይርከባ። ንውላድኩም ናይ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ክወሃበኩም ምስ እትደልዩ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቐዲምኩም ከተመልክቱ ኣለኩም። ሓበሬታ ብዛዕባ መውዓሊ-ህጻናት፡ መመልከቲ-ቅጥዒ ካልእ ዝርዝራትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ብዜካ'ዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ፡ ኣብ ከተማ ሱራሃማር ሓንቲ ክፍቲ መውዓሊ-ህጻናት ኣላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት፡ ሱራሃማር፡ ራምኔስን ቪርስቡን ናይ መባእታዊ ደርጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣለዋ። ኩለን እዘን ንኡስ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ዘእንግዳ ቤት-ትምህርታት፡ ምስ መውዓሊ-ህጻናትን ካልእ መዘናግዒ ማእከል ህጻናትን ተዋሃሂደን ይሰርሓ።

ምምሕዳር ከተማ ሱራሃማር ምስ ምምሕዳር ከተማ ንካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ዝምልከት ዝኸተሞ ስምምዕ ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቶም ኣብ ሱራሃማር ዝቕመጡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ዝደልዩ ተማሃሮ፡ ኣብቲ ብከተማ ቬስተሮስ ዝወሃብ ሃገራዊ መደብ-ትምህርቲ ይኹን መእተዊ-መደብ፡ ልክዕ ከም ተቐማጦ ቬስተሮስ፡ ብማዕረ ናይ ምስታፍ መሰል ኣለዎም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ከተማ ሱራሃማር፡ ንሓደስቲ ስደተኛታት ዝወሃብ ናይ 60 ሰዓታት ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት መደብ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ይርከብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መረበብ-ሓበሬታ ክፍሊ ምውሃሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ብምእታው፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ ንትምህርቲ ቋንቋ ሽወደንን መደብ ትምርህቲ ንዓበይትን ዝምልከት ሓበሬታ ውን ክህበኩም ይኽእል። ምምሕዳር ከተማ ሱራሃማር ንትምርህቲ ዓበይቲ ብዝምልከት ምስ ከተማ ቬስተሮስ ዝበጽሖ ውዕላት ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ ተቐማጦ ከተማ ሱራሃማር ኣብቲ ብከተማ ቬስተሮስ ዝዳሎ ናይ ትምርህቲ ዕድላት ናይ ምስታፍ መሰል ኣለዎም።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ሱራሃማር፡ ፍሉይ ክፍሊ ህጻናትን ኣዴታትን ዘለዋ፡ መእከል-ጥዕና ወይ ሕክምና ኣላ። ብዜካ'ዚ መንግስታውን ግላውን ክሊኒካት ሕክምና-ስኒ ውን ኣብቲ ቦታ ይርከባ። ዝቐረበ ዓቢ ሕክምና ኣብ ከተማ ቬስተሮስ ይርከብ።

ኣብ ከተማ ቬተሮስ ክፍሊ ጥዕና ንሓደስትን ሓተቲ ዑቕባን ውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርክብ፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ሰራሕተኛታት ከተማ ሱራሃማር ተርጓሚ ክቆጽሩልኩም ይኽእሉ። እቶ ተርጎምቲ፡ ብትካል ቬስትማንላንድስ ኣገልግሎት ትርጉም ዝተባህለ ትካል፡ ዝተቆጽሩ እዮም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ከተማ ሱራሃማር ንምጉዕዓዝ ዝሕግዝ ስሉጥ ዝኾነ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣሎ። መውፈሪ ኣውቶቡሳትን ባቡራት ከተማ ሱራሃማር፡ ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ተደኲኑ ይረክብ።

በተን ብትካል በሪስሎገን ዝውነና ባቡራት ናብ ከተማ ቬስተሮስ ክትከዱ ካብኡ ውን ናብ ስቶክሆልም ክትቕጽሉ ትኽእሉ። ቀዳመ-ሰንበት፡ ካብ ሱራሃማር ናብ ስቶክሆልም ብቐጥታ ዝኸዳ ባቡራት ኣለዋ።

ብዜካ'ዚ፡ ናብ ቬስተሮስ ብኣውቶቡሳት ቪኤል ውን ክትከዱ ትኽእሉ። በተን ብመስመር-መጎዓዝያ ብሩክስ ዝፍለጠ ኣውቶቡሳት ከተማ ሱራሃማር ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ክሳብ ሃልስታሃማር ብነጻ ክትጎዓዙ ትኽእሉ።

ንሰዓታት ኣውቶቡሳት ከተማን እቲ ከባብን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከባቢታት ከተማ ሱራሃማር፡ ሰፊሕ ዕዳጋታት ስራሕ ዘለዎ ከተማታት ይርከብ። ንኣብነት፡ ቬስተሮስ፡ ሃልስታሃማር፡ ፋገሽታን ሾፒንን።