Skinnskatteberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሺንስካተበርይ ኮምዩን ክፋል በርይስላገን እዩ፡ ኣብ ቨስትማንላንድ ድማ ይርከብ። ኣብ ሺንስካተበርይ እተን ነኣሽቱ ቢዝነስ ንጡፋት እየን ኣህጉራዊ ፊናንሳዊ ዋኒን ድማ ኣብኡ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣለዎ። እቲ ኮምዩን ብናይ ተፈጥሮ ሃብትን ዱርን ቀላያትን በቲ ታሪኻዊ ናይ ሕርሻ ኣከባቢኡን ፍሉጥ እዩ። ኣብኡ ናይቲ ኮምዩን እንኮ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ፡ ስኪግስመስታርስኩላን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ስኪንስካተበርግ፡ ኣብ ገምገም ሓደ ባሕሪ ትርከብ።

መንበሪ-ገዛ

ናብ ሺንስካተበርይ ኮምዩን ክትግዕዝ ምስ እትደሊ ክትውከሶም ዘሎካ ብዙሓት ኣካረይቲ ኣባይቲ ኣለዉ። ኣብቲ ሺንስካተበርይ ኮምዩን ወብሳይት ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ ኮምዩን ዚርከቡ ኣካረይቲ ክትረክብ ትኽእል።

ክልተ ጻዕዳ መስኮትን ማዕጾን ዘለዎም ቀያሕቲ ገዛውቲ ኣብ ደንደስ ሓደ ናይ መኪና መገዲ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሺንስካተበርይ ኮምዩን ብዘይካ ሽወደን እዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዝረባ፤ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊን ፊንላንድን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሺንስካተበርይ ኮምዩን ኣማኢት ምዝጉባት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብኡ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ኩሎም ወጻእተኛታት ንስፖርትን ግዳማዊ ህይወትን ባህልን ብዚምልከት ግሩም መሕለፍ ግዜ ኣለዎም፡ ከምኡውን ንመጽናዕቲ ጉጅለ ብዚምልከት። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ኩለን እተን ንጡፋት ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ሺንስካተበርይ፡ ቤትንባብ፡ ኣደራሽ ባህሊ፡ ፋርማሲ፡ ግሮሰሪ፡ ናይ ስፖርት ድኳን፡ ናይ ዕምባባ ድኳን፡ ናይ መስተ ሞኖፖል፡ ኣብያተመግብን ካፈታትን ኣሎ። ኣብ ሪዳርሂታን ግሮሰሪ፡ ቤትመግብን ካፈን ኣሎ።

ሓደ ብዙሓት ናይ ሞቶር ጃላቡ ዝተዓሸጋሉ ድልድል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሺንስካተበርይ ግሩም ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣሎዋ። ዕጉባት ወለዲ፡ ንህጻናትን በጽሕታትን ዝዓለመ ግሩም ናይ ስራሕ ሃዋህው ኣሎ። ከምኡውን ካብቲ ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ለስንፕላን ውጽእ ዝበለ ምህሮ ነቲ ንጥፈት ብሉጽ ይገብሮ።

ኣብቲ ኮምዩን ሓሙሽተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎዋ። ክልተ ኣብ ከተማ ሺንስካተበርይ፡ ሓንቲ ኣብ ሪዳርሂታን፡ ሓንቲ ኣብ ፈርና፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋልቲ ኮምዩን - ኒሃምናር።

ናይ ስድራቤት ማእከል ስታከን ንወለድን ነቶም 0-6 ዝዕድመኦም ህጻናትን መራኸቢ ቦታ እዩ። ስታከን ነቶም ነኣሽቱ ደቂ ዘለዎም ወለዲ ክፋል ናይቲ መዓልታዊ ናብራ እዩ። ኣብኡ ብቐሊሉ ሓበሬታን ምኽርን ደገፍን ይርከብ። ኣብ ስታከን፡ ኣብ ሓደ ገዛ፡ እተፈላለያ ናይ ሞያ ዓይነታት ይተሓባበራ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

Klockarbergsskolan (F-9) ናብ ቀላይ ታሕታይ ቨተርን ዚጥምት ኮይኑ ኣብ ማእከል ሺንስካተበርይ ይርከብ። ኣብቲ ከባቢ ቤትትምህርቲ ናይ ዕረፍቲ ገዛ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽን ቤትንባብን ኣሎ። Kulturskolan Korpen ንኹሉ ዕድመኡ 20 ዓመት ዝኾነ፡ ዘይክፈሎ ባህላዊ ትምህርቲ ይህብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሺንስካተበርይ ኮምዩን እቲ Norra Västmanlands Utbildningsförbund (NVU) እዩ ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ነቲ ኮሙናዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርትን ነቲ ብርሑቕ ዚከናወን ናይ ኮለጅ ትምህርትን ዘመሓድሮ።

NVU ንበይኑ ወይ ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ኩሉ ዓይነት ትምህርትን መምርሕን ይህብ። ምስተን ናይ ቀረባ ኮምዩናትን ናይቲ ኮምዩን ማሕበራትን ከኣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ናይቲ ወረዳ ምዕቡል ምትሕብባር ኣሎዎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ከተማ፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣካላት ሕማም ክሊኒክ፡ ናይ መሕረሲ መቐበሊ፡ ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ማእከል ጥዕና ከምኡውን ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ፈየርስታ ይርከብ። ኣብ ቮስተሮስውን ሆስፒታል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሺንስካተበርይ ኮምዩናብ ማእከል ሽወደን ይርከብ። ኣብ ናይ 180 ኪ/መ ራድዩስ ኣስታት 4 ሚልዮን ህዝቢ ይቕመጥ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ቨስተሮስ ይርከብ። Västmanlands lokaltrafik ንኹሉ መስመራት ኣውቶቡሳት ይቆጻጸር። ሺንስካተበርይ ናይ ባቡር መነሃርያ ኣሎዎ። ናይ በርይስላገን ባቡር ነቲ ኣብ መንጎ የቭለን ሃልስበርይን ዘሎ መስመር ባቡር የገልግሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ገለ ካብተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ንምጥቃስ፤ Systemair, ናይ ሺንስካተበርይ ኮምዩን፡ Setragroup ከምኡውን Skogsmästarskolan (SLU).