Västerås

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ቨስተሮስ ኣብ መላረን ዝበሃል ዞባ ናይ ሽወደን እትርከብን ሓንቲ ካብተን ሃብታም ታሪኽ ዘልዋ ናይ ቀደም ከተማታት ሽወደን እያ። ከተማ ቨስተሮስ ኣብ ምስፍሕፋሕን ዕብየትን ትርከብ። ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ከተማ ኣስታት 147 000 ተቐማጦ ኣለዋ። ተክኒካዊ ትምርህታት ዘአንግድ ዩኒቨርስቲ። ንጡፍ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ጽዑቕ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ገለ ካብ መለለዪ ከተማ ቨስተሮስ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ማይን ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ኣካል ከተማ ቨስተሮስ እዩ። በሓሪ መላረን ነቲ ከተማ ነጻ ናይ ንፋስ ሃዋህው ይፈጥረሉ። ምሕንባስ፡ ምግፋፍ-ዓሳ፡ ምጅላብ፡ ምንሽርታት በረድን ካልእ ኣዘናጋዒ ንጥፈታት ገለ ካብ ዓኣመታዊ ጸጋታት ባሕሪ መላረን እዩ። እተን ኣብ ባሕሪ መላረን ዝርከባ ደሴታት ብመራኽብ ይኽየዳ። ከተማ ቨስተሮስ ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ ከተማታት ንዘወርቲ ብሽክለታ እያ። እታ ከተማ ኣስታት 37 ማይል ዝኸውን በሳጢ መንደዲታት ብሽክለታ ኣለዋ። እቲ ከተማ ናይ ገዛእ ርእሱ መዕረፊ-ነፈርቲ ሃልይዎ ብጅኦግራፊካዊ ኣቀማምጥኡ ኸኣ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ናይ ዓበይቲ ከተማታት ይርከብ። ካብቲ ከተማ ብቐረባ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት፡ ስቶክሆልም፡ ኦረብሩን ኡፕሳላን ይረከብአን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከም ቨስተሮስ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት፡ ዝተፈላለየ መንበሪ-ከባቢታትን፡ ቪላታት፡ ዝካረን ዝሽየጥብ ኣባይቲ ክህሉ ንቡር እዩ። ኣብ ቨስተሮስ ገዛ ክትካረዩ እትደልዩ ሰባት ብመጀመርያ ምስቲ ሚመር ተባሂሉ ዝፍለጥ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ ዝውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ምርኻብ ከድልየኩም እዩ። እዚ ትካል'ዚ ኣብ ማእከል ከተማ ቨስተሮስ ዝርከን ብጠቕላላ 11200 ኣባይቲ-ክራይ የመሓድር።

ትካል ክራይ-ኣባይቲ ቨስተሮስ ዝህነጽን ዝተሃንጸን መሬት ናይቲ ከተማ የመሓድር። ንሓደስቲ ገዛውቲ ናይ ምስራሕ ውጥናት ዝምልከት ከኣ፡ እኹል ሓበሬታ ኣለዎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ትካል ክራይ-ኣባይቲ ቨስተሮስ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ግላውያን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ካብቶም ኣስታት 147000 ዝኾኑ ነባሮ ከተማ ቨስተሮስ፡ 26000 ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ እዩም። ነቶም ካብ ከባቢ ሽወደን ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝመጹ ወጊንካ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ዙጽሪ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ካብ ዕራቕ፡ ኢራን፡ ሶማል፡ ቱርኪ፡ ቦስንያን ሀርዞጎቪንያን ዩጎስላቭያን ዝመጹ እዮም። ንናይ ስካንድናቭያ ቋንቋ ወጊንካ፡ እቶም ኣብ ከተማ ቨስተሮስ ብብዝሒ ዝዝረቡ ቋንቋታት ዓረበኛ፡ ስፓኛ፡ ሶራኒን ሶማልያን እዮም።

እቶም ቋንቋ ኣዲኦም ሽወደን ዘይኮነ ተመሃሮ፡ ናይ ቋንቋ-ኣደ ትምርህቲ ከም ዝወሃቡ ይግበር። ነዚ ዘመሓድር ከኣ፡ እቲ ብማእከል ክልተ ቋንቋነት ዝፈልጥ ትካል እዩ። እዚ ትካል'ዚ ንተመሃሮ መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ከይተረፈ ናይ ትምህርቲ ድጋፍን ምኽርን ኣብ ማሃብ ይነጥፍ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ቨስተሮስ ዝተፋላለያ ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነይ ማሕበር ባህላዊ ጉዳያት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ከምኡ ውን ማሕበር ጥሮተኛታት የጠቓልላ። ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ናይቲ ከተማ ዘገድሰኩም ማሕበር ንምድላይ ባዕልኹም ክትገናጽሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብዚ ከተማ'ዚ ብርክት ዝበላ ሽወደናውያንን ስካንድናቭያውያን ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ምትእስሳራትን ይርከባ። ኣብ ከተማ ቨስተሮስ እዘን ዝስዕባ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ምትእኽኻባትን ማሕበራትን ይርከባ፡

  • ቦስንያዊ ኢስላማዊ ምትእኽኻብን ባህላዊ ማእከልን
  • ሶርያዊ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን
  • ኢስላማዊ ባህላዊ ማእከል ቨስተሮስ
  • መስጊድ ቨስተሮስ
  • ኢስላማዊ ማእከል ቨስተሮስ
  • ካቶሊካዊ ሃይማኖታዊ ማሕበር ቮር ፍሩስ
  • ማርያ ፎሽ ካቶሊካዊ ሊበራላዊ ቤተ-ክርስትያን ቨስተሮስ
  • ሳልቫዶራዊ ርእሰ-ጳጳሳ ኦስካ ኦ ሮመሮ

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ማእከል ከተማ ቨስተሮስ ብሓደስቲ ዘመናዊ ህንጻታትን፡ ጥንታዊ ታሪኻዊ ህንጻታትን ዝወቀበ እዩ። ኣብ ማእከል ከተማ፡ ብርክት ዝበለ ድኳናትን ኣብያተ-መግቢ ይርከብ። ኣብ ጫፋት ናይቲ ከተማ ከኣ፡ ዓቢ ትካል ዕድጊ ንብረት ማለት ኢክያ ይርከብ። ቤት-ጽሕፍተ ዕዮ፡ ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነትን ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ማምሕዳር ከተማን ኣብ ማእከል ከተማ ተደኲኖም ይርከቡ። ምምሕዳር ከተማ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ቨስተሮስ ዝርከብ ኮይኑ ክትኣትዉ እንከለኹም ብቋንቋታት ፊንላንድ፡ ዓረብን ሶማልን ናይ ቋንቋ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብተወሳኺ ሌላ ምስ ሕብረተሰብን ናይ መጻኢ መገዲ ዝሕብርን ክፍሊ እውን ኣብ ቬስተሮስ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ከም ዝወሃቦም ይግበር። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይታ ከተማ፡ መውዓሊ-ህጻናት ይርከብ።

ክፉት ምወዓሊ-ህጻናት መራኸቢ-ማእከል ውለድን መላለዪ ማእከላት ህጻናትን ወልድን እዩ። ክፉት መውዓሊ-ህጻናት፡ ብምምሕዳራዊ ኣካል ማእከል ስድራ-ቤታት ዝእለ ኮይኑ፡ ምስ ማእከል መቀበሊ ሓካይም ኣዴታት፡ ጥዕናዊ ማእከል ህጻናት፡ ትምህርትን ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያትን ብምትሕባብር ይሰርሕ።

ሓደስቲ ስድተኛታት ህጻናት ናብ ትካል ኦሪጎ ድሕሪ ምምልካት እዮም ዝሰማምዖ መውዓሊ-ህጻናት ከም ዝምደበሎም ይግበር።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ቬስተሮስ፡ መንግስታውን ናይ ግሊ መባእታዊ ከምኡ ውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። ኩሎም ህጻናት ኣብ ኣዚለ ክፍሊ ድሕሪ ምጅማሮም ቀጺሎም ኣብቲ 9 ዓመታት ዝወስድ ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ይሳተፉ። ንመንሃሪ ቦታ ንህጻናት ብዝምልከት፡ ዝኾነ ህጻን ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ መንግስታዊ ቤት-ትምርህቲ ወትሩ ሕዙእ ቦታ ኣለዎ። ወለዲ፡ ቦታ ምስ ዝርከበብ፡ ንደቆም ዝደልይዎ ቤት-ትምርህቲ ማለት ናይ መንግስቲ ወይ ውን ናይ ግሊ ክኸውን ዝኽእል ቤት-ትምርህቲ፡ ክመርጹሎም መሰል ኣለዎም። እቶም ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓደስቲ ስደተኛታት ዝኾኑ ህጻናት፡ ናይ ትምርህቲ ቦታ ብትካል ኦሪጎ ይምደበሎም። እዚ ትካል'ዚ ህጻናት ወይ መንእሰያት ምስ ድሌታቶም ዝሳነ ቅኑዕ ናይ ምትህርቲ-መኣዲ ከም ዝቕረበሎምን፡ ዘድልዮም ሓገዝ ከምዝረኽቡን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ክመሃር ንዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ከተማ ቨስተሮስ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ኣማራጺታት ዕድላትን ኣሎ። ኣብዚ ከተማ'ዚ ካብ ዝርከቡ ትምህርታዊ ትካላት፡ ህዝባዊ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ፡ ዩኒቨርስቲ፡ ሞያዊ ዩኒቨርስቲን ፍሉይ መባእታውን ናይ ካልኣይ-ደርጃ ኣብያተ-ትምርህታትን ይርክብ። ፍሉይ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ነቶም ብሰንኪ ዝሕቱል ናይ ምምሃር ዓቕሞም መባእታዊ ትምርህቲ ክውድኡ ዘይክእሉ ተመሃሮ ዝዓለመ ቤት-ትምህቲ እዩ።

ማእከል ትምርህቲ ንኣባጽሕ ብወገኑ፡ ናይ ትምርህቲ ሓገዝን ዘዐውተኩም ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስትንን ልዕል ዝበለ ትምርህቲ ቋንቋን ንኽትመርጹን ዝድግፈኩም ትካል እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ከተማ ቨስተሮስ ብደረጃ ዞባ ምስ ዞባ ቨስትማንላንድ እያ እትጥርነፍ። እቲ ጥዕናዊ ክንክን ወይ ውን ምኽሪ ዝደሊ ሰብ ከኣ፡ ብቀጥታ ናብ ሕክምና ብጽሖት ክገብር ኣለዎ። ኣብ ከተማ ቨስተሮስ፡ ብዞባ ዝመሓደርን ናይ ግሊ ጥዕናዊ ማእከላት ይርከብ። ኣብ ጥዕናዊ ማእከላት፡ ዓበይቲ ሓካይም፡ ናይ ወረዳ ኣለይቲ ሓካይም፡ ሓካይም ኣዴታት፡ ሓኪም ህጻናት፡ ክኢላታት ኣካልት ዝኾኑ ሓካይምን ሓካይም ስነ-ኣእምሮን ይርከቡ። ናይ መንእሰያት ክፍሊ-ሕክምና ውን ብመንገዲ ጥዕናዊ ማእከል ኣቢልካ እዩ ክርከብ ዝኽእል።

ዞባዊ ሕክምና ቨስትማንላንድ፡ ኣብ ቨስተሮስ ዝርከብ ኮይኑ፡ ብቐዳምነት ንህጹጽ ጥዕናዊ ጸጋማት የስተኣናግድ። ማእከል ጥዕና ሓተቲ ዑቕባን ሓደስቲ ፍቓድ ዝወሰዱን ሰባት ከኣ፡ ንጥዕናዊ ሕቶታት ሓተቲ ዑቕባን ሓደስቲ መንበሪ-ፍቓድ ዝወሰዱን ሰባት የመእክል። እዚ ድሒሩ ዝተጠቕሰ ጥዕናዊ-ማእከል ሓደስቲ፡ ጥዕናዊ ዝርርብን፡ ሕክናዊ ብጽሖትን፡ ርክብ ምስ ሓኪምን፡ ድጋፋዊ ምኽሪ ካብ ክኢላ ስነ-ኣእምሮን ካልእን የስተኣናድግ። ድሕሪ ብጽሖት ውን ዝምልከቶም በጻሕቲ መድሃኒት ክእዘዘሎም ወይ ውን ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ሓካይም ክራኸቡን ዕድል ይፍጠረሎም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ትካል ኣገልግሎት ትርጉም ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድ፡ ብ 80 ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝትርጉሙ ኣስታት 300 ንጡፋት ተርጓሞ ጠርኒፉ ይርከብ። ሓኪም ወይ ውን ተወካሊ ናይ ዝኾነ መንግስታዊ ትካል፡ እቲ በጻሒ ወይ ተገልጋሊ ቋንቋ ሽወደን ዘይክእል ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ባዕሉ እዩ በቲ ዝምልከት ቋንቋ ተርጓሚ ናይ ምቍጻር ሓላፍነት ዝህልዎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣብ ከተማ ቨስተሮስ ዳርጋ ስሉጥ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ከተማ'ዚ 37 ማይል ዝንውሓቱ ናይ ብሽክለታ ሕዙሕ ጽርግያ ኣሎ። ከተማ ቨስተሮስ ሓንቲ ካብተን ዝበለጸት ብሽክለታ ክትዝውረላ ምችእቲ ዝኾነት ከተማ እያ። ካብ ማእከል ከተማ ቨስተሮስ ናብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ከተማን ካብኡ ወጻእን፡ ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ብቐሊሉ ክትጎዓዝ ትኽእል። መዕርፎ-ነፈርቲ ቨስተሮስ ውን እንተኾነ ካብ ማእከል ከተማ ብመኪና ናይ ደቓይቕ ጉዕዞ'ዩ ርሒቑ ዝርከብ። እተን ዳርጋ ጥብቕ-ጥብቕ ኢለን ዝጎዓዛ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ምስ ስራሕን ትምርህትን ዝተተሓሓዘ ኣብ ዞባ ቨስትማንላንድን መላርዳለርን ዝግበር ምንቕስቓስ ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ቨስተሮስ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ፡ ንኣብየተ-ትምርህታት፡ ማእከል መእለዪ-ኣረጋውያን ጎደናታትን መናፈሻታትን የመሓድርን የማእክልን። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቨስተሮስ ኣስታት 11000 ሰባት ተቆጺሮም ይሰርሑ። ኣብ ኢንዱስትርያዊ መዳይ ካብ ዝነጥፋ ዓበይቲ ፋብሪካታት፡ እቲ ኣብ መዳይ ተክኒካዊ ፍርያት ዝነጥፍ ትካል ኦ.ቢ.ቢ ኮይኑ፡ ኣስታት 4500 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ካልእ ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ ከም ኢካ፡ ዞባ ቬስትማንላንድ (ኣገልግሎት ሕክምና) ቨስትማንላንድን ትካል ቦምባርድየርን ወስቲንሃውስን ይርከብዎም።

ንስራሕ ምርካብ ብዝምልከት፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ቨስትሮስ ክተሓባበረኩም ይኽእል እዩ።