Kungsör

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ኩንግስኦር፡ ሓደ ካብቶም ነኣሽቱ ምምሕዳር ከተማታት ሽወደን ኮይኑ፡ ኣስታት 8000 ተቐማጦ ኣለዉዎ። ማእከል ከተማ ኩንግስኦር ኣብ ልዕል ዝበለ መሬት ዝተዶኮነ ኮይኑ፡ ዝተረፈ ካፋል ናይቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ናብቲ ለጠቕ ዝበለ ክፍላ መሬት ናብ ባሕሪ መላረይንን ፈለግ ኣርቡጋን ገጹ ይምጠጥ። ኣብ’ዚ ምምሕዳር ከባቢ’ዚ፡ ከም ጸጋ ንኡስ ስፍሓቱ፡ ዝደለኹሞ ነገራት ብቐረባ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። ንኣብነት ትምህርቲ፡ ማእከል ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ጫካ ወይ ውን በረኻ ኩሉ ብቐረባ ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ናብ ምምሕዳር ከተማ ኩንግስኦር ክትግዕዙ ምስ እትሓስቡ፡ ኣቐዲምኩም ከተዘራርብዎም እትኽእሉ ወነንቲ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ይርከቡ። ኣብቲ ከባቢ ዝዓበየት ትካል ክራይ-ኣባይቲ፡ እታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ከ-ኤፍ ኮይና፡ ብዜካ'ኣ ውን ብርክት ዝበላ ካልኦት ናይ ግሊ ትካላት ውን ኣለዋ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ዝርዝር ኣስማትን ናይተን ኣብዚ ቦታ፡ ዝካረ ኣባይቲ ዝውንና ትካላት፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብ ወሰናስኑ ኣግራብን ኣፓርትማታትን ዘለዎ ሓደ ጐደና።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ፡ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት (ሽወደን ወጊንካ)፡ ዓረበኛን ትግርኛን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩንግሳኦር፡ ቤት-ክርስትያን ሽወደን ካልእ ብርክት ዝበላ ነጻ ዝኾና ኣብያተ-ክርስትያናትን ይርከባ። መስጊድ ብቐረባ ኣብ ከተማ ቬስተሮስ ይርከብ። ኣብ'ዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ፡ ኣብ መዳያት ስፖርት፡ ትያትር፡ ስነ-ጠበብን ባህልን ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ንጡፋት ማሕበራት ይርከባ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ፡ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ እዘን ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኩንግስኦር ውሑዳት ዱኳናት፡ ክልተ ምግቢ ዝሸጣ ዱኳናትን ገለ እንዳ ቡንን ቤት መግብን ጥራይ ዘለዎ ሓደ ንእሽተይ ማእከል ከተማ ኣሎ። ክልተ ባንክን ሓደ ቤት መድሃኒትን እውን ኣሎ። ሕሱር ናይ ገዛ ኣቑሑትን ናይ ክሽነ ናውትን ክትገዝእ እንተ ደሊኻ ሓደ ናይ ካልኣይ ኢድ ዝጠዓመ (ሰከንድ ሃንድ) ዱኳን ኣሎ። ብተወሳኺ ጽቡቕ ካልኣይ ኢድ ዝጠዓመ ናይ ቈልዑ ክዳውንቲ ዝሸይጥ ዱኳን እውን ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ማእከል ዕዳጋ ካብ ኩንግስኦር ኣስታት 25 ኪሎመተር ርሒቑ ኣብ ኤስኪልስቱና እዩ ዘሎ። ኢከኣ (IKEA) ኣብተን ኣስታት ናይ 50-60 ኪሎመተር ርሕቀት ዝርከባ ከተማታት ቬስትሮስን ኦረብሩን ኣሎ።

ቤት-ንባብ ከተማ ኩንግስኦር፡ ኣብ ማእከል ከተማ ትርከብ። ኣብዛ ቤት-ንባብ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ መጻሕፍትን መጽሄታትን ኣለኩም። ናብዚ ቤት-ንባብ ኣብ እትዛወሩሉ ኣጋጣሚ፡ ነተን ኣብኡ ዝርከባ ኮምፕዩተራት እውን፡ ክትጥቀሙለን ትኽእሉ ኢኹም። ስፖርታዊ ንጥፈታት ምዝውታር ትፈትዉ እንተኾይንኩም ከኣ፡ ነዓኹም ዝኾና፡ ብርክት ዝበላ ማእከላት ስፖርታዊ ልምምድ፡ ኣለዋ። ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኩንግሳኦር፡ መሐንበሲ-ማእከል፡ ሜዳ-ኩዕሶ፡ ህንጻ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ከምኡ ውን ህንጻ ጸወታ-በረድን፡ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ብርክት ዝበላ ማእከል ኣካላዊ-ልምምድ፡ ልምምድ ምግላብ ኣፍራስን ከምኡ ውን ልምምድ ኣኽላባት ይርከብ።

ሓንቲ ክፍሊ ኣብ ሓደ ቤት ንባብ። ኣብ ኩርናዕ ናይቲ ክፍሊ ሓደ ሕብራዊ ሶፋ ኣሎ።

ቤት-ጽሕፈትመራኸብቲ ስራሕ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብ ከተማ ሾፒን ቤት ጽሕፈት ኣለዎም፣ ኣብኡ በዓል-መዚ ግብሪን (ስካተቨርከት) ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (ፎርሸክሪንካሳን) እውን ኣለዉ። ከተማ ሾፒን፡ ካብ ኩንግስኦር ኣስታት 13 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ኣብ ሾፒንግ ካብ ኩንግስኦር ዝሓሸ ወይ ዕብይ ዝበለ ዕዳጋ ኣለዋ። ንኣብነት ኣብ ሾፒን፡ ብዙሓት ቡቲካትን ድኳናት መዓልታዊ-ኣስዝቤዛን ይርከባ። ኣብ መንጎ ሾፒንንን ኩንግስኦርን ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ-ኣውቶቡሳት፡ ኣሎ። ናይ ርክብ ሓበሬታ ናይ ኣሃዱ ምውህሃድ ኣብ ሕበረተ-ሰብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይዚ ኮሙን ኣለኩም።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኩንግስኦር ብርክት ዝበላ መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። ወልዲ ከኣ፡ ንደቆም ደስ ዝበሎም መውዓሊ-ህጻናት (መንግስታዊ ወይ ውን ግላዊ) ክመርጹሎም፡ መሰል ኣለዎም። ንውላድኩም ናይ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ክወሃቦም ምስ እትደዩ፡ ብኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቀዲሙክም ከተመልክቱ ኣለኩም። ከተመልክቱ ምስ እትደልዩ፡ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ቅጥዒ መሊእኩም ናብ ክፍሊ ትምህርትን ህጻናትን ክትልእክዎ ኣለኩም። ሓበሬታ ብዛዕባ መውዓሊ-ህጻናት ከምኡ ውን ኣድራሽአን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣለኩም።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ኩንግስኦር፡ ካብ ኣዚለ ክፍሊ ከምኡ ውን 1ይ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ተመሃሮ ዝአንግዳ፡ 3 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። ብዜካ'ዚ ሓንቲ፡ ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ተመሃሮ እተአንግድ ቤት-ትምህርቲ ውን ኣላ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኩንግሳኦር ብዜካ እተን ብመንገስቲ ዝወነና ኣብያተ-ትምህርታት ናይ ግሊ የለዋን።

ኣብ ከተማ ኩንግስኦር፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ የላን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ምምሕዳር ከተማ ኩንግስኦር፡ ምስተን ኣብ ከተማታት ኣርቦጋ፡ ኤስኪልስቱና ከምኡ ውን ሾፒን ዝርከባ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ውዕል ክኸትም ዝተገደደ። ብመሰረት ናይዚ ዝተበጽሐ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ፡ ኣብ ከተማ ኩንግስኦር ዝቕመጡ ተምሃሮ፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት ከይዶም ንኽመሃሩ፡ ምስቶም ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ተምሃሮ፡ ማዕረ ዕድላት ምሰላትን ኣለዎም። ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣለኩም።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ኩንግስኦር፡ መድብ ትምህርቲ-ንዓበይቲ ኣሎ። ኣብ መእከል-ትምህርቲ ኩንስካፕስ-ፖርተን ንኣብነት፡ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ) ክትመሃሩ ትኽእሉ። ንትምህርትን ሞያን ዝምልከት መደባትኩም እንታይ ክትመሃሩ ትሓስቡን ንምቕጻል ትምህርትን ካልእን ዝምልከት ምኽሪ ዝህብኹም ካኢላታት ውን፡ ኣብዚ ትካል'ዚ ኣለዉ።

ዩኒቨርስቲታት ብቐረባ፡ ኣብ ኤስኪልስቱና፡ ቬስተሮስን ኦረብሩን ኣለኩም። ትምህርቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ብክፍሊ ምውህሃድ ሕብረት-ሰብ ኣብ ከተማ ኩንግሳኦር ይወሃብ።

ሓደ

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኩንግስኦር ሕክምና፡ ፍሉይ ክፍሊ ህጻናትን ኣዴታትን ይርከብ። ኣብ ተመሳሳሊ ህጽና ውን ህዝባዊ ክሊኒክ-ስኒ (ፎልክ-ታንድቮርደን) ኣሎ። ዓበይቲ ሆፕሲታላት ብቐረባ ኣብ ከተማ ሾፒንግ ኣለኩም። ኣብ ከተማታት ቬስተሮስ፡ ኦረብሩን ኤስኪልስቱና ወን ዓበይቲ ሆፕሲታላት ኣለዋ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ተቐማጦ ኣብ ዝግበር ክርኽባት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ምምሕዳር ከተማ ኩንግስኦር፡ ብትካል ትርጉም ኣውራጃ ቬስትማንላንድ ኣቢሉ፡ ተርጎምቲ ክቆጽር ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብታ ኣብ ማእከላይ ክፋል ዞባ ሜላርዳለን እትርከብ ከተማ ኩንጉስኦር፡ ናብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ንምኻድ፡ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንኣገልግሎት መጎዓዝያ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣለኩም።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምምሕዳር ከተማ ኩንግስኦር፡ ንእሽቶይ ከተማ ብምዃኑ መጠን፡ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት የብሉን። እቲ ዝዓበየ-ወሃቢ ስራሕ ኣብዚ ከባቢ'ዚ፡ ምምሕዳር ከተማ ኩንግስኦር ባዕሉ ኮይኑ፡ ካልኦት ነኣሽቱን ዓበይትን ኢንዱስትሪታትን ኣብዚ ከተማ'ዚ ኣለዋ። ከተማ ኩንግስኦር፡ ጥቓ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ስለዝርከብ ግን ናብተን ከተማታት ኬድካ ምስራሕ ይከኣል እዩ።

ህንጻ ኮሙን ኣብ ኩንግስኦር። ሓደ ብሩሕ ብጫ ናይ ላሜራ ናሕሲ ዘለዎ ህንጻ።