Borlänge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ቦርሌኘ ቁሩብ ልዕሊ 50 000 ጥዑማት ነበርቲ ይቕመጡ። ኣብዚ ኢከኣን (IKEA) እቲ ዓቢ ናይ ዕድጊ-ማእከል ኩፖለንን (Kupolen) ኣሎ። ቦርሌኘ ሓንቲ ዓቢ ናይ ሙዚቃ ውርሻ ዘለዋ ሕብረ-ባህላዊት ከተማ እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናብ ተፈጥሮ ቀረባ እዩ። ከምኡ'ውን ንምንቅስቓስ ኣካላትን ንኽንክን ጥዕና ዝግበር ጻዕርታትን ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን እቲ ማእከል ከተማ ሂወት ይገብርን መንእሰያት ኾነ ዓበይቲ ናብ ሙዚቀኛታት ዝጻወትሉ ኣብያተ መግብን ባራትን ይስሕብን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ቦርሌኘ ሓደ ቱናብይገን (Tunabyggen) ዝብሃል ገዛውቲ ዘካሪ ኮሙናላዊ ትካል ኣባይቲ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብ ናይዛ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቦም ትኽእል ብዙሓት ናይ ግሊ ትካል ኣባይቲ ኣሎዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ ጕጅለታት ብምኽንያት ካብን ናብን ምግዓዝ ክለዋወጥ ይኽእል እዩ። ሶማልኛ፣ ታይላንድኛ፣ ዓረብኛን ኩማንጂን ዝዛረቡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቦርሌኘ እቶም ዝዓበዩ ናይ ቋንቋ ግጕጅለታት እዮም። እንዳ በዝሑ ዝከዱ ዘለዉ ፋርስኛ፣ ቱርኽኛ፣ ኣልባንኛን ትግርኛን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ቦርሌኘ ብዙሓት ዝተፈላለየ ዕላማ ዘለወን ማሕበራት ኣሎዋ። ኣብቲ ናይዛ ኮሙን መዝገብ ማሕበራት፡ ባዕልኻ ነቲ ናትካ ዝንባለ ትሰማማዕ ማሕበር ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ቦርሌኘ፡ ቤት ንባብ ቦርሌኘ፣ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፣ ብዓል መዚ ግብሪ፣ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት፣ መእከል ምሕባርን (Vägledningscentrum) ትምህርቲ ናይ ኤስኤፍኢ፡ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታትን ኣሎ። ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ኣብ ሮዳ ቬገን 50 ይርከብ። ንሓደሽቲ ግዓዝቲ ሓበሬታ ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ትረክብ ኢካ።

ኢከኣ (IKEA) ናይ ቦርሌኘ ዝዓበየን ዝሓደሰን በብዓይነቱ ኣቑሑ ዝርከበሉ ዓቢ መሸጣ ቤት እዩ፡ ኣብ ኖራ ባካ ጥቓ ኩፖለንስ ሾፕሰንትሩም ድማ ይርከብ። ኣብ ኦሰልብይ ዝርከብ ታ ቲል ቫራ (Ta till vara) ዘገልገሉ ኣቑሑት ገዛ ይሸጡ።

ኣንሻሕሻሕቲ ኣብ በረድ ኣብ መንሻታትሒ ዓቀበት ንታሕቲ ገጾም ይወርዱ ኣሎዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣብ ናይ ጅይሳም (Gysam) መርበብ ሓበሬታ ሰብ ከመይ ገይሩ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝመርጽን እቶም ተምሃሮ ኣየኖት ኣንፈታትን ኣብያተ ትምህርትን ክቐርብሎም ከም ዝኽሉን ቀሊል ሓበሬታ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ብመገዲ 1177 - ቮርድጋይደን ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል፡ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ናይ ዞባ ዳላርና መርበብ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ እዋን ህጹጹ ጕዳይ፡ ብቝጽሪ ተለፎን 112 ናብ ናይ ህጹጹ ረድኤት ጻውዒት (SOS) ደውል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሽወደንኛ ዘይትዛረብ ወይ ዘይርድኣካ እንተ ኾይኑ፡ ምስ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ፣ ኮሙንን ኣገልግሎት ጥዕናን ክትራኸብ ከሎኻ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክግበረልካ መሰል ኣሎካ። እዚ ኣቐዲሙ እቲ ነቲ ጕዳይ ዚምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ወይ ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ይሕዝ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ቦርሌኘ ኮሙን ኣብ ምሉእ ኣዚ ኮሙን መዕረፍ ኣውቶቡስ ምስ ዘለዎ ናይ ዳላትራፊክ ኣውቶቡሳት ኢኻ ትጐዓዝ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ቦርሌንኘ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣሎዉ። ናይ ቦርሌኘ ኮሙን፣ ኤሴኤስኣበ (SSAB) ከምኡ'ውን ብዓል መዚ ትራፊክ ሰለስተ ካብቶም ብዙሓት ተቐመጥቲ ቦርሌንኘ ዝሰርሕሎም እዮም። ናይ ባዕልኻ ትካል ከተበግስ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይዚ ኮሙን ናይ ንግድን ኢንዱስትሪን ቤት ጽሕፈት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።