Mora

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሙራ ናይ ሰሜን ዳላርና ዞባዊት ማእከል እያ። እዛ ኮምዩን ጥቓ ናይ ሲልያ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ብሓምላይ ዱርን ሰማያዊ ኣኽራንን ብግሩም ተፈጥሮ ተኸቢባ ትርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ካብ መሓምበሲ ድልድል ምስ ዘንጸባርቕ ማይን ብድሕሪት እምባ ገሱንዳን (ገሱንዳበርገት)።

ኣብዚ ሃብታም ናይ ባህልን ስፖርትን ህይወት፡ ንጡፍ ናይ ንግዲ መንፈስን ንኹሉ ዚጥርንፍ ቀረብ ናይ ዕዳጋ ኣቕሑን ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብዚ ናብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ጎደቦ ከተማታትን ኣኽራናትን ጽቡቕ መራኸቢታት ኣሎ። ቱሪስት ነቲ ጽቡቕ ኣካባቢ ከስተማቕርዎ፡ ኣብቲ ካብ ዓለም ዝነውሐ ብቫሳሎፐት ዝፍለጥ ኣብ በረድ ናይ ምንሽርታት ቅድድም ንምስታፍ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ብስም እቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ውሩይ ዝኾነ ስነ-ጥበበኛ ኣንደሽ ዞርን እተሰምየ ቤተ መዘክር ዞርን ንምብጻሕ ምሉእ ዓመት ናብ ሙራ ይመጹ። ኣብ ሙራ ያታ፡ ምሕዝነትን ናይ ንቕድሚት ምስጓም መንፈስን ኣሎ። ናይ ሙራ ኮምዩን ራኢ፡ ሰባት ሞያዊ ስራሕ ምስ ንጡፍን ጥዑይን ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎን ህይወት ንምሕዋስ ዚውሕዙላ፡ ሓንቲ ናይ ዘመናዊ ኣነበብራ ኣብ ሓደ ሓቀኛ ኣካባቢ ዕድል ትህብ ብቐጻሊ ትሰፍሕ ዞባዊት ከተማ ንምፍጣር እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሙራ ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ባዕሉ ገዛ፡ ኣብ ኮምዶሚንዩም ወይ ኣፓርትማ ኪነብር ይኽእል። ኣብ ከተማ ሙራ 12,000 ሰባት ይነብሩ። 8000 ኣብ ነኣሽቱ ቁሸታት ይነብሩ። ኣብኡ ግሩም ዝኾነ ገጠራዊ መነበሪ ኣባይቲ ኣሎ።

እቲ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ Morastrand AB ይብሃል። ኣብቲ ናቱ ወብሳይት ብዛዕባ ጥርሑ መንበሪ ኣባይቲ ሓበሬታ ኣሎ። ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣባይቲውን ኣለዋ፤ Diös AB, Bo bra ከምኡውን Nils Skoglund AB.

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሙራ ኮምዩን ካብ ኩሉ ክፍልታት ዓለም ዝመጸ እተፈላለየ ቋንቋታት ኣሎ፡ ንኣብነት ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ፋርስ፡ ታይላንን ቱርክን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሙራ ኮምዩን ሃብታም ማሕበራዊ ናብራ ኣሎ። ናይ ስፖርት፡ ናይ መጽናዕቲ፡ ናይ ዘይመንግስታውን ባህላንውን ማሕበራት፡ እተፈላለየ ንጥፈታትን ተሳትፎነትን መራኸቢ ቦታታትን ኣለወን። ብዛዕባአን ነቲ ናይ ሙራ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ተወከስ።

ሰፊሕን ጠርናፍን ማሕበራዊ ህይወት ንሙራ ክትምዕብልን ንተቐማጦ ድማ ምሽእቲ ንኽትከውንን ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ናይ ሙራ ኮምዩን ብእተፈላለየ መገዲ ንማሕበራዊ ህይወት ዚሕግዝ፡ ንኣብነት ብእተፈላለየ ፊናንስያዊ ሓገዝን ብእተደጎመ ቀረጽ ክራይን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልግሎትን ድኳናትን

ኣብ ማእከላይ ስፍራ ሙራ፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ምስ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት/መድሕን፡ ባንክታት፡ መደበር ፖሊስ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት ከምኡውን ካፈታትን ድኳናትን ከም ንኣብነት ሊድልን፡ ኢካን ሱፐርማርከት፡ ናይ ቀዪሕ መስቀል ሰከንድሃንድ ቡቲክ ኩፓን፡ ዘለወን ነኣሽቱ ጎደናታት ይርከብ።

ብምዕራብ ወገን፡ ናይ ኖረት ዕዳጋ ምስ ዊሊስን ኢካ ማክሲ ከምኡውን Dollar Store, Ö&B, Biltema, El-Giganten, Intersport, Jula, Mio ኣቕሑ ገዛ ወዘተ ይርከብ። ብሰሜን ናብ ኣልቭዳለን ዚወስድ ድማ Tuvan፡ ናይ ኣቅሑ ገዛ መሸጢ Jysk ከምኡውንEuropamöbler፡ናይ ሰከንድሃንድ ቡቲክ Återbruket. ይርከብ።

ባህሊ፡ ዕረፍቲ ግዜን መዘናግዕን

ኣብ ማእከል ሙራ፡ ቤትንባብ፡ ባህላዊ ኣደራሽን ሲነማን ኣሎ። ኣብኡ ናይ ቫሳሎፐትን ዞርን ቤተመዘክር ኣሎ። ካብ ሙራ ወጻኢ ኣብ ቁሸት ኑስናስ ናይ ኢደጥበብ ባህሊ ኣሎ፡ ኣብኡ ናይ ዳላ ናይ ፈረስ ቅርጺ ይስራሕ፡ ንሱ ከኣ ናይ ዳላርናን ሽወደንን ኣርማ ኮይኑ የገልግል። ኣብ ሙራ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ስፖርት መሳለጥያታትን መሐምበስን ኣሎ። ኣብኡ ናይ እግሪ ዙረት መገድን ካልእ ደጋዊ ንጥፈታትን ኣሎ።

ብዙሕ ሜተር ብራኸ ዘለዎ ቀይሕ ፈርሰ ዳላ (ዳላሄስት) ኣብ ደገ፡ ማይ ብድሕረ-መሬት ዘለዎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሙራ ኮምዩን 17 ኮሙናውያንን 11 ብሕታውያንን ኣብያትትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን ን1-5 ዝዕድመኦም 6 መውዓሊ ስድራቤት (ሓንቲ ብሕታዊት) ይርከብ። ኣብኡ ን6-13 ዝዕድመኦም መእለዪ ዚኸውን (ኣብ ቀውዓዊ ሰመሰተር እቲ ህጻን 13 ዓመት ምስ መልአ) 13 ናይ ዕረፍቲ ኣባይቲ ኣሎ። ብዛዕባ ነፍስወከፍ ቤትትምህርቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ርክብ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ተመልከት።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ 13 ኣሃዱታት ተወጊነን ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይቲ ኮምዩን ተኻፋፊለን ኣለዋ። ዝበዝሓ ኣብ ቁሸት እየን፡ ካብ 20 ክሳዕ 200 ተመሃሮ ድማ ኣለዉወን። ኣብታ ዓባይ ከተማ ግን እቲ ቍጽሪ ክሳዕ 600 ይድይብ።

ናይ ሙራ መባእታ ቤትትምህርቲ ንናይ ተመሃሮ ናይ ሽቶ ምውቃዕ ብዚምልከት ግሩም ውጽኢት የርኢ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከኣ 93% ተምሃሮ ናብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ሃገራዊ ፕሮግራም ብጽቡቕ ሓሊፎም። ብዛዕባ ኩለን ኣብያተትምህርቲ ናይቲ ኮምዩን፡ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ።

ኣብ ሙራ፣ ሙራ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚብሃል ቤት ትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ናይ ሞያ ምድላውን ናይ ኮለጅ ስልጠናን ይህብ። ካብ ኩሉ ሃገር ሽወደን ተመሃሮ ዚስሕብ ናይ ስፖርት ትምህርቲውን ኣለዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ናብ ሙራ ዝመጹ ኣባጽሕ፡ ኣብ ናይ ሙራ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኮሙናላዊ ናይ ኣባጽሕ ቤት ትምህርቲ (Komvux)፡ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታትን (SFI) ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕን (särvux) )ክምሃሩ ይኽእሉ። ከምኡ'ውን ምስ ዳላቩክስ ብምትሕብባር ንሓደሽቲ መጻእቲ ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተ-ሰብ ኣለና።. ናይ ሙራ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ስከርዮል (Skeriol)፡ ሓደ ኣማራጺ ኣብ ክንዲ እቲ ኮሙናላዊ ትምህርቲ ኣባጽሕ እዩ። ኣብኡ መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ሽወደንኛ ንሓደሽቲ መጻእቲን ካልኦት ኮርሳትን ትምህርትታትን ኣለዎም።

ኣብ ፋሉን/ቦርለኘ፡ ፍሉይ ኮርሳት ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሓደሽቲ መጽእቲ፡ ከምኡ'ውን ቀረብ ናይ ሰፊሕ መደብ ትምህርትታትን ካልኦት ኮርሳትን ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ ዳላና ኣሎ። ብመንገዲ ናይ ሙራ ሆግስኩለሰንትሩም፡ ኣብ ሙራ ናይ ምቕማጥን ብርሑቕ ናይ ምምሃርን ዕድላት እውን ኣሎ። ናይ ሙራ ሆግስኩለሰንትሩም ምስ ብዙሓት ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ኣለዎ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ብዙሕ ትምህርቲ ፕሮግራማትን ኮርሳትን ዕድል ክህብ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ሙራ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሓደ ካብተን ክልተ ናይቲ ወረዳ ሆስፒታላት እዩ። ኣብኡ እተፈላለየ ናይ ስፐሻሊስት ክንክንን ናይ ህጹጽ ረድኤትን ማእከል ጥዕናን ናይ ህጻናትን ኣደታትን ክሊኒካት፡ ህዝባዊ ሕክምና ስንን ፋርማስን ኣሎ። ኣብ ሙራ ሰንትሩምውን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ፡ ፋርማሲ ከምውን ብሕታዊ ናይ ስኒ ሕክምና ክሊኒክ ኣሎ።

መእተዊ ናብ ናይ ሙራ ሆስፒታል። እቲ ህንጻ ኣርባዕተ ደርቢ ዘለዎን ጻዕዳን እዩ። ብቕድሚት ሓደ ልሙዕ ገረብ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ክንረዳዳእ እንተ ደኣ ኴንና ተርጓማይ ኪህልወና ኣገዳሲ እዩ። እዚ ከኣ ምስ ቤትትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ ወይ ካልእ ትካላትን ናይ ኮምዩን ሰበሰልጣን ኣብ እንራኸበሉ እዋን ይኸውን። ዝብዝሐ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ብተለፎን እዩ ዚካየድ። ምስ ተርጓማይ ቆጸራ ምግባር ድማ ናይቲ ትካል ወይ ውድብ ሓላፍነት እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሙራ ማእከል ነቝጣ ዳላርና እያ፡ ምስ ካልኦት ክፍልታት ሃገር ድማ ናይ መኪናን ኣውቶቡስን ባቡርን ነፈርትን ግሩም መራኸቢታት ኣለዋ። Dalatrafik ነቲ ናይቲ ከባብን ዞባውን መስመራት ኣውቶቡስን ባቡርን የመሓድሮ። ኣብቲ ወብሳይት ብዛዕባ ናይ ኩሉ ገጠራትን ከተማታትን ሰሌዳ ሰዓታት ኣሎ።

ባቡር ናይ ቶግኮምፓንየት ኣብ ጥቓ መድረኽ ባቡር ደው ኢላ፣ ናይ ክረምቲ ክዳን ዝተኸድኑ ቈልዑን ዓበይቲ ሰባትን ድማ ይድይቡን ይወርዱን ኣለዉ።

ካብቲ ወረዳ ወጻኢ ዚወሃብ ኣገልግሎት ባቡር ብ SJከምኡውን ብ Tåg i Bergslagen. እዩ ዚካየድ። ሓያሎ ናይ ኣውቶቡስ ትካላት፡ ከም Swebus ን Masexpressen​ን ካብ ሙራ ናብ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ይህባ። ኣብ ሙራ Mora/Siljan መዓርፎ ነፈርቲ ይርከብ። ካብኡ ንኣርላንዳ ብኣየር መገዲ 50 ደቓይቕ እዩ።

ሓንቲ ብዓል ክልተ ሞቶር ነፋሪት ኣብ ቅድሚት፡ ብድሕሪት ድማ ሰፈር ነፈርትን መጸበዪ ኣዳራሽን ዘለዎ ናይ ሙራ/ሲልያ መዕርፎ ነፈርቲ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሙራ እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ፡ ናይ ሙራ ኮምዩንን (ኣስታት 1800 ሰራሕተኛታት) ናይ ዳላርና ዞባን እዮም። እተን ሰለስተ ዓበይቲ ብሕታውያን ኢንዱስትሪ፡ ናይ ምስናዕ ኢንዱስትሪን ናይ ቱሪዝምን ናይ ንግድን እየን። ብዛዕባ ናይ ሙራ ኢንዱስትሪን ንግድን ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ብዝያዳ ኣንብብ። ውልቃዊ ዋኒን ክትጅምር ንእትደሊ፡ ብመገዲቲ ኮምዩን ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ሙራ ብዙሓት ተቐማጦ ኣብ ካልእ ቦታታት ሰሪሖም ይምለሱ። ግሩም ናይ ጕዕዞ መስመራት ብምህላዉ፡ እቶም ኣብ ሙራ ዚቕመጡ ኣብዘን ከም ኣብነት ተጠቒሰን ዘለዋ ዚስዕባ ከተማታት እናሰርሑ ኣብ ሙራ ኪቕመጡ ይኽእሉ እዮም፤ ረትቪክ፡ ኡርሻ፡ ኣልቭዳለን፡ ለክሳንድ፡ ቡርለንገ፡ ፋሉን፡ ማሉንግ፡ ሳለንን ቫንስብሩን።