Lycksele

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሊክሰለ ፡ ኣብ ላፕላንድ እትርከብ ከተማ ፡ ንነዊሕ ዘመናት ናይ ላፕላንድ ሕምብርቲ እያ ነይራ። ዱር ኣብ ቀረባ፡ ናይ ሓቂ ክረምቲ፡ ብርሃን ዝመልኦ ሓጋይን ምስ ብጻይካ ግዜ ምህላውን ንናብራ ደስ ዘብል ይገብሮ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብናይ ጐደና መብራህቲ ዝበርሃን ብነጀው ሸነኽ ዘንጸባርቕ ማይ ዘለዎን ናይ ሊክሰለ ናይ ምሸት ስእሊ።

ኣብዚ ደረጃ ህይወት ልዑል እዩ፡ ዋኒናትና ድማ ዚድንፍዕ ቁጠባ ይፈጥራ። እናወሰኸ ዝኸይድ ጠለብ ሓይሊ ሰብን እምነት ኣብ መጻኢ ዕድል ስለ ዘሎንና ንኣኻ ንጽበ ኣሎና!

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኮሙናላዊ ትካል ሊክሰለ ቡስቴደር ኣበ (LYBO)፡ ኣብ ሊክሰለ እቲ ዝዓበየ ክራይ ኣባይቲ ዘመሓድርን ዘራኽብን ትካል እዩ። LYBO ኣስታት 1340 ክራይ ኣባይቲ ይውንንን የመሓድርን። ኣብ ናቶም ሪጋ ክትኣቱ እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ኣባይቶም ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብን ሕጂ ናጻ ዘለዉ ኣባይቲ ንምርኣይን ኣብ ናይ LYBO መርበብ ሓበሬታ ክትገብሮ ትኽእል ኢካ።

ኣብ ሊክሰለ ብዙሓት ብሕታውያን ወነንቲ መሬትን ኣባይትን ኣለዉ። ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ብዚምልከት እቲ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ መንበሪ ንኺረኽቡ ይሕግዞም።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሊክሰለ ኮምዩን ካብ ጥንቲ መቐበሊ ስደተኛታት ስለ ዝነበሮ ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ቋንቋ ይዝረብ። ካብኡ ንምጥቃስ፤ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮሞ፡ ሶማሊ፡ ታይላንድ፡ ዳሪ፡ ክሪዮ፡ ዲንካ፡ ሊንጋላ፡ ፈረንሳ፡ ሳሚስካን ስዋሂሊን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ሊክሰለ ምስተን ኣስታት 245 ማሕበራታ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣለዋ። እተን ማሕበራት ዓመታዊ ፍጻመታት፡ ውድድርን ንጥፈታትን የካዪዳ። ኣብ ሊክሰለ ብዙሓት ኣብያተክርስትያንን ሃይማኖታውያን ሕብረትን ማሕበራትን ኣለዋ፡ ካባታተን ገለ ንምጥቃስ፡ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን፡ ፐንተኮስት ቤትክርስትያን፡ ሚስዮናዊት ቤትክርስትያን፡ ጀሆቫ ዊትነስ፡ ክሪስቲ ሙደርስ ካቶሊካዊት ማሕበርን ናይ ሊክሰለ እስላማዊ ማሕበርን። ካልኦት ውድባት ከኣ፡ ቀዪሕ መስቀል ሊክሰለን መድቦርያርስኩላን ሊክሰለን እየን። ብዙሓት ማሕበራት ኣብቲ ናይ ማሕበራት ደብተር ክትረኽበን ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሊክሰለ ዓይነታት ድኳናትን ኣገልግሎትን ብዙሕ እዩ። ናይ ክዳውንትን መግብን ሳእንን ኣቕሑ ገዛን ኤለክትሪክን ድኳናት፡ ከምኡውን ሓደ ናይ ወጻእተኛታ ቡቲክ፡ ሰለስተ ሰከንድሃንድ ቡቲክ፡ ፋርማሲ፡ ሆተል፡ ኣብያተመግቢ፡ ባንክ፡ ፓስቲቸርያን ካፈታትን ወዘተ ኣሎ።

ምውጣሕ ኣጋሰስ (ቁንጹብ ፈረስ) ዘለዎ መዓልቲ ዕዳጋ ኣብ ሊክሰለ። ሓደ ጕጅለ ጡረተኛታት ኣብ ጽሓይ ኣብ መናብር ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ብድሕሪት ሓደ ዓቢ ቀይሕ ናይ ዕንጨቲ ህንጻ ኣሎ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈ መድህን፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ቤትፖስታን ኣሎ። ኣብቲ ከተማ ድማ ናይ ሊክስለ ስፍራ ኣራዊት፡ ኣንሲያባድፓርክ፡ ቤትንባብ፡ መሐምበሲ፡ ጂም፡ መዕረፊ ቦታ፡ ቦውሊን፡ ሲነማ፡ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና ወዘተ ኣሎ።

ዱኳናትን ዝተረበበ ዕምባታትን ዘለዎ መገዲ ኣጋር። ብዙሓት ሰባት ብእግሮም ይኸዱ ኣለዉ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መገዲ ድማ ሓደ ናይ ዘንጊ መንፈቕ-ክረምቲ ተተኺሉ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሊክሰለ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክንክን ህጻናት የቕርብ። ሓደስቲ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ከፊትና ኣሎና። ሓደ ንጠለብ ክንክን ህጻናት ንምሽፋን ምሸትን ቀዳመሰንበትን ክፉት ዝኾነ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ትምህርታዊ ክንክን እውን ኣሎ (ናይ ስድራቤት መዕረፊ)፡ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት እውን ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሊክሰለ ኮምዩን ዓሰርተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ፡ ፍሉይ ቤትትምህርቲን ናይ ቋንቋ ክላስን ይርከብ። ናይ ታንበርይስኩላን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንመንእሰያትን ዓበይትን እተፈላለየ ዓይነት ስልጠናታት የቕርብ። ብዘይካ 16 ሃገራዊ መደባት ከምዚ ዚስዕብ ይርከብ፤ ሆኪን ኩዕሶእግርን ዪምናስዩም፡ ዪምናስየሰርስስኩላን ትምህርቲ ንዓበይትን። ኣብ ሊክሰለ ነቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዚድምድም ካልኣይ ዕድል ቤትትምህርቲ ዚብሃል ኣሎና።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብመጠን ስፍሓታ ሊክሰለ ምስ ኣስታት 900 ትካላት ጻዕቂ ዋኒናት ዘለዋ ኮሙን እያ። ናይ ውልቅኻ ዋኒን ክትከፍት እንተ ደሊኻ፡ ምስ ኮምዩን ርክብ ጌርካ ምስ ኣማዕባሊ ኢንዱስትሪን ንግድን ንኽትራከብ ሕተት። ሊከሰለ ኮምዩን፡ ዞባ ቨስተርቦተን፡ ናይ ክሪስቲነበርይ ዕደና፡ ቦሊደን ሚነራል፡ ሆተል ላፕላንድ፡ ኢካ ሱፐርማርከት፡ ኩፕ፡ ሀድሉንዳ ኢንዱስትሪን ተክሱርን እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ እዮም። ከምኡ'ውን ንቱሪዝም ዚምልከት ኣብ ከተማን ገጠርን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉና።