Robertsfors

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብ ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። ንሕና ብሮበርትፎሽ ሕቡናት ኢና። ንምንታይ’ከ ዘይንኾርዕ? ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታት ሾለፍትዮን ኡምዮን ንርከብ ምዃና ንባዕሉ ዓቢ ጅኦግራፊካዊ ጸጋ’ዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሃብታም ተፈጥሮ፡ ውዕዉዕ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣብ መዳያት ስፖርት፡ ባህሊ፡ ሙዚቃን ካልእን፡ ምምሕዳር ከተማና ነቶም 6800 ዝኾኑ ተቐማጦ ዘአንግዶም ጸጋታት እዩ። ሮበርትፎሽ፡ ካብቶም ኣብ ሽወደን ክትነብረሎም ምቹኣት ዝኾኑ ከተማታት ኮይኑ ንነዊሕ ግዜ ንመዝገብ ዝና ካብ ዝበሓቱ ከተማ እዩ።

ቈልዑ ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ካብ ሓደ ድልድል እንዳ ሓንበሱ ዘርኢ ልቢ ዝሰርቕ ስእሊ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሮበርትፎሽ፡ ብርክት ዝበለ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ዕድላት ኣሎ። ኣብዚ ከባቢ'ዚ፡ ዝካረ፡ ዝግዛእ ቪላታትን ባዶ መሬትን ካልእን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ሮበርትፎስቡስተደር ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ ዝውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ኮይኑ ኣብቲ ቦታ ኣስታት 246 መንበሪ-ኣባይቲ ይውንን። እዚ ኣባይቲ'ዚ ኣብ ከባቢታት ቢግደዮ፡ ሮበርትፎሽን ኦነሰትን ይርከብ።

ብዜካ'ዚ፡ ኣብ ሮበርትፎሽ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ይርከባ።

ሓደ ሰማያውን ጻዕዳን ሽራጥ ዘለዎ ሃለለ ኣብ መንጎ ክልተ ቤቱላ ተሰቒሉ ኣሎ። ብድሕሪት ማይን ሓደ ናይ ብሽኽለታ መንገድን ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ምምሕዳር ከባቢ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ እንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይ፡ ጀርመን፡ ቼክ፡ ሲንሃሊ፡ ዓረበኛ፡ ባንግላደሽ፡ ዳሪ፡ ራሻ፡ ሶማለኛን ትግርኛን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ 6800 ነባሮ ዘለዎ ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ፡ ኣስታት 140 ምዝጉባት ማሕበራት ይርከባ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ማሕበራዊ ህወት ናይ'ዚ ከባቢ፡ ኣዝዩ ንጡፍ ወይ ልዕሊ ንቡር እዩ ክበሃል ይከኣል። ከም መርኣያ ናይ'ዚ ከኣ፡ ምምሕዳር ከተማ፡ ንተቐማጦ ዘአንግዶ ብርክት ማሕበራዊ ንጥፈታት ይርከብ። እዚ ንጥፈታት'ዚ፡ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ከባብያዊ ንጥፈታት ከምኡ ውን ማሕበራዊ-ምኽርታት ዝማእከሉ ንጥፈታት ዝድህስስ ይርከቦ።

ብኽልተ ፕያኖ ትጻወትን ከበሮ ትሃርምን ኣንስትን ክልተ ናይ ኤልክትሪክ ጊታርን ባዝን ዝጻወቱ ሰብኡትን ዝቖመት ሓንቲ ናይ ፖፕ ጕጅለ ምርኢት ተርኢ ኣላ።

ኣብ ሮበርትፎሽ፡ ምስ ሽወደናዊ ቤተ-ክርስትያን ምትእስሳር ዘለወን ብርክት ዝበላ ሰበኻታትን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን ውን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማኣከል ከተማ ሮበርትፎሽ፡ ድኳናት መዓልታዊ ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ ድኳናትት ክዳውንቲ፡ ድኳናት ኣቍሑ ገዛ፡ ድኳናት ኤለክትሮኒክ፡ ድኳናት ስፖርታዊ ነገራት፡ ፋርማሲ፡ ባንኪ፡ ቤት-ንባብ፡ ኣብያተ-መግቢ ከምኡ ውን እንዳ-ሻሂታት፡ ይርከብ። ብዜካ'ዚ እዞም ዝስዕቡ ማእከላት ወይ ኣብያተ-ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ንኣብነት ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊን)፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ከማኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ውን ኣብ ማእከል ከተማ ተደኲኖም ይርከቡ።

ሓደ ብዙሕ ናይ መጻሕፍቲ ከብሒ ዘለዎ ብርህውን ነፋሻን ቤት ንባብ፡ ኣብቲ ናይ ቈልዑ ኩርናዕ ሓደ ኮፍ መበሊ ቦታን ኣብ ናሕሲ ድማ ባላንችና ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኡምዮ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ክትረኽብዎ እትኽእሉ ኣገልግሎታት፡ ብቐሊሉ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ንኣብነት በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተቨርከት)፡ ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪን-ካሳ) ክመኡ ውን ውን ቤት-ጽሕፈት በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ሓባራዊ መርበብ-ሓበሬታ ኡምዮን ከባቢኡን ብምእታው፡ ዝርዝር መደባት ናይቲ ዞባ፡ ባህላዊ ሓበሬታ፡ ካርታን ካልእ ከገድሰኩም ዝኽእል ንጥፈታትን ብዝርዝር ክትራዩ ትኽእሉ።

ህቡብ ናይ ስድራ ሓጐስ - ፈነወ ከብቲ። ድሕሪ ሓጋይ ከብቲ ክፍነዋ ከለዋ። ብዙሓት ተዓዘብቲ እተን ከብቲ ብታሕጓስ ክዕንድራ ከለዋ ክዕዘቡ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ፡ ነቲ ንቆልዑ ዝግበር ኣገልግሎታት መውዓሊ-ቦታን ክንክንን ዝበለጸ ንምግባሩ ሓያል ጻዕርትታ ኣብ ምግባር ወትሩ ምስ ተጸምደ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዝዕድሚኣኦም ህጻናት ዝእንግዳ 15 ማእከል ህጻናት ይርከባ። እዘን ማእከላት። መውዓሊ-ህጻናትን ማእከል ማሕበር ወለድን ይክረብአን። እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ክሳብ 12 ዝርከቡ ህጻናት፡ ቅድሚ ትምርህትን ድሕሪ ትምርህትን ዝዘናግዕሉ መጽንሖ ቦታታት ውን ኣለዎም።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ 5 ናይ መባእታዊ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ይርከባ። ተመሃሮ እኹልን ብሱልን ፍልጠት ንኽቐስሙ ካብ ዝብል እምንቶ ብምብጋስ፡ ሓላፍነትን ተበግሶታት ምውሳድን። መለለዪ ትምህርታዊ ኣገልግሎታት ከተማ ሮበትስፎሽ እዩ። ኣውንታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ድማ ዕድላት ካብ ዕንቕፋታት ይበዝሕ ዝብል ርዳኢት፡ ነብሰ-ምትእምማን ዘዕቢ ብምዃኑ፡ ብዓቕምኻ ወይ ውን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳባት ሽግራት ክትፈትሕ ይገብረካ። ተሳትፎን ግሉጽነትን ምስ ናይ ምምሃርን ድሌትን ተበላሓትነት ተደሚሩ መሪሕ ኮምፓስ ትምህርታዊ ዕላማታትና እዩ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይትን ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ብማእከል-ትምህርቲ ላር-ሰንትሩም ይእለ። መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ድሕሪ ምጥንቓቕኩም፡ ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝብል፡ ልዕል ዝበለ ናይ ቋንቋ ትምርህቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ኩሎም ኣብ መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ዝሳተፉ ሰባት፡ ንሞያን ትምህርትን ዝምልከት ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ውን ኣሎ። ካብ ቢግድዮ ውጽእ ኢልካ፡ ዳልካርልሶ ፎልክ-ሆግስኩላ እትበሃል፡ ህዝባዊ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ትርከብ። ኣብዛ ዝተጠቕሰት ቤት-ትምህርቲ ናኡ ሙዚቃ ኣንፈት ዘለዎ ትምህርታት ክትመሃሩ ትኽእሉ። ትምህርቲ ክትቕጽሉ ምስ እትደልዩ ውን፡ ኣብ ናይ 6 ማይል ርሕቀት እታ ካብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም ዝመጹ ኣስታት 36000 ተመሃሮ ኣኣንጊዳ እትርከብ፡ ኡምዮ ዩኒቨርስቲ ኣላትኩም።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሮበርትፎሽ ናይ ዞባ ሆስፒታል ይርከብ። ኣብዚ ሆስፒታል'ዚ፡ ሓካይም፡ ክፍሊ-ጥዕና ህጻናት ከማኡ ውን ክፍሊ-ጥዕና ኣዴታት ወይን ነፍሰ-ጾራት ይርከቦ። ንህጹጽ ወይ ፍሉይ ጥዕናዊ ክንክን ናብ ሆስፒታል ኣውራጃ ሰሜን ሽወደን (ኖርላንድስ ዩኒቨርሲተትስ ኹክሁስ) ምኻድ የድልየኩም። ክንክን ስኒ ብዝምልከት፡ ናብ ህዝባዊ ክሊኒክ ስኒ ወይ ፎልክታንድ-ቮርደን ክትከዱ ትኽእሉ። ብርክት ዝበሉ ናይ ግሊ ሓካይም ስኒ ውን ኣብቲ ቦታ ኣለዉ እዮም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ምምሕዳራዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ክተማ ሮበርትፍሽ፡ ናብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ንምምልላስ፡ ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣገልግሎት ይርከብ። ብኣውቶቡስ ንከተማ ሾለፍትዮ ሰዓት ንከተማ ኡምዮ ከኣ 45 ደቓይቕ ይወስድ። ኣገልግሎት መጎዓዝያና፡ ስሉጥን ጽፉፍን እዩ ክበሃል ይከኣል። ናብተን ኣብቲ ከባባኢ ዝርከባ ከተማታት፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰዓት እትኸይድ ኣውቶቡስ ኣላ። ካብ ከተማታት ኡምዮን ሾለፍትዮን ናብ ስቶክሆልም ወይ ውን ካልእ ከተማታት ኣውሮጳ ዝኸዳ ነፈርቲ ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ፡ ናትካ ትካል ንምግባር ጽቡቕ ዕድላት ኣሎ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ኣስታት 900 ትካላት ኣለዋ። ክበዝሓ ኣለወን ዝብል ድሌት ውን ኣለና። ናይ ባዕልኹም ትካል ክትገብሩ መደብ ምስ ዝህልወኩም፡ ክትውከሱና ትኽእሉ። ንሕና ውን ብወገና። ዘድሊ ናይ ሓገዝ መስኖታት ክትረኽቡ፡ ትምህርትን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምኽርታት ክንልግሰልኩም ንኽእል።

ንግዳዊ ወይ ትካላዊ ጽላት ምምሕዳር ከተማ ሮበርትፎሽ፡ ብናይ ምስናዕ ኢንዱስትሪታት ዝተዓብለለ እዩ። 20 ምእታዊ ካብ ነባሮ ከተማና፡ ኣብተን ኣብ ምስናዕ ዝነጥፋ ኢንዱስትሪታት ተቆጺሮም ይሰርሑ። ኣብ ሕርሻዊ መዳይ ውን ኣንተኾነ፡ ኣስታት 8 ሚእታዊ ነባሮ ይሰርሑ። እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ኣብዚ ቦታ፡ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ኮይኑ። ኣስታት 750 ሰራሕተኛታት ኣለዎ።