Norsjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኖርሾ ኮሙን ሓንቲ ኣብ ሰሜን ውሽጢ ሽወደን ትርከብ ንእሽተይ ኮሙን እያ። እዛ ኮሙን ሽሕ'ኳ ንእሽተይ ትኹን፡ ኣብዚ ግን ጽቡቕ ኣገልግሎት ትረክብ ኢኻ። ዱኳናት፡ ባንክታት፡ ሓኪም ስኒ፡ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ኣብያተ ትምህርቲን ወዘተን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኖርሾ ኮሙን ሓንቲ ካብተን ውሑሳት ኮሙናት ናይዚ ሃገር ኴይና ውሑድ ዝፍጸም ገበን እዩ ዘለና። ስለዚ ቈልዑ ኣብዚ ንኽዓብዩ ሓደ ጽቡቕ ኣከባቢ ኣለና። ኣብ ኖርሾ ኮሙን ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ናይ ስፖርት ስለ ዘለዎም፡ ኵዕሶ እግሪ፡ ቃርሳ ወይ ኵዕሶ መርበብ ትፈቱ እንተ ዄንካ ኣብዚ ንክትጻወቶ ዓቢ ዕድል ኣለካ። ቅርበት ናብ ተፈጥሮ ብዙሓት ነበርቲ ኖርሾ ከም ዝሃድኑ፡ ዓሳ ዝገፉን ጐምጠጥ ዝኣርዩን ይገብር። ክትገይሽ እንተ ደሊኻ ኣብዚ መደበር ባቡርን ምስተን ዝዳወባ ከተማታት ዘራኽባ ኣውቶቡሳትን ኣለዋ። ናብታ ዝቐረበት መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ሓደ ሰዓት ጕዕዞ ጥራይ እዩ።

ሓደ ጻሕያን ዝሑልን ናይ ሓጋይ መዓልቲ። ሰለስተ ቈልዑ መንሸራተቲኦም ተሰኪሞሞ ሓደ ዓቢ ሰብ ቀቅድሚኦም ብሽክለታኡ እንዳ መርሐ ይኸዱ ኣለዉ። ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይቲ መንገዲ መንበሪ ገዛውቲ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

እተን ክልተ ዝዓበያ ትካላት ክራይ ኣባይቲ፡ እታ ናይ ኮምዩን ኖርሸለገንሀተርን እታ ብሕታዊት ኖርሸቡን ኤ.ቢን እያ።

ኣብ ኖርሸ ኮምዩን ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ገዛ ኣለዉ። መንበሪ ኣባይቲ ንምድላይ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት እቶ ኣብኡ ድማ ናይ ኣካረይቲ ዝርዝር lista med hyresvärdar ዚብል ኣሎ።

ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ሕቶ ምስ ዚህልወካ ነቶም ናይ ስደተኛታት ኣተሓባበርቲ ርኸቦም። ናብቲ ናይቲ ኮምዩን መሳገሪ ተለፎን ደውል 0918-140 00።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ዳሪ፡ ስፓኛ፡ ሩስያ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን፡ ፐንተኮስት ሰበኻን ሚስዮን ቤትክርስትያንን ኣሎ። እተን ኣብያተክርስትያን ስሩዕ ንጥፈታት ኣለወን። ቀጻሊ ዚራኸቡ ናይ እስልምና ጉጅለውን ኣለዉ።

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። ክትራኸበን ምስ እትደሊ ናይ ማሕበራት ደብተር ኣሎ።

ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ተዓዘብቲ ዘለውዎ ናይ ገምገም ባሕሪ ኵዕሶ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኖርሸ ድኳናት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈ ኮምዩን፡ ናይ ዕረፍቲ ቦታን ባንክታትን ኣሎ።

ንገዛኻ ኣቕሑት ምስ እትደሊ ኣብቲ ክኑትን Knut'n ዚብሃል ናይ ሰከንድሃድን ድኳን ካብ ኣቕሑ ገዛን ሸሓኒታትን ክሳዕ ክዳውንትን ትረክብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ፡ ናይ ስድራቤት መውዓሊ ከምኡውን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ሽወደናውያን ወለድን መምህራንን ንኖርሸ ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ሃገር ዝበለጻ ናይ ትምህርቲ ኮምዩናት ገይሮም ይቖጽሩዋ። ኣብቲ ኮምዩን ክለት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ሓንቲ ኣብ ባስቱትረስክ ትምህርታዊ ዓመት F-5 ከምኡውን ኣብ ከተማ ኖርሸ ትምህርታዊ ዓመት F-9። ኣብኡ ፍሉይ ቤትትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትወስድ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር ወይ ኣብ ኮለጅ ብርሑቕ ትምህርቲ ክትመሃር ዕድል ኣሎ።

ኣብ ኖርሸን ኣብ ባስቱትረስክ ናይ ኤስኤፍኢ ስልጠና ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኖርሸ መወልዳንን ናይ ህጻናት ክሊኒክን ዝጠርነፈ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ ህንጻ ባዕሉ፡ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን ከከም ኣድላይነቱ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት የዳሉ። ትርጉም መብዛሕትኡ ግዜ ብተለፎን እዩ ዚካየድ፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ግን ብኣካል ይካየድ እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ክትገይሽ ምስ እትደሊ ኣብኡ ባቡር ጣብያ ኣሎ፡ ምስቲ ከባቢ ድማ ግሩም ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ናብቲ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እዘን ዚስዕባ እየን፤ ኖርሸ ኮምዩን (ትምህርቲ፡ ክንክን ምእላይን)፡ ትረትራፑር (ናይ ሉሕ ፋብሪካ)፡ ኢንቪዶ (ናይ ሉሕ ፋብሪካ)፡ ኤክስተና (ናይ ፕላስቲክ ፋብሪካ)፡ ኖርሸ በቶንግ (ቸመንቶ ኣርማቶ)።

ብዙሓት ተቐማጦ ኖርሸ ናብ ኸለፍተዮ፡ ሊክሰለን ማሎን ብምግያሽ ሰሪሖም ይምለሱ።