Umeå

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብቲ ወሓዚ ኣብ ወሽመጥ ቦተን ዚከዓወሉ ደልታ፡ ካብ ኡመኤልቨን ንሰሜን ምዕራብ፡ ኡመዮ ትርከብ። እዛ ከተማ እዚኣ ናይ ወረዳ ቨስተርቦትንን መቐመጢት ከተማ ኮይና ናይ ኖርላንድ ዓባይ ከተማ እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ኣውቶቡሳት፡ መንበሪ ገዛውቲን ዱኳናትን ዘለዎ ንታሕቲ ናብ መደበር ባቡር ሸነኽ ዘርኢ ቅሮዓት ኣዳራሽ ከተማ።

እቲ ኮምዩን 120,000 ተቐማጦ ኣለዉዎ። እቲ ቍጽሪ ህዝቢ ብምኽንያት ግሩም ትምህርትን ነዊሕ ዝገበረ ቀጻሊ ምዕባለን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብታ ከተማ ብዙሓት ተመሃሮ ብምህላዎም ንኡመዮ ናይ ሽወደን 'ዝጎበዘት' ከተማ ይገብራ። ናይቲ ህዝቢ ማእከላይ ዕድመ 38 እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኡመዮ ገዛ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን፡ ከመይሲ ካብቲ ኣቕርቦት ገዛ፡ እቲ ጠለብ ይበዝሕ። ይኹንምበር እታ ከተማ ንቝጽሪ ተቐማጦ ኪውስኽ ዕላማ ኣለዋ፡ ስለዚ ብዙሕ ገዛውቲ እዩ ዚሰራሕ ዘሎ።

ናይ ብዙሓት ስድራታት መንበሪ ገዛውቲ፡ ኣረጊትን ሓድሽን። ዕፍሪት ናይ ህንጻ ኣብቲ ዝስራሕ ዘሎ ሓደሽቲ ገዛውቲ ኣሎ።

እቲ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ AB Bostaden ብዙሕ ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ። ኣብ ካልእ ቦታ ናይቲ ኮምዩንውን ኣለዎ፡ ከም ኣብ ሆልምሱንድን ኦቦላን ኤሽማርክን ሰቨርን። ኣብዘን እተጠቕሳ ከተማታት ናይ ምጽባይ ግዜ ሓጺር ስለ ዝኾነ፡ ገዛ ምርካብ ዝቐለለ እዩ። ገዛ ምድላይን ካብተን ናይቲ ከባቢ ኮምዩናት ምምልላስውን ካልእ ምርጫ እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ኖርዲካዊ ወይ እንግሊዛዊ ቋንቋ እቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ ወዘተ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብኡ ብዙሓት ናይ ብሄርን ናይ ሃይማኖትን ማሕበራት ኣለዋ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ንጥፈታት ዘተኮራን ናይ መጽናዕትን ማሕበራት ኣለዋ።

ሓደ መንሻተቲ ሜዳ (skatepark) ምስ ዝዛረቡን ንበሽክለትኦም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝዝውሩን ዘለዉ መንእሰያት። ብድሕሪት ዓበይቲ ናይ ሕጡብ ህንጻታት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

መብዛሕትኦም መንግስታውያን ትካላትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ከም ቤትጽፈት ዕዮ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ናይ ኡመዮ ናይ ከተማ ቤትንባብን ኣብ ሰንትሩም እዮም ተኣኪቦም ዘለዉ።

ኣዳራሽ ከተማ፡ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ መናፈሻ ዘለዎ ዓቢ ናይ ሕጡብ ገዛ ምስ ግምቢን ላዕለዋይ ጫፉን።

ንንግድን ካልእን ብዚምልከት ኣብ ሰንትሩም ኣስታት 200 ቡቲክ፡ ብዙሓት ናይ ዕዳጋ ኣደራሻት፡ ኣብያተንባብ፡ ካፈታትን ባራትን ኣለዋ። ኣብቲ ውሽጢ ከተማ ናይ መዘናግዕን ባህልን ንጥፈታት ኣሎ፡ ከም ኖርላንድ ኦፐራ፡ ትያትራት፡ ሲነማታትን ኣብያተመዘክርን። ኣብ እተወሰነን ቀጻልን እዋናት ከኣ ኣብቲ ከተማ ፈስቲቫላትን ካልእ ንባህልን መዘናግዕን ዚምልከት ፍጻመታት ይካየድ።

ማእከል ኡመዮ ምስ ኵሉ ሓቀፍ ዕዳጋን (ጋለርያ) ኣደባባይ ምስ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋን። ብዙሓት ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ሰባት ይንቀሳቐሱ ወኡ ኣብ ጽሓይ ኮፍ ኢሎም ይድሰቱላ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ከተማ ሓያሎ ዕዳጋታትን ሱፐርማርከትን ፍሉይ ቡቲካትን ኣሎ። በቲ ኮምዩን ዚመሓደር ረቱርቡቲክ ኣብ ዞና ዪሞናስ ይርከብ። ኣብኡ ዘገልገለ ኣቕሑ፡ ብሽግለታን ካልእን ይሽየጥ። ገለ ካብተን ናይ ሰከንድሃንድ ቡቲካት ንምጥቃስ፣ ሚሩርና፡ ቀዪሕ መስቀል፡ ናይ PMU/Pingstkyrkans ሰከንድሃንድ ድኳን።

ኣብ ኡመዮ ሰፊሕ ዓይነት ናይ ስፖርት መሳለጥያታት ኣሎ። ኣብዚ፡ ካብ ዓቢ ናይ ስፖርት ሰንተር ክሳዕ ነኣሽቱ ናይ ምንቅስቓስ መገድታት ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣብ ትሕቲ idrott, motion och friluftsliv ብዛዕባ መሳለጥያታትን ቦታታትን ሓበሬታ ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን እተፈላለየ ዓይነታት ደጋዊ ምዝንጋዕን ዕረፍትን ብዝያዳ ክትፈልጥ ትኽእል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ንክንክን ህጻናት ብዚምልከት እተፈላለያ ምርጫታት ኣሎ፡ ቅርጽታትን መፍትሔታትን።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ኡመዮ ኮምዩን 49 ኣብ ጀዮግራፍያዊ ከባቢታት እተኸፋፈላ ኮሙናውያን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ከምኡውን እተፈላለየ ኣካይዳ ዘለወን ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ።

እታ ከተማ ኣርባዕተ ኮሙናውያንን ብዙሓት ብሕታውያንን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣሎዋ። ገለ ፍሉይ ዕላማታት ዘለወን ኣብያተትምህርቲውን ኣለዋ። እቲ ኮምዩን ምስቲ ኣብ ቨነስ ዘሎ ሊልያስስኩላን እውን ይተሓባበር እዩ። እዚ ኹሉ ነቲ ተምሃራይ ነቲ ዚደልዮ ዓይነት ትምህርቲ ኪመርጾ ብዙሕ ዕድላት ይህቦ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኡመዮ ክልተ ዩኒቨርሲቲ ኣለዋ። ሓንቲ እታ ሸሞነት ኮለጃት ዝሓዘት ኡመዮ ዩኒቨርሲቲ እያ። ንወጻእተኛታ ምሁራን እትኸውን Korta vägen እተባህለት መፈጸሚት ትምህርቲውን ኣላ። ኡመዮ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፖሊስ ስልጠናውን ኣለዎ። እታ ካልእ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሽወደን ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ እያ። ናይ ዱር ሓለውቲ ኣብኡ ይስልጥኑ።

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብዛዕባ ኮምቩክስን ናይ ርሑቕ ትምህርትን YH-ስልጠናን ከምኡውን ናይ ተልመዴን ስልጠናን ወዘተን ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ Viva Komvux hemsida ከኣ ብዛዕባ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት፡ ኤስኤፍኢ፡ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ዘይኮና ህዝባዊ ኮለጃት ኣለዋ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኡመዮ ኮምዩን ናይ ኖርላንድ ዩኒቨርሲታዊ ሆስፒታል ኣሎ፡ ከምኡውን ሓያሎ ማእከላት ጥዕናን ህዝባዊ ሕክምና ስንን።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰበስልጣን ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ተርጓማይ ኪህልወካ ተኽእሎ ኣሎ። ብዙሓት መንግስታዊ ትካላት ብእተፈላለየ ቋንቋ ዚገልጽ ሓበሬታ ኣለወን።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ወጻእን ኣብቲ ዞባን ባዕሉ ኣብቲ ከተማን ግሩም ዝኾነ መራኸቢታት ኣሎ። ናይ ኡመዮ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ማእከል ኡመዮ ኣርባዕተ ኪሎመተር እዩ። ዝበዝሐ ናይ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ኣብ መንጎ ኡመዮን ስቶክሆልምን እዩ ዘሎ። ንሱ ከኣ መዓልታዊ እዩ። ግን ከኣ ናብ ካልእ ቦታታውን ምንቅስቓስ ኣሎ - ኣብ ውሽጥን ናብ ወጻኢ ሃገርን።

ንባቡር ብዚምልከት ንሰሜንን ንውሽጢ ሃገርን ዘንቀሳቕስ እቲ Norrtåg እተባህለ እዩ። ብፍላይ ግን ንደቡብ ብገማግም ባሕሪ ኖርላንድ እዩ ዚኸይድ። ናብ ኦርንሾልድስቪክን ሱንድስቫልን ዚኸይድ ካብኡውን ንስቶክሆልም ኪቕጽል ተኽእሎ ዘለዎ ቅልጡፍ ባቡር ኣሎ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብዚ ኮሙን

ተጓዓዝቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ናብ ሱንድስቫልል ኣብ ትኸይድ ባቡር ይስቀሉ ኣለዉ።

ኣብቲ ናይ ወረዳ ትራፊክ ንሓባራዊ ጕዕዞ tabussen.nu ኩሉ ንከባቢ ትራፊክን ዞባዊ ኣውቶቡሳንት ዚምልከት ሰሌዳ ሰዓታት ኣሎ። እቲ ናይ ኤውሮጳ E4 ከምኡውን E12 ብኡመዮ ይሓልፍ ካብኡ ድማ ምስቲ ናይ ፊንላንድ ቫሳ ብመሳጋሪ መርከብ ይራኸብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቶም ዓበይቲ ህዝባዊ ወሃብ ስራሕ ኣብዚ ኮሙን፡ ናይ ኡመዮ ኮምዩን፡ ናይ ቨስተርቦተን ወረዳ ቤት ምኽሪ ዞባ ቨስተርቦተንን ኡመዮ ዩኒቨርሲትን እዮም። ይኹምንበር ብምኽንያት እቲ ግሩም መራኸቢታት፡ ኣብተን ናይ ከባቢ ኮምዩናት፡ ከም ኦርንሾልድስቪክ፡ ቨነስን ቪንደልን፡ ስሪሕካ ክትምለስ ይከኣል እዩ።

ኣብ ኡመዮ ብዙሓት ነበርትን ሓደስትን ዋኒናት ኣለዋ። ዝዓቢ ዘሎ ሰክተራት ከም IT ተለኮሙኒከሽን፡ ትምህርቲ፡ ምርምርን ብሕታዊ ኣገልግሎትን እዩ።