Eksjö

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ስሞላንድ ደጋ ዚርከብ ኤክሾ ኮምዩን፡ ካብ ኤክሾ ከተማ ንምዕራብ ክሳዕ ምስ ቪመርቢ ዚዳወብ ንምብራቕ ይዝርጋሕ። ኣብ መንጎ፡ ብዙሓት ነኣሽቱ ከተማታት ኣለዋ፡ ከምኡውን ምጩውን ህይወት ዘለዎን ገጠር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ጐደና ካብ ጋምላ ስታን። እዚ ጐደና ብሰማያውን ብጫን ዝተለመጹ ናይ ዕንጨቲ ገዛውቲ ዝተኸበ እዩ። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እቲ ጐደና ናእሽቱ ዱኳናት ተደዅነን ኣለዋ።

ኣብቲ ናይ ስሞላንድ ተፈጥሮ፡ ኤክሾ ኮምዩን ንተቐማጦኣን ንበጻሕታን ልዑል ናይ ህይወት ደረጃን ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ መዘናግዕን ባህልን ህይወት የቕርብ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኤክሾ ኮምዩን ገጠራትን ከተማታትን ኣሎ። ናይቲ ኮምዩን ዝኾነ ኤክሾቡስታደር ወይ ናይ ኤክሾ ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ፡ ናይ ኪራይ ኣባይቲ ዝዓበየ ኣመሓዳርን ደልዳልን እዩ። ኣብ ኤክሾ ኮምዩን ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ። ኣብቲ ናይ ኤክሾ ኮምዩን መርበብ፡ ብዛዕባ ምርጫታት መንበሪ ኣባይቲ ሓበሬታ ኣሎ።

ብጫ ሕጡብን ቀይሕ ሰገነትን ዘለዎ ናይ ብዙሓት ስድራታት መንበሪ ህንጻ። ሸኻ፡ ብድሕሪት ሰለል መበሊ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኤክሾ ኮምዩን ብዙሕ ዓይነት ቋንቋታት ኣሎ። ካብኡ ንምጥቃስ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ፋርስ፡ ሩስያን ቸቺንያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኤክሾ ኮምዩን ልዕሊ 300 እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። እዚኣተን ንስፖርት፡ ባህሊ፡ ተፈጥሮ፡ ፖለቲካን ናይ ትምህርቲ ማሕበርን ዝምልከታ እየን። ናይ ኣብያተክርስትያንን ሃይማኖትን ማሕበራትውን ኣለዋ፡ ከም ሽወደናዊት ቤትክርስትያን፡ ፐንተኮስት ቤትክርስትያን፡ ሚስዮን ቤትክርስትያንን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን። ኣብ ናይ ኤክሾ ኮምዩን ደብትር ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኤክሾ ኮምዩን ብዙሓት ክዳውንትን ኣቕሑ ክሽነን መጻወትን ዚሸጣ ድኳናት ኣለዋ፡ ከምኡውን ግሮሰሪታት። ኣብ ኤክሾ ኮምዩን ዘገልገለ ኣቕሑ ገዛን ናይ ክሽነ ኣቕሑትን ተንዲኒን መጻሕፍትን ወዘተ ዝሸጣ ናይ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ።ኣብ ኤክሾ ቤትንባብን ቤትመዝክርን ቤትጽሕፈት ዕዮን እውን ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ነኣሽቱ ከተማታት ብዙሓት ግሮሰሪታት ኣለዉ። እቲ ዝቐረበ ናይ ፎርሸክሪንካሳን ወይ ትካል መድህንን ናይ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ቤትጽሕፈት ኣብ ነሾ ይርከብ።

ሰባት ኣብ ሓደ ከብሒ መጻሕፍቲ፡ ናይ መጻሕፍቲ ጣውላን ብጕጅለ ኮፍ መበልን ዘለዎ ብርህውን ሰፊሕን ቤት ንባብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ምስ ጀመርካ ኤክሾ ኮምዩን ነቶም ካብ 1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ክንክን ህጻናት ተቕርብ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ህጻናት ኣብ ናይ ኤክሾ ኮምዩን ወብሳይት ትረኽቦ።

ኣብ ሓደ ቆራሪ ናይ ጽድያ መዓልቲ ቈልዑ ኣብ ደገ ናይ ሓደ መውዓል ህጻናት ኣብ መሕኮርን ሸተት መበልን ዘለዎ ናይ መጻወቲ ቦታ ይጻወቱ ኣለዉ።

ኤክሾ ኮምዩን፡ ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ነቶም ካብ 0-6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ወለዲ ዝኾኑ መራኸቢ ቦታ እዩ። ንሱ ምስ ካልኦት ህጻናትን ዓበይትን ዚካየድ ናይ ጸወታን ትምህርትን ቦታ እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ኤክሾ ኮምዩን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ከተማ ኤክሾ፡ ሁልት፡ ሆረዶ፡ ከምኡውን ኣብ ማሪያነሉንድን ኣብ ኢንጋቶርፕን ይርከቡ። ኣብ ኤክሾ ኮምዩን፡ ክልተ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ይርከባ፡ ንሳተን ከኣ ኤክሾ ይምናስዩምን ኒፍሳርፕስኩላን እየን።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝያዳ ኣንብብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኤክሾቩክስ ሽወደንኛ ንስደተኛታት ወይ ኤስኢፍኢ፡ መሰረታዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃዊ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ የቕርብ። ኤክሾቩክስ ተወሳኺ ደገፍ ይህብ፡ ነዚ ድማ ብመልክዕ ናይ ቋንቋ ደገፍ፡ ናይ ሞያ ሽወደንኛ፡ ውልቃዊ ሓገዝ፡ ሕብረተሰብኣዊ ኣገልጋሊ፡ ፍሉይ መምህርን ተክኒካዊ ደገፍን ይህቦ።

Campus i 12 ምስ እተፈላለያ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ብምትሕብባር ናይ ኮለጅ ትምህርቲ፡ ናይ ኮለጅ ሞያዊ ስልጠናን ናጻ ኮርሳትን የቕርብ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኤክሾ ብቑዕ መሳርሒታት ዘለዎ ሆግላንድ ሆስፒታል እተባህለ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል ኣሎ። ኣብ ኤክሾን ኣብ ማርያንሉንድን ማእከል ጥዕናን ህዝባዊ ናይ ስኒ ሕክምናን ኣሎ።

ኣብቲ familjecentralen i Eksjö ናይ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ህጻናትን ክሊኒካት ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ኩሉ ትካላት ኣብ ዚግበር ርክባት ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኪርከብ ይከኣል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ኤክሾ ናብ ስቶክሆልም፡የተቦርይ፡ ማልመን ኮፐንሃገንን ካብ 3 ሰዓት ብዝውሕድ ግዜ ይኽየድ። እቲ ሃገራዊ መገዲ 40 ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ብማእከል ኤክሾ ይሓልፍ። እቲ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዮንሾፒን እዩ ዚርከብ። ናይ ዮንሾፒን ወረዳዊ ትራፊክ ነቲ ናብ ኩሉ ሸነኻት ኮምዩንን ናብ ካልኦት ቀረባ ኮምዩናትን፡ ማለት ናብ ነሾ፡ ቪመርቢን ዮንሾፒን ዝኸዳ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን የመሓድር።

JLT

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኤክሾ ኮምዩን ሓያልን ህዝባውን ቁጠባዊ ህይወት ኣለዎ፡ ኣብኡ ድማ ናይ ኤክሾ ኮምዩን፡ዞባ ዮንሾፒን፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስን ዞባዊ ቤት ፍርድን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም። እቲ ናይ ኤክሾ ብሕታዊ ቁጠባ-ንግዳዊ ህይወት ብቐንዱ ብነኣሽቱን መጠነኛን ዋኒናት ዝቖመ እዩ። ንሳተን ኣብ ናይ ሉሕ ገዛ፡ ናይ ሉሕ ስራሕ፡ ብሕታዊ ክንክንን ፋብሪካን ይነጥፋ።