Pajala

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብዚ፡ ሂወትካ ኣብ ጥቓ ተፈጥሮ ክትነብሮ ዕድል፡ ብዙሕ ቀረብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ኣብ ባህልን ስፖርት ኣሎ። ብዙሓት ብቁዓት መማህራንን ሒደት ተመሃሮ ዘለውዎ ክፍልታትን ዘለዎ ኣዚዩ ጽቡቕ ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን ኣለና።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ፓያላ ኣብ ኩሉ ዙርያ ናይዚ ኮሙን ክግዛእ ዝኽእል መሬት ኣሎ። ካብ ኮሙንን ካብ ውልቃውያን ወነንቲ መሬትን። ኣብ መብዛሕትኣን ገጠራትና ድማ ኣብ ጥቓ ገማግም ፈለግ ናይ ምህናጽ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብዚ ኮሙን ክልተ ዓበይቲ ትካላይ ኣካረይቲ ኣባይቲ ኣለዉ። እቲ ኮሙናላዊ ፓያላቡስቴደርን ብብሕቲ ዝውነን ቶርነሄምን ከምኡ'ውን ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣባይቲ ኣለዉ። ከምኡ'ውን ኣብ ኣብቲ ቀንዲ ከተማ ኮንደሚንዩም ናይ ምግዛእ ተኽእሎ ኣሎ።

ማእከል ከተማ ፓያላ። ኣብቲ መንገዲ ሓንቲ ጻዕዳ ማኪና ትኸይድ ኣላ። ብድሕሪት ሓደ ናይ ሕጡብ ህንጻ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ፓያላ ኮሙን ንቋንቋታት ፊንላንድኛን መኤንክየሊን ዝዛረቡ ነበርታ እቲ ቋንቋ ኣብ ህዝባውን መንግስታውን ጕዳያት ወዘተክጥቀምሉ መሰል ትህብ ኮሙን እያ (förvaltningskommun)። ይኹን'ምበር እዛ ኮሙን መድብለ-ባህላዊት እያ። እንተ ኣድልዩ ድማ ቀረብ ናይ ኣስተርጐምቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣሎ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ሓደ ጕጅለ ሰባት ናይ ገምገም ባሕሪ ኵዕሶ መርበብ ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ኣብያተ መግቢ፡ ግሮሰሪን ዱኳናትን ኣሎ። ኣብዚ ሓንቲ ቤት ንባብ ከምኡ'ውን ሓደ ቤት ጽሕፈት ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣሎ።

ኣብ መብዛሕትኣን ገጠራት ቤት ንባብ፡ ናይ ምግቢ ዱኳናት፡ ዕድላት ናይ ነዳዲ ምምላእን ወኪል ቤት መድሃኒትን ስይስተምቡላገትን (መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ) ኣሎ።

ዱኳን ካልኣይ ኢድ ዝጥዓመ ኩፓን ብቀይሕ መስቀል እዩ ዝካየድ። ኣብኡ ክትገዝኦ ትኽእል ክዳውንቲ፡ ኣቁሑት ገዛን ናውቲ ክሽነን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ኮሙን ኣብ ኵለን ገጠራትና ብዙሓት ኮሙናላውያን መውዓሊ ህጻናት ኣለዋ። ውሑዳት ናይ ቈልዑ ጕጅለታት ኣለዉና፡ ብዙሕ ድማ ናብ ተፈጥሮ ንወጽእ ኢና። እቶም ቈልዑ ሓሙሽተ ዓመት ምስ መልኡ ምሕንባስ ይምሃሩ እዮም።

ብጀክኡ ቤተ ክርስትያን ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን ንጥፈታት ክፉት መውዓሊ ህጻናት የዳልዉ እዮም።

ሓደ መከላኸሊ ቆቢዕ ብሽክለታ ዝገበረ ቈልዓ ናይ ዓለባ ከረጢት ሒዙ ጽቡቕ ጌይሩ ፍሽኽ ይብል ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኵለን እተን ገጠራትና መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣለና፡ ኣብተን ዝዓበያ ሹዱሽተ ገጠራትና ድማ ክሳብ ታሻዓይ ክፍሊ ኣለና። ከምኡ'ውን ኣብቲ ቀንዲ ከተማ ናይ ካልኣይ ደረጃ ብዙሕ ዝተፈላለየ ክልሰ-ሓሳባውን ተግባራውን ትምህርትታት ናይ ምምሃር ዕድል ኣሎ። እዚ ኮሙን ቀረብ ናይ መደባት ትምህርቲ ንምስፍሑምስ ዬሊቫረን ዮክሞክን ይተሓባበር እዩ።

ሓደ ኣብ ሚኒኮሎ ዝርኢ ዘሎ ቈልዓ ዝርከቦ መጻወቲ ቦታ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ቀንዲ ከተማ ኣብ ኩንስካፕስስመድያን ናይ ቋንቋ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (SFI)ቀረብ ኣሎ። ኣብኡ ብመንገዲ ናይ ላፕላንድ ሌርሰንተር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብርሑቕ ክትምሃር እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ናይ ሞያ ዓውዲን ብመንገዲ ናይ ላኦላንድ ሌርሰንተር ኣብ ዩኒቨርሲቲን ብርሑቕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ'ውን ሌርሰንተር ንዕዳጋ ስራሕ ድልተይ ዝሰማማዕ ዘድህቡ ትምህርትታት ንምድላው ብቐረባ ይሰርሕ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ቀንዲ ከተማ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕናን ሓደ ክሊኒክ መንእሰያትን ኣሎ። ከምኡ'ውን ሓደ ናይ ህጹጽ ኵነት ክሊኒክን ህዝባዊ ክንክን ስኒን ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኣን እተን ገጠራት ናይ ኣከባቢ ኣለይቲ ሕሙማት ኣለዋ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣስተርጓሚ ኣብ ዘድልየሉ ብቝጽሪ ተለፎን 0978-120 00 ምስ ኮሙን ርክብ ግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ፓያላ፡ መዓልታዊ መስመር ናብ ሉለዮ ከምኡ'ውን ኣብ ከክልተ ሰሙን ናብ ታሊን ንምብራር ዕድል ዝህብ መዕርፎ ነፈርቲ ፓያላ ኣሎ። ብዝተረፈ ጽቡቕ መራኸቢ ብኣውቶቡስ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ፓያላ ኮሙን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ኣብዚ ኮሙን እዩ። ድሕሪኡ ዞባ ኖርቦተን ይስራዕ። ኣድላይነት ናይ ጉልበት ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብዙሕ እዩ ዘሎ፡ እንዳ በዝሓ ድማ ክኸይድ እዩ። ትካል ከተካይድ ትደሊ ዲኻ? ፓያላ ኡትቨክሊንግ ኣበ (PUAB) (Pajala utveckling AB (PUAB)) ንኽትጅምር ነቲ ትካል ከተካይድን ከለኻ፡ ክሕገዛ ተባሂሉ ኣብዚ ኣሎ።