Eslöv

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኤስሎቭ 32,100 ተቐማጦ ዘለዋ ውርይቲ ከተማ እያ። ንሳ ኣብ ኦረሱንድ ዞባ፡ ኣብ ጥቓ ናይታ ናይ ምህሮ ከተማ ዝኾነት ሉንድን ዓባይ ከተማ ማልመን እያ እትርከብ። ኤስሎቭ ብ911 እያ ዝኸተመት፡ ሽዑ ኸኣ 5396 ተቐማጣይ ነይሩዋ። ኤስሎቭ ሎሚ ምስቲ 18,000 ነባሪኣ ናይቲ ኮምዩን ቀንዲ ከተማ እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ኮምዩን ምስ 12 ከተማታቱ ብ1971 እዩ ተመስሪቱ። ፍሊንገ፡ ሎበሮድ፡ ማሪየሆልምን ስተሃግን ናይ ነፍስወከፍ ክፍሊ ኮምዩን ሰንትሩም እየን። ሳላቲ ምስ እተፈላለየ ክፍልታት ስኮነን ኮፐንሃገንን ዘራኽብ ግሩም ናይ ባቡር መስመራት፡ ኤስሎቭ ንኹሉ ቀረባ እያ። ኣብኣ ናይ ንእሽቶ ከተማ ህድኣት ኣሎ፡ ከምኡውን ቅርበትን ህይወት ዝመልኦ ገጠርን፡ ኣብ ልዕልዚ እተፈላለየ ናይ ባህልን ንግድን ዓይነታት ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኤስሎቭ ኣገዳሲት ከተማ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ግሩም መንበሪ ኣባይቲ ምስ ግሩም ኣከባቢ ናይ ኤስሎቭ ምልክት እዩ። ኣብዚ ኣብ ገጠር ወይ ኣብ ከተማ ኣብ ቪላ ወይ ኣብ ኣፓርትማ ብዘየገድስ ናይ ውልቅኻ መንበሪ ኣባይቲ ክትመርጽ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብቲ ናትና ወብሳይት፡ብዛዕባ መንበሪ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ወነንቲ ኣባይቲ ከኣ ዝርዝር ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኤስሎቭ እተፈላለየ ናይ ቋንቋ ጉጀለ ኣሎ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኮምዩን ካብ ነዊሕ እዋን ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ነይሩዎ እዩ። ብዘይካ ሽወደን እቲ ብብዝሒ ዚዝረብ ቋንቋ ኣልባንያ፡ ዓረብ፡ ቦስንያ፡ ክሮሽያ፡ ሰርብያ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝ፡ ሶራኒ፡ ኩርማንጂ፡ ፋርስ፡ ሶማሊ፡ ታይላንድን ትግርኛን እዩ።

ትምህቲ ብቛንቋ ኣደ ነዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ተገይሩለን ኣሎ፤ ኣልባንያ፡ ዓረብ፡ ቦስንያ፡ ዳኒሽ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝ፡ ፊንላንድ፡ ቺና፡ ኩርድ፡ መቀዶንያ፡ ፋርስ፡ ፖላንድ፡ ሩስያ፡ ሰርብያ፡ ሶማሊ፡ ስፓኛ፡ ታጋሉግ፡ ታይላንድ፡ ቱርኪን ጀርመንን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኤስሎቭ ናይ ዕረፍቲ ግዜ መዘናግዒ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ። ኣብኡ ብዙሓት ዓይነታት ማሕበራት ኣለዋ። ምናልባት ንኣኻ ዚምሽእ ይህሉ ይኸውን። ኣብቲ ናይ ማሕበራት ደብተር ሃሰው በል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኤስሎቭ፡ ናይ ዜግነት ሰንትሩም፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ኣብያተጽሕፈት ቀረጽን ሕብረተሰብን ኣሎ። እቲ ናይ ንግዲ ህይወት ብዙሕ ዝዓይነቱ እዩ። ካብ ናይ ሰንትሩም ነኣሽቱ ድኳናት ክሳብ ውጽእ ኢልካ ዚርከቡ ዓበይቲ ዕዳጋታት። ኣብኡ ሓያሎ ካፈታት፡ ጂም፡ ባንክ፡ ጉጀለ መጽናዕቲ፡ ፋርማስን ሲነማን ኣሎ። ኣብ Jysk, Blomsterbergs Möbler ከምኡውንErikshjälpenእተፈለየ ዋጋ ዘለዎ ኣቕሑ ገዛ ኣሎ። እዚኣተን ናይ ኤስሎቭ ናይ ረድኤት ማእከል ሰከንድሃንድ ድኳናት እየን።

ኣብኡ ልዑል ደረጃ ዝሓዘ ናይ ባህሊ ዓይነታትን ሓያል ማሕበራዊ ህይወትን ኣሎ። ናይ ባህልን መሐምበስን መዘናግዕን ቦታታት ብጽፉፍ መገዲ እዩ ዚተሓዝ፡ ኣብ ግሩም ኣከባቢ ድማ እዩ ዚርከብ። ኣብ ኤስሎቭ ብዙሕ ዚረአን ዚግበርን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ትምህርቲ ወይ ስራሕ እትጅምረሉ ግዜ ምስ መጸ እቲ ካብ 1-5 ዓመት ዝዕድመኡ ውላድካ ብኤስሎቭ ኮምዩን ናይ ምእላይ ክንክን ኪግበረሉ እዩ። ኣብቲ ናይ ኤስሎቭ ወብሳይት ብዛዕባ ምእላይ ህጻናት ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ኤስሎቭ መባእታ ቤትትምህርቲ ኣብ 15 ናይ ዳይረክተር ከባቢ ይምቀል፡ ከምኡውን ፍሉይ መባእታ ቤትትምህርትን ናይ ምንጪ ብቕዓት ኣብያተትምህርትን ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደን። ኣብቲ ኮምዩን ናይ ባህሊ ቤትትምህርቲ ኣሎ ከምኡውን ክልተ ብሕታውያን ኣብያተትምህርቲ፡ ካብ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ክላስ፡ ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 6 ዝኸይድ ናይ ኤስሎቭ ሞንተሶሪ ብሕታዊ ቤትትምህርትን ናይ ኤስሎቭ ካርል-ኦስካር ቤትትምህርትን።

Bergagymnasietብዙሕ ምርጫታት ይህብ። ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓዘ 13 ሃገራዊ መደባት፡ መእተዊ ፕሮግራም፡ ሃገራዊ ናይ ስፖርት ስልጠና፡ ናይ ስፖርት ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ካልእ ኣማራጺ ዘለዎ ኮርሳትን ክትመርጽ ትኽእል። ብዛዕባ ተመሃሮና ዘሎና ተወፋይነትን ተገዳስነትን ኣብቶም ተመሃሮ ቅሳነትን ውሕስነትን ግሩም ውጽኢትን ይፈጥር።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኤስሎቭ ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኮለጅን ዘሎ ጽፍሕታት ክትመሃር ግሩም ተኽእሎ ኣሎ። ኣብኡ ኤሳኤፍኢ፡ ሰርቩክስን ኮምቩክስን ዘለዎ ንጡፍ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣሎ። እቲ ኮምዩን ነቲ ምስ ማሕበረሰብ ምልላይ ዚብል ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደ የካየዶ። ኤስኤፍኢ ንምጅማር ምጽባይ ኣየድልን።

ህዝባዊ ኮለጅ ከምኡውን ሞያዊ ኮለጅ ኣብ ኤስሎቭ ኣሎ። ካብኡ ንዚልዕል ትምህርቲ ድማ ኣብ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኣብ ማልመ ኮለጅ ክትምሃር ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ቀንዲ መምህሒ ኤስሎቭ ንስኻ ክትሓምም ከሎኻ ንማእከል ጥዕና ክትውከስ ከም ዘሎካ ዚብል እዩ። ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፤ ማእከል ጥዕና ቶበሉንድ፡ ማእከል ጥዕና ሸርሮክራ፡ ብራሀሀልሳን፡ ካፕዮ ስፐሲያሊስትሁሰትን ህዝባዊ ሕክምና ስንን።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ርእይቶኻን ስምዒትካን ሓሳባትካን ክትገልጽ ምኽኣል ማለት ናይቲ ኣብ ሽወደናዊ ማሕበረሰብ ምጽምባር ቅድመ ኩነት እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ነቲ ካልእ ሰብ ዚዛረቦ ክትርዳኦ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ናይ ኤስሎቭ ቤትጽሕፈት ትርጉም ኣብቲ ናይ ዜግነት ማእከል ኣብቲ ናይ ከተማ ምምሕዳር ይርከብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኤስሎቭ ኮምዩን ኣብ ማእከል ስኮነ ይርከብ። ካብ ሉንድ 20 ደቓይቕ ብማኪና፡ 40 ደቓይቕ ካብ ማልመ፡ ሓደ ሰዓት ካብ ሀልሲንቦሪ እዩ። ኣብ መንጎ ክፋላት ስኮነን ሾፐንሃምን መዓልታዊ ናይ ኣውቶቡስ ጕዕዞ ኣሎ። ነቶም ኣብ ኦረሱንድረዮነን ዚነብሩ መዓልታዊ በጺሕካ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ኣሎ። ስኮነትራፊክን ነቲ ናይ ከባቢ ባቡርን ኣውቶቡስን ናይ ጕዕዞ ኣገልግሎትን የመሓድሮ፡ ግን ረጂዮናትን SJ ከምኡውን Veolia ኣብኡ ይሳተፋ እየን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኮምዩን ኣብቲ ቦታ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ ኣብ ክፋላት ምምሕዳር ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ተካኢ ሰራሕተኛ የድሊ። ብቐዳምነት ኣብ ክንክን ኣርጋውያን። ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ኣብ ጥሮታ ኪኣትዉ እዮም፡ ስለዚ ኣብዚ ሰክቶርዚ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ኪህሉ እዩ።

ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ዋኒናት ኣለዋ፡ ከም Orka Foods Sverige, Felix, O. Kavli AB ከምኡውን Druvan። ንሳተን ኣብ ኩሉ ዓይነት ቢዚነስ እተዋፈራ እየን፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለዉወን። ምናልባት ንስኻ ሓደ ካብኣታቶም ክትከውን ትኽእል ትኸውን። ናይ ውልቅኻ ዋኒን ክትጅምር ምስ እትደሊ ኣብቲ ናትና Företagslots i Eslövሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።