Ystad

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኢስታድ ኮምዩን ኣብ ልዕልቲ ናይ ተፈጥሮ ጽባቐን ነባሪ ታሪኽን ግሩም ናይ ህይወት ደረጃን፡ ሃብታም ናይ ንግድን ኢንዱስትሪን ሰክተር፡ ምዕቡል መራኸብን ሓያል ድንፋዐን ዘለዎ ኮምዩን እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

30492

ስፍሓት መሬት

1184 ኪሜ²

ኢስታድ ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኽን ቤተመዘክርን ታሪኻዊ ህንጻታትን ናይ ፊልም ትካላት ዘለዎ ኮምዩን እዩ።

ኣብኡ ኪሎመተራት ዝምንውሑ ገማግም ባሕርን ግሩም ተፈጥሮን ናይ ዓሳ መግፈፍን ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘለዎን ኮምዩን እዩ።

ኣብ ልዕልዚ ናብ ማልመ/ካስትሩፕ/ኮፐንሃገን ቀጥታ ዚኸይድ ባቡር ኣለዎ። ኣህጉራዊ ዝኾነ ወደብ ከኣ ኣለዎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኢስታድ ገዛ ተኻረ

ኣብ ኢስታድ እቲ ዝዓበየ ኣመሓዳርን ኣደላዳልን ዝካረ ገዛውቲ እቲ ኢስታድቡስተደር ዚብሃል ናይቲ ኮምዩን ትካል ኣካራዪ ኣባይቲ እዩ። ንሱ 1300 ገዛውቲ የካርን የመሓድርን። ኣብኡ ገዛ ንምሓዝ ተራ ንምግባርን ብዛዕብኡ ጽቡቕ ስእሊ ንኺህልወካን ኣብቲ ናይ ኢስታድ መንበሪ ኣባይቲ መርበብ ተመልከት።

ይኹንምበር ኣብ ኢስታድ ኣብ ኢስታድን ካልኦት ነኣሽቱ ከተማታትን ገዛውቲ ዘካርዩ ውልቃውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ። ነቲ ዝምሸኣካ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ናይ ኢስታድ ኮምዩን ዝርዝር ኣካረይቲ ኣዳሊናልካ ኣሎና።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ በዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይወሃብ፣ ኣልባንያ፡ ዓረብ፡ ቦስንያ፡ ዳኒሽ፡ እንግሊዝ፡ ፊንላንድ፡ ክሮሽያ፡ ፖላንድ፡ ሩስያ፡ ሰርብያ፡ ሶማሊ፡ ሶራኒ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድን ጀርመንን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኢስታድ፡ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን- ማሕበር ኢስታድ፡ ቅዱስ ኒኮላ ካቶሊካዊ ማሕበር ኢስታድ፡ ናይ ስሚርና ማሕበር ኢስታድ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናይ ሰራዊት ድሕነት ማሕበርን ድማ ይርከብ።

ኣብ ኢስታድ ዳርጋ 300 ማሕበራት ኣለዋ። ብዛዕባአን ኣብቲ ናይ ማሕበር ደብተር ተመልከት።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሰንትሩም ኢስታድ ብዙሕ ድኳናት ኣሎ። ሱፐርማርከት ካብ ከተማ ውጽእ ኢልካ እዩ። ኣብቲ ከተማ ግሩም ዝኾነ ቤትንባብ ኣሎ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ናይ ዕዮ ቤትጽሕፈት፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ መድህን ድርጅት፡ ከምኡውን ቤትጽሕፈት ቀረጽ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኢስታድ፡ ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን ውልቃዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ይርከብ። ካብ ሓደ ክሳዕ ሓምሽተ ዝዕድመኦም ህጻናት ቅድሚ ወይ ድሕሪ ትምህርቶም ኣብቲ መዘናግዒ ቦታ ኪህልዉ ይኽእሉ። ንመንእሰያት፡ ካብ መለስተኛ ንላዕሊ ናይ መንእሰያት መራኸቢ ቦታ ኣለዎም።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ፍሩም ኢስታድ፡ ኮንቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ሰርቩክስን ዲለክሲሰንትሩም ይርከብ። ብመገዲ ኮለጅ/ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ርሑቕ ትምህርቲውን ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኢስታድ ወረዳዊ ማእከል ጥዕና፡vårdcentral, ከምኡውን ውልቃዊ ኖቫክሊኒከን Novakliniken ኣሎ። ንህጹጽን ናይ ሓደጋን ሕማም ናብ ኣኩትሞታግኒንገን Akutmottagningen ተወከስ። ኣብቲ ናይ መሕረስቲ ክሊኒክ Barnmorskemottagningen ከምኡውን ኣብ ኖቫክሊኒክ Novaklinikenናይ ኣደታት ክሊኒክ ኣሎ። ናይቲ ወረዳ ማእከል ጥዕና ህጻናትን Barnavårdscentral፡ ናይቲ ኖቫክሊኒከን ቦርነንስ ሁስ Barnens hus ፡ ናይ ህጻናት ጥዕና ዎርድ ኣለዎም። ብዛዕባ ስኒ ኣብቲ ህዝባዊ ክንክን ስንን Folktandvården ኣብ ብሕታውያን፡ ንኣብነት ኖቫክሊኒከን Novakliniken ከምኡውን ናይ ኢስታድ ስንን ምትካልን ማእከልን Ystad Tand & Implantatcenter AB.፡ ሕክምና ክትረክብ ትኽእል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ትካላት ናይ ትርጁማን ኣገልግሎት ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ነፍስወከፍ ፍርቂ ሰዓት ካብ ማልመ/ሉንድ ዚወስድ ባቡር፡ ወይ ከኣ ኣብ ነፍስወከፍ 20 ደቓይቕ ካብ ማልመ ናብ ኮፐንሃገን ዚወስድ ባቡር።

ኣብ ነፍስወከፍ ሰዓት ናብ ሲምሪስሃም ዚወስድ ባቡር። ሰዓታት ኣብ ስኮነትራፊከን ይርከብ።

መሳገሪት መርከብ ክሳዕ ቦርንሆልምን ፖላንድን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

በዚ ግሩም ዝኾነ መራኸቢታት፡ ብምሉኡ ናይ ማልመ/ሉንድ ከባቢ ኣብ ዓንኬል ናይ በጺሕካ-ምምላስ ርሕቀት ይርከብ።