Kristianstad

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ተቐማጦ ክሪስትያንስታድ ብኸተማኦም ኵሩዓት እዮም። ኣብዚ፡ ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጸ ነገራት ይራኸብ። ኣብዚ፡ ቅሳነት ዝመልኦ ተፈጥሮታት፡ ዘደንቕን ፍሉይ ዝኾነ ተመክሮን ማሕበራዊ ሕውነትን ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

85590

ስፍሓት መሬት

1821 ኪሜ²

ሰባት ዝመልኦ ጐደና። ሓደ ብሩህ ናይ ክረምቲ መዓልቲ እዩ።

ክሪስትያንስታድ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ስኮነ ትርከብ፡ ኣብ ስኮነ ጽቡቕ ናይ መጎዓዝያ መራኸቢታት ኣለዋ፡ ምስ ብለኪንገ ኸኣ ትራኸብ እያ። ካብ ከተማታት ኦረሱንድን መዓርፎ ነፈርቲ ኮፐንሃገንን ንክሪስትያንስታድ ብባቡር ኣስታት ሓደ ሰዓት ይወስድ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኮሙን ብሕሱር ዋጋ ዝሸይጥ ዘቤታዊ ዕዳጋ ኣለዎ፡ እቲ ክራይ ገዛውቲ ድማ ኣብታ ሃገር እቲ ዝሓሰረ እዩ። ብዙሕ ዓይነት መንበሪ ኣባይትን ቪላታትን ባይታዊ ኣፓርትመንት ወይ እኩብ መንበሪ ኣባይትን መንበሪ ገዛውትን ዝካረን ኮንዶሚንዩምን ኣሎ።

ኣብ ክሪስትያንስታድ ፍሉይ ቤትጽሕፈት ኣባይቲ የልቦን። ንብዝሒ ዓይነታት፡ ዘይተኻረየ ገዛውትን ናይ ምክራይ ተኽእሎን ዚምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ዝዓበየ ምምሕዳር ኣባይቲ ርኸቦ። ዝበዝሑ ናይ መስርዕ ሒዝካ ምጽናሕ ኣገባብ እዮም ዚኽተሉ።

ናይ ውልቅኻ ገዛ ክትሰርሕ ትደሊ እንተ ዄንካ ወይ ንቪላ ዘስርሕ ቦታ እንተ ደሊኻ እቲ ናይቲ ኮሙን ቤትጽሕፈት ዜግነት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ቋንቋታት ዓረብ፡ ኣልባንያ፡ ቦስንያ፡ ፊንላንድስቨንስካ፡ ቻይና፡ ክሮዋት፡ ፖላንድ፡ ሰርቦክሮዋት፡ ሶማሊን ሶራኒን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

እታ 500 መኽሰብ ዘይብለን ማሕበራት ዘለዋ ክሪስትያንስታድ ኮሙን ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣለዋ። እቲ ምርጫ ኩሉ ዝጠርነፈን እተፈላለየን እዩ። ኣብኡ፡ ናብ ምኩራትን መንእሰያትን ንምቅስቓስን ዝጠመተ ባህላዊ ማሕበራት፡ ስካውት፡ ብረጋቢት ዚግበር ስፖርት፡ ማሕበራት ጃርዲንን፡ ማሕበራት ስፖርትን ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ማሕበራት ደብተርና፡ እተን እተፈላለያ ማሕበራት ዘቕርባኦ ናይ ንጥፈታት ኣማራጺታት ክትረክብ ትኽእል።

ኣብ ክሪስትያንስታድ ከመይ ጌርካ ማሕበር ከም ዚጅመር ንምፍላጥ ሓበሬታ ምስ እትደሊ ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ሓበሬታ ኣሎ።

ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢለን ዘለዋሉ ሓደ ዕዳጋ። ኣብ ቅድሚኣን ቁሩብ ንምጥቃስ ዝተጠልፉ መተርኣሳትን ሻርባታትን ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይቲ ኮሙን ዜግነት ማእከል ምስቲ ኮሙን ኣብ እትገብሮ ርክብ ከመይ ክትግብር ከም ዘሎካ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ማእከል ዘለዉ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ፡ ስለዚ ሓገዝ ተርጓማይ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብያተ ሸቐጥ

ክሪስትያንስታድ ናይ ንግዲ ከተማ ንምዃን ነዊሕ ያታዊ ተመክሮ ኣለዋ፡ ናይ ከተማ ማእከል ብምዃን እውን ተሸሊማ እያ። ኣብኣ፡ እተፈላለዩ ድኳናትን ናይ መግቢ ሸቐጥን ካፈታትን ኣብያተመግብን ኣለዉ። ኣብቲ ሰንትሩም ድማ ኣደራሽ ዕዳጋን (ጋለርያ) ኣሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ከተማ ድማ ናይ ንግዲ ማእከል ኪስራሕ ትልሚ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብቲ ኮሙን ብዙሕ ናይ ሕርሻ ፍርያት ድኳናት ኣሎ።

እቲ ኣብ ክሪስትያንስታድ ዚርከብ ቤትንባብ

ኣብ ክሪስቲያንስታድ ሓደ ማእከላይ ቤትንባብን 11 ጨንፈር ቤትንባብን፡ ክልተ መለቅሒ ነቝጣን ሓደ ኣውቶቡስ ቤትንባብን ኣሎ። እቲ ማእከላይ ቤትንባብ ናይ ጋዜጣታት መንበቢ ክፍሊ ኣለዎ፡ ኣብኡ ኮፍ ኢልካ ድማ ናይቲ ዕለት'ቲ ጋዜጣ ተንብብ፡ መጽሔታት ትገናጽል ወይ ናይ ወጻኢ ጋዜጣታት ተንብብ፡ ኣብ ወረቐት ወይ ድማ ኣብ ኢንተርነት።

ስራሕን ሰናይ መነባብሮ (ሶሲያለን)

ደገፍ፡ ሓገዝን ምኽርን ምስ እትደሊ እቲ ኮሙን ብብዙሕ መገዲ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ውሕስነት ካሳን ቤትጽሕፈ ቀረጽን ኣብ ክሪስትያንስታድ ቤትጽሕፈት ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ክሪስትያንስታድ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ድማ ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ብዙሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። (እቲ ሓበሬታ ብብዙሕ ቋንቋታት እዩ)።

ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ደገ ኣብ ሓደ መድረኽ ኾይኖም ይስዕስዑ ኣለዉ። ኣብ ቅድሚኦም ተዓዘብቲ ጠጠው ኢሎም ይርእይዎም ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቶም ናብ ክሪስትያንስታድ ዝመጹ ሓደስቲ ስድራቤት ብመገዲ ናይቲ ስሉሰን Slussen ዚብሃል ናይቲ ኮሙን ዕማም ምስ ቅድመ-ትምህርትን መባእታዊ ትምህርትን ርክብ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ክሪስቲያንስታድ ንደቂ 1-5 ዝኸውን ቅድመ-ቤትትምህርትን ከምኡውን ጽድያዊ ሰመስተር ክሳዕ 13 ዓመት ዝመልኡ ንቐዳማይ ክፍሊ ህጻናት ዝኸውን ማእከል ትርፊ ግዜ ኣሎ። ማእከል ትርፊ ግዜ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ትምህርትን ኣብ ግዜ ዕረፍትን ክፉት እዩ። ከምኡውን ከም ኣማራጺ ቅድመ-ቤትትምህርቲ ወይ ማእከል ትርፊ ግዜ ዝኾነ ትምህርታዊ ክንክን ኣሎ፡ ናብቶም ዕድመኦም ተጠቒሱ ዘሎ ህጻናት ዝቐንዐ ድማ እዩ። ኣብ ክሪስቲያንስታድ ናብ ደጋዊ ትምህርቲ ዝቐንዑ ቅድመ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ፡ ከምኡውን ናብቶም ወለዶም ለይቲ ወይ ምሸት ዝሰርሑ ህጻናት ዝቐንዐ ለይቲ ዝኽፈት ቅድመ-ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ።

እቶም ኣብ ክርስትያንስታድ ሓደስቲ ዝኾኑ ምስ ክንክን ህጻናት ርክብ ንምግባር ብመገዲ ስሉሰን Slussen ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ቈልዓ ናብ መምህሩ እንዳ ርኣየ ኢዱ ኣውጺኡ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ክሪስትያንስታድ ኮሙን ነቶም 6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ቅድመትምህርቲ ኣሎ። ገለ ናይቲ ኮሙን ኣብያተትምህርቲ ኣብ ፍሉይ ሸነኻት ከትኵራ መሪጸን ኣለዋ፡ ከም ኣብ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ስእሊ፡ ውሑስ ምዕባለ፡ ተክኒክ፡ ኢምብረዛን ሞንተሶሪን።

ኣብ ክርስቲያንስታድ 12 ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ፡ ካብዚኣቶም ከኣ 5 ናይ ኮሙን 7 ድማ ናይ ብሕቲ እዮም። እቶም 5 ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲ 17 ካብቶም 18 ሃገራዊ መደባት የቕርቡ። ብተወሳኺ ብሃገር እተፈልጠ ናብ ኵዕሶ እግርን ኵዕሶ ኢድን ዝቐንዐ ናይ ስፖርት ስልጠና ኣሎ። ከምኡውን ናብቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም መንእሰያት ዝዓለመ ሃገራዊ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ ክርስትያንስታድ ናብ ልምምድን ናብ ኣእምሮኣውን እተፈላለየን ስንክልናን ዝጠመተ ፍሉይ መባእታዊ ቤትትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኣሎ።

እቲ ብቛንቋ ኣደ ዚካየድ ትምህርቲ

ቋንቋ ኣደ ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ይኹን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ናቱ ካሪክሉም ዘለዎ ናይ ውልቂ ዓይነትትምህርቲ እዩ።

ሓንቲ ኣደ ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ንውላዳ መጽሓፍ ተንብበሉ ኣላ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ክሪስትያንስታድ ኮሙን ነቶም ምሉእ ዕድመኦም ኪምሃሩ ዚደልዩ ሰባት እተፈላለየ ምርጫታት ኣሎ። እቲ ኮሙን ነቲ ኣብ ኣባጽሕ ዘሎ ፍልጠት ንምድንፋዕን ነቲ ኢንዱስትርያዊ ህይወት ንኺበቕዑን ብንጡፍ ይሰርሕ።

እቶም ዕድመኦም 18-64 ዝኾነ፡ ሓደስቲ ኣብ ሽወደን ዝኾኑ፡ ናይ መትከል እግሪ መደብ ዘለዎም፡ ወይ ስደተኛ ዘመድ ዘለዎምን ኣብቲ ኮሙን ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ግንቦት 1-2013 እተመዝገቡ፡ ናይ ማሕበረሰብ ልልይ መደባት ይውሃቦም። ልልይ ምስ ማሕበረሰብ ብናይ ኣደ ቋንቋ እዩ ዚውሃብ፡ እዚ ድማ ንኣኻ፡ ሓድሽ መጻእተኛ፡ ኣብቲ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕን ማሕበራዊ ህይወትን ንምጽምባር የቃልለልካ። ብዛዕባ ኣብ ናይ ስራሕ ህይወትን ትምህርትን ጥዕናን ዘሎካ መሰላትን ግዴታን ፍልጠት ይህበካ።

እቲ ኮሙን፡ ቋንቋ ሽወደን ንስድተኛታት ዚብል ኮርስ ይህብ። ከመይ ጌርካ ከም እትምዝገብ ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ረአ።

ቤትጽሕፈት ኣማኸርትን ማእከል ትምህርትን ብመገዲ ትምህርታውን ሞያውን ምኽሪ ሓገዙ የቕርብ። ኣብኡ ብዛዕባ ግምገማ ትምህርቲ እውን ክትሓትት ትኽእል።

ትምህርቲ ኣባጽሕ ነቶም ኣባጽሕ ዝኾኑ ብዙሕ እተፈላልየ ኮርሳት የዳሉ።

ናይ ሞያ ኮለጅ ትምህርቲ ድሕሪ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ዚውሃብ ስልጠና እዩ። ንሱ ንተምሃራይ ንኺጥዕም ብፍሉይ መገዲ ዚውሃብ ምስ ናይ ስራሕ ህይወት እተተሓሓዘ ስልጠና እዩ። ክልሰሓሳብ ምስ ተግባር ይሕወስ። ኣብቲ መብዛሕትኡ ስልጠናታት ናይ ስራሕ ተመክሮ ትረክብ። ናይ ሞያ ኮለጅ ስልጠናታት ብናጻ እዩ፡ ካብ CSN ድማ ትምህርታዊ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል።

Lärlingsakademin Skåne Nordost ንኣባጽሕ ናይ ልምምድ ስልጠና ይህብ

ኣብ ክሪስትያንስታድ ኮለጅ ኣሎ። ክሪስትያንስታድ ኮለጅ በቲ ናይ ቁጠባ፡ ስነኣእምሮን ስነመግብን ከምኡውን በቲ ናይ ስኒ ጥዕና መደባት ስልጠናታቱ ይፍለጥ። ካልእ ናይ ስልጠና መደባትን ኮርሳትን እውን የቕርብ እዩ።

ህዝባዊ ዩኒቨርሲቲ

ህዝባዊ ዩኒቨርሲቲ ናይ ትምህርቲ ኮርሳትን ናይ ምድላው ኮርሳትን የቕርብ። እቲ ሓጺር መገዲ ዚብሃል ኣገባብ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝኾነ ኣካደምያዊ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ይምልከት።

እቲ ንስራሕ ዚምልከት ስልጠና ነቶም ንነዊሕ ግዜ ስራሕ ዘይብሎምን ኣብ ውሕስነት ስራሕን ምዕባለን ዘለዉን ወይ ድማ ስራሕ ዘይብሎም ኮይኖም ኣብቲ ናይ መንእሰያት ውሕስነት ስራሕ ዘለዉን ይምልከት።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ሰለስተ ቈልዑ ኣብ ሓደ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ኮረብታ ኾይኖም ዓለልፈለል የንፍሩ ኣለዉ። ንፋስ ነተን ዓለልፈለል ተታሒዝወን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ትካላት መንግስቲ ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ተርጓማይ ሕገዝ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ባቡር ጌርካ ካብ ደንማርክ ወይ ካብ ብለኪንገ ናብ ክሪስትያንስታድ ብቕልጡፍ ክትበጽሕ ትኽእል። ኣብ ማእከል ከተማ ክሪስትያንስታድ ማእከል መንሃርያ ባቡራት ኣሎ፡ ኣብ ኦነስታድን ፍየልኪንገ ድማ ናይ ተመላለስቲ ባቡራት መነሃርያ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ክሪስትያንስታድ ምስቲ መነሃርያ ባቡር ዘራኽብ ናይ ኣውቶቡሳት መስመራት ኣሎ፡ ከምኡውን ኣብ መንጎ ናይተን ከተማታት ኮሙንን ወጻኢ ካብ ኮሙንን።

ኣብ ክሪስትያንስታድ ዚርከብ Skånetrafiken ንባቡርን ኣውቶቡሳትን ዚምልከት የመሕድር። ኣብቲ መርበብ ኢንተርነቶም ናይ ሰዓታት ሰሌዳ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።

ናይ መግቢ ዕዳጋ ኣብ ክሪስትያንስታድ። ሓደ ሰብኣይ ፈላፈል የዳሉ ኣሎ። ሰለስተ ጠጠው ዝበሉ ኣወዳት ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ይርእዩ ኣለዉ።