Lund

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ካብተን ኣብ ዓለም ብዝለዓለ ዝምደባ ሚእቲ ዩኒቨርስታት ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ትርከባ ሉንድ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዚየን ናይ ጥንቲ ዝኾና ከተማታት ናይ ስካንድናቭያ እያ። ኣብዚ ልምድን ምህዞን ይራኸቡ፣ ኣብዚ እቲ ርሕቀት ሓጺር ኾይኑ መጽናዕታዊ ምርምር ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ዝበለጹ እዩ። ኣብ ሉንድ ኮሙን ዳርጋ ንዅሉ ቀረባ እዩ። ኣብዚ ናይ ከተማን ገጠርን ሂወትን ተፈጥሮን ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ሃብታም ማሕበራውን ባህላውን ሂወት ኣሎ። ብሓጺሩ ኣብዚ ንዅሉ ሰብ ዝሰማማዕ ገለ ነገር ኣሎ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

124741

ስፍሓት መሬት

440 ኪሜ²

ናይ ሉንድ ካቴድራል።

መንበሪ-ገዛ

ዝካረ ኣባይቲ ኣብ ሉንድ ኮሙን፡ ኣብቶም ኮሙናዊ ትካል ኣባይቲ "ሉንድስ ኮሙን ፋስቲግሄትስ ኣበ (LKF)፡ ከምኡ'ውን ምስቶም ግላውያን ወነንቲ ኣባይትን ትካላት ኣባይትን ኣሎ። ክራይ ገዛ ንምድላይ ባዕልኻ ምስ ነፍስ ወከፍ ዋና ገዛውቲ ወይ ትካል ገዛውቲ ርክብ ክትገብር ኣለካ።

ዝርዝር ናይ ኣብ ሉንድ ከምኡ'ውን ገጠራት ቨበሮድ፡ ሶድራ ሳንድብይን ገናርፕን ዘለዉ ናይ ግሊ ኣካረይቲ ገዛውቲ ንምርካብ ምስ እዚ ኮሙን ርክብ ግበር።

ዝኣረገ መንበሪ ገዛውቲ ዘለውዎ ሓደ ጐደና ኣብ ሉንድ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሉንድ ኮሙን ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡ ጕጅለታት ኣለዉ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ምስዚ ኮሙን ርክብ ግበር።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሉንድ ኮሙን ሓደ ሃብታም ማሕበራዊ፡ ናይ ናጻ ግዜን ባህላውን ቀረባት ኣሎ። ክትሳተፈለን ትኽእል ብዙሓት ኣማኢት ማሕበራት፡ ክበባት ትምህርቲ፡ ውድባትን ካልኦት ክበባትን ኣለዋ። ኣብቲ ናትና ናይ ፍጻሜታት ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ፍጻሜታት ክካየድ ምዃኑ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሉንድ ኮሙን፡ ዝተፈላለያ ድኳናት ከምኡ'ውን ባንክታት፡ ቤት ንባብ፡ ቤት መድሃኒት፡ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedling)፡ ናይዚ ኮሙን ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ቤት ጽሕፈት ዜጋታትን (Medborgarkontor) ኣለዋ። ብዓል መዚ ግብርን ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ኣብ ሉንድ ቤት ጽሕፈት ኣለወን።

ኣብዚ ናይ ስፖርት ኣዳራሻት፡ መሓምበሲ ኣዳራሻትን ሓደ ዓቢ ቀረብ ናይ ናጻ ግዜን ባህላዊ ንጥፈታትን ኣሎ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሓደ እንዳ ሕብስቲ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሉንድ ኮሙን ንዅሎም ቈልዑ ካብታ ደቂ ሓደ ዓመት ዝኾኑላ ክሳብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝጅምሩ ሓደ ቦታ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ይቕርበሎም እዩ።

ኣብ ገዛ ናእሽቱ ቈልዑ ሒዝካ ኮፍ ኢልካ ዘለኻን ኣብ መውዓሊ ህጻናት ዘይተመዝገብካን፡ ናብቲ ንቈልዑን ዓበይትን ከም መራኸቢ ቦታ ዘገልግል ናትና ክፉት መውዓሊ ህጻናት ብደሓን ምጻእ!

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ኵሎም ኣብ መንጎ 6ን 16ን ዓመት ዕድሚኦም ቈልዑ ይምሃሩ። ውላድካ 6 ዓመት ኣብ ዝመልኣላ ዓመት ኣብ ትጅምረሉ ዘሎ ግዜ፡ ውላድካ ትምህርቲ ቅድመ- ትምህርቲ ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ከም ትደሊ ድልየትካ ተመልክተሉ ግዜ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኮሙን ካብ ዘለዋ ኮሙናውያንን ናይ ግሊን መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሉንድ ካብ ሓሙሽተ ኮሙናውያንን ዓሰርተ ክልተ ናይ ግሊን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኮሙናዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ሰፊሕ ቀረብ ትምህርትታት ኣሎ። ስለዚ እቲ ንዓኻ ዝሰማማዕ ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሉንድ ኮሙን ኵሎም ሓደሽቲ መጻእቲ ቈልዑን ተምሃሮን ኣብ ሉንዳቬልኮምስተን ንቕበሎም። ኣብዚ ነቶም ተምሃሮ ንምዝግቦምን ግምገማ ንገብረሎምን፡ ድሕሪኡ ኣብኡ ካብ 1 ካሳብ 3 ሰሙን ይምሃሩ። ድሕሪኡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንኽምደብ ዕድል ይወሃቦ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ሉንድ ማእከል መምርሒ ሓበሬታ (Vägledningscentrum)፡ ሓበሬታ፡ ከምኡ'ውን ንትምህርትን ዕዳጋ ስራሕን ዝምልከት መደብ ናይ ምውጻእ ሓገዝን ሓበሬታን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብናጻ ናይ ትምህርትን ሞያን ምኽሪ ንህብ፡ ናባኻ እኹል ሰብ ዝኾንካን ኣብ ሉንድ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካን ድማ ኣቓልቦ ንገብር።

ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (SFI) ንኽትምሃር፡ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ትነብርን መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ሽወደን ዘይብልካን ሰብ ዕድል ይወሃብ። ኣብቲ ትምህርቲ፣ ብሽወደንኛ ምዝራብ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ትምሃር። ከምኡ'ውን ነዚ ቋንቋ ኣብ ምዓልታውን ሂወትካን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን ንምጥቃም ትለማመድ። ትምህርቲ ምስ ተወደኣ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ እዩ። ኵሉ ትምህርቲ ብናጻ እዩ።

ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብ ሉንድ፡ ዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ኣማራጺታት ኣብ በጽሒ ዕድሜኻ ክትምሃር ክትጅምር ንእትደሊ ዕድል ይህብ። በዚ ኣገባብ ድማ ንዓኻ ዝሰማማዕን ካብ ተገዳስነትካ፡ ኣድላዪ ዝኾነን ኵነትን ተበጊስካ ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል።

ልልይ ምስ ሕብረተ-ሰብ ንሓደሽቲ መጻእቲ፡ ትምህርቲ ብዛዕባ ሽወደን ዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ንዝኾንካ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታታትካን፡ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ዲሞክራሲ፡ ከምኡ'ውን ናይ ሽወደን ሕብረተ-ሰብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ፍልጠት ትረክብ። እቲ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣዴኻ ወይ ብኻልእ ትኽእሎ ቋንቋ እዩ ዝወሃብ። ነቲ ትምህርቲ ብርሑቕ እውን ክትመሃሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ሕቶታት ክትሓትትን ክትዛተን ዕድል ክትረክብ ኢኻ። ትምህርቲ ምስ ተወደኣ ምስክር ወረቐት ይወሃበካ እዩ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ትምህርቲ ኣባጽሕ ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሉንድ ኮሙን ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነታት ክንክን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብ ብዙሕ ውሑድ ንምጥቃስ ኣብዚ ማእከል ክንክን ጥዕና፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣዴታት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን ሕክምና ስኒን ኣሎ።

እቲ ዝቐረበ ናይ ህጹጹ ረድኤት ክሊኒክ ኣብ ናይ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብ ማልሞን ላንድስክሮናን ሆስፒታላት ኣሎ። ብዛዕባ ጥዕናን ሕክምናን ዝምልከት ሕቶታትን ሓበሬታን፡ ምስ ቮርድጋይደን ብቝጽሪ ተሌፎን 1177 ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሉንክ ኮሙን እንዳ ተመላለስካ ትሰርሓሉ ወይ ትምሃረሉ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣለዋ። ንኣብነት ናብ ማልሞ፡ ሾፐንሃምን ወይ ሀልሲንቦርይ ቀረባን ናብኡ ንምኻድ ቀሊልን እዩ። ጕዕዞታት ኣብ ውሽጢ እዚ ኮሙንን ዞባን ብስኮነትራፊከን ይግበር። ሰለስተ መደበር ባቡራት ኣሎ፡ ናይ ሉንድ ሰንትራልስታሾን፡ ጉነስቡን ስቶንግብይን።

ሰባት ኣብ ሓደ ናይ ባቡር መድረኽ።

ነዊሕ ርሕቀት ክትጕዓዝ እንተ ደሊካ፡ ንኣብነት ናብ ዮተቦርይ፡ ስቶኮልም ወይ ናብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ሽወደን፡ ብናይ ኤስዪ (SJ) ባቡር ክትጕዓዝ ትኽእል ኢኻ። ብስወቡስን (Swebus) ኔትቡስን (Nettbuss) ጌርካ ካብ ሉንድ ተበጊስካ ኣብ ውሽጢ ሽወደን እውን ክትጕዓዝ ትኽእል ኢኻ። እቶም ዝቐረቡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ማልሞ (ስቱሩፕ) ከምኡ'ውን ኣብ ሾፐንሃምን (ካስትሩፕ) ይርከቡ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሉንድ ሓደ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ዋንነተኛነት ባህሊ ኣሎ። ብዙሕ ንጥፈታት ኢንዱስትሪን ንግድን ምስ ዩኒቨርሲቲን ሆስፒታልን ምትሕሓዝ ኣለዎም። ከምኡ'ውን ሉንድ ሰፈር ናይ ብዙሓት ዕዉታት ትካላት እያ።

ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ሉንድ ኮሙን ክትሰርሕ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኵሉ ክፉት ስራሓት ኣብ ናይዚ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ትረኽቦ ኢኻ። ሓበሬታ ብዛዕባ ምብጋስን ምክያድን ትካል ኣብ ናይዚ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ኣሎ።