Hörby

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ፡ ኣዝዩ ንእሽቶይ ምምሕዳር ከተማ ግን’ከ ኣብ ክንፊ ዓበይቲ ከተማታት ዝርከብ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ተጎልቢቡ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ እዩ። ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ በረኻ ዘለኻ ኮይኑ ዝስመዓካ ግን’ከ ሰብን ዕዳጋን ኩሉ ዘድልየካን ኣብ ጥቓኻ እዩ። እዚ ምምሕዳር ከተማ’ዚ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ሆርቢ እትርከበን ብርክት ዝበላ ዓድታት ይሓቁፍ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ፡ መብዛሕትኡ ፍልይ-ፍልይ ኢሉ ዝርከብ ነኣሽቱ መንበሪ-ኣባይትን፡ ከምኡ ውን ዝካረን ዝሽየጥን መንበር-ኣባይቲ፡ ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ብብዝሒ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት (ሽወደን ወጊንካ) ዓረበኛን ኢራነኛን እዮም። ካልእ ቋንቋታት ከም ፖላንድ፡ ኣልባንያ፡ ሰርብያ፡ ክርኦሽያ ውን ይርከቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ፡ ኣብ መዳይ ስፖርትን ባህልን ዝነጥፋ፡ ኣስታት 120 ንጡፋት ምዝጉባት ማሕበራት ይርከባ። ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ፡ ነቶም ስደተኛታት ዝኾኑ ሰባት ብማሕበራት ተጠርኒፎም ክነጥፉ ንምትብባዕ ዝዓለመ፡ ኢንቲግራኹን ኢ ፎረኒን (ምጥርናፍ ኣብ ማሕበራት) ፕሮጀክቲ ውን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ሆርቢ፡ ንመዓልታዊ መነባብሮ ዘድሊ ነገራት ብቐረባ ትረኽብዎ። ኣብታ ማእከል ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ዝኾነት ከተማ ሆርቢ ንኣብነት፡ ፋርማሲ፡ ባንኪ፡ ቤት-ንባብ ከምኡ ውን ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ይርከብ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ድኳናት ዘገልገለ ንብረ ውን ኣለኩም። ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ፡ ክፉትን ዕጹውን መሐንበሲ-ማእከላት፡ ማእከል ኣካላዊ ልምምድ ከምኡ ውን ማእከል መውጻወቲ ቦዊሊንግ፡ ኣለኩም። ኣብተን ምስዚ ምምሕዳር ከተማ ዝጽንበራ ዓዲታት፡ ብዙሕ ከምቲ ዝድለ ድኳናትን ካልእን ዘይክርከብ ይኽእል። ስፍሕ ዝበለ ዕድጊ ክትገብሩ ወይ ውን ናብ ኣብያተ ጽሕፈታት መንገስቲ (ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ቤት-ጽሕፈት በዓል-መዚ ቐረጽ ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት) ክትበጽሑ ምስ እትደልዩ ግን፡ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት፡ ሆር ወይን ኤስሎቭ፡ ምኻድ ከድልየኩም እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ሆርቢ፡ መንስታውን ግላውን ማእከል መውዓሊ-ህጻናት ኣለኩም። ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ክወሃበኩም ነዊሕ ግዜ ክትጽበዩ ኣይደልየኩምን እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ፡ 7 ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታትን፡ ሓንቲ፡ ናይ ምምሃር ጸገማት ዘለዎም ተመሃሮ እትአንግድ ቤት-ትምህርትን ካልእ ነጻ መባእታዊ ቤት-ትምህርትን ትርከብ። 3 ካብዘን ኣብያተ-ትምህርታት ኣብ ማእከል ከተማ ሆርቢ ክርከባ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ከኣ፡ ኣብተን ውጽእ ኢልካ ዝርከባ ዓዲታት ይርከባ። እታ ፍልይቲ ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ከባቢ ቤት-ትምህርቲ ጆርጂስሂልስ ትርከብ። እታ ነጻ መባእታዊት ቤት-ትምህርቲ ከኣ፡ ኣብ ሉድቪግስቦሪ ትርከብ።

ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ፡ ባዕሉ ዘመሓድራ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ከተማ ሓንቲ ናይ ግሊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣላ። እዛ ቤት-ትምህርት፡ ሆርቢ ማያዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተባሂላ ትጽዋዕ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ማእከል-ትምህርቲ ሆርቢ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣሎ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ) ከምኡ ውን መእተዊ መደብ-ትምህርቲ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል ከተማ ሆርቢ፡ ሕክምና ኣሎ። እዚ ሕክምና'ዚ፡ ፍሉይ ክፍሊ-ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ ውን ህዝባዊ ክሊኒክ-ስኒ (ፎልክ-ታንድቮርደን) ኣሎ። ብዜካ'ዚ፡ ናይ ግሊ ጥዕናዊ ማእከላት ውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ ትቕመጡ ምስ እትኾኑ፡ ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ተርጓሚ ክቁጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ከተማ ሆርቢ ነቲ ቃና ጽርግያ ዝኾነ (E22) ተጎዝጒዛቶ ትርከብ። ናብ ማልሞ፡ ሉንድ፡ ከምኡን ውን ኪዃንስታድ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ብኣውቶቡሳት ኣሎ። ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣብዚ ዞባ፡ ብትካል ስኮነኤክስፕረሰን እዩ ዝምእከል። ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካልእ ኣብ እትጎዓዙሉ እዋን ካልኦት ኣተኣሳሰርቲ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን፡ ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ፡ ነኣሽቱን ዓበይትን ወኣህብቲ-ስራሕ ኣለዉ። መብዛሕትአን ኣብዚ ቦታ ዝርከባ ትካላት ኣብ መዳያት ተኤክኒን-መድሃኒታትን ጽላት መካይንን ይነጥፋ። ምምሕዳር ከተማ ሆርቢ ውን ንባዕሊ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ እዩ። ከተማ ሆርቢ ኣብ ከባቢ ዓበይቲ ከተማታት፡ ማልሞ፡ ሉንድ፡ ክዃንስታድን ካልእ ከተማታትን ስለዝርከብ፡ ኣብኡ ብምኻድ ምስራሕ ውን ኣጸጋሚ ኣይከውንን።