Skurup
ስኩሩፕ ኮሙን ኣብ መንጎ ዪስታድን ማልሞን ይርከብ። ንሱ ገጠራዊ ምጩውነት ኣለዎ፡ ንዓበይቲ ከተማታት ድማ ቀረባ እዩ። ናይ ስኩሩፕ ከተማን ሪድስጎርድን ምስ ማልሞ/ኮፐንሃገን/ካስትሩፕን ይስታድ-ሲምሪስሃምን ዘራኽብ ጥቡቕ ናይ ባቡራት መስመራት ኣለዎ። መዓርፎ ነፈርቲ ማልሞ 18 ኪ.መ ርሒቑ ይርከብ።
ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ
ብዝሒ-ህዝቢ
15869
ስፍሓት መሬት
511 ኪሜ²

መንበሪ-ገዛ
ናይ ስኩሩፕ ኮሙን ጥቓ ተፈጥሮ ዝኾነ ሰሓቢ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ። እቲ መንበሪ ኣባይቲ፡ ቪላን ኣፓርትማን ዝጠርነፈ እዩ። እቲ ናይ ስኩሩፕ ኮሙናዊ ወኪል ገዛውቲ፡ ስኩሩፕስ ሀም ይብሃል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ
ብቐዳምነት ዓረብን ዳሪን። ምስ ዘድሊ ድማ ትምህርቲ ብኻልእ ቋንቋ።
ማሕበራትን ምትእኻባትን
ኣብ ስኩሩፕ ኮሙን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣሎ። ከምኡውን እተፈላለያ ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራት ኣለዋ።
ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ
ኣብቲ ናይ ስኩሩፕ ሰንትሩም፡ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ኣሎ፡ ከምኡውን እተፈላለየ ቡቲካት፡ ባንካታት፡ ፋርማሲ፡ ቤትንባብን ፍሉጥ መሐምበስን ወዘተ. ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ናይ መግቢ ድኳን ኣብቲ ሰንትሩምን ኣብ ከባቢኡን ይርከብ። ኣብ ከተማታን ሪድስጎርድን ኣበኮስን፡ ድኳናት ኣሎ። ኣብ ኩሉ ቦታታት ድማ ኣብያተመግቢ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ
ኣብ ስኩሩፕ ኮሙን ብዙሕ ኣጸደ ህጻናት ኣሎ። ናብቲ ኣጸደ ህጻናት ንምእታው ዚወስድ ናይ ምጽባይ ግዜ ሓጺር እዩ። ስለዚ ውላድካ ብቕልጡፍ ኪኣትወልካ ይኽእል እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን
ኣብ ስኩሩፕ ኮሙን ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ስኩሩፕ፡ ስሊሚንገ፡ ሪድስጎርድን ሺቫርፕን መባእታዊ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብ ስኩሩፕ ናይ ኒልስ ሆልየርሶንስዪምናስየት ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ።
ዕድላት ትምህርቲ
ኮምቩክስን ኤስኤፍኢን ኣብ ኒልስ ሆየርሶን ትምህርቲ ንኣባጽሕ ይርከብ።
ኣገልጎት ጥዕና
ኣብ ስኩሩፕ ማእከል ጥዕና፡ ክሊኒክ ኣደታት፡ ማእከል ጥዕና ህጻናትን ክንክን ስንን ኣሎ፡ ኣብ ሪድስጎርድን ሺቫርፕን ድማ ማእከል ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል 24 ኪ.መ ርሒቑ ኣብ ዪስታድ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ
ናይ ተርጓማይ ሓገዝ፤ ብዓረብን ዳሪን ሶማልን ኣሎ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ
ካብ ስኩሩፕ ክሳብ ማልሞ፡ ዪስታድ፡ ሉንድን ረለቦርይን ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡስን መስመራት ኣሎ። ናብ ኮፐንሃገን ስቨዳላን ቀጥታ እትኸይድ ባቡር ኣላ። ብዛዕባ ናይ ስኮነ መጎዓዝያ ሰዓታት ጕዕዞ ብተወሳኺ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን
እቲ ምስ ከተማታት ዘራኽብ መስመራት ግሩም ብምዃኑ ዝበዝሑ ወሃብቲ ስራሕ ብፐንደልቶግ ወይ ተመላላሲት ባቡር ዚብጽሑ እዮም።