Gullspång

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ጉልስፕሮንግ ንእሽቶ ኮምዩን ኮይና ኣብ መንጎ ናይ ሽወደን ዝዓበያ ቀላያት፡ ቨነርን ቫተርን፡ ትርከብ። 5300 ተቐማጦ ዘለዋ ጉልስፕሮንግ፡ ምጭውትን ደስ እተብልን ኮምዩን እያ። ናይቲ ኮምዩን ዓበይቲ ከተማታት፡ ሁቫን ጉልስፕሮንግ እየን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ኮምዩን ናይ ክራግ ገዛውትን፡ ኮንድሚንይምን ቪላታትን ኣሎዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ቦታ ፋርስ/ዳሪ፡ ፋርሲ፡ ፓሽቶ፡ ትግርኛ፡ ትግረ፡ ሊንጋላ፡ ስዋሂሊ፡ ፈረንሳ፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ሶማሊ ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን፡ ፐንትኮስት ቤትክርስትያንን ሚስዮን ቤትክርስትያንን ይርከባ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብዚ፡ ካልእ ፈዲፍካ ድኳናትን፡ ቤት ንባብ፡ ቤት መግቢ፡ ካፈ፡ ጂምን ፋርማሲን ኣሎ።

ኣብ ጉልስፕሮንግ ኮሙን ናይ መሓምበሲ ቦታ ርሑቕ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣብ ኦተርባከን ባርፉተን፡ ካብ ሁቫ ውጽእ ኢልካ ኣብ ስካገርስቪክ ስካገርስቪክስባደት ኣሎዉ።

መሕኮርን ዝጻወቱ ቈልዑን ዘለውዎ መጻወቲ ቦታ።

ኣብዛ ኮሙን ናይ በይኖም ዝመጹ ቈልዑ መንበሪ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ጉልስፕሮንግ ኮምዩን ኣብቲ ናይ ኦተርባከንን ሁቫን ጉልስፕሮንግን ነኣሽቱ ከተማታት ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ኣብ ናይ መውዓሊ ህጻናት ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ ኣብ በረኻ ይጐዩን ይጻወቱን ኣሎዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ጉልስፕሮንግ ናይ F-9 ዓመተትምህርቲ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ሁቫ ከኣ ናይ F-6 ዓመተትምህርቲ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ማሪየስታድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ኦተርባከን ቍሸት ለርሰንትሩም፡ ኤስኤፍኢ ከምኡውን ናይ ሕብረተሰብ መላለዪ ለርሰንትሩም ኣሎ። ኣብ ካርልስታድ፡ ኾቭደን ኦረብሩን ዩኒቨርሲቲ/ኮለጅ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማታት ጉልስፕሮንግን ሁቫን ማእከላት ክንክን ጥዕናን ኣሎዉ። ኣብ ጉልስፕሮንግ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ጉልስፕሮንግ ኮምዩን፡ ምስ ዘድሊ፡ ካብ ናይ ማርየስታድ ቤትጽሕፈት ትርጉም ኣገልግሎት ይጥቀም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን፡ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ናይ ጉልስፕሮንግ ኮምዩን እዩ። ኣብቲ ንጥፈታትና፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ቤትትምህርትን ክንክን ኣረጋውያንን ናይ መተካእታ ሓጺር ወይ ነዊሕ ግዜ ዚወስድ ስራሕ ኣሎ። ኣብዚ፡ ናይ ምስናዕ ፋብሪካታትን ነኣሽቱ ዋኒናትን ይርከቡ።