Lidköping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ሊድሾፒንግ ደስ ንኺብለካ ቀሊል እዩ። ሊድሾፒንግ ኣስታት 38,900 ተቐማጦ ኣለውዋ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝዓበየ ቀላይ ሽወደን ማለት ቨነርን ድማ ትርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ጥቓ ማያት ብምዃና ኮላንድሰ ምስ ለኮ ከምኡውን ከረን ኪነኩለ፡ እዚ ኩሉ ካብቲ ልሙድ ዝሓለፈ ናይ ተፈጥሮን ዕረፍትን ተመክሮ እዩ። ከምቲ ብጥንቲ ዝነበርናዮ ጥቓ ማይ፡ ጥቓ መሬት፡ ጥቓ ነንሕድሕና ኢና እንነብር። እዚ ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ቅልጡፍ ለውጥን ዓውለማውነትን ናይ ኣከባቢ ሓደጋን ይካየድ ብምህላዉ ዘየገድስ ኣይኮነን። ሊድሾፒንግ ነቲ ቱሪስትን ነቲ ዋኒናት ከካይድ ዚደልን ወይ ህይወቱ ኮፍ ኢሉ ከሕልፎ ዚደልን እትኸውን ኮምዩን እያ። እዚ ኩሉ ነቲ ኮምዩን ዚገልጽ ጥራይ ዘይኮነስ በቶም ተቐማጦ ተሳታፍነት ዘለዎ እዩ።

ኣብ ሊድሾፒንግ፡ ክንራኸብ፡ ክንካታዕን ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥን ንፈቱ። ከምኡ ተዘይከውን ደኣ ኣብዛ ንእሽቶ ከተማ ከመይ ኢሉ ልዕሊ 30 ካፈታት ክህሉ ክኢሉ።

ቤት ምኽሪ ኣብ ሊድሾፒንግ

መንበሪ-ገዛ

እቲ ብኮምዩን ዚውነን ትካል ኣባይቲ AB Bostäder ኣብ ማእከል ከተማ ሊድሾፒንግ፡ ሳለቢ፡ የርፖስ፡ ቪኒንጋ፡ ዪልስታድ፡ ቱንን ኦሽሎሳን ዚካረ ኣፓርትማ ኣለዎ።

ኣብ ሊድሾፒንግ ኮምዩን ናይ መንበሪ ኣባይቲ ደልዳሊ የልቦን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቶም ናይ ስካንዲናቭያ ቋንቋታት ዘይዛረቡ ሰባት እቲ ልሙድ ቋንቋ፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡እንግሊዝ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ፡ ትግረ፡ ፓሽቶ፡ ሩስያ፡ ኩርማንጂ፡ ታይላንድ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሊድሾፒንግ ምዝጉባት ማሕበራት ዘለዎ ንጡፍ ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ንሳተን ኣብ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ደጋዊ ህይወት፡ ምንቅስቓስ ወዘተ ይነጥፋ። ኣብኡ ብዙሓት ኣብያተክርስትያንን ሃይማኖታውያን ጉብኤታትን ኣለዋ። ኣብቲ ናይ ማሕበር ደብተር ንኣኻ ዘገድሳ ማሕበራት ክትረክብ ትኽእል።

ኣብ ሊድሾፒንግ ኮምዩን ናይ ሙዚቃ ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ንሱ ብሊድሾፒንግ ኮምዩን እዩ ዚካየድ፡ ኣብኡ ድማ ህጻናትን መንእሰያትን ኪለማመዱን ሙዚቃ መሳርያ ኪጻወቱን ዕድል ይረኽቡ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ኮምዩንና ቤትንባብ፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ ቤትጽሕፈት መድህን፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽ፡ ባንክ፡ ፋርማሲ፡ ይርከብ። ከምኡውን ብዙሕ ዝዓይነቱ ግሮሰሪታት፡ ናይ ገዛ ኣቕሑ ዚሽየጦን ሰከንድሃንድ ድኳንን ይርከብ። ገለ ድኳናት ካብቲ ሰንትሩም ውጽእ ኢልካ ይርከባ። ምሳታተን ድማ ግሩም ሓፈሻዊ መራኸቢታት ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

"ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ሓልዮት ቈልዑን መውዓሊ ህጻናትን ብዝያዳ ኣንብብ። "

ሓደ ቈልዓ ኣብ በረድ ይጻወት ኣሎ።

ኣብቲ ኮምዩን እቲ ናይ ህጻናት መእለዪ ኣብ ጥቓቲ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ዚርከብ። ኣብ ሊድሾፒንግ ንናይ 1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ቤትትምህርትን መውዓል ስድራቤትን ኣሎ። ነቶም ጥዑም ዘይኮነ ናይ ስራሕ ግዜ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ዚኸውን መእለዪ ህጻናት ኣሎ፡ ንኣኻን ንውሉድካን ዚኸውን ክፉት መራኸቢ ቦታ ድማ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ናይ ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ህጻናት ድማ ኣሎ።

ክፉት መውዓሊ ህጻናት

ኣብቲ ክፉት ቤትትምህርቲ ንህጻናት ናይ ጉጅለ ንጥፈታት ኣሎ። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ድማ ደገፍካ ክትህብ ትኽእል። ክፉት ቤትትምርህቲ ንኣኻ ካብ 0-6 ዓመት ዝዕድመኡ ውላድ ዘሎካ እዩ። ኣብኡ ህጻናትን ዓበይትን ብሓደ ይራኸቡን ይጻወቱን። እቲ ንጥፈት ናጻ እዩ፡ ምምዝጋብውን ኣየድልን።

ናይ ናጻ ግዜ መዘናግዒ ኣዳራሽ

ናይ ዕረፍቲ ቤት ነቶም ወለዶም ዚሰርሑ ወይ ዚመሃሩ ዕድመኦም ካብ 6-12 ዝኾነ ህጻናት ይምልከት። ናይ ዕረፍቲ ቤት ነቲ ትምህርቲ ከም ዚማላእ ይገብሮ ነቲ ህጻን ድማ ትርጉም ዘለዎ ናይ ዕረፍቲ ግዜን ኣብ ምዕባለኡ ድማ ደገፍ ይህቦን። እቲ ህጻን ብእዋን ዕረፍቲ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ቤት ምዃን ደስ ይብሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስ፡ ንደቂ 6 ዓመት ህጻናት ዝዓለመ ወለንታዊ ትምህርቲ እዩ፡ ኣብ መንጎ ቤትትምህርቲ ህጻንን ግዴታዊ ትምህርትን ድማ ከም መሰጋገሪ እዩ። ዝበዝሑ ደቂ 6 ዓመት ሽወደናውያን ኣብቲ ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስ እዮም ዚምዝገቡ። ኩለን ንደቂ 6 ዓመት ዘገልግላ መባእታዊ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ሊድሾፒንግ፡ ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስ የቕርባ እየን።

መባእታዊ ቤትትምህርቲ ነቶም ደቂ7-16 ዝኾኑ ህጻናት ግዴታ እዩ። መብዛሕትኦም ህጻናት ሽወደን 7 ዓመት ምስ መልኡ ኣብ ትምህርታዊ ዓመት 1 ኣብ ግዜ ቀውዒ እዮም ዚጅምሩ።

ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝኾኑ ዕድመኦም ድማ 1-7 ዝኾነ ተመሃሮ፡ እቲ ኢንተርናሽናል ክላስ ከም መዳለዊ እዩ።

ኣብ ሊድሾፒንግ ኣብ ማእከል ከተማ ዚርከብ ደ ላ ጋርዲየዪምናሴት ዚብሃል ንጡፍን ብዙሕ ዕድላት ዘለዎን ቤትትምህርቲ ኣሎ። እዚ 2000 ተምሃሮን 300 ሰራሕተኛታትን ዘለዎ ቤትትምህርቲ ኣብ ስካራቦሪ እቲ ዝዓበየ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እዩ። ኣብቲ ኮምዩን ቶረን ኢኖቨሽን ስኩል ዚብሃል ቤትትምህርቲውን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ነቶም ኣብ ሊድሾፒንግ ዚመሃሩ ሰፊሕ ናይ ምርጫ ተኽእሎን ዓቢ ዕድላትን ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ሊድሾፒንግ ካምፓስ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ማለት መባእታዊ፡ ካልኣይ ደረጃዊ፡ ሞያዊ ኮለጅ ወይ ኮለጅ ክትመህር ተኽእሎታት ኣሎ፣ ። እቲ ካምፓስ መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን ዚህብ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ትምህርቲ ይህብ እዩ። እዚ ናብቶም መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደንኛ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ዘድሃበ እዩ። ኣብዚ ናይ መባእታውን ካልኣይ ደረጃውን ትምህርቲን ንኽትወስድ እውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

እቲ ኣብ ሊድሾፒንግ ዝርከብ ናይ ስካራቦርይ ሆስፒታል ልክዕ ከምቲ ኣብ ሾቭደ ዝርከብ ናይ ስካራቦርይ ሆስፒታል፡ ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበሊ ሆስፒታል እዩ። እቲ ሕክምና፡ ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት፡ መጥባሕቲ፡ ሕክምና ስነ ሽንቲ፡ ጽገና ዓጽሚ፡ ናይ ደቀንስትዮ ክሊኒክ፡ ኣነስተሲ/ውገሳ/ናይ ውጹዓት ክፍሊ፡ ኤክስረይ፡ ናይ ስራሕን ምውስዋስን ሕክምና ኣሎ።

ከምኡ'ውን ኣብቲ ሆስፒታል ክፉት ክሊኒክ ናይ ክንክን ህጻናትን ናይ ዓይንን እዝኒ-ኣፍንጫ-ጎረሮን፡ ናይ ምስማዕን ምጽማምን ንጥፈታት፡ ናይ ዓበይቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና፡ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና፡ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ምሕዳስ ጥዕናን ናይ ደም ምርመራ ላቦራቶርን ባንክ ደምን ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ህጻናት ማእከል ክንክን ጥዕና ብዛዕባ ውላድካን ብዛዕባኻ ከም ወላዲ መጠንን ኵሉ ሕቶታት ከተቕርብ ዕዱም ኢኻ። ንሳቶም ብዛዕባ ምጥባው፡ መግቢ፡ ድቃስ፡ ወላድነትን ብዛዕባ ናይ ውላድካ ሕማምን ምኽሪ ይህቡኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ኣብ ትገብሮ ኵሉ ርክባት ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ ተኽእሎ ኣሎ። ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ንምርካብ ኩሉ ግዜ ምስቲ ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ቬስትትራፊክ (Västtrafik) ናይዚ ናትና ኣከባቢ ናይ ህዝባዊ መጐዓዝያ ሓላፍነት ኣሎዎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብዘይካ ሊድሾፒንግ ኮምዩን ከም ናይ ሶተኔስ ጕጅለ ሓይሊ ኣየር (Såtenäs Flygflottilj)፣ ምዕራባዊ ዞባ ዮታላንድ (Västra Götalandsregionen)፣ ዳፍጎርድ (Dafgård)፣ ዩላ (Jula)፣ ኤለክትሮሉክስ (Electrolux)፣ ቮልቮ (Volvo)፣ ኣርላ (Arla)፣ ፕሮመንስ (Promens)፣ ፋዘር (Fazer) ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣሎዉ።

ሳላ እቲ ናይ መራኸቢታት ተኽእሎ ዮተቦሪን ትሮልሃታን ኣብ ናይ በጺሕካ እትምለሰለን ርሕቀት ትረኽበን።