Uddevalla

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብዚ ኮሙን ናብ ባሕሪ፣ ጫካን ጎቦታትን ቀረባ ዝኾነ ሃብታም ተፈጥሮ፣ ባህልን ንግድን ንምርካብ ዕድል ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሰባት ኣብ መናፈሲ ወሰን ባሕሪ ብብሽክለታን ብእግሮምን እንዳተዛወሩ።

ሓንቲ ናይ ከባብን ክሊማን ዘመናዊ ምዕባለን መሰጥቲ ኣጋጣሚታት፣ ጽቡቓት ተፈተውቲ ቦታታትን ሓደ ብርቂ ዝኾነ ፍሉይ ቦታ ኣብ ቡሁስሌንን ዘለዋ ከተማ። እቲ ካብ ማኻይን ጨሪሹ ናጻ ዝኾነ ን9 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕ ናይ ኣጋርን ብሽክለታን መገዲ ዘለዎ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዝርከብ መናፈሲ፡ ርዱእ ናይ መዛወሪ ቦታ እዩ። ካብ ምብራቕ ኡደቫላ ንማእከል ከተማ ሰንጢቑ ብወሰናስን ማይ ናብ ሊንደስኔስ ዝቕጽል ዝርግሐ ኣሎዎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ኡደቫላ፡ እታ ዝዓበየት ትካል ክራይ-ኣባይቲ፡ እታ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ እትውነንL ኡደቫላ-ሄም ተባሂላ እትፈለጥ ትካል እያ። ብዜካ'ዚ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ዝርዝር ናይ ካልኦት ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ትረኽቡ።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኡደቫላ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ቦስንያ፡ ሰርብያ፡ ክሮኦሽያ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ዓረበኛ፡ ሶማለኛ፡ ጀርመን፡ ፖላንድ፡ ስጳኛ፡ ኢራነኛ፡ ታይ፡ ዴንማርክ፡ ቱርኪን ካልእን፡ ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኡደቫላ፡ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ምስ ዘገድሳኹም ማሕበራት ኣብቲ ቦታ ኣለዋ ወይ የልዋን ክትርእዩ ትኽእሉ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ቦቻ ይጻወቱ ኣሎዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኡደቫላ፡ ቤት-ጽሕፈት ዜጋታት ወይ ነባሮ ትክረብ። ናብዚ ቤት-ጽሕፈት'ዚ ብምኻድ፡ ክህልወኩም ንዝኽእል ሓፈሻዊ ሕቶታት መልሲ ክትረኽቡሉ ትኽእሉ። ንኣብነት፡ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ንምርኻብ። ብዜካ'ዚ፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ከተማ፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን፡ ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪን-ካሳ)፡ በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተ-ቨርከት) ውን ኣብ ማእከል ናይታ ከተማ ይርከቡ። ፋርማሲ፡ ባንክታት፡ ድኳናት፡ ኣብያተ-መግቢታት፡ እንዳ-ፒሳ ከማኡ ውን እንዳ-ሻሂታትን ውን ኣብ ማእከል ናይታ ከተማ ይርከብ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ኡደቫላ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝዓበዩ ማእከላት ዕድጊ ይርከቡ። ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ እቲ ብኢከያ ዝፍለጥ ድኳን ኣቍሑ ይርከብ። ኣብ ከተማ ኡደቫላ፡ ክልተ ዘገልገለ-ንብረት ዝሽየጠለን ድኳናት ይርከባ። እታ ሓንቲ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ኮይና፡ ሕሱር ዘገልገለ ክዳውንትን ኣቍሑ ገዛን ይርከብ።

ብእግሮም ዝከዱን ቡን ዝሰትዩን ሰባት ኣብ ኡደቫላ ናይ ኣጋር ጐደና

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኡደቫላ፡ ቀረብ ናይ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ናይ ቅድመ ትምህርቲ ንጥፈታት ኣሎዋ። ኮሙናላውያንን ናይ ግልን መውዓሊ-ህጻናት፡ ኮሙናላውያንን ናይ ግልን ስነ-ትምህርታዊ ሓልዮት ከምኡ'ውን ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ስነ-ትምህርታዊ ሓልዮት፡ ብሓደ ኣላይ ቈልዑ ዝእለ ንጥፈት ማለት እዩ።

ቈልዑን ሰራሕተኛታት መውዓሊ ህጻናትን ኣብ ደገ።

ኣብዚ ኮሙን እቲ ሓልዮት ተምሃሮ ብዓይነት ናይ ናጻ ግዜ መዘናግዒ ኣዳራሽ፣ ስነ-ትምህርታዊ ሓልዮትን ናይ ናጻ ግዜ ክለባት ይካየድ። ናይ ናጻ ግዜ ክለባት ነቶም ናብ ናይ ናጻ ግዜ መዘናግዒ ኣዳራሽ ንምኻድ ዝዓበዩ ኾይኖም ዝስምዖም ግን ዝተወደበ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ንጥፈታት ዝደልዩ ቁሩብ ዕብይ ዝበሉ ቈልዑ (10-12 ዓመት) እዩ።

ቈልዑን ዓበይትን ዘለውዎ መጻወቲ ቦታ ኣብ ማእከል ኡደቫላ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ኡደቫላ፡ ብርክት ዝበላ፡ መንግስታውን ከምኡ ውን ናይ ግሊ ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ይርከባ። እዘን ኣብያተ-ትምህርታት፡ ን7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዝሓቁፍ፡ ዝተፈላለየ ትምህርታዊ መደባት የአንግዳ። ደቕኹም ቅድሚ ኣብ ዚለ ክፍሊ ከምኡ ውን ቅድሚ 7ይ ክፍሊ ምጅማሮም፡ ንትምህርቲ ዝምልከት ምርጫኹም ወይ ድልየታትኩም ክትሕብሩ፡ ትኽእሉ።

እታ ናይ ማእከላይ ደርጃ ቤት-ትምህርቲ ኡደቫላ፡ ኩሉ ሃገራዊ መደብ-ትምህርቲ ከምኡ ውን ሞያውን ግብራውን መደብ ትምህርታት ተአንግድ። እቶም ካብ 16 ክሳብ 19 ዝዕድሚኦም ሓደስቲ ስደተኛታት ቋንቋ ሽወደን፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ቁጽሪ፡ ካልእ ዓይነት-ትምህርቲ፡ ከምኡ ውን መድብ-መእተዊ ትምህርቲ ንሓደስቲ ክመሃሩ ይኽእሉ።

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ

ኣብ ከተማ ኡደቫላ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ሓንቲ ግዜ ኣብ ሰሙን፡ ድሕሪ ስሩዕ ሰዓታት ትምርህቲ ብነጻ ዝወሃብ ናይ ቋንቋ-ኣደ መደብ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ ይነጥፋ። ነዚ ዕድል ብምጥቃም ከኣ፡ ተመሃሮ ንቋንቋ ኣዲኦም ንኽመልኩ ዕድል ይወሃቦም። ኣብ እዋን ስሩዕ ሰዓታት ትምህርቲ፡ ምኽርን ሓገዝን ውን ንተማህሮ ክወሃቦም ይኽእል። ተመሃሮ፡ ነቲ ኣብ ትምህርቲ ዝመሃርዎ መጻሕፍቲ፡ ንምንባብን ምርዳእን ድጋፍ ይግበረሎም። ብኸምዚ ከኣ፡ ተማሃሮ ነቲ ዝነበሮም ናይ ዓዶም ትምህርቲ ምስ'ዚ ናይዚ ዓዲ ከወሃህድዎ ዕድል ይረኽቡ።

ኣብ ከተማ ኡደቫላ ነቶም ኣብ 3ይ፡ 6ይ ከምኡ ውን 7 ክሳብ 9ይ ክፍሊ ንዝጅምሩ ሓደስቲ ተመሃሮ ዝምልከት ፍሉይ ክፍሊታት ኣሎ። ኣብዚ ክፍልታት'ዚ፡ ተማህሮ፡ ኣብ ጽዑቕ ናይ ቋንቋን፡ ቀጺሎም ዝመሃርዎ ካልእ ዓይነታት-ትምህርትን፡ ልምምድ ከም ዝጽመዱ ይግበር። ብዜካ'ዚ፡ ብቋንቋ ናይቶም ተማሃሮ ዝዛረቡ መምህራን፡ ትምህርታዊ ድጋፋት ከም ዝወሃቡ ይግበር።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ማእከል-ትምህርቲ ከተማ ኡደቫላ፡ እቶም ናይ መባእታ ወይን ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዘይወዳእኩም፡ ትምህርትኹም ከተጠናቕቑ ዕድል ኣለኩም። ትምህርትኹም ንምዝዛም ዘድልየኩም ግዳፍ ውን ክግበረልኩም ይኽእል'ዩ። እቶም ተዛረብትሪ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾንኩም ውን፡ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ከም ትሳተፉ ይግበር።.

ብዜካ'ዚ፡ ሓፈሻዊ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ትምህርቲ፡ ካልእ ፍሉይ መደብ ትምህርቲ ውን ይርከብ። እዚ ትምህርታት'ዚ፡ ሞያዊ ኣንፈት ዘለዎ ኮይኑ፡ ንኣብነት ንክንክን ወይ ምሕብሓብ ዝምልከት፡ ናይ ባትላሜራ ከምኡ ውን ዓበይቲ-መካይን ናይ ኣውትስታ ትምህርቲ የጠቓልል። ብዜካ'ዚ፡ ኣብዛ ከተማ፡ ኣብ ሞያዊ ትምህርቲ ዘትኮረት ናይ ላዕለዋይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ውን ትርከብ። ኣብታ ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ዝርከብ፡ ማእከል ሞያውን ትምህርታውን ምኽሪታት፡ ብርክት ዝበሉ ኣማኸርቲ ሞያን ትምህርትን ይርከቡ። ነዞም ኣማኸርቲ መጺእኩም ወይ ቆጸራ ሒዝኩም ከተዘራርብዎም ትኽእሉ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኡደቫላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይታ ከተማ ዝርከባ፡ 5 ጥዕናዊ-ማእከላት ይርከባ። ምስ እትሓሙ ወይ ውን ጥዕናዊ ምኽርን ሓብሬታን ምስ ዘድልየኩም፡ ናብዘን ጥዕናዊ-ማእከላት ክትከዱ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ማእከል-ጥዕና ኣዴታትን ህጻናት፡ ማእከል ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤትን ክሊኒክ-ስኒን ይርከብ። ሆስፒታላት ኣብ ኡደቫላን ትሩልሃታንን ይርከባ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ካብ ትካል ቶልክፎርመድሊን ቬስት ተርጓሚ ከም ዝቍጸረልኩም ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልግሎት ዘጎዓዝያ ኣብ ምሉእ ኣውራጃ ቬስትራ-ጎታልንድስ፡ ብትካል መጎዓዝያ ቬስት-ትራፊክ፡ ይመሓደር።

ውድድር ጀላቡ ናይ ብጋንጽላ ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ ኣብ ትሕቲ ድልድል ኡደቫላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምምሕዳር ከተማ ኡደቫላ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ሓደ እዩ። ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ'ዚ፡ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ፡ ዝካረዩ ነጻ ንትካላት ወይ ድኳናት ዝኸውን ኣባይቲትን፡ ንምምስራት ትካላትን ዝምልከት ሓበሬታ ትረኽቡ። ኣብ መዝገብ-ትካላት ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ውን፡ ኣብዚ ቦታ ዝርከባ ትካላት፡ ክትደልዩ ትኽእሉ።

እቶም ኣብ ኡደቫላ ዘለዉ ዝዓበዩ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ ጽላት ንግዲ፣ ኣብ ኮሙንን ኣብ ክንክንን ሓልዮትን እዮም። ኣብ ህንጻን ናይ ትካላት ኣገልግሎትን ካልኦት ዝውቱራት ሞያ እዮም።

ናብታ ንዅሉ ዓይነት ሞያ ስራሕ ዝርከባ ዮተቦርይ፡ ናይ ሓደ ሰዓት ናይ ምምልላስ ርሕቀት እዩ።

ናይቲ ኮሙን ኢንዱስትሪን ንግድን ኩባንያን