Härryda

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ሃሪዳ፡ ጥቓ ከተማታት ዮተቦርን ቡሮስ ዝርከብ፡ ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ዝተዓደለ ብባሕሪታት ከምኡ ውን ልሙዕ ጫካ ኣግራብን ተኸቢቡ ዝርከብ ከተም እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሄርይዳ ኮሙን ሽዱሽተ ዓበይቲ ከተማታት ኣሎዋ። ሞልንልይከ፣ ላንድቨተር፣ ሂንዶስ፣ ሄርይዳ፣ ሄሊንግሾን ሬቭላንዳን። ኣስታታ ፍርቒ ናይቶም ነበርቲ ኣብ ሞልንልይከ ይቕመጡ። ኣብ ሄርይዳ ኮሙን ዝካረ ገዛ ወይ ካልእ መንበሪ ትደሊ እንተ ኣሎካ ዄንካ፡ ከመይ ጌርካ ኣብ ናቶም መስርዕ ከም ትኣቱ ንምፍላጥ ምስ ዋናታት ገዛውትን ኣካረይትን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ትርኢት ናይ ማእከል ሞልንልይከ ማይ ብቕድሚቱ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

4% ካብ ተቐማጦ ምምሕዳር ከተማ ሃሪዳ ካልእ መበቆል ዘለኦውም ስደተኛታት ኮይኖም 14% ከኣ፡ ስድሪኦም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ፡ እዮም። ኣብ ኣብያተ-ትምህርታት ናይቲ ከባቢ ንኣብነት ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ይወሃብ፡- እንግሊዝኛ፡ ዕረበኛ፡ ኢራን፡ ደቡባዊ-ክርድ (ሶራኒ) ከምኡ ውን ኣልባንያ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምዳር ከተማ ሃሪዳ፡ ኣብ መዳይ ስፖርት፡ ኣይሮቢክስን ባህልን ዝነጥፋ፡ ብርክት ዝበላ ማሓበራት ኣለዋ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ንቆልዑን ዓበይትን ዝሓቁፍ መደባት ኣለወን። ዝርዝር ናይዘን ማሕበራት፡ ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ፡ መዝገብ-ማሕበራት፡ ትረኽብዎ።

ኣዳራሽ ባህሊ ናይ ሞልንልይከ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ምምሕዳር ከተማ ሃሪዳ 6 ዓበይቲ ከተማታት ሃልየን እተን ዝዓበያ ከኣ፡ ሞልንሊከን ላንድቬተርን እየን። ኣብ ሞልንሊከ ንኣብነት፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ቡቲካትን ድኳናት ዘገልገለ-ንብረትን ይርከብ። ኣብ ከተማ ላንድቬተር ከኣ፡ ዝተወሰና ድኳናት ትረኽቡ። ኣብ ከተማታት ሃሪዳ፡ ሂንዶስ፡ ሄሊንግኹን ሬቭላንዳን ግን ኣገልግሎታት ዳርጋ ውሱን እዩ ክበሃል ይከኣል። ቤት-ንባብ ኣብ ሞልንሊከ፡ ላንቬተር፡ ሂንዶስን ሬቭላንዳን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ምምሕዳር ከተማ ሃሪዳ፡ ቆልዑ ዘለዎም ስድራ-ቤታት እዮም። ኣብ ሞልንልይከ፣ ላንድቨተርን ሂንድኦስን፡ መውዓሊ ህጻናትን ክፉት መውዓሊ ህጻናት/ማእከል ስድራ ቤትን ኣሎና። ኣብዚ፡ እቶም ቈልዑ እንዳተጻወቱ ንስኹም ምስ ካልኦት ሰባት ክትላለዩ ትኽእሉ። ኣብዚ ማእከል'ዚ ንኽትመጹ ዝኾነ ትኸፍልዎ ነገር የብልኩምን። እቲ ኣጋጣሚ እውን ንዓበይቲ ይኹን ነኣሽቱ መሳጢ እዩ።

"ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ሓልዮት ቈልዑን መውዓሊ ህጻናትን ብዝያዳ ኣንብብ። "

ምስ ሓንቲ መምህር ዝላገጹ ዘለዉ ቈልዑ መውዓሊ ህጻናት።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ሃሪዳ፡ 18 ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣለዋ። እዘን ኣብያተ-ትምህርታት ኣብ ሞልንሊከ፡ ላንድቬተር፡ ሂንዶስ፡ ሃሪዳ፡ ሄሊንግሸን ሬቭላንዳን ይርከባ። ኣብ ሞልንሊከ፡ ሁለቤክ-ጂምናስዩም፡ እትበሃል ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣላ። እዛ ቤት-ትምርህቲ'ዚኣ፡ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ዝድህስስ ብርክት ዝበለ ትምህርታዊ-መደባት ሃልይዋ፡ ካብ ምሉእ ዞባ ዮተቦሪ ዝመጽኡ ተማሃሮ ሓቍፋ እትርከብ፡ ህብብቲ ቤት-ትምህርቲ እያ።

ክልተ ተምሃሮ ካብ ሓደ መምህር ናይ ጽርበት ዕንጨይቲ መምርሒ ይወሃቦም ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

"ማእከል መደብ-ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣብ ብሉጽ ህንጻታት ኣብ ከተማ ሞልንሊከ ይርከብ። ኣብዚ ማእከል'ዚ ብነጻ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ነቲ ንመምሃሪ ዘድሊ መሳለጥያታ ጥራይ ኢኹም፡ ትኸፍሉ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡
ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ)፡ ናይ መባእታዊ ወይ ማእከላይ ደረጃታት ትምህርቲ ከምኡ ውን ሞያዊ ትምህርታት ክትመሃሩ ትኽእሉ።"

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማታት፡ ሞልንሊከ፡ ላንድቬተር ከምኡ ውን ሂንዶስ፡ ሕክምና ወይ ጥዕናዊ-ማእከላት፡ ኣለዋ። ማእከል-ጥዕና ህጻናት ኣብ ሞልንሊከ፡ ላንድቬተርንን ሂንዶስ ውን ኣለዋ። ሕላፍ-ሰዓት ወይ ውን ሰዓት ምሸት ወይ ውን ቀዳመ-ሰንበት ሕክምናዊ ረድኤት ምስ ዘድልየኩም ናብቲ ኣብ ከተማ ሞልንዳል ዝርከብ ሕክምና፡ ምኻድ ከድልየኩም እዩ። ክሊኒካት-ስኒ ኣብ ሞልንሊከ፡ ላንድቬተርን፡ ሂንዶስን፡ ኣለኩም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ብኣውቶቡስ ካብ ሞልንሊከ ናብ ዮተቦሪ 10 ደቓይቕ ይወስድ። ካብ ላድቬተር ናብ ዮተቦሪ 20 ደቓይቕ ናብ ቡሮስ ከኣ፡ 50 ደቓይቕ ይወስድ። ካብ ሞልንሊከ ናብ ሂንዶስ ብባቡር ውን ክትሳፈሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንመጎዓዝያ ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቬስትራፊክ፡ ትረኽብዎ።

ኣብ ማእከል ምምሕዳር ሃሪዳ፡ እቲ ኣብ ሽወደን ካልኣይ ዝዓበየ መዕርፎ-ነፈርቲ (መዕርፎ-ነፈርቲ ላንድቬተር) ይርከብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

መዕርፎ-ነፈርቲ ዮተቦሪ ላንድቬተር፡ እዚ ዝዓበየ ማእከል-ስራሕ ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ እዩ። ኣብዚ መዕርፎ-ነፈርቲ'ዚ ኣስታት 4000 ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ቆጺሮም፡ ይሰርሑ። ምምሕዳር ከተማ ሃሪዳ ውን፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዓበይቲ ዝኾኑ ወሃብቲ-ስራሕ እዩ። ምስ ምምሕዳር ከተማ ሃሪዳ፡ ኣብ መዳይ ትምህርቲ፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ ክንክንን ምሕብሓብን ስራሕ ክትረኽቡ ትኽእሉ።