Skara

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ስካራ 19 000 ነበርቲ ይርከብዋ ኣካል ኣውራጃ ቬስትራ የታላንድ ኮይና ኣብ ማእከል ስካራቦርይ ትርከብ። ኣብዚ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት 250 000 ሰባት ክትረክብ ትኽእል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ስእሊ ካብ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ማእከል ስካራ

ስካራ ካብተን ኣዝየን ጥንታውያን ከተማታት ሽወደን እያ። ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ትካላት፣ ሃብታም ናይ ትርፊ ግዜን- ባህላዊ ትሕዝቶን ከምኡ ውን ብዙሓት ተባላሓቲ ሰባት ኣለዉና። ናይ ሽሕ ዓመት ታሪኽ ኣለና ናይ መጻኢ ሽሕ ዕድላት እውን።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ስካራ ዝተፈላለዩ መንበሪ ኣባይቲ፣ ናይ ክራይ ኣባይቲ፣ ናይ ማሕበር ኣባይትን ነኣሽቱ ገዛውትን ኣለዉ። ብናይ ምምሕዳር ትካል ኣባይቲ፣ ኣባይቲ ሴንትሩም ዝውነኑን ዝመሓደሩን ናይ ክራይ ኣባይቲ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ናይ መንበሪ ከባቢታት ይርከቡ። ኣብ ምምሕዳር ዝርከቡ መዝገብ ናይ ኩሎም ኣካረይቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ተመልከት።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ምምሕዳር ስካራ ካብ ካልኦት ሃገራት ምስ ተሞክሮታቶምን ድሕረ ባይተኦምን ዝመጹ ሰባት ናይ ምቕባል ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ። ምዕባለ ዝፍጠር ሓደስቲ ሰባት ናብ ሕብረተሰብ ምስ ዝጽንበሩ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ደቡባዊ ምስራቕ ኣስያ፣ ሶማልያ፣ ኮንጎ፣ ሲርያን ኣፍጋኒስታንን ይርከቡ። ብዙሓት ነበርቲ ስካራ ብጀካ ቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዘኛን ካልኦት ቋንቋታት እዮም ዝዛረቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ ምምሕዳር ነናቶም መለለዪ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ማሕበራት ኣለዉ-ኣስታት 150። ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሂወት እዩ ዝረኸብን ምትእስሳር ዝፈጥርን! ኣብነት ናይ ስፖርታ ማሕበራት፣ ባህላዊ ማሕበራት ኣብያተ ክርስትያንን ካልኦት ምትእኽኻባትን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ምስ ዝምባሌታትካ ዝሳነያ ማሕበራት ኣብ መዝገብ ማሕበራት ክትደሊ ይከኣል። ኣብ ስካራ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተ ክርስትያን ክሃንጽ ዝትስፎ ዓቢ ዝኾነ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ኣሎ። ካል ኦት ብርክት ዝበላ ኤርትራውያን ማሕበራትን ማሕበር ባልካን ውን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ስካራ ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ትሕዝቶ ናይ መግቢ ድኳናት/ግሮሰሪታት ኣለዉዋ ኣብ ሴንትሩም ፋርማሲ፣ ባንክ፣ ድኳናት፣ ሲነማ፣ ካፌተርያን ቤት መግብን ይርከቡ። ክዳውንቲ፣ ናይ ገዛን ክሽነን ኣቑሑት ዝሸጡ ሰለስተ ናይ ሓራጅ ድኳናት ውን ኣለዉ።

ኣብ ስካራ ንስድራ ቤትን ነይኖም ዝመጹ ነኣሽቱን መንእሰያት ስደተኛታት ዘአንግድ ማሕበራዊ ቤት ጽሕፈት ኣሎ። ኣብ ሴንትሩም ቤት ጽሕፈት ዕዩን ክልተ ማእከላት ጥዕናን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ይርከብ። ቤት ጽሕፈታት ቀረጽን/ግብርን ካሳ ውሕስነትን ካብ ስካራ 20 ኪሎሜተር ኣብ ሊድሸፒንግን ሸቭደን ይርከብ። ኣኡቶቡሳት ስሩዕ ኣገልግሎት ይህባ።

ኣብ ስቲፍትስን ሃገራዊ ቤት ንባብን ስካራ ንሓደስቲ መጻእቲ ክሕግዙ ዝኽእሉ መጻሕፍትን ካልእ ንዋትን ክትረክብ ትኽእል። ቋንቋ ሽወደን ክትመሃር ምስ እትደሊ መዝገበ ቃላት፣ ናይ ቋንቋ ኮርሳትን ብቐሊል ክንበቡ ዝኽእሉ መጻሕፍትን ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ብብዙሓት ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ስነ ጽሑፋት/ልበ ወለድ ውን ይርከቡ። ብቋንቋኻ ክርከቡ ዘይክእሉ ደስ እናበለና ኢና ንእዝዘልካ። ሓገዝ ምስ እትደሊ ንሰራሕተኛታት ቤት ንባብ ክትውከሶም ንዕድም። መጽሓፍ "ብዛዕባ ሽወደን" ሌላ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ቆላሕታኣ ንዓኻ ብዛዕባ ቋንቋን ሕብረተሰብ ሽወደን ዝያዳ ሓበሬታ ንእትደሊ እዩ። እቲ ዕላማ ከኣ ንዓኻ ከም ሓድሽ መጻኢ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምንን ሕብረተሰባዊ ሂወትን ንምቅላል ተባሂሉ እዩ። እቲ ትሕዝቶ ኣብ ካብ ኢንተርኔት ክወርዱ ዝኽእሉ ሰነዳት ብዝተፈላኣለዩ ቋንቋታት ይርከብ።

ሰራሕተኛ ቤት ንባብ ባራካት ኣልዳማድ ንሓደሽቲ በጻሕቲ ይፋለጥን ሓበሬታን ምኽርን ውን ይህብ። ንሱ ኣብ ቋንቋ ዓረብን ባህል ኣፍልጦ ኣለዎ ንሓደስቲ ዝህቦ ደገፍ ድማ ብቀሊል ዘይርአ ሓይሊ እዩ። "ብቋንቋ ሽወደን ቡን ምስታይ" ቆላሕትኡ ንዓኻ ናብ ሽወደን ኣብ ቀረባ ግዜ ዝመጻእካ ዝገበረ ማሕበራዊ ፕሮጀክት እዩ። ኣብዞም ኣጋጣሚታት እዚኣቶም ምስ ነበርቲ ስካራ ከተዕልልን ማዕረ ማዕሪኡ ውን ቋንቋ ሽወደን ክትለማመድ ዕድል ዝህብ እዩ።

ቤተ መዘክር ቬስተርየትላንድ ካብ ቤት ንባብ ኣዝዩ ርሑቕ ኣይኮነን። 10 ደቒቕ ካብ ሴንትሩም ቪላ ዝበዝሖ ከባቢ ምስ መሐምበሲ፣ መጻወቲ ኢስሆኪ፣ ናይ ጉያ ቦታ፣ ሜዳ ቴኒስን ካልኦት ብዙሓትን ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ስካራ ንንጥፈታት መዋእለ ህጻናት ዝምልከት ኣብ ሞንጎ ናይ ምምሕዳር መዋእለት፣ ኣብ መንበሪ ኣባይቶም ህጻናት ዝከናኸኑን ናይ ብሕቲ መዋእለ ህጻናትን ድሕሪ ትምህርቲ ቆልዑት ዝጸንሕሉን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኩሎም ንጥፈታት ድሩት ዓቕሚ ኣካልን ስነ ኣእምሮን ዘሎም ቆልዑ ብሓባር ይነጥፉ። ሓበሬታ ብዛዕባ ክንክን ህጻናት ኣብ ምምሕዳር ስካራ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ተመልከት።

ናይ ቀረባ ስእሊ ሓደ ናይ መውዓሊ ህጻናት ቈልዓ ገጽ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ስካራ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ከተማ እያ። ጠለባት ነበርቲ ምምሕዳር ዘማልኣ ብርክት ዝበላ ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ። ካብተን ናይ ሽወደን ጥንታዊት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብሉጽ፣ ሰፊሕ ትሕዝቶን ጽቡቕ ባህልን ዘለዋ ቤት ትምህርቲ እያ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መባእታ ቤት ትምህርትን ተኽእሎታት ንካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ክትረክብ ይከኣል።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ትምህርቲ ንዓበይትን ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታትን sfi የእንግድ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ብዛዕባ ዘለዉ ተወሳኺ ዕድላት ከተንብብ ይከኣል።

ኣብ ስካራ ናይ ሞያ ላዕለዋይ ትምህርቲ ስነ ሂወት ሕርሻ፣ ክንክን እንስሳ፣ ምስ እግሪ ኣፍራስ ዝተሓሓዝ ስነ ጥበብ፣ ክንክን ኣፍራስ ወይ ከኣ ስሓሃት ጃርዲን ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ስካራ ብርክት ዝበሉ ማእከላት ጥዕና፣ ክንክን ጥዕና ኣዴታት/ኣብ ግዜ ጥንሲ፣ ክንክን ጥዕና ህጻናትን ብርክት ዝበሉ ሓካይም ስኒ ይርከቡ። ኣብ ጎሮቤት ከተማ ሸቭደ ቀይሕ መስቀል ናይ ውግእን መግረፍትን ጉዱኣት ማእከል ኣለዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታውያን ትካላት፣ ምምሕዳር ከምኡ ውን ሕክምና ዝግበሩ ኩሎም ርክባት ቋንቋ ሽወደን ዘይርደኣካን ዘይትዛረብን እንተኾንካ መሰል ቶርጓማይ ኣሎካ። ኣብ ማርየስታድ ክንጥቀመሎም እንኽእል ናይ ምምሕዳር ቶርጎምቲ ኣለዉ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ከተማን ናይ ኣውራጃ ኣውቶቡሳትን ጽቡቕ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይህባ። ብጎሮቤት ከተማታት ሊድሸፒንግ፣ ሸቭደ ወይ ከኣ ፋልሸፒንግ ናብ ስቶክሆልምን የተቦርይን ብቐሊል ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቬስትትራፊክ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ግዜ ሰሌዳን ናይ ንቕሎ ሰዓትን ክርከብ ይከኣል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ወይ ከኣ ኣብ ብመጓዓዝያ ክትመላለሰሉ ኣብ እትኽእል ርሕቀት ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ። ናትካ ትካል ክትገብር ንእትደሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ሓበሬታ ይርከብ።

ኣብዚ ምምሕዳር ትካል ጀሚርካ ከተመሓድር ብዙሓት ተኽእሎታት ኣለዉ። ብዙሓት ነኣሽቱ ትካላት ናብ ሽወደን ብዝፈለሱ ሰባት እዮም ዝውነኑ። ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዕዮ፣ ሓደሽቲ ወነንቲ ትካል፣ ኣልሚ ወይ ከኣ ኩምፓንዮን ኣብ ምጅማር ክትረኽቦ እትኽእል ሓገዝን ምኽርን ኣሎ። ኣብ ስካራ እቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ Jula, IAC, Scan, EA Åkeri, Svenska Lantäggን Skara Sommarlandን እዮም።

ኣብዚ ትካላት ክጥጥዓን ክዓብያን ይኽእላ እየን። ልክዕ ከም ቅድሚ ሽሕ ዓመት። ንመጻኢ ሽሕ ዓመት ውን። ደቂ ሰባት ምስ ዝሰማምዖም ዕዳጋታት ይዕምብቡ።